ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8
መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን
ይቕረታ የሆዋ—ንዕኡ ብኸመይ ክትመስሎ ትኽእል፧
“ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።”—ቈሎ. 3:13።
ኣትኵሮ
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቅር ንዘበለና ሰብ ይቕረ ንምባል ክንወስዶ እንኽእል ግብራዊ ስጕምትታት ክንርኢ ኢና።
1-2. (ሀ) ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ይቕረ ምባል ዚኸብደና፧ (ለ) ደኒስ ይቕረ ዝበለት ብኸመይ እያ፧
ይቕረ ምባል ይኸብደካዶ፧ ምናዳ ሓደ ሰብ ብቓሉ ወይ ብተግባሩ ኣመና እንተ ጐዲኡና፡ እዚ ይኸብደና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንቕሬታና ሓዲግና፡ ይቕረ ኽንብል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ደኒስ a ዝስማ ሓብቲ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ይቕረታ ኸም ዝገበረት እስከ ንርአ። ብ2017፡ ደኒስን ስድራ ቤታን ናብቲ ሓድሽ እተኸፍተ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብጻሕ ከዱ። ናብ ገዛኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ካልእ መራሕ ማኪና ንማኪናኡ ኺቈጻጸራ ብዘይምኽኣሉ ምስ ማኪናኦም ተጋጨወ። በቲ ሓደጋ እቲ ኸኣ፡ ደኒስ ውኖኣ ኣጥፍአት። ምስ ተበራበረት፡ ደቃ ኣመና ኸም እተጐድኡ፡ ሰብኣያ ብራያን ድማ ከም ዝሞተ ፈለጠት። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኽትዝክር ከላ፡ “ልበይ ተሰይሩ፡ ዝገብሮ እውን ሓርቢቱኒ” ትብል። ድሕርዚ፡ ንዓቕሚ ወይ ንኣቓልቦ እቲ መራሕ ማኪና ዚሰርቕ ነገር ከም ዘይነበረ ፈለጠት፣ ስለዚ፡ ኣእምሮኣዊ ሰላም ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸለየት።
2 እቲ ዝገጨዎም መራሕ ማኪና፡ ህይወት ሰብ ብምጥፋእ ተኸስሰ። ገበነኛ ዀይኑ እንተ ተፈሪድዎ፡ ኪእሰር ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንደኒስ፡ ኣብቲ ሰብ እቲ ዚብየን ፍርዲ፡ ኣብቲ ንሳ እትህቦ ምስክርነት ከም ዚምርኰስ ነገራ። ደኒስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዝኸፍአ ህሞት ክዛረብ ስለ ዝነበረኒ፡ ነቲ እተሰፍየ ቝስለይ ከም ዝኸፈትዎ እሞ መዓት ጨው ኣብ ቍስለይ ከም ዘፍሰሱለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ደኒስ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጽር እቲ ብዙሕ ስቓይ ዘምጽኣላ ሰብ ኮፍ ኢላ ምስክርነት ክትህብ ተዳለወት። እሞ ደኣ እንታይ ኢላ እያ ተዛሪባ፧ ነቲ ዳኛ፡ ነቲ ሰብኣይ ምሕረት ኪገብረሉ ለመነቶ። b ዘረባኣ ምስ ወድአት፡ እቲ ዳኛ ንብዓት ሰዓሮ። “ዳኛ ዀይነ ኣብ ዝዓየኹሉ 25 ዓመት፡ ኣብ መጋባእያይ ከምዚ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ኣባል ስድራ ቤት ግዳይ ንኽሱስ ኪልምነሉ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ናይ ፍቕርን ይቕረታን ቃላት ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ” ድማ በለ።
3. ደኒስ ይቕረታ ንምግባር እንታይ እዩ ኣለዓዒልዋ፧
3 ደኒስ ይቕረታ ንምግባር እንታይ እዩ ሓጊዝዋ፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ይቕረታ ምስትንታን እዩ ሓጊዝዋ። (ሚክ. 7:18) ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ይቕረታ እንተ ኣማሲናሉ፡ ይቕረ ንምባል ንለዓዓል ኢና።
4. የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧ (ኤፌሶን 4:32)
4 የሆዋ ኸምቲ ንሱ ብናጻ ይቕረ ዝበለልና፡ ንሕና እውን ይቕረ ኽንብል ይደልየና እዩ። (ኤፌሶን 4:32 ኣንብብ።) ነቶም ዝጐድኡና ሰባት ይቕረ ንምባል ድሉዋት ክንከውን ይጽበየና እዩ። (መዝ. 86:5፣ ሉቃ. 17:4) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዝያዳ ይቕረ በሃልቲ ንምዃን ዚሕግዘና ሰለስተ ነገራት ክንርኢ ኢና።
ንስምዒትካ ዕሽሽ ኣይትበሎ
5. ብመሰረት ምሳሌ 12:18፡ ሓደ ሰብ ኪጐድኣና ኸሎ ኸመይ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧
5 ሓደ ሰብ ብዝበሎ ወይ ብዝገበሮ ነገር ኣመና ንጕዳእ ንኸውን። ምናዳ እቲ ሰብ እቲ ናይ ቀረባ ፈታዊና ወይ ኣባል ቤተ ሰብና እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ኢና እንህሰ። (መዝ. 55:12-14) ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ሽዑ ዚስምዓና ስምዒታዊ ስቓይ፡ ከም እተወጋእና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18 ኣንብብ።) ነቲ እተጐድአ ስምዒትና ኽንዓብጦ ወይ ዕሽሽ ክንብሎ ንፍትን ንኸውን። ከምኡ ምግባር ግና፡ ከምቲ ብኻራ ምስ ተወጋእካ፡ ነቲ ኻራ ኣብኡ ሓዲግካዮ ምንባር ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንእተጐድአ ስምዒትና ዕሽሽ ስለ ዝበልናዮ ጥራይ እናሓሸና ኣይከይድን እዩ።
6. ሓደ ሰብ ቅር ኬብለና ኸሎ፡ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧
6 ሓደ ሰብ ቅር ኬብለና ኸሎ፡ ኣብ ፈለማ ንቝጣዕ ንኸውን። ክንቍጣዕ ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። በቲ ስምዒት እቲ ኸይንዕብለል ግና የጠንቅቐና እዩ። (መዝ. 4:4፣ ኤፌ. 4:26) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ስምዒትና መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ተግባር ይመርሓና እዩ። ቍጥዓ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ የብሉን። (ያእ. 1:20) ሓደ ነገር ኬቘጥዓና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንቝጥዓና ግና ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና።
ሓደ ነገር ኬቘጥዓና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንቝጥዓና ግና ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና
7. ሓደ ሰብ ኪጐድኣና ኸሎ፡ እንታይ ካልእ ሕማቕ ስምዒታት እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧
7 ሓደ ሰብ ኪጐድኣና ኸሎ፡ ካልእ ሕማቕ ስምዒታት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣን ዝስማ ሓብቲ፡ “ቈልዓ ኸለኹ፡ ኣቦይ ንኣደይ ሓዲጉ፡ ንመጕዚተይ ተመርዕይዋ። ሽዑ፡ እተራሕራሕኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ንሳቶም ውሉዳት ምስ ወለዱ ኸኣ፡ ንዓይ ከም ዝተክኡኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ዘይድለ ኸም ዝዀንኩ ዀይኑ እናተሰምዓኒ እየ ዓብየ” ትብል። ጆርጀት ዝስማ ሓብቲ ድማ ሰብኣያ ምስ ጠለማ፡ “ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዝና ኢና ኣዕሩኽ ኔርና። ፈለምቲ ዄንና ብሓደ ኣገልጊልና ኢና! ልበይ እዩ ተሰይሩ” ትብል። ኔኦሚ ዝስማ ሓብቲ ኸኣ፡ “ሰብኣየይ ይጐድኣኒ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ስለዚ፡ ካባይ ተሓቢኡ ስእለ ጽዩፍ ይርኢ ኸም ዝነበረ ምስ ነገረኒ፡ ከም እተታለልኩን ከም እተጠለምኩን እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል።
8. (ሀ) ገለ ኻብቲ ይቕረ እንብለሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ይቕረ ኽንብል ከለና እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧ (“ ሓደ ሰብ እንተ ሃስዩናኸ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
8 ንቓላት ወይ ንተግባራት ካልኦት ሰባት ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንምላሽና ንምቍጽጻር ግና ክንጽዕር ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጽ ምላሽ ዚኸውን ድማ፡ ይቕረታ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋ ነፍቅሮ ኢና፣ ንሱ እውን ይቕረ ኽንብል ይደልየና እዩ። ካብ ቍጥዓና ዘይንዝሕልን ይቕረ ዘይንብልን እንተ ዄንና፡ ናይ ዕሽነት ተግባር ኢና እንገብር፣ እዚ እውን ኣካላዊ ስቓይ ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 14:17, 29, 30) ንኣብነት፡ ክሪስቲን ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ቅሬታ እንተ ኣሕዲረ፡ ብዙሕ ፍሽኽ ኣይብልን እየ። ኣመጋግባይ ይበላሾ እዩ። ድቃስ ይኣብየኒ እዩ። ስምዒተይ ምቍጽጻር እውን ይኸብደኒ እዩ። እዚ ኸኣ ንሓዳረይን ምስ ካልኦት ንዘሎኒ ርክብን ይጸልዎ እዩ።”
9. ቅሬታ ኽንሓድግ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
9 እቲ ዝጐድኣና ሰብ ይቕረታ እኳ እንተ ዘይሓተተ፡ ነቲ ዜውርደልና ጕድኣት ከም ዚንኪ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጆርጀት ከምዚ ትብል፦ “እተወሰነ ግዜ እኳ እንተ ወሰደለይ፡ እቲ ናይ ቀደም ሰብኣየይ ንዝፈጠረለይ ቅሬታን ቍጥዓን ክሓድጎ ኽኢለ እየ። እዚ ድማ ዓብዪ ሰላም እዩ ኣምጺኡለይ።” ቅሬታና እንተ ሓዲግና፡ ልብና ብምረት ኣይጕዳእን እዩ። ንርእስና እውን ጽቡቕ ኢና እንገብር፣ ነቲ እተፈጥረ ጸገም ሰጊርና ንህይወት ከነስተማቕራ ንጅምር ኢና። (ምሳ. 11:17) ይቕረ ንምባል ድሉው እንተ ዘይኴንካ ግና እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧
ንስምዒትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
10. ብስምዒታዊ መዳይ ክሳዕ እንሓዊ ግዜ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
10 እሞ ደኣ ንቕሬታና ብኸመይ ክንሓድጎ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ቍስልና ምእንቲ ኺሓዊ ግዜ ብምሃብ እዩ። ከቢድ ኣካላዊ ጕድኣት ዝወረዶ ሰብ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ድሕሪ ምርካቡ፡ ንምሕዋይ ግዜ የድልዮ እዩ። ሓደ ሰብ ንበዳሊኡ ኻብ ልቢ ይቕረ ንምባል እውን፡ ብስምዒታዊ መዳይ ክሳዕ ዚሓዊ ግዜ የድልዮ እዩ።—መክ. 3:3፣ 1 ጴጥ. 1:22።
11. ጸሎት ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
11 ብተወሳኺ፡ ይቕረ ምእንቲ ኽትብል፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ። c እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣን፡ ጸሎት ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትና፡ ስለቲ ብጽቡቕ ዘይሓዝናዮ ዅነታት ይቕረ ኺብለልና ለሚነዮ። ድሕሪኡ፡ ንኣቦይን ነታ ሓዳስ ሰበይቱን ይቕረ ኸም ዝበልኩሎም ብምግላጽ፡ ደብዳበ ጽሒፈሎም” ትብል። እዚ ቐሊል ከም ዘይነበረ፡ ኣን ኣይከሓደትን። ኣስዕብ ኣቢላ ግና፡ “ይቕረታ ብምግባር ንየሆዋ ኽመስሎ ስለ ዝጸዓርኩ፡ ኣቦይን ሰበይቱን ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ይልዓዓሉ ይዀኑ” ትብል።
12. ንስምዒትና ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኽንኣምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ምሳሌ 3:5, 6)
12 ንስምዒትካ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እመኖ። (ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።) የሆዋ ወትሩ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) ዚጐድኣና ነገር ክንገብር እውን ፈጺሙ ኣይሓትተናን እዩ። ስለዚ፡ ይቕረ ኽንብል ኬተባብዓና ኸሎ፡ ንጥቕምና ምዃኑ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። (መዝ. 40:4፣ ኢሳ. 48:17, 18) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ንስምዒትና እንኣምን እንተ ዄንና፡ ይቕረ ዘይንብል ክንከውን ንኽእል ኢና። (ምሳ. 14:12፣ ኤር. 17:9) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኔኦሚ፡ “ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ሰብኣየይ ስእለ ጽዩፍ ብምርኣይ ዝገበሮ ተግባር ይቕረ ንዘይምባል ብቑዕ ምኽንያት ዘሎኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። መሊሱ ኸይጐድኣኒ ወይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐድኣኒ ንሱ ኸይርስዖ ፈሪሀ ነይረ። የሆዋ ንስምዒተይ ከም ዚርድኦ እውን እሓስብ ነይረ። የሆዋ ንስምዒተይ ይርድኣለይ ኪብሃል ከሎ ግና፡ ምሳይ ይሰማማዕ ማለት ከም ዘይኰነ ኸስተውዕል ጀሚረ። እንታይ ከም ዚስምዓንን ንምሕዋይ ግዜ ኸም ዜድልየንን ይፈልጥ እዩ፣ ይቕረ ኽብል ግና ይደልየኒ እዩ” ትብል። d
ኣወንታዊ ስምዒታት ፍጠር
13. ብመሰረት ሮሜ 12:18-21፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
13 ኣመና ንዝጐድኣና ሰብ ይቕረ ኽንብል ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከይተዛረብካ ምንባር ጥራይ ፍታሕ ዘይኰነሉ መዳያት ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ዝጐድኣና ሰብ ክርስትያን ብጻይና እንተ ዀይኑ፡ ሸቶና ምስኡ ንምትዕራቕ እዩ። (ማቴ. 5:23, 24) ንቝጥዓና ብምሕረት፡ ንቕሬታና ኸኣ ብይቕረታ ኽንትክኦ ኢና እንደሊ። (ሮሜ 12:18-21 ኣንብብ፣ 1 ጴጥ. 3:9) እሞ ደኣ ኸምኡ ንምግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
14. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
14 ነቲ ቕር ዘበለና ሰብ ብዓይኒ የሆዋ ንምርኣይ ክንጽዕር ኣሎና። የሆዋ ንጽቡቕ ጐድኒ ሰባት ኪርኢ እዩ ዚደሊ። (2 ዜና 16:9፣ መዝ. 130:3) ኣብ ሰባት፡ ጽቡቕ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ ኢና እንርኢ፣ ሕማቕ ንደሊ እንተ ዄንና ኸኣ፡ ሕማቕ ኢና እንርኢ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ጐድኒ ሰባት ንርኢ እንተ ዄንና፡ ይቕረ ንምባሎም ይቐልለና እዩ። ንኣብነት፡ ጀረድ ዝስሙ ሓው፡ “ሓደ ሓው ቅር ኬብለኒ ኸሎ፡ ነቲ በደሉ ምስቲ ብዛዕባኡ ዝፈትዎ ብዙሕ ነገራት እንተ ኣነጻጺረዮ፡ ይቕረ ንምባሉ ይቐልለኒ እዩ” ይብል።
15. ንሓደ ሰብ ይቕረ ኸም ዝበልካሉ ምንጋር ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
15 ካልእ ኣገዳሲ ነገር ድማ፡ ነቲ ሰብ ይቕረ ኸም ዝበልናሉ ምንጋር እዩ። ስለምንታይ፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኔኦሚ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ሰብኣየይ፡ ‘ይቕረታ ጌርክለይ ዲኺ፧’ ኢሉ ሓቲቱኒ። ‘ይቕረ ኢለልካ እየ’ ንምባል ኣፈይ ምስ ከፈትኩ፡ እቲ ቓላት ካብ ኣፈይ ምውጻእ ኣብዩኒ። ካብ ውሽጢ ልበይ ብሓቂ ይቕረ ኸም ዘይበልኩሉ ተረዲኡኒ። ጸኒሐ ግና፡ ነተን ‘ይቕረ ኢለልካ እየ’ ዚብላ ሰለስተ ሓያል ጽልዋ ዘለወን ቃላት ከውስአን ክኢለ። ሽዑ፡ ሰብኣየይ ኣብ ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር እናበሎ እዩ ሰሚዑኒ። እዚ ንዕኡ ዘምጽኣሉ እፎይታ ዀነ ንዓይ ዘምጽኣለይ ሰላም ብሓቂ እዩ ደኒቑኒ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ከም ብሓድሽ ክኣምኖ ጀሚረ፣ ሕጂ ድማ ከም ብሓድሽ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኢና።”
16. ብዛዕባ ይቕረታ እንታይ ተማሂርካ፧
16 የሆዋ ይቕረ ኽንብል እዩ ዚደልየና። (ቈሎ. 3:13) ይኹን እምበር፡ ይቕረ ምባል ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ንስምዒትና ዕሽሽ እንተ ዘይኢልናዮ፡ ክንቈጻጸሮ እውን እንተ ጽዒርና፡ ይቕረ ኽንብል ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ሓድሽ ኣወንታዊ ስምዒታት ክንፈጥር ንኽእል ኢና።—“ ይቕረ ኽንብል ዜኽእለና ሰለስተ ስጕምትታት” ዚብል ሳጹን ርአ።
ይቕረ ምባል ኣብ ዜምጽኦ ጥቕምታት ኣተኵር
17. ይቕረ ምባል ብኸመይ ይጠቕመና፧
17 ይቕረ በሃልቲ ንምዃን ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ነቲ መሓሪ ኣቦና የሆዋ ንመስሎ ኢና፡ ንዕኡ እውን ባህ ነብሎ ኢና። (ሉቃ. 6:36) ካልኣይ፡ ነቲ የሆዋ ብለውሃቱ ዝገበረልና ይቕረታ ሞሳና ንገልጽ ኢና። (ማቴ. 6:12) ሳልሳይ፡ ዝሓሸ ጥዕና ይህልወና፡ ዕርክነትና እውን ይድልድል እዩ።
18-19. ይቕረ በሃልቲ ምስ እንኸውን እንታይ ፍረ ኺርከብ ይኽእል፧
18 ይቕረ ኽንብል ከለና፡ ዘይተጸበናዮ በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ደኒስ እንታይ ከም ዘጋጠማ እስከ ንርአ። እቲ ሓደጋ ዘስዓበ ሰብኣይ፡ ድሕሪ እቲ ፍርዲ ህይወቱ ኼጥፍእ ሓሲቡ ነበረ፣ ደኒስ ግና ብዛዕባ እዚ ኣይትፈልጥን ነበረት። ይኹን እምበር፡ በቲ ደኒስ ዝገበረትሉ ይቕረታ ልቡ ስለ እተተንከየ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ።
19 ንዓና እውን ይቕረ ምባል ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ኣመና ኪኸብደና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዓስቢ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:7) እምበኣር፡ ይቕረ ብምባል ንየሆዋ ንምምሳል ዚከኣለና ንግበር።
መዝሙር 125 ‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ብሕታዊ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ።
c ኣብ jw.org ነዘን ዚስዕባ ናይ ፈለማ መዝሙራት ዝዀና ቪድዮታት ርአ፦ “Forgive One Another”፡ “Forgive Freely”፡ ከምኡ እውን “Friends Again”
d ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ሓጢኣትን ጐዳእን እኳ እንተ ዀነ፡ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ፍትሕ ግና መሰረት ኣይከውንን እዩ።