ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ኣረኣእያ ይሃልኻ!

ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ኣረኣእያ ይሃልኻ!

ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ኣረኣእያ ይሃልኻ!

“ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ: ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።”​—⁠ሚክያስ 7:⁠7

1, 2. (ሀ) ግጉይ ኣረኣእያ ምሓዝ ንእስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ዝጐድኦም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ግቡእ ኣረኣእያ ምስ ዘይኵስኵስ እንታይ ክወርዶ ይኽእል፧

 ኣብ ናብራ ህይወት ዘሎ ብዙሕ ነገራት ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ ኣረኣእያና እተመርኰሰ ኢዩ። እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ኸለዉ: ብተኣምራታዊ መገዲ ማና ይወሃቦም ነይሩ ኢዩ። ነቲ ባድማ ዝዀነ ከባቢኦም ብምርኣይ ነቲ የሆዋ ዝገብረሎም ዝነበረ ምንባይ ብዓሚቝ ሞሳ ክርእይዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ከምዚ እንተ ዝገብሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ምተንጸባረቐ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ሽሻይ ዘከሩ እሞ: እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ማና ፍጊዕ ከም ዝበሎም ንምግላጽ ኣጕረምረሙ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበልዎ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ!​—⁠ዘሁልቍ 11:⁠4-6

2 ሎሚውን እንተ​ዀነ ሓደ ክርስትያን ብመሰረት እቲ ዘለዎ ኣረኣእያ: ኵነታቱ ትስፉው ወይ ድማ ጽልሙት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ግቡእ ኣረኣእያ ምስ ዘይህልዎ ሓጐሱ ብቐሊሉ ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ: እዚ ኸኣ ብዕቱብ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ: ከመይሲ ነህምያ “ሓጐስ እግዚኣብሄር [ሓይልና] እዩ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ነህምያ 8:⁠10) ኣወንታውን ሕጉስን ዝዀነ ኣረኣእያ: ድልዱላት ክንከውን ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ክድንፍዕ ይሕግዝ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 15:⁠13፣ ፊልጲ 1:⁠25

3. ኤርምያስ ኣብ ጽንኩር እዋናት ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዙ ዝሓገዞ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ኤርምያስ ኣብ ጽንኩር ግዜ እኳ ይነብር እንተ ነበረ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ክትዓኑ ኸላ ነቲ ዝወረደ መከራ ርእይዎ እኳ እንተ ነበረ: ንነገራት ብኣወንታዊ መዳያቱ ክርእዮ ኽኢሉ ኢዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣይክርስዖምን ኢዩ: እቲ ህዝቢ ክድሕን ነበሮ። ኤርምያስ ኣብታ ናይ ድጕዓ መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ: ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ: እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።” (ድጕዓ ኤርምያስ 3:⁠22, 23) ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ኰይኖም ኣወንታውን ሕጉስን ኣረኣእያ ክዕቅቡ ይጽዕሩ ነይሮም ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠4፣ 1 ተሰሎንቄ 1:⁠6፣ ያእቆብ 1:⁠2

4. የሱስ እንታይ ኣረኣእያ ሒዙ ኢዩ እተመላለሰ: እዚኸ ብኸመይ ሓገዞ፧

4 ድሕሪ ኤርምያስ: ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመታት ምስ ሓለፈ: የሱስ ሳላ እቲ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ጽንኩር ኵነታት ክሰግር ክኢሉ ኢዩ። ብዛዕብኡ “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” ዝብል ሓሳብ ነንብብ ኢና። (እብራውያን 12:⁠2) የሱስ እቲ ከጓንፎ ዝነበሮ ዝዀነ ይኹን ምጽራርን መስጐጕትን​—⁠እቲ ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጸይቲ ከጋጥሞ ዝነበሮ መሪር ቃንዛ እውን ከይተረፈ​—⁠ከይገደሶ ናብቲ ‘ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ’ ኢዩ ዘተኵር ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ንሉዓላውነት የሆዋ ናይ ምርግጋጽን ስሙ ናይ ምቕዳስን መሰል ከምኡውን ኣብ መጻኢ ንእዙዛት ደቅሰብ ዓቢ በረኸት ብምምጻእ ዝርከብ ሓጐስ ኢዩ ነይሩ።

ብዓቕሊ ኣብ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ርዓም

5. ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ንነገራት ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ንኽርእዮ ከም ዝሕግዝ ዘብርህ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

5 ከምቲ ኣብ ሓሳብ የሱስ ዝነበረ ኣረኣእያ ንዅስኵስ እንተ​ድኣ ዄንና: ነገራት ወትሩ በቲ እንደልዮ ኣገባብን ግዜን ምስ ዘይፍጸም እውን ሓጐስ የሆዋ ኣይክንስእንን ኢና። ነብዪ ሚክያስ “ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት: ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ” ብምባል ገሊጹ ኢዩ። (ሚክያስ 7:⁠7፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:⁠21) ንሕናውን እንተ​ዀነ ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ብብዙሕ መገድታት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብኡ ንኣብነት: ሓደ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ዘሎ ሓው ግጉይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ እሞ ብዘይ​ወዓል ሕደር መአረምታ ክግበር ዘለዎ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ከም እንምርምር ክገብረና ኢዩ:- ‘ብሓቂ ተጋግዩ ድዩ ዘሎ ወይስ ኣነ ኢየ ተጋግየ ዘሎኹ፧ ተጋግዩ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ምናልባት ተሪር ኣራሚ ስጕምቲ ከይተወስደ እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ምምሕያሽ ምእንቲ ኽገብር የሆዋ ስቕ ኢሉ ርእይዎዶ ክኸውን ይኽእል፧’

6. ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ንሓደ ምስ ብሕታዊ ግድል ዝቃለስ ዘሎ ሰብ ክሕግዞ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

6 ብብሕታዊ ግድል ንሽገር ወይ ድማ ምስ ገለ ዓይነት ድኻም ንቃለስ እንተ​ድኣ ኣሊና ዄንና ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ የድልየና ይኸውን ኢዩ። የሆዋ ሓገዙ ክህበና ሓቲትና ክነስና: ገና ግን እቲ ግድል ይቕጽል ኣሎ ንበል። እንታይ ደኣ እሞ ንግበር፧ በቲ ዝከኣለና ዓቕሚ ነቲ ግድል ንምፍታሕ ከየባተኽና ንጽዓር: ድሕርዚ ኣብቲ “ለምኑ ኺውሀበኩም: ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም: ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ” ዝብል ቃላት የሱስ እምነት ነሕድር። (ሉቃስ 11:⁠9) ከየባተኽና ንጸሊ: ንየሆዋ ኸኣ ብዓቕሊ ንጸበዮ። ኣብቲ ግቡእ ግዜኡን በቲ ናቱ መገድን የሆዋ ንጸሎትካ ክምልሰሉ ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠17

7. ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ነቲ በብቝሩብ እናተዀልዐ ዝኸይድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ብኸመይ ከም እንርእዮ ክጸልዎ ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

7 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ እናረኸበ ክኸይድ ከሎ: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ እናተዀልዐ ኢዩ ዝኸይድ። ሓድሓደ ግዜ ግን ገሊኡ መብርሂ ከም ዝደንጐየ ገይርና ንሓስብ ንኸውን። እቲ መብርሂ ኣብቲ እንደልዮ እዋን ምስ ዘይመጽእ: ብዓቕሊ ንምጽባይ ፍቓደኛታት ዲና፧ የሆዋ ን“ምስጢር ክርስቶስ” ኣብ ውሽጢ 4,000 ዝኸውን ዓመታት በብቝሩብ ንኽገልጾ ከም ዝመረጸ ኣይትረስዑ። (ኤፌሶን 3:⁠3-6) ስለዚ ዓቕሊ ከም እንስእን ክገብረና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ምኽንያትዶ ኣሎ ኢዩ፧ ንህዝቢ የሆዋ “ምግቦም በብጊዜኡ” ክህቦም “እሙን ኣስተውዓል ባርያ” ተሸይሙ ኸም ዘሎ ንጠራጠር ዲና፧ (ማቴዎስ 24:⁠45 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንዅሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተረዳእናዮ ንገዛእ ርእስና ካብ ኣምላኻዊ ሓጐስ ምጥላያስ ኣብ ምንቲ ምንታይ ይበሃል፧ የሆዋ “ምስጢሩ” ዝገልጸሉ ግዜን መገድን ከም ዝውስን ኣይትረስዕ።​—⁠ኣሞጽ 3:⁠7

8. ትዕግስቲ የሆዋ ንብዙሓት ንረብሓኦም ኰይኑ እተረኽበ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ንብዙሕ ዓመታት ተኣማንነት ዝመልኦ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ዝጸንሑ ገለ ኣሕዋት: “እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ክትመጽእ ኸላ ብህይወት ዘይጸንሑ ዀይኑ ስለ ዝስምዖም ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ ኢዮም። (ዮኤል 2:⁠30, 31) ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣወንታዊ መዳዩ እንተ​ድኣ ጠሚቶም ክተባብዑ ይኽእሉ ኢዮም። ጴጥሮስ “ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ብምባል መዓደ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠15) ትዕግስቲ የሆዋ ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ሓቂ ክፈልጡ ኣኽኢሉ ኢዩ። እዝስ ዘደንቕዶ ኸይኰነ፧ ብተወሳኺውን የሆዋ ዝያዳ እናተዓገሰ ብዝኸደ መጠን ‘ብፍርሃትን ራዕድን ምድሓንና ንኽንፍጽም’ ዝያዳ ግዜ ንረክብ።​—⁠ፊልጲ 2:⁠12፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠11, 12

9. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዓቕምና ድሩት እንተ​ድኣ ዀይኑ: ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ነቲ ዅነታት ተጸሚምና ንኽንሓልፎ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

9 ምጽራር: ሕማም: ዕድመ ምድፋእ: ወይ ካልእ ግድላት ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክዕንቅጸና ኸሎ: ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ተስፋ ንኸይንቘርጽ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ብምሉእ ልብና ከነገልግሎ ኢዩ ትጽቢት ዝገብረልና። (ሮሜ 12:⁠1) ይኹን እምበር: እቲ ‘ንመሳኺንን ድኻታትን ዝድንግጸሎም’ ወዲ ኣምላኽ ይኹን የሆዋ ልዕሊ ዓቕምና ክንፍጽም ኣይሓቱናን ኢዮም። (መዝሙር 72:13) በዚ ኸምዚ እምበኣር ኵነታት እንተ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ወይ ከኣ ኣብቲ ዝመጽእ ኣገባብ ክሳዕ ዝቕየር ብዓቕሊ እናተጸበና ዝከኣለና ክንገብር ኢና እንተባባዕ። ነዚ ዝስዕብ ኣይትረስዓዮ:- “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”​—⁠እብራውያን 6:⁠10

10. ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ክኣልዮ ዝኽእል ሕማቕ ባህርይ ኣየናይ ኢዩ፧ ግለጾ።

10 ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ንትዕቢት ወጊድ ንኽንብሎ እውን ይሕግዘና ኢዩ። ገለ ካብቶም ኣብ ደረጃ ክሕደት ዝበጽሑ ሰባት ብዓቕሊ ንኽጽበዩ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ኣብ ምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ከኣ ኣብ ምምሕዳራዊ ጕዳያት ምትዕርራይ ምግባር ዘድሊ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ ይኸውን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ንዓና ኣድላዪ መሲሉ ዝረኣየና ግዜ ዘይኰነስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምትዕርራያት ንኽገብር መንፈስ የሆዋ ከም ዝድርኾ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ሰኒፎም ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ምትዕርራይ ድማ ኣብ ብሕታዊ ሓሳባትና እተመስረተ ዘይኰነስ ምስ ፍቓድ የሆዋ ዝሰማማዕ ኢዩ ክኸውን ዝግባእ። ከሓድቲ ኣተሓሳስብኦም ብናይ ትዕቢት ዝንባለ ክዝምብዕን ክጠላለፍን ፈቒዶም ኢዮም። ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ርዒሞምዎ ነይሮም እንተ ዝዀኑ ግን: ሓጐሶም ዓቂቦምን ህዝቢ የሆዋ ኣማእኪልዎምን ምሃለዉ ነይሮም።​—⁠ፊልጲ 2:⁠5-8

11. ነቲ ኣብ ምጽባይ ዝሓልፍ ግዜ መኽሰብ ብዝርከበሉ መገዲ ክንጥቀመሉ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና: ናይ መን ኣብነታት ብምስዓብከ፧

11 ርግጽ ኢዩ: ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ምዕቃብ ክበሃል ከሎ ኢድካ ኣጣሚርካ ድስኩል ምዃን ማለት ኣይኰነን። ክንዓሞ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ንኣብነት: ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትሑዛት ክንከውን የድልየና፣ በዚ ኸምዚ ድማ ከምቲ እቶም እሙናት ነብያት: መላእኽቲ እውን ከይተረፉ ዘንጸባረቕዎ ንመንፈሳዊ ነገራት ባህጊ ነሕድር። ነዚ ባህጊ እዚ ክዛረበሉ ኸሎ ጴጥሮስ “ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን: . . . መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም” ብምባል ገለጸ። (1 ጴጥሮስ 1:⁠10-12) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ስርዓታዊ ዄንካ ኣኼባታት ምክፋልን ጸሎትን እውን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። (ያእቆብ 4:⁠8) እቶም ስርዓታውያን ኰይኖም መንፈሳዊ መግቢ ንገዛእ ርእሶም ብምዕንጋልን ምስ ክርስትያን ብጾቶም ብምሕባርን ንመንፈሳዊ ድሌቶም ዕሽሽ ከም ዘይብልዎ ዘርእዩ ሰባት ኣብቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ከም ዝረዓሙ ኢዮም ዘረጋግጹ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠3

ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ሓዝ

12. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ዓይነት ሓርነት ኢዮም ዝደለዩ፧ (ለ) ደቅሰብ መገዲ ኣዳምን ሄዋንን ምስዓቦም እንታይ ኣፍረየሎም፧

12 ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም ነቲ ሕማቕን ጽቡቕን ዝልከዓሉ መዐቀኒታት ናይ ምውጻእ መሰል ባዕሉ ኢዩ ሒዝዎ። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17) ኣዳምን ሄዋንን ካብ መሪሕነት ኣምላኽ ሓራ ክዀኑ ደለዩ: እዚ ኸኣ ነዛ ኣብ ከባቢና እንርእያ ዘሎና ዓለም ኣፍረየ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ’ ብምባል ገሊጹ ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠12) ካብቲ ኣዳም ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ዝቐጸለ ሰብኣዊ ታሪኽ: እተን “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ዝብላ ቃላት ኤርምያስ ሓቂ ምዃነን ኣረጋጊጹ ኢዩ። (ኤርምያስ 10:⁠23) ቃላት ኤርምያስ ሓቂ ምዃነን ኣፍልጦ ምሃብ: ቀቢጸ⁠-​ተስፋ ምዃን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ክውንነት ምእማን ኢዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ስለ ዝገዝኡ ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ንዝሰልጠነሉ’ ኵሉ ዝሓለፈ ዘመናት ዝገልጻኦ ኢየን።​—⁠መክብብ 8:⁠9

13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ግድላት ንምፍታሕ ብደቅ​ሰብ ክብጻሕ ዝከኣል ከመይ ዝበለ ክውንነታዊ ኣረኣእያ ኢዮም ሒዞም ዘለዉ፧

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንጽር ኵነታት ደቅሰብ ክርእይዎ ኸለዉ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ንዘሎ ግድላት ንምፍታሕ ክሳብ ኣበይ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ይፈልጡ ኢዮም። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ሓጐስና ንምዕቃብ ሓጋዚ እኳ እንተ​ዀነ: ናይ ኵሉ ነገር መፍትሒ ግን ኣይኰነን። ኣብ ምጅማር ናይ 1950ታት ሓደ ኣመሪካዊ ካህን ሓንቲ ብዙሕ ዝርጋሐ ዝረኸበት ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሓይሊ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣሕቲሙ ኣውጽአ። መብዛሕትኡ ዘጋጥም ጸገማት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ​ድኣ ተታሒዙ ክትዋጽኣሉ ከም ዝከኣል ኢያ እታ መጽሓፍ ሓሳብ ሂባ። ብርግጽ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምህላው ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኰነን። ከም ውልቀ⁠-​ሰባት መጠን ግን ዘሎና ፍልጠት: ክእለት: ንዋታዊ ዓቕሚ: ከምኡውን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ረቛሒታት ነቲ ክንዓሞ እንኽእል ነገራት ከም ዝድርቶ ተመክሮ የረጋግጾ ኢዩ። ብዓለምለኸ ደረጃ ክርአ ኸሎ ድማ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ክሳዕ ክንደይ ኣወንታዊ ይኹን ብዘየገድስ: እቲ ግድላት ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ብምዃኑ ብዓወት ከይፈትሕዎ ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ ኢዩ!

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ኣረኣእያዶ ኣለዎም ኢዩ፧ ግለጾ።

14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ዘለዎም ኣብ ክዉንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ሓድሓደ ግዜ ከም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኰይኖም ይውቀሱ ኢዮም። ከምኡ ግን ኣይኰነን፣ ንመጻኢ ዕድል ወድሰብ ነባሪ ምምሕያሽ ክገብረሉ ብዛዕባ ዝኽእል እንኮ ኣካል ንሰባት ክነግሩ ህንጡያት ኢዮም። ከምዚ ብምግባሮምውን ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ኢዮም ዝቐድሑ። (ሮሜ 15:⁠2) ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኽምስርቱ ኣብ ምሕጋዝ እውን ትሑዛት ኢዮም። ንምሸቱ እዚ ኣዝዩ ዝበለጸ ውጽኢት ከም ዘለዎ ይፈልጡ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

15. እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ዕዮ ንውልቀ⁠-​ሰባት ምምሕያሽ ንኽገብሩ ዝሕግዞም ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበራዊ ግድላት ብፍላይ ነቲ ብልሹው ዝዀነ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት ዕሽሽ ኣይብልዎን ኢዮም። ተገደስቲ ሰባት ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኖም መብዛሕትኦም ንኣምላኽ ዘየሐጕስ ሕማቕ ወልፍታት ብምስናፍ ኢዮም ለውጥታት ዝገብሩ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9-11) በዚ ኸምዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዘርእዩ ካብ ስኽራን: ወልፊ ሓሽሽ: ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ከምኡውን ካብ ባርነት ጠላዕ ንኽገላገሉ ይሕግዝዎም ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃድሶ ዝገበሩ ውልቀ⁠-​ሰባት ሓላፍነትን ቅንዕናን ብዝመልኦ መገዲ ንስድራ​ቤቶም ክኣልዩ ተማሂሮም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ውልቀ⁠-​ሰባት ይኹኑ ስድራ​ቤታት ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ክረኽቡ ኸለዉ እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝለዓል ግድል ይንኪ​—⁠ቍጽሪ ውሉፋት ሓሽሽ: መጠን ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ዝወርድ ዓመጽ: ከምኡውን ቍጽሪ ናይ ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ግድላት ይውሕድ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባዕሎም ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታት ብምዃንን ህይወት ካልኦት ናብ ዝሓሸ ኵነታት ንኽልወጥ ብምሕጋዝን ጾር እተን ማሕበራዊ ግድላት ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ዘለወን መንግስታውያን ይኹና ዘይመንግስታውያን ትካላት ከም ዝቃለል ይገብሩ።

16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓለማዊ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓሳት ዘይኣትዉ ስለምንታይ ኢዮም፧

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብዛ ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሃዋህው ይልውጥዎ ኣለዉ ክበሃል ይከኣልዶ፧ ርግጽ ኢዩ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት: ቍጽሪ ናይቶም ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ዳርጋ 3,800,000 ዝኸውን ዝነበረ ናብ ከባቢ 6,000,000 ደዪቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ ቝጽሪ ዳርጋ ብ2,200,000 ወሲኹ ኣሎ ማለት ኢዩ: መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ክርስትያናት ንኽዀኑ ነቲ ረሲእ ተግባራቶም ኣቋሪጾም ኢዮም። ስለዚ ናይ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ህይወት ተመሓይሹ ኢዩ! እንተ​ዀነ ግን: እዚ ቝጽሪ እዚ ምስቲ ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ኣብ ልዕሊ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝነበረ 875,000,000 ዝኣክል ወሰኽ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ! ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምንም እኳ በታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ዝጓዓዙ ሰባት ሒደት ምዃኖም ዝፈልጡ እንተዀኑ: ኣወንታዊ ምላሽ ንዘርእዩ ውልቀ⁠-​ሰባት ምሕጋዝ ግን ምንጪ ሓጐስ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) እቲ ብኣምላኽ ጥራይ ክግበር ዝከኣል ዓለምለኻዊ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት ዝገብሩ እኳ እንተዀኑ: ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብጽቡቕ ሃቐና ዝጅምር እሞ ንመወዳእትኡ ግን ተስፋ ምቝራጽ: ዓመጽ እውን ከይተረፈ ዘስዕብ ዓለማዊ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓሳት ኣይጽመዱን ኢዮም።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

17. የሱስ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ኢዩ ዝገበረ: እንታይከ ኢዩ ዘይገበረ፧

17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝበለ መትከል ሒዞም ክመላለሱ ኸለዉ ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ዓይነት እምንቶ ኢዮም ዘንጸባርቑ። ንድሕሪት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ተመሊስና እንተ ረኣና: የሱስ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ይፍጽም ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 6:⁠17-19) ምዉታት እውን ከይተረፈ የተንስእ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 7:⁠11-15፣ 8:⁠49-56) ይኹን እምበር: ንሕማም ጽርግርግ ኣቢሉ ኣየጥፍኦን ወይ ድማ ነቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኣይሰዓሮን። እቲ እዚ ተግባር እዚ ዝፍጸመሉ ናይ ኣምላኽ ምዱብ ግዜ ዛጊት ከም ዘይኣኸለ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ብመንጽር እቲ የሱስ ከም ፍጹም ሰብ መጠን ዝነበሮ ልዑል ክእለት ክርአ ኸሎ: ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበራውን ግድላት ንምፍታሕ ምሉእ ዘይጕዱል ዓቕሚ ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት የሱስ ስልጣን ክሕዝ እሞ ከምኡ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ክወስድ ድሌት ዝነበሮም ኢዮም ዝመስሉ: ንሱ ግን ነዚ ነጺግዎ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ነንብብ:- “እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረአዩ፤ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ: በሉ። የሱስ ድማ: መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ: ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ።”​—⁠ዮሃንስ 6:⁠14, 15

18. (ሀ) የሱስ ኵሉ ግዜ ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ዝንባለ ዘርኢ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንጥፈታት የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ እተለወጠ ብኸመይ ኢዩ፧

18 የሱስ ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ክጽመድ ኣይደለየን: ምኽንያቱ እቲ ንጉሳዊ ስልጣን ዝሕዘሉን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዝህሉ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ምሕዋይ ተግባር ዝፍጽመሉን እዋን ዛጊት ከም ዘይኣኸለ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ እውን ከይተረፈ: ስጕምቲ ንኽወስድ እቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ክሳዕ ዝኣክል ንኽጽበ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 110:⁠1፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠34, 35) ይኹን እምበር: ካብቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ዝፋን እተቐመጠሉ 1914 ኣትሒዙ “እናሰዐረስ ኪስዕር” ይግስግስ ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 6:⁠2፣ 12:⁠10) ክርስትያን ኢና ዝብሉ ካልኦት ሰባት ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ትምህርቲ ሰኣን ምርድኦም ኣብ ድንቍርና ምንባር ክመርጹ ኸለዉ: ንሕና ግና ኣብ ትሕቲ ንግስነቱ ብምዃንናስ ክንደይ መማሰውቲ ኰን ኢና!

ምጽባይ​—⁠ምንጪ ተስፋ ምቝራጽዶ ወይስ ሓጐስ፧

19. ምጽባይ ‘ንልቢ ዘማህምኖ’ መዓስ ኢዩ: ምንጪ ሓጐስ ዝኸውንከ መዓስ ኢዩ፧

19 ሰሎሞን ምጽባይ ተስፋ ከቝርጽ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ብምባል ዝጸሓፈ። (ምሳሌ 13:⁠12) እወ: ሓደ ሰብ መሰረት ኣልቦ ትጽቢት ኣብ ኣእምሮኡ እንተ​ድኣ ሒዙ ዀይኑ: ልቢ ብተስፋ ምቝራጽ ክምህምን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምናልባት ከም መርዓ: ምውላድ ቈልዓ: ምስ ተፈልዮምና ዝነበሩ እንፈትዎም ሰባት ምርኻብ ዝኣመሰለ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ንኽኣክል ነዊሕ ግዜ ተሪፍዎ ኸሎ ብሓጐስ ሃረር ኢልና ኢና እንጽበዮ። ነቲ እንጽበዮ ዘሎና ፍጻመ ዝምልከት ምድላዋት ብምግባር ነቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብጥበብ እንተ​ድኣ ንጥቀመሉ ዄንና እቲ ሓጐስ እቲ ዝያዳ ክዓቢ ኢዩ።

20. (ሀ) ተፈጺሙ ንኽንርእዮ ብምትእምማን እንጽበዮ ዘደንቕ ፍጻመታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዕላማታት የሆዋ ንኽፍጸም እናተጸበና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

20 እቲ ትጽቢት ገይርናሉ ዘሎና ነገር ኣብ ፍጻሜኡ ከም ዝበጽሕ ምሉእ እምንቶ ምስ ዝህልወና​—⁠እቲ ዝፍጸመሉ እዋን መዓስ ምዃኑ ዘይንፈልጦ እውን ንኹን​—⁠እቲ ብምጽባይ እነሕልፎ ግዜ ‘ንልቢ ኣየማህምኖን’ ኢዩ። እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ ናይ ክርስቶስ ሽሓዊ ግዝኣት ድሕሪ ሓጺር እዋን ክጅምር ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ሞትን ሕማምን ዘኽትመሉ እዋን ክርእዩ ምዃኖም እምንቶ ኣለዎም። እንተላይ ነቶም ዝፈትውዎም ሓዊስካ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ምዉታት ሓንጐፋይ ኢሎም ዝቕበልሉ እዋን ብሃረርታን ሓጐስን ኢዮም ዝጽበዩ። (ራእይ 20:⁠1-3, 6፣ 21:⁠3, 4) ኣብዚ ሚዛን ባህርያዊ ተፈጥሮ ተዛቢዕሉ ዘሎ እዋናት ኰይኖም ኣብ ምድሪ እትምስረት ገነት ንናይ ምርኣይ ርግጽ ተስፋ የስተማቕሩ። (ኢሳይያስ 35:⁠1, 2, 7) ስለዚ እምበኣር: ‘ኵሉ ግዜ ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ብምዃን’ ነቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብምስትውዓል ክንጥቀመሉስ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን ኢዩ! (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) ከየባተኽካ መንፈሳዊ መግቢ ስነቕ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣደልድሎ። ንየሆዋ ከገልግሉ ኣልባቦም ዝድርኾም ካልኦት ሰባት ክትረክብ ጸዓር። ንኣመንቲ ብጾት ኣተባብዓዮም። ነቲ የሆዋ ብሕጂ እውን ዝፈቕዶ ግዜ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ መሊእካ ተጠቐመሉ። ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርካ: ንየሆዋ ብዓቕሊ ምጽባይ ከቶ ‘ንልብኻ ኣይከማህምኖን’ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ሓጐስ ከም ዝመልኣካ ክገብር ኢዩ!

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ኣረኣእያ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧

• ክርስትያናት ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ኣረኣእያ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ዘድልዮም፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ ብዓቕሊ ብምጽባዮም ዕጉባት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ንየሆዋ ብዓቕሊ ምጽባይ ምንጪ ሓጐስ ክትገብሮ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ተነቢርሉ ዝነበረ ሓጐስ ኢሉ ተጸሚሙ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንሓያለይ ዓመታት ዘገልገልና እውን እንተዀንና ገና ሓጐስና ክንዕቅብ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሚልዮናት ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ናብራ ህይወቶም ኣመሓይሾም ኢዮም