ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣማዕብል

ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣማዕብል

ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣማዕብል

 ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:8) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን “እቶም ንየሆዋ ዝፈርሁ ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣለዎም” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 25:14 NW) የሆዋ ኣምላኽ ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክህልወና ከም ዝደሊ እምበኣር ንጹር ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኵሉ እቲ ንኣምላኽ ዘገልግልን ሕጋጋቱ ዝሕሉን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖ ኢዩ ማለት ኣይኰነን።

ንስኻኸ ከመይ ኢዩ ዝስምዓካ፧ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ጥብቂ ርክብ ኣለካዶ፧ ናብኡ ዝያዳ ኽትቀርብ ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ከመይ ገይርና ከነማዕብል ምኸኣልና፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሳልሰይቲ ምዕራፍ ናይታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ትህበና።

ፍቕራዊ ሕያውነትን ሓቅን ኣንጸባርቕ

ሰሎሞን ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ንሳልሰይቲ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይጅምራ:- “ወደየ: ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ እሞ: ንሕገይ ኣይትረስዓዮ: ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።” (ምሳሌ 3:1, 2) ሰሎሞን ብመንፈስ ተመሪሑ ይጽሕፍ ስለ ዝነበረ: ብርግጽ እዚ ኣባታዊ ምኽሪ እዚ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸን ናባና ዘቃንዐን ኢዩ። ነቲ ንሕጉ ወይ ትምህርቱ ከምኡውን ትእዛዛቱ ዘጠቓልል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣምላኽ ዝሃቦ መዘኻኸሪታት ክንሕሉ ተመኺርና ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር ኢዩ ‘ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ዝውሰኸልና።’ እወ: ሕጂ እውን ከይተረፈ ሰላማዊ ህይወት ክንመርሕ ከምኡውን ካብቲ ንመብዛሕትኦም ገበርቲ እከይ ዘጓንፎም ዕድመ ዘሕጽር ሓደጋ ክንእለ የኽእለና ኢዩ። ካብኡ ሓሊፍና ድማ ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህልወና ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 1:24-31፣ 2:21, 22

ብምቕጻል ሰሎሞን ከምዚ ይብል:- “ሕያውነትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW] ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ: ኣብ ክሳድካ እሰረን: ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።”ምሳሌ 3:3, 4

እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተተርጒማ ዘላ ናይቲ በዅሪ ቋንቋ ቃል: “እምንቲ ፍቕሪ” ዝብል ካልእ ኣማራጺ ትርጕም ተዋሂብዋ ኣሎ። እዚ ትርጕም እዚ ናይ ተወፋይነት: ሓድነት: ከምኡውን ናይ ተኣማንነት ሓሳብ ዘመሓላልፍ ኢዩ። ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ምስ የሆዋ ጠቢቕና ንምምልላስ ቈራጽነት ገይርና ዲና፧ ኣብቲ ምስ ኣመንቲ ብጾትና እንገብሮ ርክባት ፍቕራዊ ሕያውነት ነንጸባርቕ ዲና፧ ካብኦም ከይተፈለና ጠቢቕና ንምቕጻል ንጽዕር ዲና፧ ኣብቲ ምስኦም እንገብሮ መዓልታዊ ርክባትናኸ ‘ንትምህርቲ ለውሃት ኣብ ልሳንና ንሕልዎ’ ዲና፧—ምሳሌ 31:26

የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነት ዝመልኦ ስለ ዝዀነ ‘ንይቕረታ ድልው’ ኢዩ። (መዝሙር 86:5) ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ተናሲሕና ሕጂ ብቕኑዕ መገዲ ንመላለስ እንተድኣ ሃሊና: ካብ የሆዋ “ዘመን ዕረፍቲ” ኸም ዝመጽኣልና ተረጋጊጹልና ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) ካልኦት ንዝበደሉና በደላት ይቕረ ብምባል ንኣምላኽና ክንመስሎ ኣይግብኣናንዶ፧—ማቴዎስ 6:14, 15

የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢዩ: ነቶም ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክህልዎም ሃረር ዝብሉ ኸኣ “ሓቂ” ሒዞም ክመላለሱ ይደልዮም ኢዩ። (መዝሙር 31:5) ምስ ክርስትያናት ብጾት ክንሓብር ከሎና ሓደ ዓይነት ኣካይዳ: ምስኦም ኣብ ዘይንዀነሉ ግዜ ድማ ብኻልእ መገዲ ምምልላስ ዝንጸባረቐሉ ከምቶም ኣምሰሉ ዝዀኑ “ሓሰውቲ ሰባት” ክልተ መልክዕ ዘለዎ ህይወት ንነብር እንተድኣ ዄንና የሆዋ ዓርክና ክኸውን ትጽቢት ክንገብር ንኽእልዶ፧ (መዝሙር 26:4) ‘ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ’ የሆዋ “ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን” ስለ ዝዀነ: ብኸምዚ ዓይነት ህይወት ምምልላስ ብሓቂ ዕሽነት ኢዩ!—እብራውያን 4:13

ፍቕራዊ ሕያውነትን ሓቅነትን ልክዕ ከም ሓደ ኣብ ‘ክሳድ እተኣስረ’ ክቡር ስልማት ገይርካ ክርኣያ ኣለወን: ከመይሲ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስ’ ከም እንረክብ ኢየን ዝገብራና። ነዘን ባህርያት እዚኣተን ብላዕለ ላዕሊ ምንጽብራቕ ጥራይ ዘይኰነስ: ክፍሊ ባህርያትና ብምግባር ‘ኣብ ጽላት ልብና’ ክንቀርጸን ኢዩ ዘድልየና።

ኣብ የሆዋ ዘየወላውል ትውክልቲ ይሃልኻ

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”ምሳሌ 3:5, 6

ብሓቂ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከሎ ዝበቅዕ ኣምላኽ ኢዩ። ከም ፈጣሪ መጠን ‘ብርታዐ ሓይሊ’ ዘለዎን ምንጪ ናይ ከምዚ ዝበለ ‘ብርታዐን’ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:26, 29) ንዅሉ እቲ ዘውጽኦ ዕላማ ክፍጽም ክእለት ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ ስሙ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ናይ ቃል ብቓል ትርጕም ዝሓዘ ኢዩ: መብጽዓ ንዝገበረሉ ነገራት ክፍጽም ክእለት ከም ዘለዎ እምንቶ ከም እነሕድር ዝገብር እውን ኢዩ! እቲ ‘ኣምላኽ ክሕስወሉ ዘይክእል’ ዝብል መግለጺ ድማ ኣምላኽ መርኣያ ሓቂ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። (እብራውያን 6:18) ዓብላሊት ባህሪኡ ፍቕሪ ኢያ። (1 ዮሃንስ 4:8) “ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ: ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።” (መዝሙር 145:17) ካብ ኣምላኽ ሓሊፍና ደኣ እሞ ኣብ መን ኢና ኽንውከል፧ ርግጽ ኢዩ: ኣብኡ ናይ ምውካል ባህርይ ንምዅስኳስ ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንምሃሮ ዘበለ ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ኣብ ግብሪ ብምውዓልን በቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናብራ ዘፍርዮ ጽቡቕ ፍረ ብምስትንታንን ‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ክንጥዕምን ክንርእን’ የድልየና።—መዝሙር 34:8

ብኸመይ ኢና ‘ኣብ ኵሉ መገድና ንእኡ ክንሓስብ’ እንኽእል፧ እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፍ መዝሙር “ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ይብል። (መዝሙር 77:12) ንኣምላኽ ክንርእዮ ስለ ዘይንኽእል: ናይ ማሕርሮ ርክብ ምስኡ ንምምዕባል ብዛዕባ ዓበይቲ ግብርታቱን ምስ ሰባት ብዛዕባ ዘለዎ ርክብን ምስትንታን ኣድላዪ ኢዩ።

ጸሎት እውን ብዛዕባ የሆዋ እንሓስበሉ ኣገዳሲ መገዲ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት “ምሉእ መዓልቲ” ብዘይምቍራጽ ናብ የሆዋ ይልምን ነበረ። (መዝሙር 86:3) ዳዊት መብዛሕትኡ ግዜ: ንኣብነት ኣብ በረኻ ይዅብልል ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ለይቲ ብመልኣ ክጽሊ ይሓድር ነበረ። (መዝሙር 63:6, 7) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ’ ብምባል ምዒዱ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:18) ክሳዕ ክንደይ ኢና ጸሎት እነዘውትር፧ ነቲ ናይ ውሽጢ ስምዒትና ናብ ኣምላኽ እነፍስሰሉ መትረብ ንጥቀመሉዶ ኣሎና፧ ፈታኒ ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ሓገዝ ደሊና ናብ ኣምላኽ ንልምንዶ ኢና፧ ኣገደስቲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርና መሪሕነቱ ክህበናዶ ናብኡ ንጽሊ ኢና፧ እቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ ቅንዕና ዝመልኦ ጸሎት ብእኡ ከም እንፍቶ ኢዩ ዝገብረና። ጸሎትና ኸም ዝምለስን ‘ኣካይዳና ኸም ዘቕንዕን’ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ክንገብር እንኽእል ክነስና ‘ኣብ ልቦናና’ ወይ ኣብ ልቦና እቶም ኣብዛ ዓለም ምርኡያት ዝዀኑ ሰባት ‘ክንጽጋዕስ’ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን ኢዩ! ሰሎሞን “ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል” ብምባል ይመክር። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል:- “ንእግዚኣብሄር ፍራህ: ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ: ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።” (ምሳሌ 3:7, 8) ንኣምላኽ ከይተጕህዮ ጥዑይ ፍርሂ ምፍራህ ንዅሉ ግብርታትና: ሓሳባትና: ከምኡውን ስምዒታትና ክጸልዎ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ካብቲ ንየሆዋ ዘሎካ ክብሪ ተላዒልካ እተርእዮ ፍርሂ ካብ ክፍኣት ዝባልህን ብመንፈስ ዘሕውን ዘሐድስን ኢዩ።

ካብቲ ዘሎካ እቲ ዝበለጸ ንየሆዋ ሃብ

በየናይ ካልእ መገዲ ኢና ናብ የሆዋ ኣጸቢቕና ኽንቀርብ እንኽእል፧ እቲ ንጉስ “ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን: ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ” ብምባል መምርሒ ይህብ። (ምሳሌ 3:9) ንየሆዋ ምኽባር: ንዕኡ ልዑል ግምት ምሃብ ከምኡውን ኣብቲ ብዛዕባ ስሙ ዝግበር ህዝባዊ ኣዋጅ ብምስታፍን ደገፍካ ብምሃብን ብዕሊ ምውዳሱ ማለት ኢዩ። ግዜና: ክእለትና: ጉልበትና: ከምኡውን ስጋዊ ጥሪትና ንየሆዋ እነኽብረሉ ብቐሊሉ ዘይግመት ነገራት ኢዩ። እዚ እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍርያትና ክኸውን ይግብኦ። ኣጠቓቕማ ንብረትና ነቲ ‘መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ከነቐድም’ ዝገበርናዮ ውሳነ ከንጸባርቕዶ ኣይኰነን ዘለዎ፧—ማቴዎስ 6:33

በቲ ዘሎና ክቡር ነገራት ንየሆዋ ምኽባርና ዓስቡ ከይረኸበ ኣይተርፍን ኢዩ። ሰሎሞን “ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ: መጽመቚኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (ምሳሌ 3:10) መንፈሳዊ ብልጽግና ንበይኑ ናብ ስጋዊ ብልጽግና ዘይመርሕ እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ ንምኽባር ኢልና እንገብሮ ልግሲ ዝመልኦ ኣጠቓቕማ ንብረትና ማእለያ ዘይብሉ በረኸታት ከምጽኣልና ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ንየሱስ እቲ ዘናብሮ ‘ብልዒ’ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 4:34) ብተመሳሳሊ ኣብቲ ንየሆዋ ዘኽብር ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ምስታፍ ይዕንግለና ኢዩ። ኣብቲ ዕዮ እቲ ጸኒዕና እንተድኣ ቐጺልና: መንፈሳዊ መኽዘንና ቅጽጽ ኢሉ ኽመልእ ኢዩ። እቲ ብዀልዒ ወይኒ ተመሲሉ ዘሎ ሓጐስና ኸኣ ክጅርብብ ኢዩ።

እኹል ስጋዊ መግቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽህበናኸ ናብ የሆዋዶ ኸይኰንና ቍሊሕ እንብልን እንጽልን፧ (ማቴዎስ 6:11) አረ ዅሉ እቲ እንውንኖ ዘበለስ ካብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኢና እንረኽቦ። ንዅሉ ክቡር ጥሪትና ንውዳሴ ክብሪ የሆዋ ክሳዕ እተጠቐምናሉ: ተወሳኺ በረኸት ከዝንበልና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 4:7

ንተግሳጽ የሆዋ ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎ

ተግሳጽ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ እነማዕብሎ ናይ ማሕርሮ ርክብ ዘለዎ ኣገዳስነት ክሕብር ከሎ እቲ ንጉስ እስራኤል “ወደየ: ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ: ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ: እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር” ብምባል ይመኽረና።—ምሳሌ 3:11, 12

ይኹን እምበር: ተግሳጽ ንምቕባሉ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ብምባል ጸሓፈ። (እብራውያን 12:11) መግናሕትን ተግሳጽን ኣድላዪ ኽፍሊ ናይቲ ናብ የሆዋ ዝያዳ ኸም እንቐርብ ዝገብረና ስልጠና ኢዩ። የሆዋ እንተ ብወለዲ: ብክርስትያናዊት ጉባኤ: ወይ ድማ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክንገብር ከሎና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብእንገብሮ ምስትንታን ኣቢሉ ክእርመና ኸሎ ፍቕሩ ኢዩ ዝገልጸልና። ጥበበኛታት እንተ ዄንና ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎ ኢና።

ንጥበብን ምስትውዓልን ኣጽኒዕካ ሓዘን

ቀጺሉ ሰሎሞን ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንምምዕባል እንገብሮ ጻዕሪ: ጥበብን ምስትውዓልን ዘለወን ኣገዳስነት የጕልሕ። ከምዚ ብምባል ኣግሂዱ ይዛረብ:- “እቲ ጥበብ ዚረክብ: ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ: እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። . . . ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ: ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።”ምሳሌ 3:13-18

ኣብቲ ግብሪ ኣእዳው የሆዋ ዝዀነ ፍጥረት ጥበብን ምስትውዓልን ብኸመይ ተንጸባሪቐን ከም ዘለዋ ንኸዘኻኽረና እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ: ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ። . . . ወደየ: ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን: ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት: ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን።”ምሳሌ 3:19-22

ጥበብን ምስትውዓልን ኣምላኻዊ ባህርያት ኢየን። ነዘን ባህርያት እዚኣተን ኰስኲስና ከነጥርየን ጥራይ ዘይኰነስ ኣጽኒዕና ክንሕዘን እውን የድልየና። ነዚ ንምግባር ቅዱሳት ጽሑፋት ህርኩታት ኴንና ምጽናዕን ንእተማሃርናዮ ዘበለ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዕሽሽ ክንብል የብልናን። ቀጺሉ ሰሎሞን “ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ: እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ” ብምባል ይገልጽ። ኣስዒቡ ድማ “እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ: በጥ ክትብል ኢኻ: ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ” ይብል።—ምሳሌ 3:23, 24

እወ: ነታ ኣብ ልዕሊ እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ሰራቒ “ብድንገት” እትመጽእ መዓልቲ ‘ጥፍኣት’ እናተጸበና: ድሕንነት ተሰሚዑና ምምልላስን ብናይ ኣእምሮ ሰላም ምድቃስን ክንክእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ኣብ እዋን እቲ ኣብ ልዕሌና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ዓቢ ጸበባ እውን ከይተረፈ ውሕስነት ከም ዝህልወና እዚ ዝስዕብ መረጋገጺ ክዀነና ይኽእል ኢዩ:- “እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን: ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ: ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ: ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር።”ምሳሌ 3:25, 26፣ ማቴዎስ 24:21

ሰናይ ዘበለ ግበር

ሰሎሞን “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ብምባል ይምዕድ። (ምሳሌ 3:27) ንኻልኦት ሰናይ ግብሪ ምግባር ክበሃል ከሎ ንንብረትና ክሕግዞም ብዝኽእል መገዲ ምጥቃም ዘጠቓልል ኢዩ: ብዙሕ መዳያት ከኣ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ንሰባት ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኸማዕብሉ ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ዝበልጽ ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ክንገብረሎም እንኽእል ነገር እንታይ ኣሎ፧ (ዳንኤል 12:4) ስለዚ እምበኣር: እዚ ግዜ እዚ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ቅንኢ እነርእየሉ እዋን ኢዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ከነወግዶም ዘሎና ገለ ተግባራት እውን ይዝርዝር ኢዩ: ከምዚ ይብል:- “ዚወሀብ ከሎካስ: ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ: ጽባሕ ክህበካ እየ: ኣይትበሎ። ንብጻይካ: አሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ: ኣይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበአስ። ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ: መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ።”ምሳሌ 3:28-31

ሰሎሞን ነቲ ምኽሪ መውሃቢኡ ምኽንያት ጸሚቑ ከቕርቦ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ: ምስጢሩ [“ናይ ማሕርሮ ርክቡ:” NW] ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ: ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም: ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።”—ምሳሌ 3:32-35

ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክህልወና ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ተንኰል ክንፍሕስ የብልናን። (ምሳሌ 6:16-19) ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእል ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቅኑዕ ዘበለ ምስ እንገብር ጥራይ ኢዩ። ምስ መለኮታዊ ጥበብ ተሰማሚዕና ከም እንመላለስ ካልኦት ምስ ተዓዘቡ እውን ዘይሓሰብናዮ ክብሪ ክንረክብ ኢና። ስለዚ ነቲ ቄናን መገድታት እዛ እክይትን ሕስምትን ዓለም እዚኣ ንንጸጎ። እወ: ቅኑዕ መገዲ ንስዓብን ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ነማዕብልን!

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

‘ብዅሉ ጥሪትካ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ’