ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፕሮጀክት መጽናዕቲ

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ተባዕ ኩን

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ተባዕ ኩን

ኤርምያስ 38:1-13 ኣንብብ እሞ፡ ካብ ነብዪ ኤርምያስን ካብ ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ስሉብን ብዛዕባ ትብዓት ተምሃር።

ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ መርምሮ። ኤርምያስ መልእኽቲ የሆዋ ኺእውጅ ከሎ ብኸመይ እዩ ትብዓት ኣርእዩ፧ (ኤር. 27:12-14፣ 28:15-17፣ 37:6-10) ሰባት ንመልእኽቱ ምስ ሰምዑኸ፡ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧—ኤር. 37:15, 16

ኣዕሚቝካ ዅዓት። ንኤርምያስ እንታይ ጸቕጢ እዩ ኣጋጢምዎ፧ (jr 26-27 ¶20-22) ብዛዕባ ናይ ጥንቲ መዕቘሪታት ማይ ዚከኣለካ ኽትፈልጥ ጽዓር። (w11 1/1 19 ¶1-4፣ w08 1/6 15፡ ሳጹን) ንኤርምያስ ናብ መዕቘር ማይ ምስ ኣእተውዎ እሞ ብጭቃ ምስ ተዋሕጠ፡ ከመይ እተሰምዖ ይመስለካ፧ ዔቤድ-ሜሌክ እንታይ ዜፍርህ ነገር እዩ ኺሰግር ነይርዎ፧—w12 1/5 31 ¶2-3

ትምህርቲ ርኸብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • ‘እዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዜዕቍበሉ መገዲ እንታይ ይምህረኒ፧’ (መዝ. 97:10፣ ኤር. 39:15-18)

  • ‘ኣብ ምንታይ ኵነታት እየ ትብዓት ከርኢ ዘሎኒ፧’

  • ‘ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ክኸውን ከለኹ፡ ከመይ ገይረ እየ ቕኑዕ ንምግባር ዜኽእለኒ ትብዓት ከርኢ ዝኽእል፧’ (w11 1/3 30) a

a ብዛዕባ ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ፡ ኣብ ናይ ሓምለ 2023 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ምኽሪ መጽናዕቲ” ርአ።