ዮሃንስ 9:1-41
9 ኪሓልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ።
2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “መምህር፡*+ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ፡ መን እዩ ዝሓጥአ፧ ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ሓተትዎ።
3 የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺግሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይሓጥአ፡ ወለዱ ኣይሓጥኡ።+
4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽንገብር ይግብኣና እዩ፣+ ሓደ እኳ ኺዓይየላ ዘይክእል ለይቲ ትመጽእ ኣላ።
5 ኣነ ኣብ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ”+ ኢሉ መለሰሎም።
6 እዚ ምስ በለ፡ ኣብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ በቲ ጥፍጣፍ ጸብሪ ገበረ፣ በቲ ጸብሩ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ለኸየ+
7 እሞ፡ “ኣብ ሓጽቢ ሰሊሆም (ትርጉሙ “እተላእከ” እዩ) ኬድካ ተሓጸብ” በሎ። ከይዱ ተሓጽበ፡ እናረኣየ እውን ተመልሰ።+
8 ስለዚ፡ እቶም ጐረባብትን እቶም ቀደም ለማኒ ኸሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ “እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧” በሉ።
9 ገሊኣቶም፡ “ንሱ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ከኣ፡ “ኣይኰነን፡ ንዕኡ ደኣ ይመስል” ይብሉ ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እየ” ይብሎም ነበረ።
10 ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፊተን፧” ኢሎም ሓተትዎ።
11 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኽዩ፡ ‘ናብ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’ ኢሉኒ።+ ኣነ እውን ከይደ ምስ ተሓጸብኩ፡ ክርኢ ኽኢለ” በሎም።
12 ንሳቶም ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፈልጥን” በሎም።
13 ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፡ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።
14 ብኣጋጣሚ፡ እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ፡+ ሰንበት ነበረት።+
15 ስለዚ፡ ፈሪሳውያን እውን ነቲ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገይሩለይ፡ ምስ ተሓጸብኩ ድማ ክርኢ ኽኢለ” በሎም።
16 ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ፈሪሳውያን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ሰንበት ካብ ዘየኽብርሲ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” በሉ።+ ካልኦት ድማ፡ “ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ትእምርትታት ኪገብር ይኽእል፧” በሉ።+ ኣብ መንጎኦም ከኣ ፍልልይ ኰነ።+
17 ሽዑ፡ ነቲ ዕዉር ከም ብሓድሽ፡ “ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ነብዪ እዩ” በሎም።
18 ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመኑን።
19 ንዓታቶም ከኣ፡ “እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትዎም።
20 ወለዱ ድማ፡ “እዚ ወድና ምዃኑን ብዕዉሩ ኸም እተወልደን ንፈልጥ ኢና።
21 ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኸም ዘሎ ግና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ወይስ መን ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ንዕኡ ሕተትዎ። ንሱ በጽሒ እዩ። ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” ኢሎም መለሱ።
22 ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንእተኣመነ ኻብ ምኵራቦም ኬውጽእዎ ተሰማሚዖም ነበሩ እሞ፡+ ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።+
23 ስለዚ ኸኣ እዮም ወለዱ፡ “ንሱ በጽሒ እዩ። ንዕኡ ሕተትዎ” ዝበሉ።
24 ሽዑ፡ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” በልዎ።
25 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነስ፡ ሓጥእ እንተ ዀይኑ ኣይፈልጥን እየ። ዕዉር ከም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ግና እርኢ ኸም ዘለኹ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” ኢሉ መለሰ።
26 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “እንታይ እዩ ገይሩልካ፧ ከመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ፧” በልዎ።
27 ንሱ ኸኣ፡ “ነጊረኩምሲ፡ ኣይሰማዕኩምን። ስለምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም፧ ንስኻትኩም እውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ መለሰሎም።
28 ንሳቶም ከኣ ጸረፍዎ፡ “ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፣ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።
29 ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ ንፈልጥ ኢና፣ እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና” እውን በልዎ።
30 እቲ ሰብኣይ ድማ፡ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ብሓቂ ዜገርም እዩ፣ ንዓይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።
31 ንኣምላኽ ዚፈርህን ፍቓዱ ዚገብርን እንተሎ፡ ንዕኡ ይሰምዖ እምበር፡+ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።+
32 ብዕዉሩ ንእተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ኸቶ ኣይተሰምዐን።
33 እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ እኳ ኺገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ”+ ኢሉ መለሰሎም።
34 ንሳቶም ከኣ፡ “ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፣ ንስኻዶ ንዓና ትምህረና፧” ኢሎም መለሱሉ። ሰጐጕዎ ድማ።+
35 የሱስ ከም ዝሰጐጕዎ ሰምዐ፣ ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ “ብወዲ ሰብዶ ትኣምን ኢኻ፧” በሎ።
36 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ፡ መን እዩ ንሱ፧” ኢሉ መለሰ።
37 የሱስ ድማ፡ “ርኢኻዮ ኢኻ፣ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ እኳ ንሱ እዩ” በሎ።
38 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ እኣምን እየ” በለ። ሰገደሉ* እውን።
39 የሱስ ድማ፡ “ኣነ፡ እቶም ዘይርእዩ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡+ ነዚ ፍርዲ እዚ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝመጻእኩ” በለ።+
40 ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን፡ እዚ ሰሚዖም፡ “ንሕናኸ ዕዉራት ዲና፧” በልዎ።
41 የሱስ ድማ፡ “ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ኣለኹም። ስለዚ፡ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር” በሎም።+