ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብተግባር ክግለጽ ከሎ

ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብተግባር ክግለጽ ከሎ

ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብተግባር ክግለጽ ከሎ

 ቤት ናይቶም ኣብ ትሪንዳድ ዝነብሩ ስድራ​ቤት ቦርቶሎምዩ ብሓዊ ምስ ነደደ: ብዘይ​ካ ህይወቶም ዘጥረይዎ ኵሉ ተሃሞኸ። ሓንቲ ዘመዶም ናብ ቤታ ወሰደቶም: እንተ​ዀነ ግን እቲ ጕዳይ በዚ ኣይተወድአን።

ኦሊቭ ቦርቶሎምዩ ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ: ኣባላት ናይታ እትእከበላ ጉባኤን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡን ከኣ ነቲ ዝነደደ ቤት ንምህናጽ ወፈያታት ክገብሩ ጀመሩ። ነቲ ናይ ዳግመ ህንጻ ፕሮጀክት ንምቍጽጻር ሓንቲ ኮሚተ ተመስረተት: ህንጸት ድማ ተጀመረ። ዳርጋ 20 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ገለ ጐረባብትን ኣብቲ ዕዮ ተኻፈሉ። ቈልዑ እውን ከይተረፉ ተሳቲፎም ኢዮም: ካልኦት ድማ ዝብላዕን ዝስተን ኣቕረቡ።

ኦሊቭ “ስድራ​ቤተይ በዚ ተተንኪፎም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን: ሰብኣየይ ድማ በቲ ዝረኣዮ ነገር ገና ደንጽይዎ ኢዩ ዘሎ” ብምባል እተዛረበቶ ሓሳባት ኣብታ ሳንደይ ጋርዲያን እትበሃል ኣብ ትሪንዳድ እትሕተም ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ተሓቲሙ ወጸ።

እቲ ንናይ ህንጸት ፕሮጀክት ዘተሓባብር ዝነበረ ነቲ እተገብረ ዕዮ ኣሕጽር ኣቢሉ ክገልጾ ኸሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት መለለዪ ናይ ሓቀኛ ክርስትና ምዃኑ ኣጕልሐ። ከምዚ ድማ በለ:- “ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ብዛዕባ ፍቕሪ ምዝራብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ እንሰብኮ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኢና እንጽዕር ዘሎና።”​—⁠ዮሃንስ 13:⁠34, 35

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ኦሊቭ ቦርቶሎምዩ ምስ ሰብኣያ