1 ዮሃንስ 2:1-29
2 ደቀየ፡ ምእንቲ ኸይትሓጥኡ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡* ማለት የሱስ ክርስቶስ+ እቲ ጻድቕ ኣሎና።+
2 ንሱ ኸኣ ምእንቲ ሓጢኣትና+ ዜተዓርቕ መስዋእቲ እዩ፣+ ምእንቲ ሓጢኣት ብዘላ ዓለም እውን እምበር፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።+
3 ብቐጻሊ ትእዛዛቱ ንሕሉ እንተ ዄንና ድማ፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ።
4 እቲ፡ “እፈልጦ እየ” ዚብል፡ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፡ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂ እውን ኣብኡ የላን።
5 እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ፍጽምቲ ትኸውን።+ ምስኡ ሓድነት ከም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።+
6 እቲ፡ “ምስኡ ብሓድነት እየ ዝነብር” ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ ገይሩ ኺመላለስ ግዴታ ኣለዎ።+
7 ፍቑራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ።+ እዚ ናይ ቀደም ትእዛዝ እዚ፡ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ።
8 ጸልማት ይሓልፍ፡ ብርሃን ሓቂ እውን ድሮ ይበርህ ኣሎ እሞ፡+ ከም ብሓድሽ ኣብኡን ኣባኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።
9 እቲ፡ “ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዚብል፡ ንሓዉ ግና ዚጸልእ፡+ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ።+
10 እቲ ንሓዉ ዜፍቅር፡ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡+ ኣብኡ እውን መዐንቀፊ የልቦን።
11 እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና፡ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎን ዚመላለስን፣+ ጸልማት ንኣዒንቱ ስለ ዘዖሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።+
12 ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስሙ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፡+ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።
13 ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡+ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ንኣቦ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡+ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።
14 ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን+ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚነብርን+ ነቲ እኩይ ስለ ዝሰዓርኩምዎን፡+ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።
15 ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ።+ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈትዩዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የላን፣+
16 ምኽንያቱ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ትምኒት ስጋን+ ትምኒት ኣዒንትን+ መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባልን፡* ካብ ዓለም እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።
17 ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣+ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።+
18 ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ፣ ከምቲ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ፡+ ሕጂ እውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ፣+ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።
19 ካባና እዮም ወጺኦም፡ ግናኸ፡ ካባና ኣይነበሩን፣+ ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ፡ ካባና ዝነበሩ ዅላቶም ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሃድ እዮም ዝወጹ።+
20 ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ቕዱስ፡ ቅብኣት ኣሎኩም፣+ ኵላትኩም እውን ፍልጠት ኣሎኩም።
21 ነታ ሓቂ ስለ ዘይትፈልጥዋ ዘይኰነስ፡+ ስለ እትፈልጥዋ፡ ሓሶት እውን ካብ ሓቂ ስለ ዘይኰነ እየ ዝጸሓፍኩልኩም።+
22 እቲ ንየሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ ሓሳዊ፧+ እቲ ንኣቦን ንወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እቲ ጸረ ክርስቶስ እዩ።+
23 እቲ ንወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንዕኡ እቲ ኣቦ የብሉን።+ እቲ ንወዲ ዚእመነሉ፡+ ንዕኡ እቲ ኣቦ ኣለዎ።+
24 ንዓኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር።+ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም እውን ምስ ወድን ምስ ኣቦን ሓድነት ኣልዩኩም ክትነብሩ ኢኹም።
25 እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ።+
26 ብዛዕባ እቶም ኬስሕቱኹም ዚፍትኑ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም።
27 ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት+ ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ፣ እቲ ኻብኡ ዝዀነ ቕብኣት ግና፡ ብዛዕባ ዅሉ ይምህረኩም ኣሎ፣+ ሓቂ እውን እዩ እምበር፡ ሓሶት ኣይኰነን። ከምቲ ዝመሃረኩም ድማ፡ ምስኡ ብሓድነት ንበሩ።+
28 ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግሃድ ከሎ፡ ንምዝራብ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡+ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ብሕፍረት ካብኡ ኸይንርሕቕሲ፡ ምስኡ ብሓድነት ንበሩ።
29 ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩም፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደ ትፈልጡ ኢኹም።+