ፊልሞን 1:1-25

  • ሰላምታ (1-3)

  • ፍቕርን እምነትን ፊልሞን (4-7)

  • ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ ለመነሉ (8-22)

  • ናይ መወዳእታ ሰላምታ (23-25)

1  ካብቲ ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ እሱር+ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ ናብቲ ፍቑር መዓይይትና ዝዀነ ፊልሞንን 2  ናብ ኣጵያ ሓብትናን ናብቲ ብጻይና ወተሃደር ዝዀነ ኣርኪጶስን+ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ጉባኤን፦+ 3  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 4  ኣብ ጸሎተይ ክጠቕሰካ ኸለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ።+ 5  ብዛዕባ እምነትካን ብዛዕባ እታ ንጐይታና የሱስን ንዅሎም ቅዱሳትን ዘላትካ ፍቕርን እሰምዕ እየ። 6  ኣብታ እምነት ምክፋልካ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ዅሉ ሰናይ ንምፍላጥ ኬለዓዕለካ እጽሊ እየ። 7  ከመይሲ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ብሓወይ ስለ ዝቐሰነ፡ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን መጸናንዕን ረኺበ እየ። 8  ስለዚ፡ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ፡ ብክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ 9  ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂ እውን ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ እሱር ኰይነ፡ ስለ ፍቕሪ እልምነካ ኣለኹ። 10  ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእሰርቲ* ዀይነ ዝወለድክዎ+ ወደይ ኦኔሲሞስ+ እልምነካ ኣለኹ። 11  ንሱ ኣቐዲሙ ኣይጠቕመካን እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ንዓኻን ንዓይን ይጠቕመና እዩ። 12  ንዕኡ፡ እወ፡ ልበይ* እሰድደልካ ኣለኹ። 13  ኣነ እኳ ኣብቲ ምእንቲ እቲ ብስራት እተኣሰርክዎ ማእሰርቲ+ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ኣብዚ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ። 14  ግናኸ፡ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።+ 15  ምናልባት ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ ይኸውን፡ ንሓጺር ግዜ* እተፈልየካ። 16  ንዓኻ ደጊም ከም ባርያ ዘይኰነስ፡+ ካብ ባርያ ዝበለጸ፡ ፍቑር ሓው እዩ፣+ ምናዳ ንዓይ ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ንዓኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን ክንደይ ከምኡ ዘይከውን! 17  እምበኣር፡ ፈታዊኻ* ኸም ዝዀንኩ ጌርካ እትርእየኒ እንተ ዄንካ፡ ንዓይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ብጽቡቕ ተቐበሎ። 18  ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቍጸሮ። 19  ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እጽሕፍ ኣለኹ፦ ኣነ ክኸፍለካ እየ፣ ንስኻ ገዛእ ርእስኻ ብዓል ዕዳይ ምዃንካ እውን ክነግረካ ኣየድልየንን እዩ። 20  እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹ፦ ብክርስቶስ ንልበይ* ኣቕስነለይ። 21  ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒ እውን ተኣማሚነ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ። 22  ምስናይዚ እውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም*+ ተስፋ እገብር ኣለኹ እሞ፡ ቦታ ኣዳልወለይ። 23  እቲ ስለ ክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ ዝዀነ ኤጳፍራስ+ ሰላም ይብለካ ኣሎ። 24  እቶም መዓይይተይ ዝዀኑ ማርቆስን ኣርስጣርኮስን+ ዴማስን+ ሉቃስን+ እውን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 25  ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መቝሕ።”
ወይ፡ “ፍቕረይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሰዓት።”
ቃ.ቃ.፡ “መኻፍልትኻ።”
ወይ፡ “ፍቕረይ።”
ወይ፡ “ናጻ ክዀነልኩም።”