ዘፍጥረት 29:1-35
29 ድሕሪኡ፡ ያእቆብ ጕዕዞኡ ቐጸለ፡ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ድማ ከደ።
2 ኣብ መሮር ከኣ ዒላ ረኣየ፣ ካብቲ ዒላ ድማ ነተን መጓሰ የስትዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ኸኣ ዓብዪ እምኒ ነበረ።
3 ኵለን እተን መጓሰ ናብኡ ምስ ተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኣንከባሊሎም፡ ነተን መጓሰ የስትይወን ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ እምኒ ናብ ቦታኡ፡ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ ይመልስዎ ነበሩ።
4 ያእቆብ ከኣ፡ “ኣሕዋተየ፡ ካበይ ኢኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ካብ ካራን ኢና” በልዎ።+
5 ንሱ ኸኣ፡ “ንላባን+ ወዲ ወዱ ንናሆርዶ+ ትፈልጥዎ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “እወ ንፈልጦ” በሉ።
6 ንሱ ኸኣ፡ “ደሓንዶ ኣሎ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ደሓን ኣሎ። ራሄል+ ጓሉ እውን እንሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።
7 ንሱ ኸኣ፡ “ገና ፍርቂ መዓልቲ እዩ። መጓሰ ዚእከባላ ግዜ ኣይኰነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ፡ ኬድኩም ኣብልዕወን” በሎም።
8 ንሳቶም ድማ፡ “ኵለን መጓሰ ኸይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ኸይገልበጥዎ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይፍቀደልናን እዩ። ሽዑ፡ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን” በሉ።
9 ገና ምሳታቶም ኪዛራረብ ከሎ፡ ራሄል ጓሳ ስለ ዝነበረት፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት።
10 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ንኣባጊዕ ላባንን ምስ ረኣየ፡ ያእቆብ ብኡብኡ ቐሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኣንከባለሎ፡ ንኣባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን።
11 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዓማ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ እውን በኸየ።
12 ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ* ኣቦኣን ወዲ ርብቃን ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ንኣቦኣ ነገረቶ።
13 ላባን+ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዐ፡ ኪቕበሎ ጐየየ። ሓቚፉ ድማ ሰዓሞ፡ ናብ ቤቱ እውን ኣእተዎ። ንሱ ኸኣ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ንላባን ነገሮ።
14 ላባን ድማ፡ “ብሓቂ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ስለዚ፡ ምስኡ ምሉእ ወርሒ ተቐመጠ።
15 ድሕርዚ፡ ላባን ንያእቆብ፡ “ዘመደይ*+ ስለ ዝዀንካዶ ብኸንቱ ኽትግዝኣኒ ኢኻ፧ ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ።+
16 ላባን ከኣ ክልተ ኣዋልድ ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ራሄል ነበረ።+
17 ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፣ ራሄል ግና ውቅብትን መልክዐኛን ነበረት።
18 ያእቆብ ድማ ንራሄል ኣፍቀራ እሞ፡ “ምእንቲ ራሄል እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሸውዓተ ዓመት ክግዝኣካ ፍቓደኛ እየ” በሎ።+
19 ላባን ከኣ፡ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንዓኻ ኽህባ ይሕሸኒ። ምሳይ ተቐመጥ” በሎ።
20 ያእቆብ ድማ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ፣+ ብምኽንያት እቲ ንዓኣ ዝነበሮ ፍቕሪ ግና፡ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሒደት መዓልትታት ኰይነን ተራእያኦ።
21 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንላባን፡ “መዓልትታተይ ስለ ዝኣኸላ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሃበኒ” በሎ።
22 ሽዑ፡ ላባን ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ድግስ ገበረ።
23 ምስ መሰየ ግና፡ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣምጽኣ፣ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ።
24 ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ዚልጳ ገረዱ ሃባ።+
25 ምስ ነግሀ ኸኣ፡ ያእቆብ፡ ልያ ምዃና ረኣየ። ስለዚ፡ ንላባን፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ፧” በሎ።+
26 ላባን ድማ፡ “ኣብ ዓድና ንእሽቶ ቕድሚ በዅሪ ምሃብ፡ ባህልና ኣይኰነን።
27 ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸን። ድሕሪኡ፡ ስለቲ ኸም ብሓድሽ ንሸውዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እዛ ኻልእ ክትውሃበካ እያ” በሎ።+
28 ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፣ ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸነ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንሱ፡ ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ።
29 ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ቢልሃ ገረዱ ሃባ።+
30 ያእቆብ ከኣ ናብ ራሄል ኣተወ፣ ንራሄል ድማ ሓለፋ ልያ ኣፍቀራ፣ ምስኡ ዀይኑ ኸኣ ካልእ ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ።+
31 የሆዋ ድማ ልያ ኸም ዘይተፈቕረት* ምስ ረኣየ፡ ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ፣*+ ራሄል ግና መኻን ነበረት።+
32 ልያ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “የሆዋ መከራይ ስለ ዝረኣየ እዩ፣+ ሕጅስ ሰብኣየይ ኬፍቅረኒ እዩ” ኢላ ኸኣ ስሙ ሮቤል* ኣውጽኣትሉ።+
33 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “የሆዋ ኸም ዘይተፈቐርኩ ስለ ዝሰምዐ እዩ ነዚ እውን ዝሃበኒ” ኢላ ስሙ ስምኦን* ኣውጽኣትሉ።+
34 ከም ብሓድሽ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሰለስተ ኣወዳት ስለ ዝወለድኩሉ፡ ሕጂ ሰብኣየይ ናባይ ኪለግብ እዩ” በለት። ስለዚ፡ ስሙ ሌዊ* ተባህለ።+
35 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሕጅስ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ” ኢላ ስሙ ይሁዳ* ኣውጽኣትሉ።+ ድሕርዚ፡ ምውላድ ኣቋረጸት።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ሓው።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሓወይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “እተጸልአት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸና ኸፈተላ።”
^ ትርጉሙ፡ “ርአ፡ ወዲ!”
^ ትርጉሙ፡ “ምስማዕ።”
^ ትርጉሙ፡ “ምልጋብ፣ ሓበረ።”
^ ትርጉሙ፡ “እተወደሰ፣ ዚውደስ።”