ብኸመይ ናይ ሓቂ ፈታዊ ትኸውን፧
ናይ ሓቂ ፈታዊ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ምስ መጋይሽቱ ዝነበሮ ዕርክነት ተጠቒሙ እዩ። (ቈሎ. 4:7-11) ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፈተውቱ ነቲ ንሱ ኺገብሮ ዘይክእል ዝነበረ ነገራት ይገብሩሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኤጳፍሮዲጦስ ነቲ ኣብ ፊልጲ ኻብ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን እተላእከ ነገራት ንጳውሎስ ኣምጸኣሉ። (ፊል. 4:18) ትኪቆስ a ከኣ ደብዳበታት ጳውሎስ ናብ እተፈላለየ ጉባኤታት ኣብጽሐ። (ቈሎ. 4:7) በዚ ኸምዚ፡ ጳውሎስ ኣብ ቤት ተኣሲሩሉ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እኳ፡ ብሓገዝ ፈተውቱ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከኣለ። እሞ ደኣ ንስኻ ብኸመይ ኢኻ ናይ ሓቂ ፈታዊ እትኸውን፧
ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብዚ ግዜና እውን ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር ኤሊሳቤት ዝስማ ስርዕቲ ፈላሚት ናይ ሓቂ ፈታዊት ኰይናትላ እያ። ኣደ ኤሊሳቤት ዘይምሕር መንሽሮ ከም ዘለዋ ምስ ተፈልጠ፡ እታ ሓብቲ ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓያሎ ተክስትታት ሰደደትላ። ኤሊሳቤት ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እዚ መልእኽትታት እዚ በይነይ ከም ዘይኰንኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ገይሩ እዩ” ትብል።—ምሳ. 18:24።
ንክርስትያናት ብጾትና ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ብምድጋፍ፡ ምሳታቶም ዘሎና ዕርክነት ከነደልድል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዕድመ ንዝደፍአ ሓው ወይ ሓብቲ ብማኪናኻ ናብ ኣኼባታት ወይ ናብ ኣገልግሎት ክትወስዶምን ክትመልሶምን ትኽእልዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንሓድሕድኩም ክትተባብዑ ኢኹም። (ሮሜ 1:12) ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ክርስትያናት ካብ ቤቶም ኪወጹ ኣይክእሉን እዮም። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ናይ ሓቂ ፈታዊ እንዀኖም፧
ነቶም ዓዲ ውዒል ዝዀኑ ናይ ሓቂ ፈታዊ ኹኖም
ገሊኦም ክርስትያናት ብጾት ኣብ ኣኼባታት ብኣካል ኪኸዱ ዘየኽእሎም ጸገም ጥዕና ወይ ካልእ ጸገም ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንዴቪድ ዘጋጠሞ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ዴቪድ፡ ሊምፎማ ዚብሃል መንሽሮ ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ኬሞተራፒ ዚብሃል ዓይነት ሕክምና ተዋህቦ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ሕክምና ዴቪድን ብዓልቲ ቤቱ ሊድያን ብኦንላይን እዮም ኣኼባታት ዚከታተሉ ነይሮም።
እሞ ደኣ ኻብቶም ኣብ ጉባኤኦም ዝነበሩ ፈተውቶም እንታይ ደገፍ ረኺቦም፧ ገሊኦም ካብቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተኣከቡ ኣሕዋት፡ ድሕሪ ኣኼባ ንዴቪድን ንሊድያን ብቪድዮ ኮንፈረንስ የዛርብዎም ነበሩ። ኣብ ርእሲ
እዚ ድማ ዴቪድን ሊድያን ሓሳባት ኪህቡ ኸለዉ ኻብ ክርስትያናት ብጾቶም ዜተባብዕ ተክስት ይልኣኸሎም ነበረ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ሳላ እዚ ጻዕርታት እዚ ዴቪድን ሊድያን ከም እተገለሉ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን።ዓዲ ውዒል ንዝዀኑኸ ኣብ ኣገልግሎት ከነሳትፎም ንኽእልዶ፧ ንኣሽቱ ምትዕርራያት ብምግባር ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ዘለዎም ከም ዘይረሳዕናዮም ከነርእዮም ንኽእል ኢና። (ምሳ. 3:27) እሞ ደኣ ንምንታይ ግዜ መዲብና ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ምሳታቶም ኴንና ዘይንምስክር፧ እቶም ዓዲ ውዒል ዝዀኑ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺእከቡ ይኽእሉ እዮም። ዴቪድን ሊድያን ነዚ መሰናድዎ እዚ ብዙሕ እዮም ኣማስዮምሉ። ዴቪድ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምስቶም ጕጅለ ስብከትና ዄንና ኣብቲ ሓጺር ምይይጥን ጸሎትን ምስታፍና ብዙሕ እዩ ዜተባብዓና” ይብል። ብተወሳኺ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ንተምሃራይካ ናብ ቤት እቲ ዓዲ ውዒል ዝዀነ ኣስፋሒ ብምውሳድ ኣብኡ መጽናዕቲ ኽትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ቕድሚ ምግባርካ ግና ነቲ ኣስፋሒ ኣፍቅዶ።
ዓዲ ውዒል ምስ ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነገልግል ከለና፡ ነቲ ተፈታዊ ባህርያቶም እውን ብዓይንና ኽንርኢ ኸለና፡ ምሳታቶም ብዝያዳ ኢና እንቃራረብ። ንኣብነት፡ ምስዞም ኣስፋሕቲ እዚኦም ኣብ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ከለኻ፡ ልቢ ሰብ ንምትንካይ ከኣ ቃል ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሮም ኪጥቀሙሉ ኽትርኢ ከለኻ፡ ንዓታቶም ዘሎካ ኣኽብሮት ይውስኽ እዩ። ንክርስትያናት ብጾትካ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክትድግፎም ከለኻ ኸኣ፡ ብዙሓት ፈተውቲ ኢኻ እተጥሪ።—2 ቈረ. 6:13።
ጳውሎስ፡ ፈታዊኡ ቲቶስ ብኣካል ምስኡ ብምዃኑ፡ ተጸናኒዑ እዩ። (2 ቈረ. 7:5-7) እዚ ዛንታ እዚ ድማ፡ ነቶም ጸገማት ዜሕልፉ ዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና ብቓል ብምጽንናዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣካል ብምብጻሕን ንምድጋፎም ዚከኣለና ብምግባርን ከነጸናንዖም ከም እንኽእል የዘኻኽረና።—1 ዮሃ. 3:18።
ብግዜ መስጐጕቲ ናይ ሓቂ ፈታዊ ኹን
ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓድሕዶም ብምድግጋፍ ጽቡቕ ኣብነት ይዀኑና እዮም። ንኣብነት፡ ናይ ሰርጌን ናይ ሰበይቱ ታትያናን ተመክሮ እስከ ንርአ፦ ገዛኦም ብፖሊስ ምስ ተፈተሸ፡ ንመርመራ ተወስዱ። ፈለማ ንታትያና ስለ ዝፈትሕዋ፡ ንሳ ናብ ቤታ ተመልሰት። ሰርጌ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ከምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ታትያና ናብ ገዛ ምስ ተመልሰት፡ ሓንቲ ተባዕ ሓብቲ ናብ ገዛና መጸታ። ካልኦት ፈተውትና እውን መጹ፡ ነቲ ዛሕዛሕ ኢሉ ዝነበረ ኣፓርታማና ኸኣ ኣተዓራረይዎ።”
ሰርጌ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ንምሳሌ 17:17 ኻብ ቀደም ኣትሒዘ እየ ዝፈትዋ። እታ ጥቕሲ፡ ‘ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ’ ትብል። ኣብቲ በይነይ ክዋጽኣሉ ዘይክእለሉ ግዜ መስጐጕቲ፡ እዘን ቃላት እዚአን ዝያዳ ትርጉም እዩ ነይርወን። የሆዋ ብትብዓት ኣብ ጐድነይ ዚቘሙ ፈተውቲ ሂቡኒ እዩ።” b
ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠመና ምስ ከደ፡ ጸግዒ ዝዀኑና ፈተውቲ የድልዩና እዮም። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸኣ ብዝያዳ ኼድልዩና እዮም። እምበኣር፡ ሕጂ ናይ ሓቂ ፈታዊ ንምዃን ዚከኣለና ንግበር!—1 ጴጥ. 4:7, 8።
a ናይ 15 ሓምለ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8 ርአ።
b ኣብ jw.org “Jehovah Has Provided Friends Who Are Fearlessly at My Side” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።