ሃገራትን ህዝብታትን
ናብ ካምቦድያ እተገብረ ምብጻሕ
ኣብ ልዕሊ ማይ እተሰርሐ ኣቝሻት፡ ብዙሕ ንጥፈታት ዘለዎ ዕዳጋታት፡ ከም ደርሁ ዝኣመሰላ እንስሳታትን ከም ፍሪጅ ዝኣመሰለ ኣቝሑን ዜበጻጽሓ ብሽክለታ ሞተር ብብዝሒ ዚንቀሳቐሳሉ መገድታት፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ካምቦድያ ዚርአ ልሙድ ተርእዮታት እዩ።
ህዝቢ ካምቦድያ ፍሽሑዋትን ምቕሉላትን እዮም፣ ንሓድሕዶም ከኣ ተቐራሪቦም እዮም ዚነብሩ። ንመጀመርታ ግዜኦም ኪራኸቡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ንሓድሕዶም ሓው፡ ሓብቲ፡ ሓትኖ፡ ኣሞ፡ ኣኮ፡ ሓወቦ፡ እኖሓጎ፡ ወይ ኣቦሓጎ ብዚብል ማዕርጋት እዮም ዚጸዋውዑ።
ሩዝ ሓደ ኻብቲ ልሙድ ምግቢ ካምቦድያውያን እዩ። ኣብ ሓደ መኣዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓይነት ምግቢ እዩ ዚቐርብ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ መረቕ ይቐርብ እዩ። ዓሳ እውን ዚፍቶ ምግቢ እዩ። ምቁርን ምጽጽ ዝበለን ጨው ዘለዎን ምግቢ ድማ ይዝውተር እዩ።
ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ናብ ቻይና ዚኸዱ ህንዳውያን ነጋዶን ተጓዓዝትን ብገማግም ካምቦድያ ይመላለሱ ነበሩ። ከም ሃርን እተፈላለየ ዓይነት ማዕድናትን ከኣ ብቕመማትን ጥዑም ብዝጨናኡ ኣዕጻውን ብስኒ ሓርማዝን
ብወርቅን ይቕይርዎ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ህዝቢ ካምቦድያ ብህንድን ብቻይናን ተጸልዉ እሞ፡ ኣብ ካምቦድያ ሂንዱነትን ቡድህናን ተኣታተወ። ሎሚ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ካምቦድያ፡ ቡድሃውያን እዮም።ኣብ ካምቦድያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ይእውጁ ኣለዉ። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ንብዙሓት ሰባት ሓጊዞም እዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንካምቦድያኛ ሓዊስካ ብልዕሊ 250 ቋንቋታት ትርከብ እያ።
እዛ ኣብዚ እትርአ ዘላ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብካምቦድያኛ እውን ትርከብ እያ።