1 ቈረንቶስ 2:1-16

  • ስብከት ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ (1-5)

  • ጥበብ ኣምላኽ ዘለዎ ብልጫ (6-10)

  • መንፈሳዊ ሰብን ስጋዊ ሰብን (11-16)

2  ኣሕዋተየ፡ ኣነ ናባኻትኩም ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር+ ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ+ ወይ ብጥበብ እናነገርኩ ኣይመጻእኩን። 2  ምሳኻትኩም ከለኹስ፡ ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ካልእ ከይፈልጥ እየ ወሲነ።+ 3  ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን ድማ እየ ዝመጻእኩኹም፣ 4  ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብመርኣያ መንፈስን ሓይልን እምበር፡ ብዚሓብል ቃላት ጥበብ ኣይነበረን፣+ 5  እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ እምነትኩም ብጥበብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትከውን እየ። 6  ኣብ መንጎ እቶም ብሱላት፡ ጥበብ ንዛረብ ኢና፣+ ጥበብ እዚ ስርዓት* እዚ ወይስ ጥበብ እቶም ዚሓልፉ ገዛእቲ እዚ ስርዓት እዚ ግና ኣይኰነን።+ 7  የግዳስ፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ እዚ ስርዓት እዚ ንኽብርና ኣቐዲሙ ዝመደቦ፡ ሕቡእ ጥበብ ዝዀነ ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ኢና እንዛረብ።+ 8  ካብ ገዛእቲ እዚ ስርዓት* እዚ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብ እዚ ኣይፈለጦን፣+ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ነቲ ኽቡር ጐይታ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 9  ግናኸ፡ ከምቲ፡ “እቲ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም፡ ዓይኒ ኣይረኣየቶን፡ እዝኒ ኸኣ ኣይሰምዓቶን፡ ኣብ ልቢ ሰብ እውን ኣይተሓስበን” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 10  እቲ መንፈስሲ ንዅሉ፡ ንመዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ፡+ ይምርምር እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ+ ንዓና እዩ ገሊጹልና።+ 11  እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ዚፈልጥ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 12  ንሕና ኸኣ፡ እቲ ብኣምላኽ ብለውሃት እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ እምበር፡+ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13  እዚ ድማ መንፈሳዊ ነገራት ብመንፈሳዊ ቓላት ጌርና ኽንገልጽ ከለና፡* እቲ መንፈስ ብዚምህረሉ ቓላት ኣቢልና እምበር፡+ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓላት ኣይኰንናን እንዛረብ።+ 14  ግናኸ፡ ስጋዊ ሰብ ነቲ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ዘበለ ኣይቅበሎን እዩ፣ እዝስ ንዕኡ ዕሽነት እዩ፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚምርመር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ። 15  ግናኸ፡ መንፈሳዊ ሰብ ንዅሉ ይምርምር እዩ፣+ ንሱ ንባዕሉ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። 16  ከመይሲ፡ “ምእንቲ ኺምህሮስ፡ ሓሳብ የሆዋ* ዚፈልጥ መን እዩ፧”+ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ምስ መንፈሳዊ ቓላት ከነዛምድ ከለና።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።