ዘፍጥረት 23:1-20

  • ሞት ሳራን መቓብራን (1-20)

23  ሳራ ድማ 127 ዓመት ነበረት፣ እዚ ዕድመ ሳራ እዩ።+ 2  ሳራ ኸኣ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕ፡+ ንሳ ኬብሮን፡+ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ሞተት፣ ኣብርሃም ድማ ንሳራ ሓዘነላን በኸየላን። 3  ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም ካብ ቅድሚ እታ ምዉትቱ ተንስአ፣ ንደቂ ሔት+ ድማ፡ 4  “ኣነ ኣብ መንጎኹም ጓናን ሰፋርን እየ።+ ነዛ ምዉትተይ ክቐብርሲ፡ ርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ሃቡኒ” በሎም። 5  ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፡ 6  “ጐይታይ፡ ስምዓና። ንስኻ ኣብ መንጎና ሹም ኣምላኽ* ኢኻ።+ ካብ መቓብራትና ኣብቲ ምሩጽ ዝበልካዮ ምዉትትኻ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ምዉትትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኸልኣካ የልቦን” ኢሎም መለሱሉ። 7  ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ፡ ንደቂ እታ ዓዲ፡ ንደቂ ሔት፡+ ሰገደሎም፣ 8  “ንምዉትተይ ክቐብር እንተ ተሰማሚዕኩም፡* ስምዑኒ፣ ንዔፍሮን ወዲ ጾሓር ከኣ፡ 9  እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኺሸጠለይ ለምኑለይ። ርስቲ መቓብር ምእንቲ ኺህልወንስ፡+ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ይሽጠለይ”+ ድማ በሎም። 10  ዔፍሮን ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ድማ፡ ደቂ ሔት እናሰምዑ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዚኣትዉ ዅሎም፡+ ንኣብርሃም፡ 11  “ኣይፋልካን ጐይታይ። ስምዓኒ ደኣ። እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን እህበካ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝበይ እህበካ ኣለኹ። ምዉትትኻ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 12  ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ እታ ዓዲ ሰገደ፣ 13  ንዔፍሮን ድማ እቶም ደቂ እታ ዓዲ እናሰምዑ፡ “ስምዓኒ ደኣ። ነታ ግራት ምሉእ ዋጋ ብብሩር ክህበካ እየ። ምዉትተይ ክቐብርሲ፡ ካባይ ውሰዶ” ኢሉ ተዛረቦ። 14  ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ 15  “ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ። እዛ ግራት እዚኣ 400 ሲቃል* ብሩር እዩ ዋግኣ፣ እዚ ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ፧ ምዉትትኻ ደኣ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 16  ኣብርሃም ከኣ ንዔፍሮን ሰምዖ፣ ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን፡ ነቲ ደቂ ሔት እናሰምዑ እተዛረቦ ዋጋ ብሩር፡ ከምቲ ብነጋዶ ቕቡል ዝዀነ ሚዛን 400 ሲቃል* ብሩር መዘነሉ።+ 17  በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን፡—እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብ ውሽጢ ደረታ ዝነበረ ዅሉ ኣእዋምን፡— 18  ኣብ ቅድሚ ደቂ ሔት፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዚኣትዉ ዅሎም፡ ኣብርሃም ዝዓደጋ ንብረት ኰነት። 19  ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ቀበራ። 20  በዚ ኸምዚ፡ እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዝነበረት በዓትን ካብ ደቂ ሔት ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኰይና ተመሓላለፈት።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓብዪ ሹም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሳትኩም እንተ ተሰማሚዐን።”
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።