ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ እንታይ ገይሩ ኣሎ፧

ኣምላኽ እንታይ ገይሩ ኣሎ፧

ንሓደ ሰብ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እንተ ደሊኻ፡ ንዘጋጠሞ ዕንቅፋታት ሰጊሩ እንታይ ከም ዝገበረ ምፍላጥ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ከም ዝገበረ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መብዛሕትኡ እቲ ዝገበሮ ነገራት ሕጅን ኣብ መጻእን ከም ዚጠቕመና ምፍላጥካ ኼገርመካ እዩ።

ኣምላኽ ንዅሉ፡ ንጥቕምና ፈጢርዎ

የሆዋ ኣምላኽ ብዕቤቱ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፈጣሪ እዩ፣ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ” ድማ “ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ።” (ሮሜ 1:20) “ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡ ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡ ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።” (ኤርምያስ 10:12) ድንቂ ፍጥረታት እውን፡ ኣምላኽ ብኣና ኸም ዚግደስ ይገልጸልና እዩ።

የሆዋ ንዓና ንደቂ ሰብ “ብመልክዑ” ብምፍጣር ክሳዕ ክንደይ ንህይወትና ኽብ ከም ዘበሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ዘፍጥረት 1:27) እዚ ማለት ድማ ብእተወሰነ መገዲ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያቱ ኸም እነንጸባርቕ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። መንፈሳዊ ነገራት ክንርዳእ፡ ወይ ከኣ ኣረኣእያኡን ስርዓታቱን ክንርዳእ ኣኽእሎ ሂቡና እዩ። በዚ ኽንመላለስ ክንጽዕር ከለና፡ ዝዓበየ ሓጐስ ንረክብ፡ ህይወትና እውን ዝያዳ ትርጉም ይህልዋ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስኡ ርክብ ከነማዕብል ከም እንኽእል ገይሩና እዩ።

ምድሪ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባና ዘለዎ ተገዳስነት ትምስክር እያ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ኣምላኽ “ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን [እናሃበናን ብምግቢ እናኣጽገበናን ልብና] ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) ሓለፋ እቲ ንህይወት ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ይህበና እዩ። ንህይወት ምእንቲ ኸነስተማቕራ ኢሉ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣኺሉ ዚተርፍ ነገራት ለጊሱልና ኣሎ። እዚ ዅሉ ድማ ነቲ ዝሓለነልና ነገር ብእተወሰነ ይእምት እዩ።

የሆዋ ንምድሪ፡ ዘለኣለማዊት መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ . . . ንደቂ ሰብ ሃቦም” ይብል እዩ፣ ብዘይካዚ እውን፡ ምድሪ “ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ [ኸም] ዘይፈጠራ” ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 115:16፣ ኢሳይያስ 45:18) እሞኸ መን እዮም ዚነብሩላ፧ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜኸ እዮም ኪነብሩላ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል እዩ።—መዝሙር 37:29

በዚ መሰረት እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዚብሃሉ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠሮም፣ ‘ምእንቲ ኺዓይይዋን ኪከናኸንዋን’ ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረት ገነት ኣቐመጦም። (ዘፍጥረት 2:8, 15) “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን” ኢሉ እውን ባህ ዜብል ድርብ ሓላፍነት ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:28) በዚ ኸምዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ነበሮም። ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ ግና፡ ካብቶም “ንምድሪ ኺርስተይዋ” እተባህለሎም “ጻድቃን” ኪዀኑ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር፡ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ ተግባሮም ነቲ የሆዋ ንዓና ወይ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ኣይቀየሮን። ፈለማ ግና፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ኻልእ ነገር እስከ ንርአ።

ኣምላኽ ቃሉ ብጽሑፍ ሂቡና

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። ስለምንታይ እዩ የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና፧ ብቐዳምነት፡ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽንፈልጥ ኢሉ እዩ። (ምሳሌ 2:1-5) ልክዕ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ዅሉ ሕቶታት ኣይምልሰልናን እዩ፣ ከምኡ ኺገብር ዚኽእል መጽሓፍ የልቦን። (መክብብ 3:11) ኰይኑ ግና፡ ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። በቲ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ኣቢልና፡ መን ምዃኑ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዚፈቱን እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዚጸልእን ከኣ ክንዕዘብ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 15:1-5) ብዛዕባ ኣምልኾን ስነ ምግባርን ስጋዊ ነገራትን ዘለዎ ኣረኣእያ ድማ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቓላትን ብተግባራትን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝነጸረ ምስሊ ይህበና እዩ።—ዮሃንስ 14:9

የሆዋ ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና ዝሃበሉ ኻልእ ምኽንያት፡ ሓጐስን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ እዩ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ከመይ ጌርና ኣብ ስድራ ቤትና ሓጐስ ከም እነስፍን፡ ከመይ ጌርና ዕጉባት ከም እንኸውን፡ ከምኡ ድማ ከመይ ጌርና ንጭንቀትና ኸም እንኽእሎ ይነግረና እዩ። ጸኒሑ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ይህብ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ‘መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧’ ዚብል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ገይሩ ኸም ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ዜደንቕ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ብብዙሕ ካልእ መገድታት እውን ይርአ እዩ። ዋላ እኳ ልዕሊ 1,600 ዓመት ኣብ ዝንውሓቱ እዋን ብኣስታት 40 ሰባት እንተ ተጻሕፈ፡ ናይ ሓቂ ደራሲኡ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግና ሓደ ፍረ ነገር እዩ ዘለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ዘይከም ካልኦት ጥንታዊ ጽሑፋት ድማ፡ ንዘመናት ብልክዕ ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ፣ እዚ ድማ በቲ ብኣሽሓት ዚቝጸር ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኪረጋገጽ ይከኣል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኸይትርጐምን ከይዝርጋሕን ከይንበብን እተገብረ ጻዕርታት ኣሰኒፉ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ሎሚ ብዝርጋሐኡን ብብዝሒ እተተርጐመሉ ቛንቋታትን ቀዳምነት ሒዙ ዘሎ መጽሓፍ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ኺህሉ ምኽኣሉ እኳ፡ ‘ቃል ኣምላኽና ንዘለኣለም ከም ዚነብር’ ዜርኢ መርትዖ እዩ።—ኢሳይያስ 40:8

ኣምላኽ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ውሕስነት ሂቡና

ኣምላኽ ገይርዎ ዘሎ ኻልእ ነገር ከኣ፡ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ውሕስነት ንምሃብ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ሓሊኑ ነይሩ። ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ ምስ ሓጥአ ግና፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዘርኡ እውን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ስኢኖም እዮም። ስለዚ፡ “ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም [ኣተወ፡] ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።” (ሮሜ 5:12) በዚ ኸምዚ፡ ዘይተኣዛዝነት ሰብ ንዕላማ ኣምላኽ ብድሆ ኣቕረበሉ። እሞኸ የሆዋ እንታይ ገይሩ፧

ተግባራት የሆዋ ምስ ባህርያቱ ዚሳነ እዩ። ብፍትሒ ተደሪኹ ንኣዳምን ንሄዋንን በቲ ተግባራቶም ተሓተትቲ ገይርዎም እዩ፣ ብፍቕሩ ተደሪኹ ድማ ነቶም ናይ መጻኢ ዘርኦም መሰናድዎ ገይሩሎም እዩ። ብጥበቡ ኸኣ ነቲ ብድሆ ብኸመይ ከም ዚሰግሮ ወሲኑን ነቲ ፍታሕ ብኡብኡ ኣፍሊጡን እዩ። (ዘፍጥረት 3:15) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ክንወጸሉ እንኽእል መገዲ፡ በቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ ተዋሂቡና። እዚ እንታይ የጠቓልል ነይሩ፧

ደቂ ሰብ ካብቲ ዕልወት ኣዳም ዜስዕቦ ሳዕቤናት ሓራ ምእንቲ ኺወጹ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ንሰባት መገዲ ህይወት ኪምህሮምን “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን” ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ። a (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 14:6) የሱስ ከም ኣዳም ፍጹም ሰብ ብምንባሩ፡ በጃ ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ዘይከም ኣዳም ግና፡ ክሳዕ ሞት እኳ ፍጹም ተኣዛዝነት ሓልዩ እዩ። የሱስ ኪመውት ዚግብኦ ስለ ዘይነበረ፡ የሆዋ ንዕኡ ናብ ሰማያዊ ህይወት ኣተንሲእዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ኣዳም ኪገብሮ ዘይከኣለ ነገር ኪገብር፡ ማለት ንእዙዛት ሰባት ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህብ ክኢሉ እዩ። “ከመይሲ፡ ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።” (ሮሜ 5:19) በቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኸኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዘተስፈዎም ተስፋ ኺፍጽመሎም እዩ።

ካብቲ የሆዋ ነቲ ዘይተኣዛዝነት ኣዳም ዘስዓቦ ዕንቅፋት ዝሰገረሉ መገዲ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ንፈልጥ ኢና። ንዝጀመሮ ነገር ኣብ መፈጸምታኡ ኻብ ምብጻሕ ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ንርኢ ኢና፣ ቃሉ “ብርግጽ ኬስልጥ እዩ።” (ኢሳይያስ 55:11) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ዓባይ ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ንግንዘብ ኢና። “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ። ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ስለ ዘፍቀረናን ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ ስለ ዝሰደደልናን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ።”—1 ዮሃንስ 4:9, 10

ኣምላኽ “ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ኻብ ሃቦ እምበር፡ ካብ ዘይነሓፎ፡” ኵሉ እቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ‘ብለውሃት ከም ዚህበና’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:32) እሞ ደኣ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብረልና እዩ ኣተስፍዩና ዘሎ፧ መልሱ ንምርካብ፡ ንባብካ ኽትቅጽል ንዕድመካ።

ኣምላኽ እንታይ ገይሩ ኣሎ፧ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ፈጢርዎም። ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽንፈልጥ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና። ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኸኣ፡ በጃ ኸፊሉልና፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ውሕስነት ሂቡና

a ብዛዕባ በጃ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ትምህርቲ 27 ርአ። ኣብ www.dan124.com/ti እውን ትርከብ እያ።