ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንፋስ ብቕድሜና’ ክኸውን ከሎ

‘ንፋስ ብቕድሜና’ ክኸውን ከሎ

‘ንፋስ ብቕድሜና’ ክኸውን ከሎ

 እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝነበረ ማርቆስ ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንባሕሪ ገሊላ ብጃልባ ንምስጋር ክቃለሱ ኸለዉ ዘጋጠሞም ሓቀኛ ተመክሮ ክገልጽ ከሎ ‘ንፋስ ብቕድሚኦም ስለ ዝነበረ: ክኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ይጭነቑ’ ምንባሮም ሓበረ። የሱስ ኣብ ገምገም እኳ እንተ ነበረ ነቲ ኵነታቶም ረኣዮ እሞ ናብኦም ንምብጻሕ ተኣምራታዊ ብዝዀነ መገዲ ባሕረ ባሕሪ ኸደ። ድሕርዚ ናባታቶም ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ።​—⁠ማርቆስ 6:⁠48-51

እዚ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ማርቆስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ “ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ” ይብል። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ “ንንፋስ ገንሖ . . . እቲ ንፋስ ዝግ በለ: ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ።”​—⁠ማርቆስ 4:⁠37-39

ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራታዊ ፍጻመታት ብዓይንና ክንርኢ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ካብዚ ግን ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደገኛ ግዜ እንነብር ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን: ካብዚ ንፋስ ጸበባ ኣይነምልጥን ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) አረ ሓድሓደ ግዜስ ጻዕቂ ናይቲ ብሰንኪ ብብሕቲ ዝወርደና ፈተናታት ዝመጽእ ጓሂ ከም ህቦብላ ኢዩ ዝኸውን። እንተዀነ ግን: ዕረፍቲ ክርከብ ይከኣል ኢዩ! የሱስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል ይዕድም ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28

‘ ንፋስ ብቕድሜና’ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ: ኣብ ልብና ‘ዓቢ ህድኣት’ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ ኣብቲ ዘይፈሽል መብጽዓታት የሆዋ ኣምላኽ ትውክልቲ ብምግባር ኢዩ እዚ ክኸውን ዝኽእል።​— ምስ ኢሳይያስ 55:⁠9-11፣ ፊልጲ 4:⁠5-7 ኣረኣእዮ።