ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተቐያያሪ መልክዕ “ክርስትና”—ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎዶ ኢዩ፧

ተቐያያሪ መልክዕ “ክርስትና”—ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎዶ ኢዩ፧

ተቐያያሪ መልክዕ “ክርስትና”​—ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎዶ ኢዩ፧

ንኽስእለካ ምስ ሓደ ሰኣላይ ከም እተሰማማዕካ ገይርና እሞ ንውሰዶ። ምስ ወድአ ኸኣ ትሕጐስ፣ እቲ ስእሊ: ቅምጥ ኢልካ ንስኻ ኢኻ። ደቅኻ: ደቂ ደቅኻ: ከምኡውን ደቂ ደቆም ነቲ ስእሊ እቲ ብሓበን ከም ዝርእይዎ ገይርካ ኸኣ ትሓስብ።

ይኹን እምበር ገለ ወለዶታት ጸኒሑ: ሓደ ካብ ዘርእኻ እቲ ንውሽጢ ስቕስቕ ዝበለ ጸጕሪ ርእስኻ ባህ ዘየብል ኰይኑ ይስምዖ እሞ ጸጕሪ ከም ዝውሰኸሉ ይገብር። ካልእ ኸኣ ቅርጺ ኣፍንጫኻ ስለ ዘይፈተዎ ከም ዝቕየር ይገብሮ። ኣብቲ ዝቕጽል ወለዶታት ከኣ ካልእ “ምምሕያሻት” ይግበር: በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ስእሊ ኣብ መወዳእትኡ ንዓኻ ዘይመስል ኰይኑ ይርከብ። እዚ ከም ዝኸውን ኣቐዲምካ እንተ ትፈልጥ: ከመይ ምተሰምዓካ፧ ከም ዘሕርቐካ ፍሉጥ ኢዩ።

እቲ ዘሕዝን ግን ዛንታ ናይዚ ስእሊ እዚ ብመሰረቱ ዛንታ ስመ-ክርስትያን ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ደድሕሪ ሞት ሃዋርያት ክርስቶስ እቲ ወግዓዊ መልክዕ “ክርስትና” ክቕየር ከም ዝጀመረ ታሪኽ ይገልጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 13:24-30, 37-43፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:30 a

ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ እተፈላለየ ባህልታትን መዋእላትን ከተውዕሎ ግቡእ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ልሙድ ኣተሓሳስባ ከተሰማምዖ ኢልካ ምቕያሩ ግን ፈጺሙ እተፈልየ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: ብልክዕ እዚ ነገር እዚ ኢዩ ተፈጺሙ። ንኣብነት: ኣብ እተፈላለየ ኣድለይቲ ትምህርትታት እተፈጸመ ለውጢ ንርአ።

ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ትሓብር

የሱስ ግዝኣቱ ወይ መንግስቱ ኣብቲ ግቡእ ግዜ ንዅሉ ምምሕዳራትን ግዝኣትን ወድሰብ እተጥፍእ ሰማያዊት ምዃና ምሂሩ ኣሎ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10) በቲ ናይ ደቅሰብ ፖለቲካዊ ኣገባብ ኣይኰነትን እትመሓደር። የሱስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ስለዚ እምበኣር ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ሕጊ ዘኽብሩ እኳ እንተ ነበሩ ምስ ፖለቲካ ሕብረት ኣይነበሮምን።

ይኹን እምበር: ኣብ ራብዓይ ዘመን ኣብ እዋን እቲ ሮማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ: ብዙሓት ክርስትያናት ምዃኖም ዝዛረቡ ሰባት ንምምላስ ክርስቶስን ምቛም መንግስቲ ኣምላኽን ብትዕግስቲ ክጽበዩ ኣይክኣሉን። በብቝሩብ ከኣ እቲ ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮም ኣረኣእያ እናተቐየረ ኸደ። እታ ይሩፕ—ኤ ሂስትሪ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ቀቅድሚ ቆስጣንጢኖስ: ክርስትያናት [ፖለቲካዊ] ስልጣን ንዕላምኦምን እምነቶምን ከም ዘደንፍዕ ገይሮም ክወስድዎ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። ብድሕሪ ቆስጣንጢኖስ ግን ክርስትናን ፖለቲካን ኢድን ጓንትን ኰነ።” እቲ እተቐየረ ክርስትና ኸኣ ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ “ኣድማሳዊ” ወይ ከኣ “ካቶሊካዊ” ሃይማኖት ብምዃን ወግዓውነት ለበሰ።

እቲ ግሬት ኤጅስ ኦቭ ማን ዝበሃል መዝገበ-ፍልጠት (እንግሊዝኛ) ብምኽንያት እዚ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ዝነበረ ጥብቂ ርክብ “ብ385 ዓ.ም. ማለት ካብቲ ክርስትያናት ናይ መወዳእታ ከቢድ ስደት ዝወረዶም እዋን 80 ዓመታት ጥራይ ጸኒሑ: እታ ቤተ-ክርስትያን ንመናፍቓን ባዕላ ከተሳድዶም ጀመረት: ካህናታ ኸኣ ምስቶም ሃጸያት ዳርጋ ማዕረ ዝዀነ ስልጣን ክሕዙ ጀመሩ።” በዚ ኸምዚ ድማ እምነት ካልኦት ንምቕያር እቲ ኣረዲእካ ናይ ምእማን ክእለት ብሴፍ ተተክአ: እቶም ጽምኢ ስልጣን ዝነበሮም ሰብ ማዕርግ ቤተ-ክህነት ከኣ ነቶም ትሑታት ናይ ቀዳማይ ዘመን ሰበኽቲ ተክእዎም። (ማቴዎስ 23:9, 10፣ 28:19, 20) ጸሓፍ ታሪኽ ኤች. ጂ. ወልስ ብዛዕባ እቲ “ኣብ መንጎ” ናይ ራብዓይ ዘመን ክርስትናን “ትምህርቲ የሱስ ናዝራውን” ዘሎ “ዓሚቝ ፍልልያት” ዝገልጽ ሓሳባት ጸሓፈ። እዚ “ዓሚቝ ፍልልያት” እዚ: ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገልጽ መሰረታዊ ትምህርትታት እውን ተንኪፍዎ ኢዩ።

ንኣምላኽ ምቕያር

ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን “ሓደ ኣምላኽ . . . ኣቦ” ጥራይ ከም ዘሎ: በቲ የሆዋ ዝብል ኣብቲ ጥንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ዳርጋ 7,000 ግዜ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ስሙ ኸኣ ከም ዝልለ ምሂሮም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 8:6፣ መዝሙር 83:18 NW) የሱስ ብኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቈሎሴ 1:15 ‘በዅሪ ዅሉ ፍጥረት’ ከም ዝዀነ ይገልጸልና። በዚ ድማ ኢዩ የሱስ ከም ፍጡር መጠን ብግልጺ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ዝበለ።—ዮሃንስ 14:28

ኣብ ሳልሳይ ዘመን ግን እቶም ነቲ ብግሪኻዊ ፈላስፋ ፕላቶ እተመስረተ ናይ ስላስያውያን ትምህርቲ ዝፈትዉ ገለ ተሰማዕነት ዝነበሮም ኣቕሽሽቲ ንኣምላኽ ምስቲ ናይ ስላስያውያን ትምህርቲ ንኸሰማምዕዎ ኢሎም ክቕይርዎ ጀሚሮም ነበሩ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዘመናት ከኣ እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ንየሱስ ማዕረ የሆዋ ክብ ኣበሎ: ንመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ወይ ነቲ መስለጢ ሓይሊ ኸኣ ኣካል ገበሮ።

ነቲ ቤተ-ክርስትያን እተቐበለቶ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ናይ ስላሴ ኣምር ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ: ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “እቲ ‘ሓደ ይዀኑ ሰለስተ ይዀኑ’ ዝብል ትምህርቲ ቅድሚ መወዳእታ ናይ 4ይ ዘመን ጽኑዕ መሰረት ኣይነበሮን: ኣብ ክርስትያናዊ ናብራን ኣብቲ ወግዓዊ እምነታቱን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይሰረጸን ነይሩ። እቲ ቐንዲ መሰረት ናይ ስላስያውያን ሃሜን ግን እዚ ትምህርቲ እዚ ኢዩ። ካብ ማእከል እቶም ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣበው ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባን ግምትን ዝነበሮ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።”

ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና (እንግሊዝኛ) እውን ብተመሳሳሊ ከምዚ በለ:- “ብዛዕባ እንታይነት ኣምላኽ ዝምልከት እቲ ናይ ራብዓይ ዘመን ናይ ኣመንቲ ስላሴ ትምህርቲ ብልክዕ ነቲ ናይ ቀዳሞት ክርስትያናት ትምህርቲ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩስ: ካብዚ ትምህርቲ እዚ ምዕላው ኢዩ ነይሩ።” ዘ ኦክስፎርድ ኮምፓንዮን ቱ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከኣ ሓደ ካብቲ “ዳሕራይ ዝኣተወ ወግዓዊ ትምህርትታት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ይኹን እምበር ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኣተወ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ኣምር: ትምህርቲ ስላሴ ጥራይ ኣይኰነን።

ንነፍሲ ምቕያር

ሰባት ምስ ሞቱ ካብ ኣካላቶም ተፈልያ እትቕጽል ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘላቶም ዝገልጽ እምነት ሎሚ ብዙሓት ዝኣምንዎ ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ቤተ-ክርስትያን ትምህርቲ እውን እንተዀነ ደሓር እተወሰኸ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ የሱስ ነቲ ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብኻልእ ኣዘራርባ ደቂሶም ከም ዘለዉ ብምግላጽ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። (መክብብ 9:5፣ ዮሃንስ 11:11-13) ህይወት ብትንሳኤ ክትምለስ ኢያ—እዚ ኸኣ ካብ ናይ ሞት ድቃስ ‘ምትንሳእ’ ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ዘይሙማት ክበሃል ከሎ ካብ ሞት ናጻ ምዃን ማለት ስለ ዝዀነ: ዘይትመውት ነፍሲ እንተ ትህሉ ነይራ ትንሳኤ ኣይመድለየን።

የሱስ ንምዉታት ብምትንሳእ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝምህሮ ትምህርቲ ብመርኣያ ገሊጽዎ ኢዩ። ኣብነት ናይቲ ንኣርባዕተ መዓልትታት ሞይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ንርአ። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ኣተንስኦ: ኣልኣዛር ህያውን ዘተንፍስን ሰብ ኰይኑ ካብ መቓብር ወጸ። ኣልኣዛር ካብ ሞት ክበራበር ከሎ ካብ መንግስተ-ሰማያት ወሪዳ ናብ ኣካላቱ እተመልሰት ዘይትመውት ነፍሲ ኣይነበረትን። ከምኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን: የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ጠቒምዎ ኢዩ ክበሃል ኣይምተኻእለን!—ዮሃንስ 11:39, 43, 44

ምንጪ ናይቲ ዘይትመውት ነፍሲ ምህላዋ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ዘ ዌስትሚንስተር ዲክሽነሪ ኦቭ ክርስችያን ቲኦሎጂ (እንግሊዝኛ) እቲ ኣምር “ካብ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝያዳ ንናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዝቐርብ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ኸኣ “ኣካል ምስ ሞተ ነፍሲ ህያው ኰይና ከም እትቕጽል ዝገልጽ እምነት ፍልስፍናዊ ወይ ድማ ናይ ስነ-ሃይማኖት ግምት ደኣ እምበር ንጹር እምነት ኣይኰነን: ስለ ዝዀነ ኸኣ ኢዩ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘይርከብ” ብምባል ይገልጽ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሓሶት ናብ ካልእ ሓሶት ኢዩ ዝመርሕ። ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ከም ዘይትመውት ዝገልጽ ትምህርቲ እውን ከምኡ ኢዩ። ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘለኣለማዊ ስቓይ ከም ዘሎ ንዝገልጽ ኣረማዊ ትምህርቲ መገዲ ኸፈተ። b ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ‘ዓስቢ ሓጢኣት’—ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘይኰነስ—“ሞት እዩ” ብምባል ይገልጽ። (ሮሜ 6:23) ስለዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንትንሳኤ ክገልጾ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ድዋይ ቨርሽን ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ “ባሕሪ: . . . ከምኡውን ሞትን ሲኦልን ምዉታቶም ወፈዩ” ይብለና። እወ: ብሓጺሩ እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ምዉታት ኢዮም ወይ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ደቂሶም’ ኢዮም ዘለዉ።—ራእይ 20:13

ብቕንዕና ክትዛረብ እንተድኣ ዄንካ ኣብ ሲኦል ንዘለኣለም ናይ ምዅናን ኵነታት ከም ዘሎ ዝገልጽ ትምህርቲ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐርቡ ዝገብሮም ኢዩ ኢልካ ምኣመንካዶ፧ ዘይመስል ኢዩ። እዚ ናይ ቅኑዓትን ፈቃራትን ሰባት ኣእምሮ ዘይቅበሎ ኣተሓሳስባ ኢዩ! ብኣንጻሩ ግን መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ብምባል ከምኡውን ንእንስሳታት እኳ ከይተረፈ ምጭካን ኣብ ቅድሚኡ ፍንፉን ምዃኑ ኢዩ ዝምህር።—1 ዮሃንስ 4:8፣ ምሳሌ 12:10፣ ኤርምያስ 7:31፣ ዮናስ 4:11

ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ነቲ “ስእሊ” መልክዑ ምቕያር

ሎሚ ንኣምላኽን ንክርስትናን ዘይመልክዖም ምሃብ ቀጺሉ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደ ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰር ነቲ ኣብ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ-ክርስትያኑ ዘሎ ቃልሲ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “እቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋትን ትምህርቲ ሃይማኖትን ስልጣን ምስቲ ባዕዳውን ሰብኣውን ዝዀነ ስነ-ሓሳብ ዝገብሮ ቃልሲ: እቲ ቤተ-ክርስትያን ንጕይትነት የሱስ ዘለዋ ተኣማንነት ምስቲ ንክርስትና ምስ ዘመኑ ንምስምማዕን ንምቕያርን ዘሎ እማመ ዝግበር ቃልሲ ኢዩ። እቲ ሕጂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ ዘሎ ጕዳይ ከኣ:- ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዘለዋ መን ኢዩ ዝውስኖ . . . ቅዱሳት ጽሑፋትዶ ወይስ እቲ ሕጂ ዓብሊሉ ዘሎ ኣተሓሳስባ ዝብል ኢዩ፧”

እቲ ዘሕዝን ግን “እቲ ሕጂ ዓብሊሉ ዘሎ ኣተሓሳስባ” ከይተዓወተ ኣይተርፍን ኢዩ። ንኣብነት ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ምዕቡላትን ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ዘለወንን መሲለን ንኽረኣያ ኢለን ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ኣቕዋመን ምቕያረን ስዉር ኣይኰነን። ከምቲ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተገልጸ ብፍላይ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት: ኣብያተ-ክርስትያን ከም ቃሕታአን ኢየን ኰይነን ዘለዋ። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ምንዝር: ዝሙት: ግብሪ ሰዶም ብዘይጥርጥር ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ዝፍጽሙ ኸኣ ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ’ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ማቴዎስ 5:27-32፣ ሮሜ 1:26, 27

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳብ ክጽሕፍ ከሎ እቲ ኣብ ግዚኡ ዝነበረ ናይ ግሪኽን ሮሜን ዓለም ብዅሉ ዓይነት እከይ መሊኡ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ከማኻኒ ይኽእል ነይሩ ኢዩ:- ‘እወ: ኣምላኽ በቲ ዝፈጸምኦ ብዕሉግ ናይ ጾታዊ ርክብ ሓጢኣት ንሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅሽቲ ገይርወን ኢዩ: እዚ ግን 2,000 ዓመታት ይገብር እተፈጸመ ኢዩ! እዚ ብርግጽ ኣብዚ ምዕቡል መዋእል እዚ ዝውዕል ኣይኰነን።’ ይኹን እምበር ኣየመሳመሰን፣ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ካብ ምብልሻው ርሒቑ ኢዩ።—ገላትያ 5:19-23

ነቲ ናይ መጀመርታ “ስእሊ” ጠምቶ

ነቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ክዛረቦም ከሎ የሱስ ‘ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ይምህሩ ስለ ዝነበሩ ኣምልኾኦም ከንቱ’ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:9) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲኣቶም ነቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦ ሕጊ ልክዕ ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ካህናት ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝገበርዎ ገና እውን ዝገብርዎ ዘለዉ ኢዮም ገይሮም። ኣብ ልዕሊ እቲ መለኮታዊ ሓቂ ብናይ ሰብ ስርዓት ገይሮም ነቲ “ቅብኣ” ኣበላሸውዎ። የሱስ ግን ንጥቕሚ እቶም ቅኑዓት ሰባት ኢሉ ንዅሉ እቲ ተወሲኹ ዝነበረ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ካብቲ ቅብኣ ኣልጊስዎ ኢዩ። (ማርቆስ 7:7-13) እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ሓቂ ተፈታዊ ይንበር ኣይንበር ብዘየገድስ የሱስ ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይበለን። ንቓል ኣምላኽ ወትሩ ከም ወሳኒ በዓል ስልጣን ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ።—ዮሃንስ 17:17

እዚ የሱስ ዝሃቦ ሓሳባትሲ ምስቲ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ምዃኖም ዝዛረቡ ሰባት ዝገብርዎ ክነጻጸር ከሎ ክንደይ ዝጻረር ኰን ኢዩ! አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ከምዚ ብምባል ኢዩ ተነብዩ:- “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: [“ንሓድሽ ነገር ጥራይ ህንጡያት ዝዀኑ ከምኡውን:” ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ)] ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ . . . ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4) እዚ ‘ጽውጽዋያት’ እዚ: ገለ ካብኡ ድሮ ርኢናዮ ከም ዘሎና: ብመንፈስ መዕነዊ ክኸውን ከሎ: እቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ግን ዝሃንጽን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕን ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ኸኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትምርምሮ ዘተባብዑኻ።—ዮሃንስ 4:24፣ 8:32፣ 17:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a የሱስ ኣብቲ ናይ ስርናይን ክርዳድን ምሳልያዊ ዛንታ ከምኡውን ብዛዕባ ገፋሕን ቀጣንን መገዲ ኣብ ዝሃቦ ምሳሌ ገሊጽዎ ከም ዘሎ (ማቴዎስ 7:13, 14) ናይ ሓቂ ክርስትና ኣብ ኵሉ መዋእላት ብሒደት ሰባት እናተሳዕበ ክቕጽል ነበሮ። ይኹን እምበር: እዚኣቶም በቶም ክርዳድ መሰል ዝዀኑ ንገዛእ ርእሶምን ትምህርትታቶምን ከም ናይ ሓቂ መልክዕ ክርስትና ገይሮም ዘቕርብዎ ብዙሓት ሰባት ክዕብለሉ ነበሮም። እዛ ዓንቀጽና እዚኣ ኸኣ ነዚ መልክዕ እዚ ኢያ እትገልጾ።

b “ሲኦል” ካብታ ሺኦል እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ከምኡውን ካብታ ሃደስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ክልቲኡ ኸኣ “መቓብር” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። በዚ ኸኣ ኢዮም ተርጐምቲ ናይ እንግሊዝኛ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ነታ ሺኦል እትብል ቃል 31 ግዜ “ሲኦል” ኢሎም እኳ እንተ ተርጐሙዋ 31 ግዜ “መቓብር” 3 ግዜ ኸኣ “ጕድጓድ” ኢሎም ተርጒሞምዋ ዘለዉ። ከምኡ ተባሂሉ ብምትርጓሙ እዚ ስያመታት እዚ ብመሰረቱ ሓደ ዓይነት ትርጕም ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መበቈል ናይታ ክርስትያን እትብል ስም

ብድሕሪ ሞት የሱስ እንተወሓደ ንገለ ዓሰርተ ዓመት ዝኸውን ሰዓብቱ ብወገን እታ “መገዲ” ምዃኖም ይፍለጥ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:2፣ 19:9, 23፣ 22:4) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ዝመላለስሉ መገዲ ህይወት ኣብቲ “መገድን ሓቅን ህይወትን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 14:6) ብድሕሪ 44 ከ.ኣ.ዘ. ገለ ግዜ ጸኒሑ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ: “[“ብመለኮታዊ መሪሕነት:” NW] ክርስትያን ተሰምዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) እዚ ስም እዚ ኣብቶም ናይ ህዝቢ ሰበ-ስልጣን እውን ከይተረፈ ቅልጡፍ ተቐባልነት ረኸበ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:28) እቲ ሓድሽ ስም እቲ: የሱስ ክርስቶስ ንዝገደፎ ሞዴል ብቐጻሊ ዝስዕብ ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ኣይለወጦን።—1 ጴጥሮስ 2:21

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ገይሮም ንሰባት ናብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕዎም

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ካብ ጸጋም መበል ሳልሳይ:- United Nations/Photo by Saw Lwin