ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትነብር እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓንቀጻት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣምላኽ ነዚ እኩይ ሕብረተሰብ ምስ ኵሉ ጸገማቱ ኸም ዜጥፍኦ ርኢና ኢና፣ እዚ ኸም ዚኸውን ድማ ርግጸኛታት ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ኣተስፍዩ ኣሎ፦
“ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ።”—1 ዮሃንስ 2:17።
ካብዚ ጥፍኣት ዚድሕኑ ኸም ዘለዉ ርግጸኛታት ኢና። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ እውን ኣተስፍዩ ኣሎ፦
“እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”
ስለዚ እምበኣር፡ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ኣሎና። ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ድማ ፈለማ ንዕኡ ኽንፈልጦ ኣሎና።
ካብ ጥፍኣት ምእንቲ ኽትድሕን ንኣምላኽ ‘ፍለጦ’
የሱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻ . . . ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) ካብ ጥፍኣት ድሒና ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር ንኣምላኽ ‘ክንፈልጦ’ ኣሎና። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማንን ብዛዕባኡ እተወሰነ ሓቅታት ምፍላጥን ማለት ጥራይ ኣይኰነን። እወ፡ ምስኡ ዕርክነት ክንምስርት ኣሎና። ምስ ሓደ ሰብ ዘለና ዕርክነት ንምድልዳል፡ ምስቲ ሰብ ግዜ ኸነሕልፍ ኣሎና። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ንምድልዳል እውን ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ኣሎና። ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ንምምስራትን ንምድልዳልን ኪሕግዘና ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገለ ሓቅታት ንርአ።
መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ
ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ወትሩ ንምገብ ኢና። የሱስ ግና፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 4:4።
ሎሚ ንቓል የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና። ነዚ ቕዱስ መጽሓፍ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ደቂ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ዝነበሮም፡ ኣብዚ ግዜ ብዛዕባ ዘለዎም፡ ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚህልዎም ርክብ ኣገዳሲ ሓቅታት ክትምሃር ኢኻ።
ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ጸሊ
መምርሒታት ኣምላኽ ክትስዕብ እናደለኻ፡ ነቲ ንሱ ጌጋ ዚብሎ ነገራት ምግዳፍ እንተ ስኢንካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ ንኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ምፍላጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ኣብነት ሓንቲ ሳኩራ ኢልና እንጽውዓ ብዕሉግ ናብራ እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት ነቲ “ኻብ ምንዝርና ህደሙ!” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ ተማህረት። (1 ቈረንቶስ 6:18) ሳኩራ፡ ሓይሊ ምእንቲ ኺህባ ናብ ኣምላኽ ምስ ጸለየት፡ ነቲ ሕማቕ ልማዳ ደው ከተብሎ ኸኣለት። እንተዀነ ግና፡ ሕጂ እውን ምስ ፈተና ትቃለስ እያ። ኣስዒባ ድማ፡ “ነዚ ብገዛእ ርእሰይ ኪዋጽኣሉ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥ ንየሆዋ ናይ ልበይ ኣግሂደ ብጸሎት እነግሮ እየ። እቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኣቕሪቡኒ እዩ” በለት። ሎሚ ኸም ሳኩራ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንኣምላኽ ይፈልጥዎ ኣለዉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩን ንዕኡ ባህ ብዜብል መገዲ ኺነብሩን ሓይሊ ይህቦም ኣሎ።—ፊልጲ 4:13።
ንኣምላኽ ብዝፈለጥካዮ መጠን፡ ኣምላኽ እውን ከም ናይ ቀረባ ዓርኩ ገይሩ ‘ኺፈልጠካ’ እዩ። (ገላትያ 4:9፣ መዝሙር 25:14) ሽዑ ብህይወት ተሪፍካ ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ክትኣቱ ኽትበቅዕ ኢኻ። እታ ሓዳስ ዓለም ግና እንታይ እያ ኽትመስል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ እያ።
a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።