ግብሪ ሃዋርያት 14:1-28
14 ኣብ ኢቆንዩም ድማ ብሓባር ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዮም ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ።
2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡* ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።+
3 ንሳቶም ከኣ ብስልጣን እቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብኣእዳዎም ኪግበር እናፈቐደ ንቓል ጸጋኡ ዝመስከረ የሆዋ* ብትብዓት እናተዛረቡ፡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ።+
4 ህዝቢ እታ ኸተማ ግና ተመቕሉ፣ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ።
5 ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ ኣሕሉቖም ኰይኖም ኪገፍዕዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡+
6 ንሳቶም እዚ ፈሊጦም ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ልስጥራን ደርቤን ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ገጠርን ሃደሙ።+
7 ኣብኡ እውን የበስሩ ነበሩ።
8 ኣብ ልስጥራ ኸኣ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ብምንባሩ፡ ኣእጋሩ ዝሰንከለ ሰብኣይ ተቐሚጡ ነበረ። ተዛዊሩ እውን ኣይፈልጥን ነበረ።
9 ንሱ፡ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ፡ ይሰምዖ ነበረ። ጳውሎስ ድማ ኣተኲሩ ጠመቶ እሞ፡ ኪሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ርእዩ፡+
10 ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ብኣእጋርካ ደው በል” በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ።+
11 እቶም ህዝቢ፡ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፡ “ኣማልኽቲ፡ ሰብ መሲሎም ናባና ወሪዶም!” ኢሎም ጨደሩ።+
12 ንበርናባስ፡ ‘ድያ፡’* ንጳውሎስ ድማ ዘረባ ይመርሕ ስለ ዝነበረ፡ ‘ሄርሜስ’ ኪብልዎም ጀመሩ።
13 ካህን እቲ ኣብ መእተዊ እታ ኸተማ ቤተ መቕደስ ዝነበሮ ድያ* ኸኣ፡ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ኣፍ ደገታት ኣምጺኡ፡ ምስቶም ህዝቢ ዀይኑ ኺስውኣሎም ደለየ።
14 ጳውሎስን በርናባስን እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ናብቲ ህዝቢ ጐይዮም ከኣ ከምዚ ኢሎም ጨደሩ፦
15 “ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና እውን ከማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና።+ ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣባታቶም ዘሎን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና።+
16 ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓዲግዎም ነይሩ፣+
17 ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን+ ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡+ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”+
18 እዚ ኢሎም ክነሶም ግና፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብኽንደይ ገድሊ ኸልከልዎም።
19 ግናኸ፡ ኣይሁድ ካብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን መጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ ሓቢሎም+ ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፣ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጐተትዎ።+
20 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ከበብዎ ግና፡ ተንሲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ድማ፡ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ።+
21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ምስ ኣበሰሩን ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩን ከኣ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ።
22 ኣብአን ድማ ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” እናበሉን+ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ* ኣበራትዑ።+
23 ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ከኣ፡+ ብጸሎትን ብጾምን+ ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ የሆዋ* ኣማዕቈብዎም።
24 ብጲሲድያ ሓሊፎም ከኣ ናብ ጰምፊልያ መጹ።+
25 ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ሰበኹ፡ ናብ ኣጣልያ ኸዱ።
26 ካብኣ ድማ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ንጸጋ ኣምላኽ እተማዕቈቡላ ኣንጾክያ ብመርከብ ከዱ።+
27 ኣብኣ ምስ በጽሑ፡ ነታ ጉባኤ ኣኪቦም፡ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉን ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ኣዘንተዉሎም።+
28 ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነዊሕ እዋን ጸንሑ።