“ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኢኹም እትፈልጡ”
ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
“ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኢኹም እትፈልጡ”
የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣብ የሩሳሌም ብትብዓት ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ተዘራረበ “ዝሰምዕዎ ዘበሉ . . . በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።” (ሉቃስ 2:47) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ ንመምህራኖምን መማህርቶምን ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ንምንጋር ትብዓት ኣጥርዮም ኢዮም: እዚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ዘሐጕስ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ።
ኣብ ክፍሊ ናይታ ጓል 14 ዓመት ዝዀነት ቲፋኒ እተገብረ ምይይጥ ናብቲ ኣብ ዳንኤል 9:24-27 ዝርከብ ብዛዕባ 70 ናይ ዓመታት ሰሙን ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ኣምርሐ። እቲ መምህር ብዛዕባ እዚ ጥቕስታት እዚ ሒደት መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ነቲ ጕዳይ ቀልጢፉ ሸፋፊንዎ ሓለፈ።
ኣብ መጀመርታ: ቲፋኒ ኢዳ ሓፍ ንምባል ተወላወለት። “ድሓር ግን እቲ ጥቕስታት ምሉእ ብምሉእ ከይተገልጸ ምሕላፉ ናይ ሓቂ ስለ ዝረበሸኒ ብሃንደበት ኢደይ ሓፍ ኣበልኩ” በለት። እቲ መምህር መብዛሕትኦም እቶም ተማሃሮ ነቲ ጕዳይ ንኽርድእዎ ከቢድዎም ስለ ዝነበረ ብዛዕብኡ ገለ ነገር ክትዛረብ እትደሊ ተማሃሪት ብምርካቡ ገረሞ።
ቲፋኒ ብዛዕባ እቲ ትንቢት ንኽትገልጽ ዕድል ምስ ተዋህባ ካብ ኮፍ መበሊኣ ሓፍ ኢላ ነቲ ጕዳይ ጽቡቕ ገይራ ገለጸቶ። ክትውድእ ከላ ኣብታ ክፍሊ ምሉእ ብምሉእ ጸጥታ ሰፊኑ ነበረ። ቲፋኒ ቅሩብ ሓኒኻ ነበረት። ድሕርዚ: እቶም ደቂ ክፍላ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣጣቕዑላ።
መምህራ ደጋጊሙ “ቲፋኒ: ኣዝዩ ዝምስጥ ኢዩ” በላ። ብዛዕባ እዚ ጥቕስታት እዚ ገለ መግለጺ ክህሉ ኣለዎ ይብል ምንባሩ ተኣመነ: ክሳዕ ሽዑ ጽቡቕ ገይሩ ክገልጸሉ ዝኸኣለ ሰብ ኣይነበረን: ቲፋኒ ግን ንመጀመርታ ግዜ ብንጹር ገለጸትሉ። እቲ ክፍለ-ግዜ ናይታ ትምህርቲ ምስ ተወድአ: ንቲፋኒ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክትፈልጥ ዝኸኣለት ብኸመይ ምዃኑ ሓተታ።
ንሳ ድማ “ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኩ ኢየ” ኢላ መለሰትሉ። ቀጺላ ኸኣ “ወለደይ ነዚ ትንቢት እዚ ክሳዕ ዝርድኣኒ ደጋጊሞም ገሊጾምለይ ኢዮም” በለት።
ደቂ ክፍላ እውን በቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ፍልጠት ደንጸዎም። ሓንቲ ተማሃሪት ንቲፋኒ ከምዚ በለታ:- “ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እትኸዱሉ ምኽንያት ተረዲኡኒ፣ ለካ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኢኹም እትፈልጡ።” ካልኦት ድማ ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ እምነታ ከም ዘይሕጩጩላ ተመባጽዑ።
ቲፋኒ ተመክሮኣ ንወለዳ ምስ ነገረቶም: ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ንመምህራ ከተበርክተሉ ሓሳብ ኣቕረቡላ። ነታ መጽሓፍ ወሲዳ ነቲ ብዛዕባ ትንቢት ዳንኤል ዝገልጽ ክፍሊ ንመምህራ ምስ ኣርኣየቶ ኣመስጊኑ ብኡንብኡ ተቐበላ።
ብሓቂ ክርስትያን መንእሰያት እቲ ወለዶም ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ዝማሃርዎም ነገር ብትብዓት እንተ ተዛሪቦም: ንየሆዋ ውዳሰን ክብርን የምጽኡ: ንገዛእ ርእሶም ድማ በረኸት ይረኽቡ።—ማቴዎስ 21:15, 16