ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ዘመን ምቕናዕ” ቀሪቡ ኢዩ!

“ዘመን ምቕናዕ” ቀሪቡ ኢዩ!

“ዘመን ምቕናዕ” ቀሪቡ ኢዩ!

የሱስ ንሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ገለ ካብቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ “በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ የሱስ ዝሃቦም መልሲ: መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምምጽኣ ገለ ግዜ ክሓልፍ ከም ዝነበሮ ዝእምት ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ሰዓብቱ ክፍጽምዎ ዝነበሮም ዓቢ ዕዮ ነይርዎም ኢዩ። “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ” መሰኻኽሩ ክዀኑ ነበሮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠6-8

 እቲ መዝነት እቲ ብሒደት መዓልትታት: ሰሙናት: ወይ ድማ ብሒደት ኣዋርሕ ክዕመም ዝከኣል ኣይነበረን። ይኹን እምበር: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዘይ​ገለ ሰጋእ መጋእ ክሰብኩ ጀመሩ። ኣብቲ ንዘመን ምቕናዕ ዝምልከት ጕዳይ ዝነበሮም ተገዳስነት ግና ኣየጥፍኡን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዛረቦም:- “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም: ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም: ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ: ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ: ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኵሉ: ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19-21

እዚ “ዘመን ምቕናዕ” እዚ ካብ የሆዋ “ዘመን ዕረፍቲ” ከምጽእ ነበሮ። እቲ ዘመን ምቕናዕ ብኽልተ ደረጃ ከም ዝመጽእ ቅድም ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ቀዳማይ: ዕረፍቲ ዘምጽእ መንፈሳዊ ምቕናዕ ክኸውን ምዃኑ: እዚ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ካልኣይ: ስዒቡ ዝህሉ ምስረታ ምድራዊት ገነት ኢዩ።

ግዜ ምቕናዕ ይጅምር

ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ዝገለጸሎም ሰማይ ‘ንየሱስ ተቐቢላቶ [“ኣብ ውሽጣ ሒዛቶ:” NW  ] ኢያ።’ እዚ ኸኣ ክሳዕ እቲ ልዑል ስልጣን ሒዙ ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ኰይኑ ክገዝእ ዝጀመረሉ 1914 ቀጺሉ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ: የሆዋ ነቲ ወዱ ኣብ ዕላማታት ኣምላኽ ኣውራ ዀይኑ ዝፍጽሞ ግደ ንኽዓምም ‘ክሰዶ’ ምዃኑ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ፍጻመ እዚ ብምሳልያዊ ቃላት ገይሩ “ንሳ [ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ] ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ: ተባዕታይ: [እታ ኣብ ትሕቲ ስልጣን የሱስ ክርስቶስ እትህሉ መንግስቲ ኣምላኽ] ወለደት” ብምባል ይገልጾ።​—⁠ራእይ 12:⁠5

ኣህዛብ ግን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ ክግዝኡ ዋላ ሓንቲ ሃቐና ኣይነበሮምን። አረ ነቶም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ ዘለዉ ምድራውያን እሙናት ተገዛእቱስ ብድዐ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ኢዮም ገይሮምሎም። ከምቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ነቲ ‘ብዛዕባ የሱስ ናይ ምምስካር’ ዕዮ ሰጋእ ከይበሉ ኢዮም ጀሚሮምዎ። (ራእይ 12:⁠17) ነቲ እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኣቶም ዘካይድዎ ዝነበሩ ዕዮ ዘጓነፎ ምጽራር ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር እናለሓመ ይውላዕ ነበረ። ብ1918 ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት እቲ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሓቅነት ብዘይ​ብሉ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረቡ እሞ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ናይ ነዊሕ ግዜ ማእሰርቲ ተፈርዶም። ሽዑ ንግዚኡ እዚ ዘመናዊ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ናይ ምምስካር ዕዮ ዝፈሽል መሲሉ ነበረ።​—⁠ራእይ 11:⁠7-10

ይኹን እምበር: ብ1919 እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝነበሩ ኣባላት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ካብ ማሕዩር ተለቁ: ጸኒሖም ድማ ካብቲ እተኸስሉ ሓቅነት ዘይነበሮ ኵሉ ኽስታት ናጻ ዀኑ። ነቲ ብመንፈስ ናይ ምቕናዕ ዕዮ ብኡንብኡ እንደገና ከም ዝጅምር ንምግባር ግዜ ኣየጥፍኡን። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ኸኣ ህዝቢ የሆዋ መወዳድርቲ ዘይብሉ መንፈሳዊ ብልጽግና የስተማቕሩ ኣለዉ።

ነቲ ክርስቶስ ሰዓብቱ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝኣዘዞም ነገራት ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽኡ ሰባት ምእንቲ ክሕልውዎ ሰፊሕ ትምህርታዊ ወፈራ ተጀመረ። (ማቴዎስ 28:⁠20) እቶም ቅድም ኣራዊታዊ ባህርያት ዘንጸባርቑ ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮም ዝንባለ ቀይሮም ክትርእስ ክንደይ ዘሐድስ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ ዝነበረ! እዚኣቶም ነቲ ከም “ምንጽርጻር:” “ጸርፊ:” ‘ዘሕፍር ዘረባ’ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣረጊት ሰብነት ቀንጢጦም: ነቲ ‘ከም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ [ኣምላኽ] ኰይኑ ብፍልጠት ዝሕደስ’ ሓድሽ ሰብነት ለቢሶም ኢዮም። ብመንፈሳዊ መገዲ እቲ “ተዅላ [ቅድም ተዅላ መሰል ባህርያት ዘንጸባርቕ ዝነበረ ሰብ] ምስ ዕየት [ናይ ትሕትና ዝንባለ ዘለዎ ሰብ] ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ” ዝብል ነብዪ ኢሳይያስ እተዛረቦ ቃላት ሕጂውን ከይተረፈ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ።​—⁠ቈሎሴ 3:⁠8-10፣ ኢሳይያስ 11:⁠6, 9

ተወሳኺ ምቕናዕ ቀሪቡ ኢዩ!

ኣብ ርእሲ እዚ ሕጂ መንፈሳዊ ገነት ኣፍርዩ ዘሎ ዘመን ምቕናዕ: እቲ ፕላኔትና ምድራዊት ገነት እትዀነሉ ግዜ እውን እናተሓምበበ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ከስፍሮም ከሎ ሓንቲ ንእሽቶ ክፋል ምድሪ ጥራይ ኢያ ገነት ነይራ። (ዘፍጥረት 1:⁠29-31) ስለዚ ኸኣ ኢና ገነት ክትምለስ ምዃና እንዛረብ። እዚ ቅድሚ ምፍጻሙ ግን ምድሪ ካብቲ ንኣምላኽ ዘሕስር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጸሪ ይግባእ። ነዚ ዝፍጽምዎ ፖለቲካውያን ባእታታት እዛ ዓለም እዚኣ ኢዮም። (ራእይ 17:⁠15-18) ድሕርዚ እቶም ፖለቲካውያንን ንግዳውያንን ባእታታት ከምኡውን ደገፍቶም ክሕምሸሹ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቶም ናይ መጠረስታ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ማለት ክሳዕ እቲ ናይ ምቕናዕ ፕሮጀክት ዝውድኣሉ እዋን ኣብ መዓሙቝ ክዳጐኑ ኢዮም። ኣብቲ እዋን እቲ “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።” (ኢሳይያስ 35:⁠1) ብዘላ ምድሪ: ህድኣት ክሰፍና ኢዩ። (ኢሳይያስ 14:⁠7) እቶም ሞይቶም ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት እውን ከይተረፉ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ህይወት ክምለሱ ኢዮም። ኵሎም ድማ ተጠቀምቲ እቲ ዘሐድስ ረብሓታት ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ክዀኑ ኢዮም። (ራእይ 20:⁠12-15፣ 22:⁠1, 2) ዕዉራት: ጸማማት ወይ ሓንካሳት ሰባት ኣብ ምድሪ ኣይክህልዉን ኢዮም። “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW  ] እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:⁠24) እተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ደድሕሪ ምውድአን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ንሓጺር እዋን ክፍትሑ ኢዮም: ከመይ ኢሉ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ክሳብ እቲ ደረጃ እቲ ከም እተፈጸመ ድማ ክርእዩ ኢዮም። ንምሸቱ ኸኣ ንዘለኣለም ክድምሰሱ ኢዮም።​—⁠ራእይ 20:⁠1-3

ምድሪ ኣብ ምውዳእ እተን ናይ ሽሕ ዓመት ምቕናዕ ምስ በጽሐት “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ” ንየሆዋ ከመስግኖ ኢዩ። ነዚ ኸኣ ንዘለኣለመ ኣለም ክቕጽልዎ ኢዮም። (መዝሙር 150:⁠6) ኣብ መንጕኦም ትህሉዶ ትኸውን፧ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ።