ዘፍጥረት 40:1-23
40 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ እቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ መስተን+ እቲ ሰንካትን ንጐይታኦም ንጉስ ግብጺ በደሉ።
2 ፈርኦን ድማ በቶም ክልተ ሰበ ስልጣኑ፡ ማለት በቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን+ በቲ ሓለቓ ሰንከትትን ተቘጥዐ፣
3 ኣብ ቤት እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ኪእሰሩ፡+ ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ ቦታ ኣእተዎም።+
4 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንዮሴፍ ምሳታቶም ኪኸውንን ኬገልግሎምን መደቦ፣+ ንገለ እዋን* ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸንሑ።
5 እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ መስተን ሰንካትን ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጉሙ ሕልሚ ሓለሙ።
6 ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ዮሴፍ መጺኡ ምስ ረኣዮም፡ ጕህዮም ነበሩ።
7 ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ፈርኦን፡ “ስለምንታይ እዩ ሎሚ ገጽኩም ጸምልዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።
8 ንሳቶም ድማ፡ “ሕልሚ ሓሊምና፡ ዚትርጕመልና ግና የልቦን” በልዎ። ዮሴፍ ከኣ፡ “ትርጉም ናይ ኣምላኽ ደይኰነን፧+ በጃኹም ሕልምኹም ንገሩኒ” በሎም።
9 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ ሕልሙ ነገሮ፦ “ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ተኽሊ ወይኒ ነበረት።
10 ኣብታ ተኽሊ ወይኒ ድማ ሰለስተ ውልዶታት ነበረ፣ ንሱ ኺጥጥዕ ከሎ ድማ፡ ዓምቢቡ ኣብ ዘለላኡ ብሱል ወይኒ ኣፍረየ።
11 ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፣ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸኣ ናብታ ጽዋእ ፈርኦን ጸመቝክዎ። ድሕሪኡ፡ ነታ ጽዋእ፡ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ።”
12 ዮሴፍ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ትርጉሙ እዚ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ውልዶታት፡ ሰለስተ መዓልቲ እዩ።
13 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፈርኦን ኬውጽኣካ፡* ናብ ሽመትካ እውን ኪመልሰካ እዩ።+ ከምቲ ኣቐዲምካ ኣሰላፍ መስተኡ ኸለኻ እትገብሮ ዝነበርካ ድማ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።+
14 ጽቡቕ ምስ ኰነልካ ኸኣ ዘክረኒ። ካብዛ ቦታ እዚኣ ምእንቲ ኸተውጽኣኒ፡ በጃኻ ብተኣማንነት ኣፍቅረኒ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ።
15 ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን እተጨወኹ እየ፣+ ኣብዚ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ዜእቱ ገለ እኳ ኣይገበርኩን።”+
16 እቲ ሓለቓ ሰንከትቲ፡ ዮሴፍ ጽቡቕ ከም ዝተርጐመ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ እውን ብሕልመይ ሰለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ፣
17 ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከኣ ንፈርኦን ዚኸውን ኵሉ ዓይነት እንጌራ ነበረ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ።”
18 ዮሴፍ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ትርጉሙ እዚ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ፡ ሰለስተ መዓልቲ እዩ።
19 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፈርኦን ንርእስኻ ኪቘርጽ እዩ፡* ኣብ ጕንዲ ኸኣ ኪሰቕለካ እዩ፣ ኣዕዋፍ ድማ ስጋኻ ኺበልዓ እየን።”+
20 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፣+ ንዅሎም ገላዉኡ ኸኣ ድግስ ገበረሎም። ሽዑ፡ ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን ሓለቓ ሰንከትትን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡ ኣምጽኦም።*
21 ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ኸኣ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ፣ ንሱ ድማ እታ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ይህብ ነበረ።
22 ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝተርጐመሎም፡+ ሰቐሎ።
23 እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንርእስኻ ልዕል ኬብል።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መዕቘር ማይ፣ ጕድጓድ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንርእስኻ ኻባኻ ኼልዕል እዩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንርእሲ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን ንርእሲ እቲ ሓለቓ ሰንከትትን ኣብ ማእከል ገላዉኡ ልዕል ኣበለ።