ዘፍጥረት 34:1-31

  • ዲና ተዓመጸት (1-12)

  • ደቂ ያእቆብ ተተናዀሉ (13-31)

34  እታ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ፡+ ምስ ኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ግዜ ንምሕላፍ* ትወጽእ ነበረት።+ 2  ሴኬም ወዲ ሓሞር እቲ ሒዋዊ፡+ ሹም እታ ምድሪ እቲኣ፡ ምስ ረኣያ፡ ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ። 3  ንሱ ኸኣ ንዲና ጓል ያእቆብ ኣዝዩ ፈተዋ፣* ምስታ ጓል ድማ ፍቕሪ ሓዞ፡ ንልባ ብዜእምን እውን ተዛረባ። 4  ሴኬም ከኣ ንኣቦኡ ሓሞር፡+ “ነዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትኰነኒ ኣምጽኣለይ” በሎ። 5  ያእቆብ ድማ ንሱ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፡ ደቁ ምስ መጓሰኡ ኣብ መሮር ነበሩ። ስለዚ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚምለሱ፡ ስቕ በለ። 6  ጸኒሑ፡ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ምስ ያእቆብ ኪዛረብ ከደ። 7  ደቂ ያእቆብ ከኣ ብዛዕባኡ ሰሚዖም፡ ብኡብኡ ኻብ መሮር ተመልሱ። ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ፡ ኣብ እስራኤል ኪግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፡+ ጐሃዩን ኣዝዮም ተቘጥዑን።+ 8  ሓሞር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ወደይ ሴኬም ንጓልኩም ኣዝዩ ይምነያ እዩ።* በጃኹም ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃብዎ፣ 9  ምሳና ኸኣ ተዋሰቡ። ኣዋልድኩም ሃቡና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣዋልድና ውሰዱ።+ 10  ምሳና ድማ ክትቅመጡ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ። ኣብኣ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ስፈርዋን።” 11  ሴኬም ከኣ ንኣቦኣን ንኣሕዋታን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሞገስ እርከብ እምበር፡ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ እየ። 12  ኣዝዩ ብዙሕ ገዝምን ህያብን ክትእዝዙኒ ትኽእሉ ኢኹም።+ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ ፍቓደኛ እየ። ሓንትስ ነታ ጓል ደኣ ሰበይቲ ኽትኰነኒ ሃቡኒ” በሎም። 13  ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሱ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘርከሳ፡ ንሴኬምን ንኣቦኡ ሓሞርን ብተንኰል ተዛረብዎም። 14  ከምዚ ድማ በልዎም፦ “ሓብትና ንዘይተገዝረ* ሰብኣይ ክንህብ፡ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና።+ 15  ኵሉ ተባዕታይኩም ብምግዛር ከማና እንተ ዄንኩም፡ በዚ ጥራይ ኢና ሕራይ እንብለኩም።+ 16  ሽዑ፡ ኣዋልድና ንህበኩም፡ ንዓና ኸኣ ኣዋልድኩም ንወስድ፣ ምሳኻትኩም ድማ ንቕመጥ፡ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን። 17  ክትግዘሩ እንተ ዘይሰሚዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።” 18  ዘረባኦም ከኣ ንሓሞርን+ ንሴኬም ወዲ ሓሞርን+ ባህ ኣበሎም። 19  እቲ ጐበዝ ድማ ብጓል ያእቆብ ደስ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ዝበልዎ ንምግባር ኣይደንጐየን፣+ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ። 20  ሓሞርን ወዱ ሴኬምን ድማ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዶም፡ ንሰብ እታ ኸተማኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦+ 21  “እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ብሰላም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። እዛ ምድሪ እዚኣ ንዓታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንዓና ኣንስቲ ኪዀናና ኽንወስድ፡ ኣዋልድና እውን ንዓታቶም ክንህቦም ንኽእል ኢና።+ 22  እዞም ሰባት እዚኦም ግና ምሳና ኪቕመጡን ሓደ ህዝቢ ኪዀኑን ሕራይ ዚብሉና፡ በዚ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ፦ ከምቲ ንሳቶም ግዙራት ዝዀኑ፡ ኵሉ ተባዕታይና ይገዘር።+ 23  ሽዑ፡ ጥሪቶምን ሃብቶምን ማሎምን ናትና ደይኰነን ዚኸውን፧ ስለዚ፡ ምሳና ምእንቲ ኪቕመጡ፡ ንሕና እውን ሕራይ ንበሎም።” 24  ኵሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝወጹ፡ ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም፣ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝወጹ ዘበሉ ዅሎም ተባዕትዮ ድማ ተገዝሩ። 25  ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘዉ ኸለዉ ግና፡ ክልተ ደቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌዊን፡ ኣሕዋት ዲና፡+ ሰሰይፎም ወሲዶም፡ ናብታ ኸተማ ብድንገት ከይዶም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ።+ 26  ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ድማ ብሰይፊ ቐቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ወሲዶምዋ ኸዱ። 27  ካልኦት ደቂ ያእቆብ ከኣ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም፡ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ፡+ ነታ ኸተማ ዘመትዋ። 28  ጤለ በጊዕን ከብትን ኣእዱግን ኣብታ ኸተማ ዀነ ኣብ መሮር ዝነበረ ዘበለን ወሰዱ። 29  ኵሉ ጥሪቶም ወሰዱ፡ ንዅሎም ቈልዑኦምን ኣንስቶምን ማረኹ፡ ኣብ ኣባይቲ እተረኽበ ዘበለ ዅሉ ድማ ዘመቱ። 30  ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌዊን፡+ “ኣብ መንጎ እዞም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን፡ ሕማቕ ጨና ስለ ዝገበርኩምኒ፡ ብዙሕ ጭንቂ ኣምጺእኩምለይ።* ኣነ ብቝጽሪ ሒደት እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብርግጽ ተኣኪቦም ኬጥቅዑኒ እዮም፣ ኣነን ቤተይን ከኣ ክንጠፍእ ኢና” በሎም። 31  ንሳቶም ድማ፡ “ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፧” በሉ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ኽትርኢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነፍሱ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት።”
ወይ፡ “ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጓልኩም ተጣቢቓ እያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕልቦ ንዘለዎ።”
ወይ፡ “ከም ዝግለል ጌርኩምኒ።”