ገበር | ዓለም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ድያ እትኸውን ዘላ፧
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ነዊሕ ዘመናት ይገብር፡ እቲ ዓለምና ሎሚ ዘላቶ ዅነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ደቂ ሰብ ይንበ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ብዜደንቕ መገዲ ብዝርዝር ስለ እተፈጸመ፡ ነቲ ንሱ ዚብሎ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይግባእን።
ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ፦
-
“ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:7።
-
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ [ኪዀኑ እዮም]።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-4።
እዚ ትንቢታት እዚ፡ ነታ ብኣዘራርባ ገሊኦም ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እትኸውን ዘላ ዓለም ዚገልጽ እዩ። ብገሊኡ ሸነኽ ድማ፡ ዓለምና ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይና ኣላ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ ማለት፡ ካብ ቍጽጽር ደቂ ሰብ ወጻኢ ትኸውን ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ደቂ ሰብ ነባሪ ፍታሕ ናይ ምምጻእ ጥበብ ኰነ ዓቕሚ የብሎምን። እዚ ድማ ኣብዚ ዚቕጽል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሑ ኣሎ፦
-
“ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።”—ምሳሌ 14:12።
-
‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ይገዝኦ።’—መክብብ 8:9።
-
“ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 10:23።
እዛ ዓለምና ብናታ ብልሓት ክትቅጽል እንተ ተፈቒዱላ፡ ዓለምለኻዊ መዓት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ኣይኬጋጥምን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦
-
ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ።”—መዝሙር 104:5።
-
“ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።”—መክብብ 1:4።
-
“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29።
-
“ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16።
ገላትያ 6:7) እዛ ዓለም እዚኣ፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ናብ ጥፍኣት እተምርሕ ዘላ ዚቈጻጸራ ዘይብላ ባቡር ኣይኰነትን። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ኬውርድዎ ዚኽእሉ ጕድኣት ደረት ገይሩሉ እዩ።—መዝሙር 83:18፣ እብራውያን 4:13።
እዚ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንጹር መልሲ እዩ ዚህብ። ደቂ ሰብ ብሰንኪ ብከላ፡ ስእነት ምግቢ፡ ሕጽረት ማይ፡ ወይ ብሰንኪ ዓለምለኻዊ ለብዒ ኣይኪሞቱን እዮም። እዛ ዓለም እዚኣ ድማ፡ ብሰሪ ኑክልየሳዊ ህልቂት ኣይክትጠፍእን እያ። ስለምንታይ፧ መጻኢ ፕላነትና ኣብ ኢድ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ሓልዩሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ሳዕቤን ውሳነታቶም ይዓጽዱ እዮም። (ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ካብኡ ንላዕሊ እውን ኪገብር እዩ። ‘ብዙሕ ሰላም’ ኬስፍን እዩ። (መዝሙር 37:11) እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ኣወንታዊ ኣረኣእያ፡ ካብቲ ሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራይ እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመን ኣብ ኵሉ ዓሌትን ዚርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ የሆዋ ዝስሙ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ እዮም ዜምልኹ። ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ኸኣ ኣይፈርሁን እዮም፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ዚብል፦ “እቲ ፈጣር ሰማያት፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ዘይፈጠራ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።’”—ኢሳይያስ 45:18።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ምድርን ደቂ ሰብን ብዚምልከት ዚምህሮ ትምህርቲ ብእተወሰነ ጥራይ እያ መርሚራ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብስራት ኣምላኽ! ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር፡ ኣብ ትምህርቲ 5 ርአ። ኣብ www.dan124.com/ti ድማ ትርከብ
ነታ ኣብ www.dan124.com/ti እትርከብ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ እውን ክትርእያ ትኽእል ኢኻ። (ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት ርአ)