ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ንእሽቶስ ሽሕ” ኰይኑ

“እቲ ንእሽቶስ ሽሕ” ኰይኑ

“እቲ ንእሽቶስ ሽሕ” ኰይኑ

“እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ”—⁠ኢሳይያስ 60:⁠22

1, 2. (ሀ) ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ጸልማት ንምድሪ ኣጐልቢብዋ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብርሃን የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ብቐጻሊ ከብርህ ዝጸንሐ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

 “ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም: ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ [“ከብርህ:” NW  ]: ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ።” (ኢሳይያስ 60:⁠2) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ካብ 1919 ኣትሒዙ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ጽቡቕ ገይረን ኢየን ዝገልጽኦ። ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንምልክት ንጉሳዊ ህላወ እቲ “ብርሃን ዓለም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነጺጋቶ ኢያ። (ዮሃንስ 8:⁠12፣ ማቴዎስ 24:⁠3) ብሰንኪ ‘ብርቱዕ ቝጥዓ’ ናይቲ ሓለቓ ‘ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም’ ዝዀነ ሰይጣን: መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ኣዝዩ ሕሱም ጭከናን ዝኸፍአ ዕንወትን እተራእየሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 12:⁠12፣ ኤፌሶን 6:⁠12) መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

2 ይኹን እምበር: ብርሃን ሕጂውን ይበርህ ኢዩ ዘሎ። የሆዋ ኣብቶም ምድራውያን ወኪላት እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ብምዃን ዘገልግልዎ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ ብርሃኑ ‘የብርህ’ ኣሎ። (ኢሳይያስ 60:⁠1) ብፍላይ ካብ ባቢሎናዊ ምርኮ ሓራ ካብ ዝዀንሉ 1919 ኣትሒዞም እዞም ኣገልገልቱ እዚኣቶም ክብሪ ኣምላኽ ከንጸባርቑን ‘ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከብርሁን’ ጸኒሖም ኢዮም። (ማቴዎስ 5:⁠16) ገና ነቲ ኸም መቝሕ ኣሲርዎም ዝነበረ ተረፍ መረፍ ባቢሎናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝሓደጉሉ ካብ 1919 ክሳዕ 1931 ዝነበረ ዓመታት: ብርሃን መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ እናበርሀን እናደመቐን ከይዱ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል መብጽዕኡ ምስ ፈጸሞ ቍጽሮም ናብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደዪቡ ኢዩ:- “ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ: ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ከምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወኻዕታ ኪኸውን እዩ።” (ሚክያስ 2:12) ብ1931 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ምስ ተቐበልዎ ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዝለዓለ ደረጃ ተጋሂዱ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 43:10, 12

3. የሆዋ ኣብቶም ቅቡኣት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ኻልኦትውን ብርሃኑ ኸም ዘብርህ እተጋህደ ኸመይ ኢሉ ኢዩ፧

3 የሆዋ ነቶም ተረፍ ናይቲ “ሒደት መጓሰ” ጥራይ ድዩ ብርሃኑ ዘብርሃሎም፧ (ሉቃስ 12:⁠32) ኣይፋሉን። እታ ናይ 1 መስከረም 1931 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ኻልእ ጕጅለ ሓቢራ ኢያ። ንህዝቅኤል 9:⁠1-11 ጽቡቕ ገይራ ከተብርሆ ኸላ እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዝሓዘ ሰብኣይ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ከም ዘመልክት ገለጸት። እቲ “ሰብኣይ” ኣብ ግምባሮም ማሕተም ዝገብረሎም እንታዎት ኢዮም፧ ንሳቶም እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:⁠16፣ መዝሙር 37:⁠29) ብ1935 እዞም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ እዚኣቶም እቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዝርኣዮ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተኣከቡ’ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ምዃኖም ተስተውዓለሎም። (ራእይ 7:9-14) ካብ 1935 ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ነዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም ኣብ ምእካብ ኢዩ ምሉእ ኣቓልቦ ተገይሩ ዘሎ።

4. እቶም ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠3 ተጠቒሶም ዘለዉ “ነገስታት” ከምኡውን “ኣህዛብ” መን ኢዮም፧

4 ብዛዕባ እዚ ናይ ምእካብ ዕዮ ኣብቲ “ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ: ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም” ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:⁠3) እቶም ኣብዚ “ነገስታት” ተባሂሎም ተጠቒሶም ዘለዉ እንታዎት ኢዮም፧ እዚኣቶም እቶም ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት መሪሕ ኰይኖም ጸኒሖም ዘለዉን ምስ የሱስ ክርስቶስ ውርሻ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎምን ተረፍ ናይቶም 144,000 ኢዮም። (ሮሜ 8:⁠17፣ ራእይ 12:⁠17፣ 14:⁠1) ሎሚ እቶም ብሒደት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ በቶም “ኣህዛብ” ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት ተዓብሊሎም ኢዮም። እዚኣቶም ድማ እቶም ንኽምሃሩ ናብ የሆዋ ዝመጹን ከምኡ ዝበለ ስጕምቲ ንኽወስዱ ኸኣ ንኻልኦት ዕድመ ዘቕርቡሎምን ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 2:⁠3

ቀናኣት ኣገልገልቲ የሆዋ

5. (ሀ) ቅንኢ ህዝቢ የሆዋ ኸም ዘይቀሃመ ኣየናይ ጭብጥታት ኢዩ ዘረጋግጽ፧ (ለ) ኣብ 1999 ልዑል ወሰኽ ዘርኣያ ሃገራት ኣየኖት ኢየን፧ (ኣብ ገጽ 17-20 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።)

5 ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ቅንኢ ኰን ኢዮም ዘርኣዩ! እናወሰኸ ዝኸይድ ጸቕጥታት እኳ እንተ ነበረ: ዓመት 2000 እናቐረበት ምስ መጸት ቅንኦም ፍጹም ኣይቀሃመን። ነቲ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ትእዛዝ የሱስ ኣርዚኖም ኢዮም ርእዮምዎ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20 NW ) ኣብዛ ኣብ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረት ናይ መወዳእታ ናይ ኣገልግሎት ዓመት: 5,912,492 ንጡፋት ኣስፋሕቲ ብስራት ብምንባሮም ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ክምዝገብ ተኻኢሉ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድምር 1,144,566,849 ሰዓታት ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ኣብ ምንጋር ኣሕሊፎም ኢዮም። ንተገደስቲ ሰባት ከኣ 420,047,796 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብርሎም ከለዉ: 4,433,884 ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም ኢዮም። ኣየ ኸመይ ዝበለ ድንቂ ጸብጻብ ናይ ቅንኢ ዝመልኦ ኣገልግሎት ኰን ኢዩ!

6. ንፓይነራት እንታይ ሓድሽ ምትዕርራይ ኢዩ እተገብረሎም: እንታይ ምላሽ ኢዩኸ እተረኽበ፧

6 ኣብቲ ኻብ ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት ምትዕርራይ ከም እተገብረ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝሓለፈ ጥሪ ኣፍሊጡ ኢዩ። ብዙሓት ድማ ስርዓታውያን ወይ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ኔዘርላንድ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ 1999 ብዙሓት ስርዓታውያን ፓይነራት ንኽዀኑ ኣመልኪቶም ኢዮም። እዚ ድማ ካብቲ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ናይታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት እተቐበሎ መመልከቲ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኣቢሉ ኢዩ። ካብ ጋና ድማ “ኣብቲ ካብ ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት ለውጢ እተገብረሉ ግዜ ኣትሒዙ: ቍጽሪ ስርዓታውያን ፓይነራትና ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ” ዝብል ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብ ናይ 1999 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ቍጽሪ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝነበሩ ፓይነራት 738,343 ኢዩ: እዚ ሓለፍ ዝበለ መርኣያ ናይቲ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘሎ ቕንኢ’ ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 2:⁠14

7. የሆዋ ነቲ ቕንኢ ዝመልኦ ንጥፈት ኣገልገልቱ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝባረኾ፧

7 የሆዋ ነዚ ቕንኢ ዝመልኦ ንጥፈት እዚ ባሪኽዎዶ፧ እወ ባሪኽዎ ኢዩ። ብኢሳይያስ ኣቢሉ ድማ “ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ: ኵሎም ተአኪቦም ናባኺ ይመጹ አለዉ: ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ: ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ አለዉ” ብምባል ይዛረብ። (ኢሳይያስ 60:⁠4) እቶም ድሮ ተኣኪቦም ዘለዉ ቅቡኣት ‘ኣወዳትን ኣዋልድን’ ገና ሕጂውን ንኣምላኽ ብቕንኢ የገልግልዎ ኣለዉ። ኣብዚ ዘለናሉ ግዜ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ የሱስ ናብ ጐድኒ እቶም ናይ የሆዋ ቅቡኣት ‘ኣወዳትን ኣዋልድን’ ኣብ 234 ሃገራትን ደሴታት ባሕርን ይእከቡ ኣለዉ።

‘ሰናይ ግብሪ ዘበለ’

8. ኣበየናይ ‘ሰናይ ግብሪ’ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጡፋት ዝዀኑ፧

8 ክርስትያናት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ንኽዀኑ ንኻልኦት ክሕግዙን ሓላፍነት ኣለዎም። ብዘይዚውን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ’ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንስድራቤቶም ብፍቕሪ ይኣልዩ: እንግድነት የርእዩ: ንሕሙማት ከኣ ይበጽሑ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8፣ እብራውያን 13:⁠16) ብተወሳኺውን ወለንተኛታት ኣብቲ ርእሱ ዝኸኣለ ምስክርነት ክህብ ዝኽእል ከም ምህናጽ ኣደራሻት መንግስቲ ዝኣመሰለ ፕሮጀክትታት ይካፈሉ ኢዮም። ኣብ ቶጎ ዕዮ ህንጻ ሓንቲ ኣደራሽ ምስ ተወድአ: ኣብቲ ኸባቢ ዓብላልነት ዘለዋ ቤተ⁠-​ክርስትያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ሸቃሎ ምቝጻር እናኣድለያ ኽነሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ገዛእ ርእሶም ህንጻታት ባዕሎም ክሰርሑ ዝኸኣልሉ ምኽንያት እቶም ኣብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ክፈልጡ ደልዮም ኢዮም። ዕዮ ህንጻ ናይቲ ጽቡቕ ኣሰራርሓ ዘለዎ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብቶም ጐረባብቲ ኣወንታዊ ስምዒት ስለ ዝፈጥር ገለ ሰባት ብእተኻእለ መጠን ኣብ ከባቢ እቲ ኣደራሽ ዝስርሓሉ ቦታ: ገዛ ኽካረዩ ወይ ከስርሑ ኸም ዝጽዕቱ እቲ ኻብ ቶጎ እተረኽበ ጸብጻብ ይሕብር።

9. ከቢድ ዕንወት ዘስዕብ ሓደጋታት ምስ ኣጋጠመ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝሃቡ፧

9 ሓድሓደ ግዜ ካልእ ዓይነት ሰናይ ግብሪ ምግባር ይድለ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ብዙሓት ሃገራት ኢየን ከቢድ ዕንወት ብዘስዕብ ሓደጋታት ተወቒዐን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ረድኤት ኣብ ምልጋስ ብተደጋጋሚ ቀዳሞት ኢዮም ነይሮም። ንኣብነት: ዝሰፍሐ ክፍሊ ሆንድራስ ብሁሪኬይን ሚች ዝበሃል ህቦብላ ንፋስ ዓንዩ ነበረ። ሽዑ ንሽዑ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንረድኤታዊ ንጥፈታት ዝከታተላ ናይ ህጹጽ ኵነታት ኮሚቴታት ከም ዝቘማ ገበረ። ኣብ ሆንድራስን ካልኦት ሃገራትን ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዳውንቲ: መግቢ: መድሃኒት: ከምኡውን ካልእ መሰረታዊ ነገራት ወፍዮም ኢዮም። ኣባላት ከባብያውያን ናይ ህንጻ ኮሚቴታት ድማ ንኽእለታቶም ኣባይቲ ንምሕዳስ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ግዳያት እዚ ሓደጋ እዚ ዝነበሩ ኣሕዋትና ናብ ስሩዕ ንጥፈታቶም ንኽምለሱ ንምሕጋዞም ግዜ ኣይወሰደን። ኣብ ኢኳዶር ሓያል ናይ ማይ ምዕልቕላቕ ብዙሕ ኣባይቲ ምስ ኣዕነወ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሕዋቶም ንምርዳእ ሓገዞም ወፍዮም ኢዮም። ነቲ ዅነታት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ከም እተጋጠምዎ ምስ ረኣየ ሓደ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዛረበ:- “ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝሓቘፈ ጕጅለ እንተ ዝነብረኒ: ተኣምር ምገበርኩ ነይረ! ከማኹም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ክህልዉ ይግባእ።” ከምዚ ዝዓይነቱ ሰናይ ግብሪ ንየሆዋ ኣምላኽ ውዳሰ የምጽኣሉ: ኣብ ርእሲኡ ድማ እቲ ‘ንዅሉ ዝጠቅም ኣምልኾ’ ሒዝና ኸም ዘሎና ዘረጋግጽ መርትዖ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8

‘ከም ደበና ኢዮም ዝመጹ’

10. ቍጽሪ እቶም ቅቡኣት ይንኪ እኳ እንተሎ: ስም የሆዋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝእወጅ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ሕጂ የሆዋ ኸምዚ ብምባል ይሓትት:- ‘እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዝነፍራ ረገቢትን ዝመጹ እንታዎት ኢዮም፧ ደሴታት ይጽበያኒ: ንደቅኺ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኸምጽኦም: መራኽብ ተርሲስ ቅድም ክመጻ ኢየን። ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኽነድቅዎ: ነገስታቶም ከኣ ከገለግሉኺ ኢዮም።’ (ኢሳይያስ 60:⁠8-10) እቶም ነቲ የሆዋ ‘ዘብርሆ’ ብርሃን ብቐዳምነት ምላሽ ዝሃብሉ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ‘ደቁ’ ኢዮም። ደድሕሪኦም ዝመጹ ኸኣ እቶም ኣብ ምስባኽ እቲ ብስራት ንመሪሕነት ቅቡኣት ኣሕዋቶም ብምስዓብ ብተኣማንነት ዘገልግልዎም እቶም “መጻእተኛታት” ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ኢዮም። ስለዚ ድማ ኢዩ ቍጽሪ እቶም ቅቡኣት ይንኪ እኳ እንተሎ: ስም የሆዋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝእወጅ ዘሎ።

11. (ሀ) እንታይ ኢዩ ገና ዝቕጽል ዘሎ: ምስ ከመይ ዝበለ ኣብ 1999 እተራእየ ውጽኢትከ፧ (ለ) ኣብ 1999 ሓለፍ ዝበለ ቍጽሪ ተጠመቕቲ ዝነበረን ሃገራት ኣየኖት ኢየን፧ (ኣብ ገጽ 17-20 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።)

11 ከም ውጽኢት እዚ ኸኣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ‘ከም ናብ ኣባይተን ዝነፍራ ረገቢት’ ብምውሓዝ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዕቝባ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢዮም ዝውሰኹ: ዝያዳ ኻልኦት ንኽኣትዉ ድማ እቲ ኣፍ ደገ ገና ተራሕዩ ኢዩ ዘሎ። ኢሳይያስ ከምዚ ይብል:- “ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትዉልኪ: . . . ደጌታትኪ ዅሉ ጊዜ ኽፉት ኪኸውን: ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።” (ኢሳይያስ 60:⁠11) ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ 323,439 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተጠሚቖም ኢዮም: ገና ኸኣ የሆዋ ነቲ ኣፍ ደገ ኣይዓጸዎን ዘሎ። እቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ዝዀኑ ኣባላት እቲ ዓቢ ጭፍራ በቲ ኣፍ ደገ ንምእታው ገና ይውሕዙ ኢዮም ዘለዉ። (ሃጌ 2:⁠7) ዋላ ሓደ ነቲ ጸልማት ደልዩ ንድሕሪት ክምለስ ዝደሊ የለን። (ዮሃንስ 12:⁠46) ኵሎም ኣብቲ ብርሃን ዘለዎም ሞሳ ዘየጥፍኡ ይግበሮም!

ተቓውሞ እንተ ኣጋጠሞምውን ተባዓት ኢዮም

12. እቶም ጸልማት ዘፍቅሩ ነቲ ብርሃን ከጥፍእዎ ዝሃቀኑ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧

12 እቶም ጸልማት ዘፍቅሩ ንብርሃን የሆዋ ይጸልእዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 3:⁠19) አረ ገሊኦምስ ነቲ ብርሃን ከጥፍእዎ እውን ኢዮም ዝህቅኑ። እዚ ትጽቢት ዘይግበረሉ ነገር አይኰነን። “እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ” ዝዀነ የሱስ እውን ከይተረፈ ላግጺ ወሪድዎ: ምጽራር በጺሕዎ: ንምሸቱ ኸኣ ብደቂ ዓዱ ተቐቲሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:⁠9) ኣብ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብርሃን የሆዋ ብተኣማንነት ብምንጽብራቖም ኣደዳ ላግጺ ዀይኖም: ተኣሲሮም: ተኣጊዶም: አረ ተቐቲሎም እውን ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ከኣ ተቓወምቲ ኣንጻር እቶም ብርሃን ኣምላኽ ዘንጸባርቑ ብማዕከናት ዜና ናይ ሓሶት ወረ ምንዛሕ ስርሐይ ኢሎም ሒዞምዎ ኣለዉ። አረ ገሊኦምስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓደገኛታት: ቀይዲ ክግበረሎም ወይ ክእገዱ ዘለዎም ጕጅለ ገይሮም ብምቕራብ ንህዝቢ ከእምኑ ኢዮም ዝጽዕሩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ተጻረርቲ ተዓዊቶምዶ፧

13. ብዛዕባ ዕዮና ዝገልጽ ናይ ሓቂ ጭብጥታት ኣብ ማዕከናት ዜና ብጥበብ ምቕራብ እንታይ ፍረ ኸም ዝርከብ ኢዩ ዝገበረ፧

13 ኣይተዓወቱን። ኣብቲ ዅነታት ዝምሽኣሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሓቂ ንምንጻር ማዕከናት ዜና ተጠቒሞም ኢዮም። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ስም የሆዋ ብጋዜጣታት: ብመጽሔታት: ብሬድዮ: ብተሌቪዥን ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ፍረ ኸም ዝርከብ ገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ደንማርክ “እምነት ደቂ ደንማርክ ዝደኽመሉ ዘሎ ምኽንያት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብታ ሃገራዊት ተሌቭዥን ሓደ ፕሮግራም ቀሪቡ ነበረ። ምስ ካልኦት ወከልቲ ሃይማኖታት እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃለ⁠-​መጠይቕ ተገይርሎም ነበረ። ድሕርዚ ሓንቲ ነቲ ፕሮግራም እተኸታተለቶ ሰበይቲ “መንፈስ ኣምላኽ ምስ መን ከም ዘሎ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ” ብምባል ገለጸት። ጽንዓት ድማ ጀመረት።

14. ተቓወምቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ ንኽግንዘቡ ምስ ተገደዱ ኢዮም ጭንቀት ዘስዕብ ውርደት ዝስከሙ፧

14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሓት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሰባት ከም ዝቃወምዎም ይፈልጡ ኢዮም። (ዮሃንስ 17:⁠14) ይኹን እምበር: በቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢት ይበራትዑ ኢዮም:- “ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ: እቶም ዝነዐቑኺ ዅሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፤ ከተማ እግዚኣብሄር: ጽዮን ናይ እስራኤል ኪሰምዩኺ እዮም።” (ኢሳይያስ 60:⁠14) ተቓወምቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣንጻር ኣምላኽ ይዋግኡ ኸም ዝነበሩ ክግንዘቡ ኢዮም: ሽዑ ኸኣ ጭንቀት ዘስዕብ ውርደት ክስከሙ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግእ መን ኢዩ ኽዕወት፧

15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ጸባ ኣህዛብ ዝጠብዉ’ ከመይ ኢሎም ኢዮም: እዚኸ ኣብቲ ናይ ምምሃርን ናይ ስብከትን ዕዮኦም ከመይ ኢሉ ኢዩ እተራእየ፧

15 የሆዋ ብተወሳኺ ከምዚ ብምባል ይመባጻዕ:- ‘ኣነ ዘለኣለማዊ መሐበኒ ክገብረኪ: ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ: ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ።’ (ኢሳይያስ 60:⁠15, 16) እወ: የሆዋ መድሓን ህዝቡ ኢዩ። ኣብኡ እንተድኣ ተወኪሎም ‘ንዘለኣለም’ ክነብሩ ኢዮም። ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዘድሊ ዓቕምታት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ብምግባር ‘ጸባ ኣህዛብ ይጠብዉ።’ ንኣብነት: ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ናይ ኮምፕዩተርን መራኸቢታትን ቴክኖሎጂ: ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብ121 ንቕሑ! ድማ ብ62 ቋንቋታት ኣብ ሓደ እዋን ንኽሕተም ዘኽእል መሳለጥያ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናብ ካልእ ቋንቋታት ንምርትጓም ዘኽእል ሓደ ፍሉይ ናይ ኮምፕዩተር ሶፍትዌር ፕሮግራም ተዳልዩ ኣሎ: በዚ ቴክኖሎጂ ዝዳሎ ትርጕማት ከኣ ብዙሕ ሓጐስ የምጽእ ኣሎ። እቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋ ክሮኦሽያ ተተርጒሙ ብ1999 ምስ ወጸ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢዮም ናይ ሓጐስ ንብዓት ነቢዖም። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ከምዚ በለ:- “ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ እዋን ኢየ ሃንቀው ኢለ ኽጽበዮ ጸኒሐ። ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ሰበይ!” ትርጕም ሓዳስ ዓለም እንተ ብምሉእ እንተ ብኸፊል ብ34 ቋንቋታት ናይ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝርጋሐ ረኺቡ ኣሎ።

ልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት

16, 17. (ሀ) ልዑል መዐቀኒታት የሆዋ ምሕላው ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ: ኣድላዪ ዝኸውን ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መንእሰያት በዛ ዓለም ካብ ምብካል ክሕለዉ ከም ዝኽእሉ ኣየናይ ተመክሮ ኢዩ ዘርኢ፧

16 የሱስ ከምዚ በለ:- “ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ።” (ዮሃንስ 3:⁠20) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቶም ኣብቲ ብርሃን ጸኒዖም ክነብሩ ዝደልዩ ነቲ ልዑል መዐቀኒታት የሆዋ የፍቅርዎ ኢዮም። የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ “ኵሎም ህዝቢ ብዘለዉ ጻድቃን ኪዀኑ” ምዃኖም ይዛረብ። (ኢሳይያስ 60:⁠21ሀ) ኣብዛ ጾታዊ ብዕልግና: ሓሶት: ስስዐ: ከምኡውን ትዕቢት ኣዝዩ ገኒኑላ ዘሎ ዓለም መዐቀኒታት ጽድቂ ክትሕሉ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ገለ ሃገራት ቍጠባ ቅልጡፍ ዕቤት እናኣርኣየ ይኸይድ ብምህላዉ ደድሕሪ ሃብቲ ንምስዓብ ክትስሓብ ቀሊል ኢዩ። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ . . . ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠9) ሓደ ሰብ ንኸም ክርስትያናዊ ሕብረት: ቅዱስ ኣገልግሎት: ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት: ከምኡውን ንኸም ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዝኣመሰለ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት መስዋእቲ ብምግባር ኣብ ንግዳዊ ዋኒናት እንተድኣ ጥሒሉ ኣየ ክንደይ ዘሰቅቕ ሳዕቤን ኰን ኢዩ ዝህልዎ!

17 መዐቀኒታት ጽድቂ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብዚ ብዙሓት ካብ መዛኑኦም ኣብ ሓሽሽን ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ተጸሚዶምሉ ዘለዉ እዋን ሓያል ኢዩ። ኣብ ሱሪናም ሓደ መልክዐኛ ወዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ይቐርባ እሞ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ሓተታ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ነገራት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኽልክሎ ብምግላጽ ኣበየቶ። ኵለን ኣዋልድ ምስቲ ፍሉይ ዝዀነ ወዲ ክድቅሳ ኸም ዝደልያ እናነገራኣ ኣላገጻላ: ሓሳባ ኽትቅይር ከኣ ጸቕጢ ክገብራላ ፈተና። እታ ጐርዞ ግን ጸንዐት ደኣ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት እቲ ወዲ ኤች.ኣይ.ቪ. ኸም ዘለዎ ተፈልጠ: ኣዝዩ ኸኣ ሓመመ። እታ ጓል ነቲ ‘ዝሙት ዝኽልክል’ ትእዛዝ የሆዋ ብምሕላዋ ተሓጐሰት። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዕ ንዘበለ ጽኑዓት ዝዀኑ መንእሰያት ኣብ መንጕኦም ብምህላዎም ኣዝዮም ኢዮም ዝሕበኑ። እምነቶምን እምነት ወለዶምን ንስም የሆዋ ኣምላኽ ‘ክብሪ’ ኢዩ ዝውስኸሉ።​—⁠ኢሳይያስ 60:⁠21ለ

ከም ዝውስኽ ዝገበሮ የሆዋ ኢዩ

18. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ከመይ ዝበለ ዓቢ ነገር ኢዩ ገይርሎም ዘሎ፧ (ለ) ገና ወሰኽ ከም ዝህሉ እንታይ መርትዖ ኣሎ: ነቶም ኣብቲ ብርሃን ጸኒዖም ዝነብሩኸ እንታይ ግርማዊ ተስፋ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

18 የሆዋ በረኸቱ ብምፍሳስ: መሪሕነቱ ብምሃብ: ከምኡውን ከም ዝብርትዑ ብምግባር ብርሃኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ የብርህ ኣሎ። ኣብ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን እቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ ክፍጸም ከሎ ርእዮም ኢዮም:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።” (ኢሳይያስ 60:⁠22) እቲ ኣብ 1919 ብኣጻብዕቲ ዝቝጸር ዝነበረ ‘ንእሽቶ:’ ካብ “ሽሕ” ዝበዝሕ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ዕቤት እዚ ገና ክቕጽል ኢዩ! ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ 14,088,751 ተኣኪቦም ነበሩ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይነበሩን። ኣብቲ ኣገዳሲ በዓል ስለ እተረኽቡ ሕጉሳት ኢና: ናብቲ ብርሃን ንኽቐርቡ ስጕምቲ ክወስዱ ኸኣ ዕድመ ነቕርበሎም። የሆዋ ገና ብርሃኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ደሚቑ ኸም ዝበርህ ይገብር ኣሎ። እቲ ናብ ማሕበሩ ዘእቱ ኣፍ ደገ ገና ርሑው ኢዩ ዘሎ። ኵሉ ሰብ ኣብ ብርሃን የሆዋ ንምጽናሕ ቈራጽነት ዝወስድ ድማ ይግበሮ። እዚ ብርሃን እዚ ሕጂውን ከይተረፈ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸታት ኰን ኢዩ ዘምጽኣልና ዘሎ! ኣብቲ ዅሉ ፍጥረት ንየሆዋ ዝውድሰሉን በቲ ግርማዊ ኽብሩ ዝድሰተሉን መጻኢ እዋን ድማ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ኸምጽኣልና!​—⁠ራእይ 5:⁠13, 14

ክትገልጾዶ ምኽኣልካ፧

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኽብሪ የሆዋ ከንጸባርቕዎ ዝጸንሑ መን ኢዮም፧

ቅንኢ ህዝቢ የሆዋ ኸም ዘይቀሃመ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሑዛት ኰይኖምሉ ዘለዉ ሰናይ ግብርታት እንታይ ኢዩ፧

መሪር ተቓውሞ እኳ እንተሎ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ እምንቶ ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17-20 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ 1999 ኣገልግሎት ዓመት

(እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ገና ናብ ማሕበር የሆዋ ይውሕዙ ኢዮም ዘለዉ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ብርሃን ዘፍቅሩ እቲ ኣፍ ደገ ርሒቡ ተራሕዪሎም ከም ዝጸንሕ ብምግባሩ ሕጉሳት ኢና