ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ”!

“ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ”!

“ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ።”—እብ. 13:1

መዝሙር፦ 3, 20

1, 2. ስለምንታይ እዩ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ደብዳበ ዝጸሓፈሎም፧

እዋኑ 61 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ኣብ ብዘላ እስራኤል ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ሰላም እያ ረኺባ ነይራ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኺፍታሕ ትጽቢት ነይርዎ። ብጻዩ ጢሞቴዎስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ተፈቲሑ ነይሩ፣ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያን ኣሕዋቶም ኪበጽሑ ድማ መደብ ነይርዎም። (እብ. 13:23) ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት፡ ከምቲ የሱስ እተነበዮ የሩሳሌም ‘ብሰራዊት ክትክበብ’ ነይርዋ። እቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዘበሉ፡ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስዱ ነይርዎም። እቲ እተነበዮ ኺፍጸም ከም ዝጀመረ ምስ ረኣዩ፡ ብኡብኡ ኺሃድሙ ኸም ዘለዎም የሱስ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 21:20-24

2 ኣብቲ የሱስ ነቲ ትንቢት እቲ ኻብ ዚንበ ዝሓለፈ 28 ዓመት፡ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ ክርስትያናት ብዙሕ ተቓውሞን መስጐጕትን ብዓወት ሰጊሮም እዮም። (እብ. 10:32-34) ኰይኑ ግና፡ ንእምነቶም ልዕሊ ዅሉ ዚፍትን ፈተና ገና ኸም ዜጋጥሞም፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:20, 21፣ እብ. 12:4) ዚመጾም ዘበለ ዅሉ ኺጻወሩ ድማ ኬዳልዎም ደልዩ ነይሩ። ፍሉይ ተጻዋርነትን እምነትን እዩ ዜድልዮም ነይሩ፣ እምነቶም እውን ህይወቶም ንምድሓን እተኽእል ድልድልቲ ኽትከውን ነይርዋ። (እብራውያን 10:36-39 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ጳውሎስ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ፡ ነቶም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ብፍላይ ኪዓይዩሉ ዜድልዮም መዳይ እትድግፎም ደብዳበ ጽሒፉሎም እዩ። እታ ደብዳበ እቲኣ መልእኽቲ እብራውያን ተባሂላ ትፍለጥ።

3. መልእኽቲ እብራውያን ከተገድሰና ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧

3 ሎሚ፡ ኵላትና ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ ነገር ክንግደስ ይግባኣና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሕና እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢና ዘለና። ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ፡ ህዝቢ የሆዋ ዅሉ ዓይነት ተቓውሞን መስጐጕትን ኣጋጢምዎም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 12) እምነትናን ተወፋይነትናን ድልዱል ምዃኑ ብዘየጠራጥር መገዲ ኣመስኪርና ኢና። ብዙሓት ካባና ግና፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ፡ ቀጥታዊ መስጐጕቲ ኣብ ዘይብሉ ሰላማዊ ግዜ እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ይኹን እምበር፡ ከምቶም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ፈተና ኸም ዜጋጥመና፡ ኵላትና ኽንስሕቶ የብልናን።—ሉቃስ 21:34-36 ኣንብብ።

4. ጥቕሲ ዓመት 2016 እንታይ እያ፧ ግብእቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

4 ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚጽበየና ዘሎ ዅነታት ንምድላው እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቲ እብራውያን፡ እምነትና ንምድልዳል ዚሕግዝ ሓያሎ ነገራት ዘርዚሩ ኣሎ። ሓደ ኣገዳሲ ነገር፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እታ ደብዳበኡ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ፍቕዲ ጐሊሑ ኣሎ። እታ ፍቕዲ እቲኣ፡ ጥቕሲ ዓመት 2016 ክትከውን ተሓርያ ኣላ። “ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ” ኢላ እውን ትምዕደና።—እብ. 13:1

ጥቕሲ ዓመት 2016፦ “ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ።”—እብራውያን 13:1

ሕውነታዊት ፍቕሪ እንታይ እያ፧

5. ሕውነታዊት ፍቕሪ እንታይ እያ፧

5 ሕውነታዊት ፍቕሪ እንታይ እያ፧ እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ፊላደልፊያ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ምፍታው ሓው” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ሕውነታዊ ፍቕሪ ንኸም ኣባል ስድራ ቤትና ወይ ንናይ ቀረባ ዓርክና እነርእያ ሓያልን ልባውን ናይ ምፍታው ስምዒት ተመልክት። (ዮሃ. 11:36) ንሕና ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝዀንና እነምስል ኣይኰንናን፣ የግዳስ፡ ብሓቂ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። (ማቴ. 23:8) ንሓድሕድና ኣጸቢቕና እንፋቶ ምዃንና፡ “ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ” ብዚብል ቃላት ጽቡቕ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 12:10) እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ምስታ ብመሰረታዊ ስርዓት እትምራሕ ኣጋፐ እትብሃል ፍቕሪ ተደሚራ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ጥብቂ ቕርርብ ከም ዚህሉ ትገብር።

6. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንትርጉም ሕውነታዊት ፍቕሪ ብኸመይ እዮም ዚርድእዎ፧

6 ሓደ ምሁር፡ “ሕውነታዊት ፍቕሪ፡ ካብ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ወጻኢ ብተዛማዲ ሳሕቲ እትርከብ ቃል እያ” ኢሉ ኣሎ። ኣብ ኣይሁድነት፡ ትርጉም እታ “ሓው” እትብል ቃል ካብቶም ቃል ብቓሉ ቤተ ሰብ ዝዀኑ ወጻኢ ተጠቓልል ነይራ እያ፣ ግናኸ፡ ነቶም ኣይሁድ ደኣ እምበር፡ ንኣህዛብ ኣይጥቀሙላን እዮም ነይሮም። ክርስትና ግና ካብ እተፈላለየ ህዝቢ ንእተኣኻኸቡ ኣመንቲ ዚሓቍፍ እዩ። (ሮሜ 10:12) ኣሕዋት ብምዃንና ኸኣ፡ ንሓድሕድና ሕውነታዊት ፍቕሪ ኽትህልወና ተማሂርና ኢና። (1 ተሰ. 4:9) ኰይኑ ግና፡ እታ ሕውነታዊት ፍቕርና ኽትጸንዕ፡ ማለት ቀጻሊ ኽትከውን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ሕውነታዊት ፍቕርና ኽትጸንዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7. (ሀ) ሕውነታዊት ፍቕሪ እነርእየሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንሓድሕድና ብዝያዳ ኽንፋቶ ዘሎና ስለምንታይ ከም ዝዀነ ኻልእ ምኽንያት ሃብ።

7 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብሓጺሩ፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነርኢ ስለ ዚደልየና እዩ። ንኣምላኽ ነፍቅር ኢና እናበልና፡ ንኣሕዋትና ዘይነፍቅር ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። (1 ዮሃ. 4:7, 20, 21) ብዘይካዚ፡ ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ኣሎና። ምናዳ ብግዜ ሽግር ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ገለ ኻብቶም እብራውያን ክርስትያናት ኣባይቶን ንብረቶምን ኪሓድጉ ኸም ዘለዎም፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዚኸውን እውን፡ የሱስ ገሊጽዎ ነይሩ እዩ። (ማር. 13:14-18፣ ሉቃ. 21:21-23) ስለዚ፡ እቶም ክርስትያናት ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ንሓድሕዶም ኪፋተዉ ነይርዎም።—ሮሜ 12:9

8. ሕጂ ቕድሚ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧

8 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣዕናዊ ንፋሳት እቲ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ጸበባ ኺፍኖ እዩ። (ማር. 13:19፣ ራእ. 7:1-3) ሽዑ፡ ነቲ፡ “ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ እተዋህበ ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። (ኢሳ. 26:20) እቲ ኣብዚ፡ “ሕልፍኚ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንጉባኤታትና ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጉባኤታትና ኸኣ ኢና ንየሆዋ ንምምላኽ ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ብሓባር እንእከብ። ግናኸ፡ ብስሩዕ ምእካብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ነቲ ኣጋጣሚታት እቲ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ንምንቕቓሕ ኪጥቀሙሉ ኣዘኻኺርዎም እዩ። (እብ. 10:24, 25) ሕውነታዊት ፍቕርና ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥመና በብዓይነቱ ፈተናታትን ጸገማትን ስለ እትሕግዘና፡ ሕጂ ኸነማዕብላ ኣሎና።

9. (ሀ) ሎሚ ሕውነታዊት ፍቕርና ኸነርእየሉ ዜኽእለና እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧ (ለ) ህዝቢ የሆዋ ኸመይ ገይሮም ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸም ዘርኣዩ ኣብነት ሃብ።

9 ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ገና ቕድሚ ምጅማሩ፡ ሓያል ሕውነታዊት ፍቕሪ ተድልየና እያ። ብዙሓት ኣሕዋትና ብምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብምዕልቕላቕ ማይ፡ ብህቦብላ ንፋስ፡ ብሱናሚ፡ ወይ ብኻልእ ባህርያዊ ሓደጋታት ሕሰም ረኺቦም እዮም። ገሊኦም ኣሕዋትና ብሰንኪ ተቓውሞን መስጐጕትን መከራ ይወርዶም ኣሎ። (ማቴ. 24:6-9) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣብዚ ብልሹው ስርዓት እዚ እንነብር ብምዃንና፡ ብቝጥባዊ ጸገማት መዓልታዊ ንሽገር ኢና። (ራእ. 6:5, 6) እዚ ጸገማት እዚ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ዕምቈት ሕውነታዊት ፍቕርና እነርእየሉ ኣጋጣሚታት እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ። ‘ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ፍቕሪ እናዘሓለት እትኸይድ እኳ እንተ ዀነት፡’ ሕውነታዊ ፍቕርና ኸም እትጸንዕ ግና ከነረጋግጽ ኣሎና።—ማቴ. 24:12 [1]

ንሕውነታዊት ፍቕርና ኸመይ ጌርና ኸነጽንዓ ንኽእል፧

10. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

10 ብዙሕ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ከመይ ጌርና ኢና ሕውነታዊት ፍቕርና ኸም እትጸንዕ ክንገብር ንኽእል፧ ንኣሕዋትና ኸምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ኸም ዘላትና በየናይ መገድታት ከነርእዮም ንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ” ድሕሪ ምባሉ፡ ክርስትያናት ነዚ ዚገብሩሉ እተፈላለየ መገድታት ዘርዚሩ እዩ። ሽዱሽተ ኻብኡ እስከ ነርአ።

11, 12. ምቕባል ኣጋይሽ እንታይ ማለት እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 “ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።” (እብራውያን 13:2 ኣንብብ።) እታ ኣብዚ “ምቕባል ኣጋይሽ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ “ለውሃት ንኣጋይሽ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ነቲ ኣብርሃምን ሎጥን ዝሓደግዎ ኣብነት ተዘኻኽረና ትኸውን። ክልቲኦም ንዘይፈልጥዎም ኣጋይሽ ለውሃት ኣርእዮም እዮም። እቶም ኣጋይሽ ከኣ መላእኽቲ እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 18:2-5፣ 19:1-3) ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብምዃን ሕውነታዊት ፍቕሪ ኼርእዩ ኼተባብዖም ከሎ፡ ነዚ ኣብነታት እዚ እዩ ኣሚቱሎም።

12 ንኻልኦት ምሳሕ ወይ ድራር ብምዕዳም፡ ወይ ንሓድሕድና ንምትብባዕ ብሓንሳእ ግዜ ኸነሕልፍ ብምዕዳም፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ንኸውን ዲና፧ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ንምዃን ሰፊሕ ወይ ክቡር ወጻኢታት እነውጽኣሉ መሰናድዎ ኽንገብር ኣየድልየናን እዩ፣ ነቶም ዚፈድዩና ጥራይ ክንዕድም እውን ኣይንደልን ኢና። (ሉቃ. 10:42፣ 14:12-14) ሸቶና ንምትብባዕ እምበር፡ ብዘሎና ኸም ዚድነቑ ንምግባር ኪኸውን የብሉን! ንሓላው ወረዳናን ንብዓልቲ ቤቱን ብብሕቲ ዘይንፈልጦም እኳ እንተ ዀንና፡ ብህንጥዮት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃንና ነርእዮም ዲና፧ (3 ዮሃ. 5-8) ብስራሕ ትሑዛት ብምዃንናን መዓልታዊ ናብራና እውን ብውጥረት እተመልአ ብምዃኑን፡ ‘ምቕባል ኣጋይሽ ከይንርስዕ’ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

13, 14. ከመይ ጌርና ኢና ‘ንእሱራት ክንዝክሮም’ እንኽእል፧

13 “ንእሱራት . . . ዘክርዎም።” (እብራውያን 13:3 ኣንብብ።) ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት እሱር ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቶም ምእንቲ እምነቶም እተኣስሩ ኣሕዋት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነዘን ቃላት እዚአን ንእብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ንሱ ንባዕሉ እውን ካብ ዚእሰር ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኰይንዎ ነይሩ። (ፊል. 1:12-14) ነቶም ኣሕዋት ከኣ፡ ‘ነቶም እሱራት ስለ ዝደንገጹሎም’ ንኢድዎም እዩ። (እብ. 10:34) እቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብቲ ጳውሎስ ዝነበረሉ ርሒቖም ብምንባሮም፡ ከምቶም ብኣካል ከይዶም ኪረድእዎ ዝኸኣሉ ክርስትያናት ኪገብሩሉ ኣይከኣሉን። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ኪዝክርዎ ዚኽእሉ፧ ምእንታኡ ብቐጻሊ ብምጽላይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ።—እብ. 13:18, 19

14 ሎሚ፡ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ኣሕዋትና ብኣካል ርሒቕና ንነብር ንኸውን። ከምቲ እቶም ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ግብራዊ ሓገዝ ክንህቦም ኣይንኽእልን ንኸውን። ግናኸ፡ ምእንቲ እቶም እሙናት ኣሕዋትና ንየሆዋ እናለመንና ወትሩ ኣብ ጸሎትና ብምዝካር፡ ድንጋጸናን ሕውነታዊት ፍቕርናን ከነርእዮም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ቈልዑ ዚርከብዎም ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እንተላይ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመት እተኣስሩ ጳውሎስ እያሱን ይስሃቅ ሞገስን ነገደ ተኽለማርያምን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣሕዋት ንዝክሮምዶ፧

15. ንመውስቦና ኸም እነኽብሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

15 “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር . . . ይኹን።” (እብራውያን 13:4 ኣንብብ።) ብስነ ምግባር ንጹሃት ብምዃን፡ ሕውነታዊት ፍቕርና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ክርስትያን ብምምንዛር ንዕኡ ወይ ንኣባል ስድራ ቤቱ ‘እንተ በዲሉን መሰሉ እንተ ግሂሱን፡’ እዚ ተግባር እዚ ነቲ ሕውነታዊት ፍቕሪ እተሃንጸትሉ እምነት ዜፍርስ እዩ። (1 ተሰ. 4:3-8) ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ስእለ ጽዩፍ ብምርኣይ ከም ዝጠለማ እንተ ፈሊጣ፡ ከመይ ከም ዚስምዓ እሞ ሕስብ ነብሎ። እዚ ተግባር እዝስ ንዓኣ ፍቕሪ፡ ንሓዳሮም ድማ ኣኽብሮት ዜርኢ ድዩ፧—ማቴ. 5:28

16. ዕጉባት ምዃንና፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነርኢ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 “በቲ ዘሎኩም . . . ዕገቡ።” (እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ዕግበት ኣብቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ እተመርኰሰ እዩ። ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪትና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ይገብር እዩ። (1 ጢሞ. 6:6-8) ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ዘሎና ርክብ፡ ካብቲ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ኣመና ኸም ዚኸብር ከነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። ሓደ ዕጉብ ሰብ ኣየማርርን፡ ኣየዕዘምዝምን፡ ወይ ጕድለት ኣይኣርን እዩ። ብቕንእን ብስስዐን እውን ኣይስነፍን እዩ፣ ከመይሲ፡ እዚ ባህርያት እዚ ንሕውነታዊት ፍቕሪ የቕህማ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕጉባት እንተ ዄንና፡ ለጋሳት ኢና እንኸውን።—1 ጢሞ. 6:17-19

17. ‘ተባዕ’ ምዃን፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነርኢ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 ‘ትብዑ።’ (እብራውያን 13:6 ኣንብብ።) ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ኸይንፈርህ የትብዓና። እዚ ትብዓት እዚ ድማ ብግዲኡ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ይገብር። ሕውነታዊት ፍቕሪ ምስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺትድመር ከላ ኸኣ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኽንሃንጾምን ከነጸናንዖምን ንኽእል። (1 ተሰ. 5:14, 15) ዓለም ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብዝኸፍአ ጸልማት ምስ ተዋሕጠት እኳ፡ ድሕነትና ኸም ዝቐረበ ፈሊጥና፡ ‘ቅንዕ ክንብል፡ ርእስና እውን ከነልዕል ኢና።’—ሉቃ. 21:25-28

ነቲ ሽማግለታት ምእንታና ዚዓይይዎ ዕዮ ተመስግነሉዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ንሽማግለታትና ዘላትና ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ኸነሐይላ ንኽእል፧

18 “ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ . . . ዘክርዎም።” (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ ሽማግለታትና ገንዘብ ከይተኸፍሎም ምእንታና ዚዓይይዎ ብርቱዕ ዕዮ ኽንሓስብ ከለና፡ ሕውነታዊት ፍቕርናን ምስጋናናን ይዓዝዝ እዩ። ብሰንኪ ተግባርና ሓጐሶም ኪጠፍእ ወይ እህህ ኪብሉ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብተኣዛዝነትናን ብተገዛእነትናን፡ ‘ብፍቕሪ ኻብ መጠን ንላዕሊ ነኽብሮም ኢና።’—1 ተሰ. 5:13

ብዝያዳ ኸምኡ ንግበር

19, 20. ከመይ ጌርና ኢና ሕውነታዊት ፍቕሪ ብዝያዳ ኸነርኢ እንኽእል፧

19 ህዝቢ የሆዋ ብሕውነታዊት ፍቕሮም ኣጸቢቖም ፍሉጣት ምዃኖም ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን። ብግዜ ጳውሎስ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ንዅላቶም “ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (1 ተሰ. 4:9, 10) እወ፡ ወትሩ ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና!

20 ስለዚ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ነዛ ጥቕሲ ዓመት እዚኣ ኽንርእያ ኸለና፡ ነዚ ሕቶታት እዚ እውን ነስተንትነሉ፦ ብዝያዳ ተቐባሊ ጋሻ ክኸውን እኽእልዶ፧ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋትና ኸመይ ገይረ ኽዝክሮም እኽእል፧ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዝገበሮ መሰናድዎ ግቡእ ኣኽብሮት አርኢ ድየ፧ ናይ ሓቂ ዕግበት ንምርካብ እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ ኸመይ ገይረ ብዝያዳ ኸደልድሎ እኽእል፧ ምስቶም ዚመርሑና ኸመይ ገይረ ብዝያዳ ኽተሓባበር እኽእል፧ ነዚ ሽዱሽተ መዳያት እዚ እንተ ዓዪናሉ፡ እዛ ጥቕሲ ዓመት እዚኣ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትልጠፍ ጽሑፍ ጥራይ ኣይኰነትን እትኸውን። የግዳስ፡ ነቲ “ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ” ዚብል ምዕዶ ምእንቲ ኽንሰምዖ፡ መዘኻኸሪ ኽትኰነና እያ።—እብ. 13:1

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግዜ ዕንወት ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘርኣዩሉ ኣብነታት ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 8-9፡ ከምኡ ድማ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ኣብ ምዕ. 20 ርአ።