ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 3 2019 | ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧
እዚኣ ልምድቲ ሕቶ እያ፣ ዝዀነ ሰብ ድማ በቲ ነዚኣ ዚህቦ ምላሽ ህይወቱ ብዙሕ ይጽሎ እዩ።
ዘይተርፍ ሕሰም ሞት
ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ካብ እርጋንን ሞትን ከነምልጥ ኣይከኣልናን። ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧
ነዊሕ ዕድመ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ህይወትን ስነ ጂንን ምስጢር እርጋን ኪፈልጡ ይጽዕሩ ኣለዉ። እዚ ምርምር እዚ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ ኣሎ፧
ክንነብር ኢና ተፈጢርና
ነዊሕን ዜሐጕስን ህይወት ኪህልዎ ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧
ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧
ደቂ ሰብ ኪሞቱ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ፍጹም ኣእምሮን ሰብነትን እዩ ነይርዎም፣ ክሳዕ ሎሚ እውን ብህይወት ኪጸንሑ ምኸኣሉ ነይሮም።
እቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪሰዓር እዩ—ብኸመይ፧
ኣምላኽ በጃ ብምኽፋል ንደቂ ሰብ ካብ ሞት ንምድሓን፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ።
ከመይ ገይሩ እዩ ዝሓሸ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል፧
ነቲ ኣምላኽ ንዜፍቅርዎ ዘዳለዎ ህይወት ንምርካብ፡ ብሓንቲ “መገዲ” ኽትመላለስ ኣሎካ።
ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ፡ ዕግበት ንምርካብ፡ ሓዳርካ ንምድልዳል፡ ወይ ንጸገም ጥዕና ንምኽኣሉ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልሲ ይህበሉ እዩ።