ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ
መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ እቲ ዝበለጸ መምርሒ እዩ። ናይ ሕክምና መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንዜጨንቕ ኵነታት፡ ንእተዛብዐ ኣተሓሳስባ፡ ንስምዒታዊ ስቓይ፡ ንኣካላውን ንኣእምሮኣውን ጸገም ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ግብራዊ ሓገዝ ዝሓዘ እዩ።
እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ a ካብ ማንም ንላዕሊ ንሓሳባትናን ንስምዒትናን ከም ዚርድኣልና መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ንዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ድማ ህንጡይ እዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ዜጸናንዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንርአ፦
“የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝሙር 34:18።
“ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:13።
እሞ ደኣ ንኣእምሮኣዊ ጸገም ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ የሆዋ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ከም እንርእዮ፡ የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት ስለ ዚሕግዘና ብሓቂ ይሓልየልና እዩ።
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።