ሓቂ እንታይ ክትጠቕመካ ትኽእል፧
እቲ ወትሩ ሓቂ ዚዛረብ ኣምላኽ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚህበና ኣተስፍዩና ኣሎ።—ዮሃንስ 3:16።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ተምሃር።—ዮሃንስ 17:3, 17።
ንኣምላኽ ክትእዘዞ ሕረ።—ዘዳግም 30:19, 20።
ኣብ ህይወትካ ነቲ ግብራዊ ዝዀነ መምርሒ ኣምላኽ ዕየየሉ።—ያእቆብ 1:25።
ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ስለ እተማህሩ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺቦም ኣለዉ። ነቲ እተማህርዎ ድማ ተሓጒሶም ኪነግሩኻ ይኽእሉ እዮም።
ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ርአ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.dan124.com/ti እውን ትርከብ እያ።