2 ሳሙኤል 22:1-51
22 ዳዊት ድማ በታ የሆዋ ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱን+ ካብ ኢድ ሳኦልን ዘናገፎ መዓልቲ፡+ ንየሆዋ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረቦ።+
2 ከምዚ ኸኣ በለ፦
“የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን+ መናገፍየይን+ እዩ።
3 ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ፡+ዋልታይን+ ቀርኒ* ድሕነተይን፡* እምባይ፡*+መህደምየይ፡+ መድሓንየይ+ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዓመጻ ተድሕነኒ።
4 ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ የሆዋ ኽጽውዕ፡ካብ ጸላእተይ ድማ ክድሕን እየ።
5 ማዕበላት ሞት ከቢቡ ጸፊዑኒ፣+ወሓይዝ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣሸቢሩኒ።+
6 ኣግማድ መቓብር* ከቢቡኒ፣+መፈንጠራታት ሞት ኣጋጢሙኒ።+
7 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡+ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህሊለ።
ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ፡ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።+
8 ምድሪ ተናዊጻን ኣንቀጥቂጣን፣+መሰረታት ሰማያት ኣንደቕዲቑ፡+ስለ እተቘጥዐ ድማ፡ ተናዊጹ።+
9 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ዓሪጉ፡ካብ ኣፉ ኸኣ ዚባላዕ ሓዊ ወጺኡ፣+ካብኡ ጓህሪ ተባሪዑ።
10 ኪወርድ ከሎ፡ ንሰማያት ኣድኒንዎ፡+ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ እውን ብርቱዕ ድነ ነይሩ።+
11 ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል+ ተወጢሑ እናነፈረ መጺኡ።
ኣብ ኣኽናፍ መንፈስ* ከኣ ተራእዩ።+
12 ኣብ ጸልማት ማያትን ከቢድ ደበናታትን፡ንጸልማት ከም መጽለሊ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ።+
13 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድምቀት፡ ጓህሪ ተባሪዑ።
14 የሆዋ ድማ ካብ ሰማይ ኣንጐድጒዱ፣+እቲ ልዑል፡ ድምጹ ኣስሚዑ።+
15 ፍላጻታቱ ወርዊሩ+ ፋሕ ኣቢልዎም፣ብበርቂ ኸኣ ኣሸቢርዎም።+
16 ብምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡ፡ብመግናሕቲ የሆዋ፡ መሰረታት ምድሪ ተቐሊዑ፣+ባይታ ባሕሪ ድማ ተራእዩ።+
17 ኢዱ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘርጊሑ፣ሒዙ ኸኣ ካብ ዓሚቝ ማያት ኣውጺኡኒ።+
18 ካብ ሓያል ጸላእየይ፡ካብቶም ካባይ ዚሕይሉ ዚጸልኡኒ ኣናጊፉኒ።+
19 ብመዓልቲ ጥፍኣተይ ገጢሞምለይ፣+ግናኸ፡ የሆዋ ደገፍ ኰይኑኒ።
20 ናብ ውሑስ ቦታ* ኣውጺኡኒ፣+ብኣይ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ኣናጊፉኒ።+
21 የሆዋ ኸም ጽድቀይ ይፈድየኒ፣+ከም ንጽህና ኢደይ ይኽሕሰኒ።+
22 ከመይሲ፡ መገድታት የሆዋ ሓልየ እየ፣ንኣምላኸይ ብምሕዳግ ድማ እከይ ኣይገበርኩን።
23 ኵሉ ፍርድታቱ+ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ካብ ሕግታቱ ኸኣ ኣየላገስኩን።+
24 ኣብ ቅድሚኡ መንቅብ ዘይብለይ ክኸውን፡+ካብ ስሕተት እውን ክሕሎ እየ።+
25 የሆዋ ኸም ጽድቀይ፡+ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንጽህናይ ይኽሓሰኒ።+
26 ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን፣+መንቅብ ምስ ዘይብሉ ጅግና ኸኣ፡ መንቅብ ዘይብልካ ትኸውን፣+
27 ምስ ንጹህ፡ ንጹህ ትኸውን፡+ምስ ቄናን ግና፡ ትጐርሕ።*+
28 ንትሑታትሲ ተድሕኖም፣+ኣዒንትኻ ግና ኣንጻር ዕቡያት እየን፡ ተዋርዶም ድማ።+
29 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ መብራህተይ ኢኻ፣+ንጸልማተይ ዜብርሆ የሆዋ እዩ።+
30 ብሓገዝካ ንዘማቲ ጭፍራ ኸጥቅዕ እኽእል፣ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል።+
31 መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣+ቃል የሆዋ እተጻረየ እዩ።+
ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ ዋልታኦም እዩ።+
32 ብዘይካ የሆዋስ ኣምላኽ መን እዩ፧+
ብዘይካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፧+
33 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፣+ንመገደይ ከኣ ፍጹም ይገብሮ።+
34 ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ኣብ በረኽቲ ድማ የቝመኒ።+
35 ንኣእዳወይ ንውግእ የሰልጥነን፡ቀላጽመይ ቀስቲ ነሓሲ ኺግትራ ይኽእላ።
36 ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ።+
37 መገዲ ስጕምትታተይ ተግፍሕ፣ኣእጋረይ* እውን ኣየንደልህጻን።+
38 ንጸላእተይ ስዒበ ኸጥፍኦም፡ክሳዕ ዚድምሰሱ ድማ ኣይክምለስን እየ።
39 ምእንቲ ኸይትንስኡ፡ ክድምስሶምን ክጭፍልቖምን እየ፣+ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ኪወድቁ እዮም።
40 ንውግእ ብብርታዐ ተዕጥቐኒ፣+ንጸላእተይ ከኣ ኣብ ትሕተይ ተውድቖም።+
41 ንጸላእተይ ካባይ ከም ዜንሳሕቡ ትገብር፣*+ነቶም ዚጸልኡኒ ድማ መወዳእታ ኽገብረሎም* እየ።+
42 የእውዩ፡ ዜድሕኖም ግና የልቦን፣ናብ የሆዋ እውን ይምህለሉ፡ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን።+
43 ከም ሓመድ ምድሪ ኽደቝሶም እየ፣ከም ኣብ ጐደና ዘሎ ጭቃ ኸድቅቖምን ክረግጾምን እየ።
44 ካብ ነቐፌታ ህዝበይ ተናግፈኒ።+
ርእሲ ኣህዛብ ክኸውን ትሕልወኒ፣+ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ኺግዝኣኒ እዩ።+
45 ጓኖት ሸቘጥቈጥ እናበሉ ናብ ቅድመይ ኪመጹ፡+በቲ ብዛዕባይ ዝሰምዕዎ ኺእዘዙኒ እዮም።*
46 ጓኖት ኪጃጅዉ፡*ካብ ዕርድታቶም ራዕራዕ እናበሉ ኺመጹ እዮም።
47 የሆዋ ህያው እዩ! እቲ ኸውሐይ ይወደስ!+
እቲ ኣምላኽ ከውሒ ድሕነተይ ልዕል ይበል።+
48 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሕነ ይፈድየለይ፣+ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ የምበርክኾም፣+
49 ንሱ ኻብ ጸላእተይ የናግፈኒ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጥቅዑኒ ልዕል ተብለኒ፣+ካብ ሰብኣይ ዓመጻ ተድሕነኒ።+
50 ስለዚ፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከመስግነካ፡+ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር* እየ፦+
51 ንንጉሱ ዓብዪ ግብርታት ድሕነት* ይገብር፣+ንዘለኣለም ንዳዊትን ንዘርኡን፡ነቲ ቕቡኡ ብተኣማንነት የፍቅር።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሓያል መድሓንየይ።”
^ ወይ፡ “ውሑስ መዕቈብየይ።”
^ ወይ፡ “ንፋስ።”
^ ወይ፡ “ርሒብ።”
^ ወይ፡ “ከም ዓሻ ትኸውን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ዓካሪቶታተይ።”
^ ወይ፡ “ዝባን ጸላእተይ ትህበኒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከብሎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብእዝኒ ሰሚዖም ይእዘዙኒ።”
^ ወይ፡ “ኪጽምልዉ።”
^ ወይ፡ “ከዝይም።”
^ ወይ፡ “ዓብዪ ዓወታት።”