ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ዘሐጕስ ሙዚቃ

ንኣምላኽ ዘሐጕስ ሙዚቃ

ንኣምላኽ ዘሐጕስ ሙዚቃ

ሙዚቃ “ካብ ኵሉ ረቂቕ ስነ-ጥበብ እቲ ልዕሊ ዅሉ ጥንታውን ባህርያውን” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ቋንቋ ንሰባት ካብ እንስሳታት ዝፈልዮም: ሙዚቃ እውን ዘደንቕ ውህበት ኢዩ። ሙዚቃ ስምዒት የለዓዕል ኢዩ። ንእዝኒ ባህ ከብል: ኣብ ኣእምሮ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንኣምላኽ ከሐጕሶ ይኽእል ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ: እስራኤላውያን ናይ ሙዚቃ ፍቕሪ ነበሮም። ዩንገርስ ባይብል ዲክሸነሪ ዝበሃል መዝገበ-ቃላት (እንግሊዝኛ) ሙዚቃ “ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ጥንቲ ኣገዳሲ ተራ” ከም ዝነበሮ ይጠቅስ። ብድምጽን ብመሳርሕን ዝዳሎ ሙዚቃ ከም ክፍሊ ናይ መዓልታዊ ናብርኦም ኣብ ኣምልኾ ኣገዳሲ ተራ ነበሮ። ልዕሊ ዅሉ ጕሉሕ ቦታ ዝነበሮ ግን ናይ ሰብ ድምጺ ኢዩ።

እታ ብሰሎሞን ወዲ ዳዊት እተሰርሐት ቤት መቕደስ ቅድሚ ምምራቓ: ንጉስ ዳዊት ካብ ሌዋውያን ኣብ ማሕደር ድንኳን “መራሕቲ መዝሙር ኪዀኑ” ወከልቲ ሾመ። (1 ዜና መዋእል 6:31, 32) እቲ የሆዋ ኣብ ማእከሎም ከም ዘሎ ዘመልክት ታቦት ኪዳን ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ: ዳዊት ንገለ ካብቶም ሌዋውያን “ንእግዚኣብሄር . . . ኪዝክርዎን ኪውድስዎን ኬመስግንዎን” ሰርዐ። እቲ ብድምጾም ዘቕርብዎ ዝነበሩ ውዳሰ ‘ብመሰንቆን በገናን ኣድሚቕካ ብእተቓነየ ጸናጽልን’ እተሰነየ ነበረ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም “ንእግዚኣብሄር: ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ: ኬመስግንዎ” ዝቘሙ ‘ብስም እተሰምዩ ሕሩያት’ ኢዮም ነይሮም።—1 ዜና መዋእል 16:4-6, 41፣ 25:1

እታ ‘ምሕረት [የሆዋ] ንዘለኣለም ይነብር ኢዩ’ እትብል ኣዝማች ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝርከባ መጻሕፍቲ ብዝያዳ ምስ ሙዚቃ እተተሓሓዘት መጽሓፍ መዝሙር ብብዝሒ ትርከብ ኢያ። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር መበል 136 ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን 26 ቍጽርታት እዛ ኣዝማች እዚኣ ትርከብ ኢያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር እታ መዝሙር “ሓጻር ብምዃና ምስ ከናፍር ናብ ብዙሓት ሰባት ተወሃሂዳ ከም ዝነበረት የርኢ” ኢሉ ገለጸ። ወሲኹ ድማ “ዝሰምዓ ዘበለ ዅሉ ክዝክራ ይኽእል ኢዩ” በለ።

እቲ ኣብ መእተዊ ናይቲ መዝሙራት ዘሎ ጽሑፍ ብዙሕ ዓይነት ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ከም ዝነበረ ይሕብር። መዝሙር መበል 150 ኣብ ርእሲ እቲ ብኣውታር ዝዓዪ መሳርሒታት ንመለኸት: መሰንቆ: ከበሮ: እምብልታ: ከምኡውን ጸናጽል ጠቒሳ ኣላ። እንተዀነ ግን: ብቐዳምነት ዝማርኽ ዝነበረ ድምጺ ሰብ ኢዩ። ቍጽሪ 6 “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ” ብምባል ተተባብዓና።

ሙዚቃ መግለጺ ስምዒት ስለ ዝዀነ: ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ዘሕዝን ኵነታት ከጋጥም ከሎ መልቀስ ወይ ዜማ ንኸውጽኡ ይደፋፍኡ ነበሩ። እዚ ዓይነት መዝሙር እዚ ግን ካብ ብምሉኡ ሙዚቃ እስራኤላውያን እተወሰነ ክፍሊ ጥራይ ኢዩ ዝሕዝ ዝነበረ። እቲ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ፍልጠት (እንግሊዝኛ) “እቲ ብዜማ መልክዕ ዝቐርብ ቅዲ ኣብ መልቀስ ወይ ድጕዓ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ምኡዝ ሙዚቃ ወይ ኣብ እተቓነየን ኣፍኣዊ ኣትኵሮ ዝዋሃቦን ምሩጽ ቃላት ተመራጽነት ኣይረክብን ነበረ” በለ። a

ቀቀድሚ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት: የሱስን እቶም እሙናት ሃዋርያቱን ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘሚሮም ኢዮም: ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ነቲ ቃላት ናይ ሃለል መዝሙራት ከም ዘዜሙ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (መዝሙር 113-118) እዝስ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሞት ጐይትኦም ንኸይደሃሉ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣበራቲዕዎም! ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ነታ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” እትብል ኣዝማች ሓሙሽተ ግዜ ብምዝማሮም: እሙናት ኣገልገልቲ ናይቲ ካብ ኣድማስ ኣዝዩ ዝለዓለ ኣካል ኰይኖም ንኽቕጽሉ ዝገበርዎ ውሳነ ኣደልዲሉሎም ክኸውን ኣለዎ።—መዝሙር 118:1-4, 29

ኣብ ኤፌሶንን ቈሎሴን ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ክርስትያናት ‘መዝሙርን ምስጋናን ንጐይታ’ (ቃል ብቓሉ: “ማህሌት”) ይዝምሩ ነበሩ። ነዚ ድማ ‘መንፈሳዊ ቅኔ’ ብልቦም ብምዝማር ይውስኹሉ ነበሩ። (ኤፌሶን 5:19፣ ቈሎሴ 3:16) ብመዝሙር ኰነ ብቓላት: ምስጋና ንምግላጽ ንኣፎም ብግቡእ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። የሱስ እውን ‘ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብዶ’ ኸይበለ፧—ማቴዎስ 12:34

ንኣምላኽ ዘጕሂ ሙዚቃ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ኵሉ ሙዚቃ ኣይኰነን ንኣምላኽ ዘሐጐሶ። ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት እውን ዝርከቦ ሕጊ ክቕበል ከሎ ዘጋጠመ ኵነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሙሴ ካብቲ ከረን ምስ ወረደ እንታይ ኢዩ ዝሰምዐ፧ “ደሃይ ዝሰዓሩ ኣይኰነን: ደሃይ እተሳዕሩ ድማ ኣይኰነን: . . . ደሃይ ደርፊ” ኢዩ ዝሰምዐ። እዚ ሙዚቃ እዚ ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ነበረ: ንኣምላኽ ስለ ዘጕሃይዎ ኸኣ ሞት ናይ 3,000 ዝደርፉ ዝነበሩ ሰባት ኣስዓበ።—ዘጸኣት 32:18, 25-28

ደቅሰብ እተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃ ከዳልዉ: ክወቕዑ: ከምኡውን ከስተማቕሩ እኳ እንተ ኸኣሉ: ኵሉ ሙዚቃ ግን ንኣምላኽ ዘሐጕስ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከምቲ እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢዮም። (ሮሜ 3:23) ኣረማዊ ናይ ምፍራይ ጽምብላት: ነፍሲ ሰብ ከም ዘይትመውት ዝገልጽ ሰረተ-እምነት: ከምኡውን ንማርያም ከም “ወላዲት ኣምላኽ” ገይርካ ምድናቕ ፍረ ነገር ናይ መብዛሕትኡ ሙዚቃ ኢዩ። ገና ግን: እዚ እምነታትን ተግባራትን እዚ ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ ነገር ስለ ዝጋጮ ንኣምላኽ ሓቂ ክብሪ ዝህብ ኣይኰነን።—ዘዳግም 18:10-12፣ ህዝቅኤል 18:4፣ ሉቃስ 1:35, 38

ጥበባዊ ምርጫ ናይ ሙዚቃ ምግባር

እቲ ክትረኽቦ እትኽእል ብዝሒ ዓይነት ሙዚቃ ዘደንጹ ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ኮምፓክት ዲስክ መቐመጢ ዘሎ ኣርእስትታት ዝሓዘ ወረቐት ዓደግቲ ኵሉ ዓይነት ሙዚቃ ንኽዕድጉ ዝደፋፍእ ኰይኑ ኢዩ ተሰሪሑ። ሓደ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ንኣምላኽ ከሐጕስ እንተድኣ ዀይኑ: ብናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነታት እተጸልወ ወይ ኣብ ዘይስነ-ምግባራውነትን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ዘተኵር ብድምጺ ይኹን ብመሳርሒ እተዳለወ ሙዚቃ ንምውጋድ ጥንቃቐ ይገብርን ብጥበብ ይመርጽን ኢዩ።

ሓደ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ክርስትያን ሚስዮናዊ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣልበርት: ኣብቲ ዝነበሮ ዓዲ ፒያኖ ንምውቃዕ ሒደት ኣጋጣሚ ከም ዝረኸበ ይገልጽ። ይኹን እምበር: ነተን ምስኡ ዝወሰደን ሒደት ጂራ ዲስኮ ብተደጋጋሚ ይሰምዐን ነበረ። ኣልበርት ሕጂ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ: ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ክርስትያን ጉባኤታት ይበጽሕ ኣሎ። ሙዚቃ ንምስማዕ ዘለዎ ግዜ ውሱን ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝፈትዎ ኣዳላዊ ቤትሆቨን ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: ናቱ ሰይምፎኒ: ኮንሴርቶ: ሶናታ: ከምኡውን ኳርተት ኣኪበ ኢየ።” ነዚ ክሰምዖ ከሎ ብዙሕ ይሕጐስ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሙዚቃ ነናቱ ምርጫ ኣለዎ: እንተዀነ ግን ከም ክርስትያናት መጠን ነቲ ጳውሎስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዝበለና ምኽሪ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 10:31

ሙዚቃን ህይወትካ ምውፋይን

ሱዚ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሙዚቃ ትፈቱ ነበረት። “ጓል 6 ዓመት ከለኹ ፒያኖ: ጓል 10 ዓመት ከለኹ ቫዮሊን: ጓል 12 ዓመት ከለኹ ድማ በገና ክወቅዕ ጀመርኩ” ብምባል ትገልጽ። ድሓር: ሱዚ ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ሮያል ኮለጅ ኦቭ ሚዩዚክ በገና ተማህረት። ንኣርባዕተ ዓመታት ሓንቲ ውርይቲ ስጳኛዊት ወቓዒት በገና መሃረታ: ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ፓሪስ ኮንሰርቫትዎር ተማህረት እሞ ብሙዚቃ ናይ ክብሪ ዲግሪ ከምኡውን በገና ብምውቃዕን ፒያኖ ብምምሃርን ዲፕሎማ ረኸበት።

ሱዚ ምስ ሓንቲ ኣብ ለንደን እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትእከብ ጀመረት። ኣብኡ ድማ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾታ ሓቀኛ ሓልዮትን ፍቕርን ረኸበት። ቀስ ብቐስ: ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕሪ ዓበየ: እቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘለዋ ቅንኢ ድማ ንኸተገልግሎ መገዲ ንኽትደሊ ደረኻ። እዚ ኸኣ ህይወታ ናብ ምውፋይን ናብ ምጥማቕን መርሓ። ሱዚ “ሙዚቃ ከም ስራሕ ገይርካ ምሓዝ ተወፋይነት ዝሓትት ናብራ ኢዩ: ስለዚ ተወፋይነት ዝሓትት ናብራ ሓድሽ ኣይኰነንን” በለት። ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ዝሃቦ መምርሒ ብምእዛዝ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክትካፈል ምስ ጀመረት ናይ ሙዚቃ ምርኢት ንምቕራብ እተሕልፎ ግዜ ነከየ።—ማቴዎስ 24:14፣ ማርቆስ 13:10

ሕጂ ሙዚቃ ኣብ ምውቃዕ እተወሰነ ግዜ ኢያ እተሕልፍ: ብዛዕባ እዚ ግን ከመይ ይስምዓ፧ “ሓድሓደ ግዜ ንኽለማመድ ዝያዳ ግዜ ስለ ዘይብለይ ቍሩብ እጕሂ ኢየ” ብምባል ትእመን። ወሲኻ ድማ “እንተዀነ ግን: ሕጂውን ናይ ሙዚቃ መሳርሒ እወቅዕን በቲ ሙዚቃ እሕጐስን ኢየ። ሙዚቃ የሆዋ ዝሃበና ውህበት ኢዩ። ኣገልግሎቱ ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ብምሃበይ: ሙዚቃ ሕጂ ብዝያዳ የሐጕሰኒ ኣሎ።”—ማቴዎስ 6:33

ንኣምላኽ ዝውድስ ሙዚቃ

ኣልበርት: ሱዚ: ከምኡውን ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከየባተኹ ንየሆዋ ብመዝሙር ይውድስዎ ኢዮም። ኣብቲ ኣብ 234 ሃገራት ዝርከብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝግበረሉ ኣደራሻት መንግስቲ: ብእተኻእለ መጠን ኣኼባታቶም ንየሆዋ መዝሙር ብምዝማር ይኸፍቱን ይዓጽዉን። እቲ ብሜጀር መፍትሕን ማይነር መፍትሕን ገይርካ ዝቐርብ ምኡዝ ሙዚቃ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝውድስ ኣብ ቅዱሳት ጽሓፋት እተመስረተ ግጥሚ ይርከቦ።

ኵሎም ተኣከብቲ የሆዋ ሓላዪ ኣምላኽ ምዃኑ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ይዝምሩ (መዝሙር 44)። ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ይዝምሩ (መዝሙር 190)። መዝሙራቶም ካብ ክርስትያናዊ ሕውነት: ኣነባብራ: ከምኡውን ባህርያት ዝርከብ ሓጐስን ሓላፍነታትን ኣፍልጦ ይህብ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ እስያ: ኣውስትራልያ: ኣውሮጳ ከምኡውን ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምኡዝ ሙዚቃ ከዳልዉ ከለዉ ዝጥቀሙሉ እተፈላለየ ቅዲ ሙዚቃታት ምህላዉ ንሓጐሶም ይውስኾ ኢዩ። b

መኽፈቲ ቃላት ናይታ ብግዜ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተጻሕፈት ኣዝያ ህብብትን ብልጽትን መዝሙር “ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ: ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: ንስሙ ባርኹ” ዝብል ኢዩ። ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ። ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ።” (መዝሙር 96:1-3) ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ: ስለዚ ነዚ ውዳሰ እዚ ምስኣቶም ሓቢርካ ንኽትዝምር ይዕድሙኻ ኣለዉ። ናብቲ ንየሆዋ ብዘሐጕስ ሙዚቃ ብኸመይ ከም እትውድሶ እትማሃረሉ ኣደራሻት መንግስቲ ምስ እትመጽእ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበለካ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።

b እዚ መዝሙራት እዚ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኢዩ ዝርከብ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ምዝማር