ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣንጸባርቆ!

ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣንጸባርቆ!

ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣንጸባርቆ!

“እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም: ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም: ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።”​—⁠ሮሜ 15:⁠5

1. ናይ ሓደ ሰብ ናብራ ህይወት በቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ክትንከፍ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

 ኣረኣእያ: ኣብ ናብራ ህይወት ዓቢ ለውጢ ኢዩ ዘምጽእ። ፋዕራ ዘይምግባር ወይ ህርኩት ኣረኣእያ ምህላው: ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ: ነግራም ወይ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዘለዎ ኣረኣእያ: መጕረምረሚ ወይ መማሰዊ ኣረኣእያ: ሓደ ሰብ ንእተፈላለየ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝገጥሞ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ንዕኡ ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ሓያል ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ጽቡቕ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት እውን ከይተረፈ ሕጉስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሕማቕ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ግን ኣብቲ ኣብ ክውንነት ተመስሪትካ ክርአ ኸሎ ህይወት ዘደስት ዝዀነሉ ኵነታት እውን ከይተረፈ ዝረኣዮ ጽቡቕ ነገር ከቶ የልቦን።

2. ሓደ ሰብ ኣረኣእያ ዝመሃር ብኸመይ ኢዩ፧

2 ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ኣረኣእያ ተማሂርካ ክጥረ ዝከኣል ነገር ኢዩ። ብርግጽ እውን ተማሂርካ ክጥረ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ኮልየርስ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ናጽላ ቘልዓ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ከም ዝኸውን ዝውሰን በቲ ዳሕራይ ዘጥርዮ ወይ ዝማሃሮ ኣረኣእያታት ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ቋንቋ ወይ ካልእ ዓይነት ክእለት ንምጥራይ ዝማሃሮ ኢዩ።” ንኣረኣእያ ብኸመይ ክንማሃሮ ንኽእል፧ ኣበርክቶ ዝገብር ብዙሕ ነገራት እኳ እንተሎ: ኣከባብን ምሕዝነትን ግን ሓያል ጽልዋ ዘለዎም ረቛሒታት ኢዮም። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መዝገበ⁠-​ፍልጠት “ንኣረኣእያ እቶም ምስኦም ናይ ቀረባ ሕብረት ዘሎና ሰባት በብቝሩብ ንማሃሮ ወይ ድማ ቀስ ኢሉ ይሰርጸና ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ብምባል ምስዚ ዝመሳሰል ሓሳብ ሂቡ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33

ኣብነት ግቡእ ኣረኣእያ

3. ብኣረኣእያኡ ኣብነታዊ ዝነበረ መን ኢዩ: ክንስዕቦ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

3 የሱስ ክርስቶስ ከም ኣብ ካልእ መዳያት: ንኣረኣእያ ብዝምልከትውን እቲ ዝበለጸ ኣብነት ኢዩ ሰሪዑ። ንሱ “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠15) ንየሱስ ንምምሳል ፈለማ ብዛዕብኡ ክንማሃር ይግብኣና። a ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ብምባል ዘቕረቦ ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብምውጣን ኢና ንህይወት የሱስ እነጽንዖ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ሸቶና ብእተኻእለና መጠን ንየሱስ ንምምሳል ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሓሳቡ ዝነበረ ኣረኣእያ ምዅስኳስ ዘጠቓልል ኢዩ።

4, 5. እቲ ኣብ ሮሜ 15:⁠1-3 ጐሊሑ ዘሎ መዳይ ናይቲ ኣብ ሓሳብ የሱስ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣየናይ ኢዩ: ክርስትያናትከ ብኸመይ ኢዮም ክቐድሕዎ ዝኽእሉ፧

4 ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ኣረኣእያ ምጥራይ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ምዕራፍ 15 ናይታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ዘለዋ ቀዳሞት ሒደት ቍጽርታት: ጳውሎስ ንሓደ ሓለፍ ዝበለ ባህርይ የሱስ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዛረብ:- “እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር: ንርእስናውን ባህ ከይነብል: ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍ: ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ: ዚብል: ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን እሞ: ነፍሲ ወከፍና: ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ: ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።”​—⁠ሮሜ 15:⁠1-3

5 ክርስትያናት ኣብ ክንዲ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ባህ ዘብል ነገራት ክገብሩ ዝደልዩ ንኣረኣእያ የሱስ ብምስዓብ ድሌት ካልኦት ምእንቲ ኸማልኡ ብትሕትና ንምግልጋል ድሉዋት ክዀኑ ኢዮም ዝተባብዑ። ብሓቂ እኳ ድኣ ንኻልኦት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ትሕትና ከተገልግል ፍቓደኛ ምዃን መለለዪ ባህርይ እቶም “ብርቱዓት” ኢዩ። ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ኵሎም ደቅሰብ እቲ ብመንፈስ ኣዝዩ ድልዱል ዝነበረ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ብምባል ተዛረበ። (ማቴዎስ 20:⁠28) ከም ክርስትያናት መጠን ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንኻልኦት እንተላይ ነቶም “ድኹማት” ንምግልጋል ክንመጣጠር የድልየና።

6. የሱስ ነቲ ዝወረዶ ምጽራርን ጸርፍን ዘርኣዮ መልሰ⁠-​ግብሪ ክንስዕበሉ እንኽእል መገዲ ኣየናይ ኢዩ፧

6 እቲ ኻልእ የሱስ ዘንጸባረቖ ሰናይ ባህርይ እቲ ወርትግ ሃናጺ ዝነበረ ኣተሓሳስብኡን ተግባራቱን ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ካልኦት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰናይ ኣረኣእያ ጽልዋ ክገብረሉ ከቶ ኣይፈቐደን፣ ንሕናውን ፍጹም ክንፈቅድ የብልናን። የሱስ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ብምግልጋሉ ጸርፍን መስጐጕትን ክወርዶ ኸሎ: ብዓቕሊ ብዘይ​ምጕርምራም ጸኒዑ ቀጺሉ ኢዩ። እቶም ንብጻዮም በቲ ‘ዝሃንጽ’ ባህ ከብልዎ ዝጽዕሩ: ካብ ሓንቲ ተጠራጣሪትን ምርዳእ ዝጐደላን ዓለም ምጽራር ክመጾም ትጽቢት ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

7. የሱስ ዓቕሊ ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ: ንሕናኸ ከምቲ ናቱ ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 የሱስ ብኻልእ መገድታት እውን ግቡእ ኣረኣእያ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ኣብ የሆዋ ፍጹም ኣንጸርጺሩ ኣይፈልጥን ኢዩ: የግዳስ ዕላማታት ኣምላኽ ንኽፍጸም ብዓቕሊ ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። (መዝሙር 110:⁠1፣ ማቴዎስ 24:⁠36፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠32-36፣ እብራውያን 10:⁠12, 13) ልዕሊ ዅሉ ድማ የሱስ ኣብ ሰዓብቱ ኣየንጸርጽርን ኢዩ ነይሩ። ‘ካባይ ተማሃሩ’ እኳ እንተበሎም “ለዋህ” ብምንባሩ ትምህርቱ ሃናጽን ዕረፍቲ ዝህብን ኢዩ ነይሩ። ‘ልቡ ትሑት’ ስለ ዝነበረ እውን ተጃሃሪ ወይ ደረቕ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 11:⁠29) ጳውሎስ ነዚ መዳያት ኣረኣእያ የሱስ ንኽንመስሎ ኢዩ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘተባብዓና:- “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ።”​—⁠ፊልጲ 2:⁠5-7

8, 9. (ሀ) ዘይስሱዕ ኣረኣእያ ንምዅስኳስ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሱስ ንዝሓደጎ ኣብነት ምሉእ ብምሉእ ምስዓብ ምስ እንስእን ተስፋ ክንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ: በዚ ዝመጸኸ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ንኻልኦት ከነገልግሎምን ንድሌታቶም ቅድሚ ናትና ክንሰርዖን ባህጊ ከም ዘሎና ምዝራብ ቀሊል ኢዩ። ብቕንዕና ነቲ ኣብ ሓሳብና ዘሎ ኣረኣእያ ምስ እንምርምሮ ግን ኣልባብና ምሉእ ብምሉእ ከምቲ እንዛረበሉ ኰይኑ ኣይንረኽቦን ንኸውን። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ: ካብ ኣዳምን ሄዋንን ስሱዕ ዝንባለታት ስለ ዝወረስና፣ ካልኣይ: ስስዐ ከም ዝስስን ኣብ እትገብር ዓለም ስለ እንነብር። (ኤፌሶን 4:⁠17, 18) ስስዐ ኣልቦ ኣረኣእያ ንምምዕባል ነቲ መዋልድትና ዝዀነ ዘይፍጹም ተፈጥሮና ዝጻረሮ ኣተሓሳስባ ምዅስኳስ ማለት ኢዩ። እዚ ቈራጽነትን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ።

9 እቲ ግሁድ ዝዀነ ዘይፍጽምናና ምስቲ የሱስ ዝሓደገልና ፍጹም ኣብነት ከነነጻጽሮ ኸሎና: ሓድሓድ ግዜ ተስፋ ከም እንቘርጽ ይገብረና ይኸውን ኢዩ። ከምቲ ኣብ ሓሳብ የሱስ ዝነበረ ኣረኣእያ ምጥራይ ዝከኣል ብዛዕባ ምዃኑ እውን ንጠራጠር ንኸውን ኢና። ነዚ ዝስዕብ ዘተባብዕ ቃላት ጳውሎስ ግን ኣስተብህለሉ:- “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ: ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዚደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ: ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ: ሰናይ ከም ዜልቦ: እፈልጥ አሎኹ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።” (ሮሜ 7:⁠18, 19, 22, 23) እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ዘይፍጽምና ከምቲ ድሌቱ ገይሩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዕንቅፋት ከም ዝዀኖ ዘይከሓድ እኳ እንተ​ዀነ: ኣረኣእይኡ​—⁠ኰታ ብሓፈሻ ኣተሓሳስብኡ ከምኡውን እቲ ኣብ የሆዋን ሕጉን ዝነበሮ ስምዒት​—⁠ግን ኣብነታዊ ኢዩ ነይሩ። ናትናውን ከምኡ ምግባሩ ይከኣል ኢዩ።

ግጉይ ኣረኣእያ ምእራም

10. ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ንኽዅስኵሱ ኢዩ ዘተባበዖም፧

10 ነቲ ዘለዎም ግጉይ ኣረኣእያ ክእርሙ ዘድልዮም ሰባት ክህልዉዶ ይኽእሉ ኢዮም፧ ብርግጽ: እወ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት ከምዚ ክገብሩ ከም ዝነበሮም ንጹር ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝሰደዳ መልእኽቲ: ቅኑዕ ኣረኣእያ ምጥራይ ብዝምልከት ተዛሪቡ ኣሎ። ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ: ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር: ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ [ብፋልማይ ትንሳኤ ዝርከብ ሰማያዊ ህይወት] ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ: ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ: ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ: ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ። እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ፊልጲ 3:⁠12-15

11, 12. የሆዋ ግቡእ ኣረኣእያ ዝገልጸልና በየናይ መገድታት ኢዩ፧

11 ሓደ ሰብ ክርስትያን ኰይኑ ከብቅዕ ምምሕያሽ ክገብር ኣድላዪ ዀይኑ ዘይስምዖ እንተ​ድኣ ዀይኑ: እቲ ሰብ እቲ ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኢየን ቃላት ጳውሎስ ዝገልጻ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ካብ ምርዓም ሰኒፉ ኢዩ። (እብራውያን 4:⁠11፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠10፣ 3:⁠14) ኵነታት ናይ ከምዚ ዝበለ ሰብ ተስፋ ዘቝርጽ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣረኣእያና ክንልውጥ ብሓቂ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ኣምላኽ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ቀጺሉ “ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ: ንእኡውን [“ነቲ ናይ ላዕሊ ኣረኣእያ:” NW  ] ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ” ብምባል ይጽሕፍ።​—⁠ፊልጲ 3:⁠15

12 ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ግቡእ ኣረኣእያ ክገልጸልና ንምነ እንተ​ድኣ ዄንና: ግዴና ክንገብር ይግብኣና። ብሓገዝ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ገይርካ ብጸሎት እተሰነየ መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ምግባር ‘ሓሳቦም ንበይኑ ንዝዀነ’ ውልቀ⁠-​ሰባት ግቡእ ኣረኣእያ ከማዕብሉ ዘኽእሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) እቶም ‘ማሕበር ጐይታ ክጓስዩ’ ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ክርስትያን ሽማግለታት ደገፍ ንምሃብ ሕጉሳት ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28) የሆዋ ንዘይፍጽምናና ኣብ ግምት ዘእቱን ፍቕራዊ ሓገዙ ዝውፍየልናን ብምዃኑስ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ዘይንኸውን! ሃየ እምበኣር ነቲ ተዳልዩ ዘሎ ሓገዝ ንጠቐመሉ።

ካብ ካልኦት ምምሃር

13. ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዮብ ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ ንግቡእ ኣረኣእያ ብዝምልከት እንታይ ትምህርቲ ኢና እንወስድ፧

13 ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 15 ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊሮም ዘለዉ ኣብነታውያን ሰባት ምስትንታን: ኣብ ኣረኣእያና ምትዕርራይ ንምግባር ክሕግዘና ከም ዝኽእል ይገልጽ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይጽሕፍ:- “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:⁠4) ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንገለ መዳያት እቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ክእርሙ ኣድልዪዎም ኢዩ። ንኣብነት: ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እዮብ ሰናይ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። ንየሆዋ ብእኩይ ነገራት ኣይወቐሶን: ስቓይ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምንቶ ከነቓንቐሉ ዝፈቐደሉ ግዜ ድማ ከቶ ኣይነበረን። (እዮብ 1:⁠8, 21, 22) እንተ​ዀነ ግን: ንገዛእ ርእሱ ቅንዕቲ ገይሩ ናይ ምቕራብ ዝንባለ ሓዲርዎ ነበረ። ነዚ ዝንባለ እዚ ንምዕራይ ምእንቲ ክሕግዞ የሆዋ ንኤሊሁ ሰደደሉ። እዮብ እተዋረደ ኰይኑ ኣብ ክንዲ ዝስምዖ: ኣረኣእያኡ ንምልዋጥ ዝነበሮ ኣድላይነት ብትሕትና ተገንዘቦ እሞ ዕጥይጥይ ከይበለ ክዓየሉ ጀመረ።​—⁠እዮብ 42:⁠1-6

14. ንኣረኣእያና ብዝምልከት ምኽሪ ምስ ዝወሃበና ንእዮብ ክንመስሎ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

14 ግጉይ ኣረኣእያ ነንጸባርቕ ከም ዘሎና ሓደ ክርስትያን ብጻይ ብሕያውነት ምስ ዝነግረና: ልክዕ ከም ናይ እዮብ ዝበለ መልሰ⁠-​ግብሪዶ መርኣና፧ ልክዕ ከም እዮብ ‘ንኣምላኽ ዘይንነቕፎ’ ይግበረና። (እዮብ 1:⁠22) በደል ምስ ዝወርደና: ዘይነጕረምርምን ነቲ ጸገምና ንየሆዋ ዘይነላግበሉን ንኹን። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና መሰላት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: “ዘይንጠቅም ባሮት” ምዃንና ብምዝካር ንገዛእ ርእስና ከም ቅንዕቲ ገይርና ካብ ምቕራብ እንቝጠብ ንኹን።​—⁠ሉቃስ 17:⁠10

15. (ሀ) ገለ ካብ ሰዓብቲ የሱስ ከይተፈለጦም እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ ኢዮም ዘንጸባረቑ፧ (ለ) ጴጥሮስ ሰናይ ኣረኣእያ ዘንጸባረቐ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

15 ገለ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንየሱስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ዘይግቡእ ኣረኣእያ ኣንጸባሪቖም ኢዮም። ሓደ ግዜ የሱስ ንምርድኡ ዘጸግም ነገር ተዛረበ እሞ: “ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፤ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ: መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ።” እቶም ከምዚ ኢሎም እተዛረቡ ግጉይ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ንጹር ኢዩ። እቲ ግጉይ ኣረኣእያኦም ከኣ ንየሱስ ካብ ምስማዕ ከም ዘቋርጹ ገይርዎም ኢዩ። እቲ ጸብጻብ “ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን” ብምባል ይገልጽ። ንዅሎም ድዩ ግን ግጉይ ኣረኣእያ ነይርዎም፧ ኣይፋልን: ምኽንያቱ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ዝስዕብ ይብል:- “የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፤ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፤ ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” (ዮሃንስ 6:⁠60, 66-68) እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ! ኣብ ፈለማ ንምቕባሉ ዓጺቕ ዝዀነና መብርሂ ወይ ድማ እተዀልዐ ምርዳእ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዝህልወሉ እዋናት ከም ናይ ጴጥሮስ ዝበለ ኣረኣእያ ምንጽብራቕሲ ሰናይዶ ኣይምዀነን፧ ነቲ ኣብ ፈለማ ክንርድኦ ዝዕጽቐና ገለ ነገራት ከም ምኽንያት ወሲድና ንየሆዋ ምግልጋል ከነቋርጽ ወይ ድማ ኣንጻር ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ብሕማቕ ክንዛረብሲ ክንደይ ኰን ዕሽነት ኢዩ!​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13

16. እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ጽዩፍ ኣረኣእያ ኢዮም ዘንጸባረቑ፧

16 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ሓሳብ የሱስ ዝነበረ ኣረኣእያ ካብ ምንጽብራቕ ሰኒፎም ኢዮም። እቲ ንየሱስ ከም ዘይሰምዕዎ ዝገበሮም ድርቅና ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምስ ኣተንስኦ ብዕሊ ተጋሂዱ ኢዩ። እቲ ተኣምራት እቲ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንዘለዎ ሰብ: የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ ዘረጋግጽ ኣሉ ዘይበሃሎ መርትዖ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ አኪቦም፤ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም: በሉ።” ስለዚ እንታይ ክገብሩ ሓሰቡ፧ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ።” ንየሱስ ንምቕታል ውዲት ኣብ ርእሲ ምፍሓሶም: ነቲ የሱስ ገባር ተኣምራት ምዃኑ ዘረጋግጽ ርኡይ መርትዖ ክድምስስዎ ፈቲኖም ኢዮም። ‘ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ።’ (ዮሃንስ 11:⁠47, 48, 53፣ 12:⁠9-11) ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ልብና ከም ዝዕምብብ ብምግባር ሓደ ነገር ብሓቂ ክንሕጐሰሉ ዝግባእ ክነሱ ምስ ዘሕርቐና ወይ ምስ እነንጸርጽር: እዝስ ኣየ ክንደይ ዘስገድግድ መንፈስ ኰን ኢዩ! እወ: ብርግጽ ሓደገኛ መንፈስ ኢዩ!

ነቲ ናይ ክርስቶስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምቕድሑ

17. (ሀ) ዳንኤል ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ትብዓት ዝመልኦ ኣረኣእያ ዘንጸባረቐ፧ (ለ) የሱስ ተባዕ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

17 ኣገልገልቲ የሆዋ ወትሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምስ ሓዙ ኢዮም። ጸላእቲ ዳንኤል ብዘይ​ካ ናብ ንጉስ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ሰብ ን30 መዓልቲ ልማኖ ከይቀርብ ዝኽልክል ሕጊ ንኽመሓላለፍ ውዲት ምስ ኣለሙ: እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ከም ዝትንክፎ ዳንኤል ኣስተውዓለ። ን30 መዓልቲ ናብ ኣምላኽ ካብ ምጽላይ ከም ዝቝጠብዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ከቶ ኣይገበሮን: ድንብርጽ ከይበሎ ከምቲ ልማዱ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ናብ የሆዋ ይጽሊ ነበረ። (ዳንኤል 6:⁠6-17) ብተመሳሳሊውን የሱስ ጸላእቱ የጕባዕብዕሉ እኳ እንተ ነበሩ ፈጺሙ ኣይተዳህለን። ሓደ ግዜ ሰንበት መዓልቲ ሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣጓነፎ። ሰንበት መዓልቲ ሕሙም እንተ​ድኣ ፈዊሱ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ከም ዘይፈትውሉ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎም ሓሳብ ንኽገልጹ ሓተቶም። ምስ ኣጽቀጡ ኸኣ ናብቲ ሰብኣይ ቀሪቡ ኣሕወዮ። (ማርቆስ 3:⁠1-6) የሱስ ነቲ ተልእኾኡ ንምፍጻም ቅኑዕ ኰይኑ ዝረኣዮ ነገር ካብ ምግባር ድሕር ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ።

18. ገሊኣቶም ዝጻረሩና ስለምንታይ ኢዮም: ነቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያኦም ግን ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህበሉ ዘሎና፧

18 ሎሚውን እንተ​ዀነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ተጻረርቲ ከርእይዎ ዝኽእሉ ኣሉታዊ ምላሽ ክደሃሉ ከም ዘይግብኦም ይግንዘቡ ኢዮም። እንተ ዘይኰይኑ እቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ከንጸባርቑ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዙሓት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጻረርዎም ኢዮም፣ ገሊኣቶም ሰኣን ርጡብ ፍልጠት ክዀኑ ኸለዉ ካልኦት ከኣ ነቶም መሰኻኽር ይኹን ንመልእኽቶም ስለ ዝጸልኡ ኢዮም። እቲ ዘይምቕሉል ኣረኣእያኦም ግን ነቲ ናትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክጸልዎ ከቶ ኣይንፍቀደሉ። ኣምልኾና እነካይደሉ መገዲ ካልኦት ክነድፉልና ከቶ ክንሓድጎም የብልናን።

19. ከም ናይ የሱስ ክርስቶስ ዝበለ ኣረኣእያ ከነንጸባርቕ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

19 ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምንባሩ ብዘየገድስ የሱስ ኣብ ሰዓብቱ ይኹን ኣብ ምድላዋት ኣምላኽ ወትሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። (ማቴዎስ 23:⁠2, 3) ነቲ ዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ ኣሎና። ርግጽ ኢዩ ኣሕዋትና ዘይፍጹማት ኢዮም፣ ንሕናውን እንተ ዀንና ከምኦም ኢና። ካብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ወጻኢ ዝሓሹ ብጾትን ናይ ሓቂ እሙናት ኣዕሩኽን ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧ የሆዋ ናይቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ቃሉ ምሉእ ምርዳእ ዛጊት ዘይሃበና እኳ እንተ​ዀነ: ካብ ናትና ንላዕሊ ዝዀነ ምርዳእ ዘለዋ ሃይማኖታዊት ጕጅለ ግን ኣየነይተን ኢያ፧ ሃየ እምበኣር ወርትግ ነቲ ኣብ ሓሳብ የሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንሓዞ። ከምቲ ቐጺልና ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ እንርእዮ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምሓዝ ንሓደ ካብቲ ብዙሕ መዳያት ሓሳብ ክርስቶስ ዝዀነ ብዓቕሊ ብኸመይ ንየሆዋ ከም እንጽበዮ ምፍላጥ ዘጠቓልል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ንህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ትድህስስ ኢያ።

[ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ናብራ ህይወትና በቲ ዘሎና ኣረኣእያ ዝጽሎ ብኸመይ ኢዩ፧

• ኣረኣእያ ክርስቶስ እንታይ ምዃኑ ግለጽ።

• ካብቲ ኣብ እዮብ ዝነበረ ኣረኣእያ እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል፧

• ምጽራር ከጋጥም ከሎ ክህልወና ዘለዎ ቅኑዕ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ቅኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎ ክርስትያን ንኻልኦት ክሕግዝ ይመጣጠር ኢዩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብጸሎት እተሰነየ መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ክንርዕሞ ይሕግዘና