ንመንእሰያት
10፦ ተኣማንነት
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ተኣማንነት ዘጥረዩ ሰባት ብወለዶምን ብፈተውቶምን ብኣስራሕቶምን ይእመኑ እዮም። ብሕግታት ይቕየዱ፡ ቃሎም ይሕልዉ፡ ወትሩ እውን ሓቂ ይዛረቡ እዮም።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት፡ እቲ እትረኽቦ መጠን ናጽነት፡ ምስቲ እናሓደርካ ኻብ ሰባት ዝረኸብካዮ ተኣማንነት ብቐጥታ ይዛመድ እዩ።
“እቲ ብወለድኻ ኽትእመን እትኽእለሉ ብሉጽ መገዲ፡ ምሳታቶም ክትከውን ከለኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሳቶም ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን እውን፡ ብሱልን ሓላፍነት ዚስምዓካን ምዃንካ ምስ እተርእዮም እዩ።”—ሴራይ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብሰናይ ኣካይዳኡ . . . ገይሩ ግብሩ የርኢ።”—ያእቆብ 3:13።
ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ሰባት ብዝያዳ ኺኣምኑኻ እንተ ደሊኻ፡ እዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ብቕንዕና ተመላለስ። ሓሶት ነቲ ኻልኦት ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ብቕልጡፍ የጥፍኦ እዩ። ብዛዕባ ጌጋታትካ ዀነ ብዛዕባ ኻልእ ብቕንዕና ኸይሓባባእካ እትዛረብ እንተ ዄንካ ግና፡ ካልኦት ኪኣምኑኻ ይኽእሉ እዮም።
“ኵሉ ጽቡቕ ኣብ ዝዀነሉ መዳይ ብቕንዕና ምምልላስ ቀሊል እዩ። ብሕማቕ ከም እትርአ ኣብ ዚገብር መዳያት ብቕንዕና ትመላለስ እንተ ዄንካ ግና፡ ሰባት ብዝያዳ እዮም ዚኣምኑኻ።”—ከይማን።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር [ንደሊ ኢና]።”—እብራውያን 13:18።
እሙን ኩን። ኣብ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ 78 ሚእታዊት ሰብ ሞያ ሃብቲ ሰብ፡ ሓደ ኻብቲ ስራሕ ንምርካብ ዜኽእል ሰለስተ ኣገዳሲ ኽእለት፡ እሙን ወይ ትውክልቲ ዚግበሮ ምዃን ከም ዝዀነ ሓቢሮም እዮም። ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ እሙን እንተ ዄንካ፡ ምስ ዓበኻ ኺጠቕመካ እዩ።
“ወለደይ ዓሰርተ ሳዕ ከየዘኻኸሩኒ ሓላፍነት ተሰሚዑኒ ዕዮ ገዛ ዝዓዪ እንተ ዀይነ የስተብህሉ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ብዝያዳ ተበግሶ እንተ ወሲደ፡ ብዝያዳ እዮም ዚኣምኑኒ።”—ሴራ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒ እውን ተኣማሚነ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ።”—ፊልሞን 21።
ዕጉስ ኩን። ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ዕቤት ከም ኣካላዊ ዕቤት ብቐሊሉ ዚርአ ስለ ዘይኰነ፡ ብዙሕ ግዜ ሰባት ነዚ ንምርኣይ ግዜ የድልዮም እዩ።
“ወለድኻን ካልኦትን ከም ዚኣምኑኻ ዚገብር ሓደ በይኑ ተግባር የሎን። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሓላፍነት ከም ዚስምዓካ እንተ ኣርኢኻ ግና፡ ነዚ በብቝሩብ ክትሃንጾ ትኽእል ኢኻ።”—ብራንደን።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዓቕሊ ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:12።