‘ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ኣድሕን’
‘ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ኣድሕን’
“ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: . . . እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:16
1, 2. ንሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ኣገልግሎት ጸኒዖም ክቕጽሉ ዝድርኾም እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ ኣብ እትርከብ ምሕድግ ዝበለት ቍሸት: ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ እተማህርዎ ቋንቋ ምስ ተወለድቲ ናይ ሓደ ኣብ ኮረብታ ዝነብር ቀቢላ ይለማመድሉ ኣለዉ። ንተቐመጥቲ እታ ቝሸት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽነግርዎም ኢዮም እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ቋንቋ ላሁ ዘጽንዑ።
2 እቲ በዓል ቤት “ኣብ ማእከል እዞም ግዱሳት ሰባት እዚኣቶም ኴንና ብምዕያይና እንረኽቦ ሓጐስን ዕግበትን ከምዚ ኢዩ ኢልና ክንገልጾ የጸግመና ኢዩ” ይብል። ብተወሳኺውን ከምዚ ይብል:- “‘ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን’ ስለ እንሰብኽ ኣብ ፍጻሜ ናይ ራእይ 14:6, 7 ብሓቂ እጃም ከም ዘሎና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና። እቲ ብስራት ዛጊት ዘይኣተዎ ዘይተዳህሰሰ ቦታታት ሒደት ኢዩ: እዚ ከባቢ እዚ ኸኣ ብርግጽ ሓደ ካብዚ ዘይተዳህሰሰ ቦታታት ኢዩ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንመርሕ ዘሎና ክበሃል ይከኣል።” እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ዝሰምዕዎም እውን ከድሕኑ ተስፋ ገይሮም ከም ዘለዉ ንጹር ኢዩ። ከም ክርስትያናት መጠን ኵላትና ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋዶ ኣይኰነን ዘሎና፧
‘ንርእስኻ ተጠንቀቕ’
3. ንኻልኦት ምእንቲ ኸነድሕን ፈለማ ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ፧
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ” ብምባል መኸሮ: እዚ ድማ ንዅሎም ክርስትያናት ዝምልከት ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ካልኦት ድሕነት ክረኽቡ ንምሕጋዝ ፈለማ ንገዛእ ርእስና ክንጥንቀቐላ ከም ዝግባእ ኣይከሓድን ኢዩ። ነዚ ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብመጀመርታ: ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ንቑሓት ክንከውን ይግብኣና። የሱስ ‘መወዳእታ ዓለም’ ከም ዝዀነ ሰዓብቱ ዝፈልጥሉ እኩብ ምልክት ሂቡ ኢዩ። ብተወሳኺ ግን የሱስ መወዳእታ ዝዀነሉ ግዜ ብልክዕ ክንፈልጦ ከም ዘይንኽእል ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3, 36) ነዚ ጭብጢ እዚ ከመይ ዝበለ መልሰ-ግብሪ መርኣናሉ፧
4. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ክህልወና ዝግባእ ኣመለኻኽታ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧ (ለ) ከነወግዶ ዘሎና ኣመለኻኽታ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
4 ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ነቲ እዚ ኣገባብ እዚ ንኽውዳእ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ንገዛእ ርእሰይ ይኹን ነቶም ዝሰምዑኒ ንምድሓን ድየ ዝጥቀመሉ ዘሎኹ፧ ወይስ “መወዳእታ መዓስ ከም ዝመጽእ ብልክዕ ስለ ዘይንፈልጥ: በዚ ብዙሕ ክጭነቕ ኣየድልየንን ኢዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘሎኒ፧’ እዚ ዳሕረዋይ ኣመለኻኽታ ሓደገኛ ኢዩ። እዚ ነቲ የሱስ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ብቐጥታ ዝጻረሮ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:44) ብርግጽ ሕጂ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት ዝቕህመሉ ወይ ድማ ድሕንነትን ዕግበትን ንምርካብ ናብዛ ዓለም እዚኣ ቍሊሕ እንብለሉ ግዜ ኣይኰነን።—ሉቃስ 21:34-36
5. እቶም ኣብ መዋእል ቅድመ-ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር የሆዋ እንታይ ኣብነት ኢዮም ዝሓደጉ፧
5 ካልእ ንገዛእ ርእስና ንጥንቀቐላ ምህላውና ከነርእየሉ እንኽእል መገዲ ከም ክርስትያናት መጠን ብተኣማንነት ብምጽማም ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብቕልጡፍ ድሕነት ክረኽቡ ትጽቢት ይንበሮም ኣይንበሮም ብዘየገድስ ከየባተኹ ተጸሚሞም ኢዮም። ኣብነታት ናይ ከም በዓል ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ: ኣብርሃም: ከምኡውን ሳራ ዝኣመሰሉ ኣብ መዋእል ቅድመ-ክርስትና ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምጥቃሱ ጳውሎስ “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን: ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም [ተኣመኑ]” ብምባል ጸሓፈ። ምቾት ዘለዎ ናብራ ክነብሩ ባህጊ ኣየሕደሩን: ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ዘይስነ-ምግባራዊ ጸቕጥታት እውን ኣይተለማመጥሉን፣ ኣብ ክንድኡስ “ነተን ተስፋታት” ብናፍቖት ይጽበይወን ነበሩ።—እብራውያን 11:13, 12፣ 12:1
6. ኣብቶም ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናት ዝነበረ ንድሕነት ዝምልከት ኣረኣእያ ንኣነባብራኦም ጽልዋ ዝገበረሉ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናት እውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ገዛእ ርእሶም ከም ‘ኣጋይሽ’ ይቘጽሩ ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 2:11) ካብቲ ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ምስ ደሓኑ እውን ከይተረፈ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ስብከት ደው ኣየበሉን ወይ ድማ ናብ ዓለማዊ ናብራ ኣይተመልሱን። እቶም እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ዝዓበየ ድሕነት ይጽበዮም ከም ዝነበረ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። አረ ነዊሕ እዋን ጸኒሑ ብ98 ከ.ኣ.ዘ. እኳ ሃዋርያ ዮሃንስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።—1 ዮሃንስ 2:17, 18
7. ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምጽማም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
7 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ምንም እኳ ጭከና ዝመልኦ መስጐጕቲ ዘሕልፉ እንተዀኑ: ኣብቲ ክርስትያናዊ ዕዮ ብጽንዓት ቀጺሎም ኢዮም። እቲ ዘርኣይዎ ምጽማም ንኸንቱ ድዩ፧ ብርግጽ ንኸንቱ ኣይኰነን: ከመይሲ የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ፣ እቲ መወዳእታ ተባሂሉ ዘሎ እዚ ኣረጊት ኣገባብ ወይ ድማ ህልዊ ህይወት ሓደ ሰብ ዘብቅዓሉ እዋን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ እዋን ትንሳኤ: የሆዋ ንዅሎም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ክዝክሮምን ዓስቢ ክህቦምን ኢዩ።—ማቴዎስ 24:13፣ እብራውያን 6:10
8. ክርስትያናት ኣብዚ ዝሓለፈ ግዝያት ንዘርኣይዎ ምጽማም ዘሎና ሞሳ ክንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
8 ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ብድሕነት ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝግደሱ ዓይነት ሰባት ብዘይምንባሮም ሕጉሳት ኢና። ብሓቂ እኳ ድኣ እቶም ሳላ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈልጥ ዝኸኣልና ኵልና: እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ‘ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኽሕልዉ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ዝብል የሱስ ዝኣዘዞ ተልእኾ ኣብ ምፍጻም ዘርኣይዎ ምጽማም ነማስወሉ ኢና። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቲ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ክሳዕ ዝሃለወ ነቲ ብስራት ዛጊት ንዘይሰምዕዎ ካልኦት ሰባት ብምስባኽ ሞሳና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ስብከት ኣብ መስርሕ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ኢዩ።
‘ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ’
9. ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 እቲ ተዋሂቡና ዘሎ መዝነት: ስብከት ጥራይ ዘይኰነስ ምምሃር እውን ዘጠቓልል ኢዩ። የሱስ ንዅሉ እቲ ዝኣዘዞ ነገራት ምእንቲ ኽሕልዉ ንሰባት ክንምህሮም ኢዩ ልኢኹና። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ካብ የሆዋ ክመሃሩ ድሌት ዘይብሎም ሰባት ብዙሓት ምዃኖም ዘተሓታትት ኣይኰነን። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዞባ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ግን ነቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እንገብሮ ጻዕርታት ክዕንቅጾ ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ፍረ ኣልቦ ከም ዝዀነ ኣብ ዝቘጽርዎ ዝነበሩ ዞባ እተገልግል ኢቨት እትበሃል ፓይነር ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ዝንባለ ዘይብሎም ናብቲ ኸባቢ ዝመጹ በጻሕቲ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጅምሩ ሰባት ክረኽቡ ኣስተብሃለት። ብዝሓሸ ኵነታት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ድሕሪ ምምዕባላ ንሳውን መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃሩ ዝደልዩ ሰባት ረኺባ ኢያ።
10. ከም መማህራን መጽሓፍ ቅዱስ መጠን ክንፍጽሞ ዘሎና መሰረታዊ ግደ እንታይ ኢዩ፧
10 ገሊኦም ክርስትያናት ጽንዓት ክመርሑ ክእለት ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ንተገደስቲ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩሎም ዕድመ ካብ ምቕራብ ዝሕጥ ይብሉ። ኵላትና እተፈላለየ ደረጃ ክእለት ከም ዘሎና ርጉጽ ኢዩ። መማህራን ቃል ኣምላኽ ንምዃን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዕዉታት ንምዃን ግን ግድን ልዑል ክእለት ክህልወና ኣድላዪ ኣይኰነን። እቲ ሕፍቲ ዘይብሉ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ኢዩ: የሱስ እውን ኣባጊዕ መሰል ሰባት ድምጺ እቲ ሓቀኛ ጓሳ ምስ ሰምዓ ከም ዘለልያኦ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ መዝነትና ብእተኻእለ መጠን ንመልእኽቲ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ምትሕልላፍ ጥራይ ኢዩ።—ዮሃንስ 10:4, 14
11. ንተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሕጋዝ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
11 ንመልእኽቲ የሱስ ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ከተመሓላልፎ እትኽእል ከመይ ገይርካ ኢኻ፧ ፈለማ ንገዛእ ርእስኻ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝህቦ ሓሳባት ምልላያ ኢዩ። ሓደ ጕዳይ ንኻልኦት ቅድሚ ምምሃርካ ባዕልኻ ክትርድኦ ኣሎካ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ጽንዓት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ርዝነት ዘለዎን ምቕሉ ልን ሃዋህው ንምስፋን ጽዓር። ኣጸቢቖም ንኣሽቱ ንዝዀኑ ቘልዑ እውን ሓዊስካ ተመሃሮ ብሓፈሻ: እተዛነየ ስምዒት ምስ ዝሓድሮም እቲ መምህር ድማ ብኽብርን ብሕያውነትን ምስ ዝሕዞም ብዝሓሸ ኵነታት ኢዮም ዝመሃሩ።—ምሳሌ 16:21
12. እቲ ተመሃራይ ነቲ እትምህሮ ዘሎኻ ትምህርቲ ይርድኦ ምህላዉ ከተረጋግጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
12 ከም መምህር መጠን እቲ ተመሃራይ ምእንቲ ኽሽምድዶ ኢልካ ጭብጥታት ምቕራብ ጥራይ ኣየድልየካን ኢዩ። ነቲ ዝመሃሮ ዘሎ ትምህርቲ ክርድኦ ሓግዞ። ናይቲ ተመሃራይ ደረጃ ትምህርቲ: ኣብ ህይወቱ ዘሕለፎ ተመክሮ: ከምኡውን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሌላ ነቲ ብዛዕባ እቲ እትምህሮ ዘሎኻ ነገራት ዝህልዎ ምርዳእ ይጸልዎ ኢዩ። ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ‘ንትርጕም ናይቲ ኣብቲ ዘጽንዖ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ይርድኦ ድዩ፧’ ብምባል ክትውከሳ ትኽእል ኢኻ። ብ‘እወ’ ወይ ‘ኣይኰነን’ ዝብል ቀሊል መልስታት ዘይኰነስ መብርሂ ብምሃብ ዝምለስ ሕቶታት ገይርካ: ሓሳቡ ናጻ ዀይኑ ከም ዝገልጽ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። (ሉቃስ 9:18-20) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ገለ ተመሃሮ ንመምህሮም ካብ ምሕታት ዝሕጥ ይብሉ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ዝመሃርዎ ዘለዉ ምሉእ ብምሉእ ከይተገንዘብዎ ይሓልፉ። ነቲ ተመሃራይካ ሕቶታት ክሓትትን ንገሊኡ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ምስ ዘይርድኦ ክነግረካን ኣተባብዓዮ።—ማርቆስ 4:10፣ 9:32, 33
13. እቲ ተመሃራይ መምህር ንኽኸውን ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
13 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ኣገዳሲ ዕላማ: እቲ ተመሃራይ መምህር ንኽኸውን ምሕጋዝ ኢዩ። (ገላትያ 6:6) ኣብዚ ዕላማ እዚ ንምብጻሕ ብመልክዕ ድግማ ናይቲ ዘጽናዕኩምዎ ትምህርቲ: እቲ ተመሃራይ ልክዕ ንሓደ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ንፈለማ ግዜኡ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ ይገልጸሉ ኸም ዘሎ ገይሩ ብቕልል ዝበለ ቃላት ክገልጸልካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ንኽሳተፍ ብቑዕ ምስ ኰነ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብሓንሳብ ኴንኩም ንኸተገልግሉ ክትዕድሞ ትኽእል ኢኻ። ምሳኻ ምዕያይ ቀሊል ኰይኑ ክረኽቦ ኢዩ: እቲ ብሓንሳብ ኴንኩም እተሕልፍዎ ተመክሮ ድማ ርእሱ ኽኢሉ ኣገልግሎት ምኻድ ክሳዕ ዝጅምር ርእሰ-ተኣማንነት ንኸማዕብል ክሕግዞ ኢዩ።
እቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ዕርክነት ንኽምስርት ሓግዞ
14. ከም መምህር መጠን እቲ ብቐዳምነት እትሰርዖ ሸቶ እንታይ ኢዩ: ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ክሕግዘካ ዝኽእልከ እንታይ ኢዩ፧
14 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መምህር ብቐዳምነት ዝሰርዖ ሸቶ: እቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ዕርክነት ንኽህልዎ ምሕጋዝ ኢዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ክትወቕዖ እትኽእል በቲ እትዛረቦ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ብኣብነትካ እውን ኢዩ። በቲ እትሓድጎ ኣብነት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብ ኣልባብ ተመሃሮ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብነታዊ ግብሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ክዛረብ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን፣ ብፍላይ ኣብቲ ተመሃራይ ስነ-ምግባራዊ ባህርያት ንምስራጽ ከምኡውን ቅንኢ ንምሕዳር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ቃላትካን ተግባራትካን ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ዝምንጭ ምዃኑ እንተድኣ ኣስተውዒሉ: ንሱውን ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ንኽዅስኵስ ዝያዳ ክድረኽ ኢዩ።
15. (ሀ) እቲ ተመሃራይ ንኣገልግሎት የሆዋ ቅኑዕ ድራኸ ከማዕብል ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ተመሃራይ ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽገብር ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
15 እቲ ተመሃራይ ኣብ ኣርማጌዶን ንኸይጠፍእ ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ንየሆዋ ከገልግሎ ኢኻ እትደሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንቅብ ዘይብሉ ድራኸ ንኸማዕብል ምሕጋዝ: ነቲ ናይ እምነቱ ፈተናታት ከም ዝሓልፎ ክገብሮ ብዝኽእል ሓዊ ዝጻወር ንጥረ-ነገራት ትሃንጽ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:10-15) ንዓኻ ወይ ንኻልእ ሰብ ንኽመስል ዝሓድሮ ኣመና ሕሉፍ ድሌት ይኹን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ግጉይ ድራኸታት: ዘይክርስትያናዊ ንዝዀነ ጽልዋታት ንምቅዋም ሓይሊ ኸም ዝስእንን ቅኑዕ ዘበለ ነገራት ንምግባር ትብዓት ከም ዘይህልዎን ኢዩ ዝገብሮ። ንዘለኣለም መምህሩ ዄንካ ኸም ዘይትነብር ኣይትረስዕ። ኣጋጣሚ ኣብ እትረኽበሉ እዋናት: ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ንኸንብብን ብዛዕብኡ ንኽሓስብን እሞ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ንኽቐርብ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ድማ እትገብርዎ ዝነበርኩም ጽንዓት ድሕሪ ምውድኡ እውን ከይተረፈ ‘ነቲ ንምሳሌ [ዝኸውን] ጥዑይ ቃል’ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረቱ ጽሑፋት ከየባተኸ ምውሳድ ክቕጽል ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 1:13
16. እቲ ተመሃራይ ካብ ልቢ ንኽጽሊ ክትምህሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
16 ከመይ ገይርካ ካብ ልቢ ክጽለ ኸም ዝከኣል ብምምሃር እውን ናብ የሆዋ ዝያዳ ንኽቐርብ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ኢኻ ክትገብሮ እትኽእል፧ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ናይ ኣብነት ጸሎት ከምኡውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከም በዓል መዝሙር ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዙሕ ልባዊ ጸሎት ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 17, 86, 143፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ብተወሳኺውን ተመሃራይካ ነቲ ጽንዓት ብጸሎት ጀሚርካ ብጸሎት ክትዓጽዎ ኸሎኻ ናብ የሆዋ ብምቕራብ ንዝስምዓካ ስምዒት ክርድኦ ኢዩ። ስለዚ እቲ እተቕርቦ ጸሎት ወትሩ ቅንዕናን ግሉጽነትን ዝንጸባረቖ ከምኡውን መንፈሳውን ስምዒታውን ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ።
ውሉዳትካ ንምድሓን ምዕያይ
17. ወለዲ ደቆም ካብታ ናብ ድሕነት እትወስድ መገዲ ንኸየላግሱ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
17 ካብ መንጎ እቶም ክድሕኑ እንደልዮም ሰባት: ኣባላት ስድራቤትና ምዃኖም ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ካብ ክርስትያናት እተወልዱ ኣዝዮም ብዙሓት ውሉዳት: ብቕንዕና ዝመላለሱን ‘ኣብ እምነት ጽኑዓትን’ ኢዮም። ካልኦት ግን ሓቂ ኣብ ኣልባቦም ሱር ዘይሰደደት ኢዩ ዝመስል። (1 ጴጥሮስ 5:9፣ ኤፌሶን 3:17፣ ቈሎሴ 2:7) ካብዞም መንእሰያት እዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ጕብዝ ክብሉ ኸለዉ ነቲ ክርስትያናዊ መገዲ ይጥንጥንዎ። ወላዲ እንተድኣ ዄንካ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ንኸየጋጥም ብኸመይ ክትገትኦ ምኸኣልካ፧ ቀዳማይ: ጥዑይ ናይ ስድራቤት ሃዋህው ንኽህሉ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ ናብራ ስድራቤት ኣብ ስልጣን ጥዑይ ኣረኣእያ ንኽህልወካ: ግቡእ ንዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክብሪ ንምርኣይ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ዘሐጕስ ርክብ ንምፍጣር ሰረት ዘንብር ኢዩ። (እብራውያን 12:9) ስለዚ ብድልዱል ማእሰር እተሓጽረት ስድራቤት ሓደ ቘልዓ ምስ የሆዋ ዕርክነት ክዅስኵሰላ ዝኽእል ፍርያም ስፍራ ኢያ። (መዝሙር 22:10) ወለዲ ነቲ ኣብ ብሕታዊ ረብሓ ከውዕልዎ ዝኽእሉ ግዜ: መስዋእቲ ምግባር ዝሓቶም እኳ እንተዀነ: ድልድልቲ ስድራቤት ከም ሓንቲ ኣሃዱ ኰይና ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ሓቢራ ኢያ እትሳተፍ። በዚ ኸምዚ ድማ ውሉዳትካ ኣብ ህይወቶም ቅኑዕ ውሳነ ንኽውስኑ በቲ እትሓድጎ ኣብነት ክትምህሮም ትኽእል ኢኻ። ኣቱም ወለዲ: እቲ ውሉዳትኩም ካባኹም ክረኽብዎ ዘድልዮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ንዋታዊ ረብሓ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ፍቕርኹምን ኰታ ብሓፈሽኡ ንዓኹም ኢዮም ዝደልዩ። እዚ ነገራት እዚ ንውሉዳትኩም ትልግሱሎምዶ ኣለኹም፧
18. ወለዲ ንኸመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዮም ደቆም መልሲ ንኽረኽብሉ ክሕግዝዎም ዝግባእ፧
18 ክርስትያን ወለዲ: ውሉዳቶም ብውርሻ ክርስትያን ክዀንሎም ትጽቢት ክገብሩ ኣይግባእን ኢዩ። ዳንየል—ሽማ ግለን ኣቦ ሓሙሽተ ውሉዳትን—ትዕዝብቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጽ:- “ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ከይተዘርኣሎም ፍጹም ዘይሓልፍ ምጥርጣራት ምሕዮም ንምድርባይ ግዜ ክምድቡ ይግባእ። ውሉዳቶም ንኸምዚ ዝስዕብ ሕቶታት መልሲ ክረኽብሉ ክሕግዝዎም ይግባእ:- ‘ብሓቂ ኣብ ግዜ መወዳእታ ዲና እንነብር ዘሎና፧ ብርግጽ ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧ ምስ ሓደ ጥዑም ዝመስል መማህርቲ ምትዕርራኽ ሕማቕ ምሕዝነት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም እንታይ ኣበሳ ኣለዎ፧’” ኣቱም ወለዲ: የሆዋ ጻዕርታትኩም ንኽባርኸልኩም ትጽቢት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም: ከመይሲ ንሱ እውን ብድሕንነት ውሉዳትኩም ይግደስ ኢዩ።
19. ወለዲ ንደቆም ባዕሎም ጽንዓት ክገብሩሎም እቲ ዝበለጸ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ገሊኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ጽንዓት ክገብሩሎም ዘይብቑዓት ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ክስምዓኩም ኣየድልን ኢዩ: ከመይሲ ካባኹም ሓሊፉ ንውሉዳትኩም ብዝሓሸ መገዲ ክምህሮም ዝኽእል ሰብ የልቦን። (ኤፌሶን 6:4) ንውሉዳትኩም ጽንዓት ምግባር ኣብ ኣልባቦምን ኣእምሮኦምን ዘሎ ነገራት ንምፍላጥ መገዲ ክኸፍተልኩም ኢዩ። እቲ ዝህብዎ ሓሳባት ልባዊ ድዩ ወይስ ንማለቱ ኢዮም ዘቕርብዎ፧ ነቲ ዝመሃርዎ ዘለዉ ብሓቂ ይኣምንሉ ድዮም፧ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣካል ኰይኑ ድዩ ዝስምዖም፧ ናይዚ ይኹን ናይ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ክትረኽቡ እትኽእሉ ባዕልኻትኩም ንውሉዳትኩም ጽንዓት ምስ እትገብርሎም ጥራይ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5
20. ወለዲ ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዘሐጕስን ጠቓምን ከም ዝኸውን ክገብርዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
20 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ፕሮግራም ሓንሳእ ምስ ጀመርኩም ቀጻሊ ኸም ዝካየድ ክትገብሩ እትኽእሉ ብኸመይ ኢዩ፧ ጆዘፍ—መንእሰያት ወድን ጓልን ዘለዉዎ ሽማግለ—ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዛረብ:- “ከም ኵሉ ኻልእ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ እውን ባህ ዘብል ኰይኑ: ነፍሲ ወከፍ ብሃረርታ ዝጽበዮ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስድራቤትና ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ንምስፋን ንግዜ ዝምልከት ድርቕ ዝበለ ኣቕዋም የብልናን። መጽናዕትና ሓደ ሰዓት ክወስድ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ሓድሓደ እዋን ግን ናይ ዓሰርተ ደቒቕ እውን ትኹን መጽናዕቲ ነካይድ ኢና። ሓደ ካብቲ ነቶም ቈልዑ ኣብታ ሰሙን ንመጽናዕትና ጕሉሕ ቦታ ከም ዝህብዎ ዝገብሮም ነገራት እቲ ካብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት a እነቕርቦ ተዋስኦታት ኢዩ። ካብቲ እንሽፍኖ ብዝሒ ሕጡብ ጽሑፋት ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕምቈት ናይቲ ኣብ ኣእምሮና ተቐሪጹ ዝተርፍን ተገንዚብናዮ እንሓልፍን ትምህርቲ ኢዩ።”
21. ወለዲ ንደቆም ክምህርዎም ዝኽእሉ መዓስ ኢዮም፧
21 ንደቅኹም ናይ ምምሃር መስርሕ ኣብ ውሱን ናይ ግዜ መደባት ዝሕጸር ኣይኰነን። (ዘዳግም 6:5-7) እቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ነቲ ምስ ኣቦይ በብሽክለታና ሒዝና ናብቲ ርሕቕ ዝበለ ዞባ ናይ ጉባኤና ብምኻድ እንገብሮ ዝነበርና ስብከት ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክሮ። ብርግጽ: እቲ ወለድና ዝሓደጉልና ሰናይ ኣብነትን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኰይኖም ዝመሃሩና ትምህርትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንጅምር ሓጊዙና ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ኸኣ ውጽኢታዊ ዝዀነ ይመስለኒ። ገና ክሳዕ ሕጂ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዞባታት ናይቲ ግራት ኣገልግሎት ኢየ ዝዓዪ ዘለኹ!”
22. ‘ንርእስኻን ንትምህርትኻን ካብ ምጥንቃቕ’ ዝርከብ ፍረ እንታይ ኢዩ፧
22 ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብቲ ግቡእ ግዜ: እታ የሱስ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣገባብ እዚ ፍርዲ ኣምላኽ ዝፍጽመላ መዓልቲ ኽትመጽእ ኢያ። ሽዑ እቲ ዓቢ ፍጻመ እቲ ኣብ ኣድማሳዊ መዝገብ ታሪኽ ክሰፍር እኳ እንተዀነ: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለኣለማዊ ድሕነት ብተስፋ እናተቛመቱ ምግልጋሎም ክቕጽሉ ኢዮም። ኣብ መንጎ እቶም ዝድሕኑ ሰባት ንስኻን ደቅኻን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም ሰባትን ክትህልዉ ተስፋ ትገብርዶ፧ ሃየ እምበኣር ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ኣይትረስዓዮ:- “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:16
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
ክትገልጾ ምኸኣልካዶ፧
• እቲ ኣምላኽ ፍርዱ ዘውርደሉ ሰዓት ብልክዕ ስለ ዘይንፈልጦ ክህልወና ዝግባእ ኣመለኻኽታ ከመይ ዝበለ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
• ‘ንትምህርትና ክንጥንቀቕ’ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧
• ሓደ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ዕርክነት ንኽምስርት ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
• ወለዲ ደቆም ንምምሃር ግዜ ክወስዱ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ርዝነት ዘለዎን ምቕሉልን ሃዋህው ምስ ዝሰፍን እቲ ተመሃራይ ረብሓ ይረክብ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ንኸም ሰሎሞን ነተን ክልተ ኣመናዝር ክፈርደን ከሎ ዘርኢ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብድራማ መልክዕ ምቕራቡ ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዘሐጕስ ኢዩ ዝገብሮ