ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 5

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ እንታይ የጠቓልል፧

ቈልዑ ኣብ ህይወቶም ኪመርሖምን ኪመኽሮምን ዚኽእል ዓብዪ ሰብ የድልዮም እዩ። ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ነዚ ግደ እዚ ንምፍጻም ዜኽእል ብሉጽ ቦታ ኣሎካ፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ግዴታኻ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት እውን ንደቅኻ ኺምዕድዎም ይኽእሉ እዮም።

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ቈልዑ ምስ ዓበይቲ ብዙሕ ግዜ ኣየሕልፉን እዮም። ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦

  • ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ እዮም ዘሕልፍዎ፣ ኣብኡ ድማ እቶም ተምሃሮ ኻብ መምህራኖም ወይ ካብ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ይበዝሑ።

  • ድሕሪ ቤት ትምህርቲ፡ ገሊኦም ቈልዑ ናብ ጥራዩ ቤቶም እዮም ዚምለሱ፣ ከመይሲ፡ ክልቲኦም ወለዶም ንስራሕ ይወፍሩ እዮም።

  • ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብ 8 ኽሳዕ 12 ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ሽዱሽተ ሰዓት ምስ ኤለክትሮኒካዊ መዘናግዒ የሕልፉ። *

ሆልድ ኦን ቱ ዮር ኪድስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መንእሰያት ትምህርትን ኣብነትን መሪሕነትን ንምርካብ፡ ናብ ኣዴታትን ኣቦታትን መምህራንን ካልኦት ሓላፍነት ዚስምዖም ዓበይትን ዘይኰነስ፡ ናብ . . . መዛኑኦም እዮም ዚኸዱ ዘለዉ” ትብል።

መሪሕነት ብኸመይ ትህብ፧

ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6

ቈልዑ ብተፈጥሮኦም ካብ ወለዶም መሪሕነት ይደልዩ እዮም። ቈልዑ ዓብዮም መንእሰያት ናብ ምዃን ኪሰግሩ ኸለዉ እውን እንተ ዀነ፡ ንምኽሪ ወለዶም ካብ ናይ መዛኑኦም ኣብሊጾም ከም ዚርእይዎ፡ ክኢላታት ይዛረቡ እዮም። ዶ/ር ሎረንስ ስታይንበርግ ኣብታ ዩ ኤንድ ዮር ኣዶለሰንት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ወለዲ ኣብቲ ውሉዶም ብእዋን ብጽሕና ሓሊፉ እኹል ሰብ ዝዀነሉ ዓመታት ኣብ ኣረኣእያን ጠባይን ውሉዶም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጽልዋ ኣለዎም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “መንእሰያት ዋላ እኳ ወትሩ ኣይእመኑሉ ወይ ምስ ሓሳብኩም ኣይሰማምዑ እምበር፡ ብሓሳብኩም ይግደሱን ንእትብልዎ ይሰምዑን እዮም” ኢሉ እዩ።

እምበኣር፡ ደቅኻ ኽትመርሖም ዚጽበዩኻ ኻብ ኰኑ፡ ንምምራሖም ዚከኣለካ ግበር። ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ፡ ኣረኣእያኻን መትከላትካን ተመክሮታትካን ኣካፍሎም።

መዓዲ ግበረሎም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20

ንመንእሰይ ውሉድካ ሰናይ ኣርኣያ ኪዀኖ ዚኽእል ዓብዪ ሰብዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሰብ እቲ ምስ ውሉድካ ግዜ ኸም ዜሕልፍ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ከም ወላዲ መጠን ዘሎካ ስልጣን፡ ኣሕሊፍልካ ኽትህብ የብልካን። ኰይኑ ግና፡ ንውሉድካ ኸም ዘይጐድኦ ኻብ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ዚመጽእ መተባብዒ፡ ነቲ ንስኻ ንውሉድካ እትህቦ ስልጠና መራጐዲ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ጢሞቴዎስ ምስ ዓበየ እውን ከይተረፈ፡ ካብቲ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ቕርርብ ብዙሕ ተጠቒሙ እዩ፣ ጳውሎስ እውን ካብቲ ምስ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ዕርክነት ተጠቒሙ እዩ።—ፊልጲ 2:20, 22

ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ ሓያሎ ቤተ ሰብ ፋሕ ፋሕ ኢሉ እዩ ዚነብር ዘሎ፣ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ካልኦት ኣዝማድን ኣብ ካልእ ኵርናዕ ዓለም እዮም ዚነብሩ። ኣብ ቤተ ሰብኩም እውን ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንመንእሰያት ደቅኻ ጽቡቕ ባህርያት ምስ ዚምህርዎም ዓበይቲ ሰባት ኪቀራረቡ ኣጋጣሚ ኽፈተሎም።

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብ 13 ኽሳዕ 19 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብገምጋም ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኤለክትሮኒካዊ መዘናግዒ የሕልፉ። እዚ ንቘልዑን ንመንእሰያት ዚምልከት ኣሃዛት፡ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ዕዮ ገዛ ንምዕያይ ኣብ ኢንተርነት ዜሕልፍዎ ግዜ ኣየጠቓልልን እዩ።