ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖታዊ ሓድነት ዝህልወሉ እዋን ቀሪቡ ድዩ፧

ሃይማኖታዊ ሓድነት ዝህልወሉ እዋን ቀሪቡ ድዩ፧

ሃይማኖታዊ ሓድነት ዝህልወሉ እዋን ቀሪቡ ድዩ፧

 ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ሉተራዊ ፈደሬሽን ዝዀኑ ክርስቲን ክራውስ “ኣብ ታሪኽ ኣብያተ⁠-​ክርስ​ትያናትና ኣገዳሲት ኣብ ዝዀነት መዓልቲ ኢና ዘሎና” ብምባል ተዛረቡ። ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ እውን ብወገኖም “ሓድነት ክርስትያናት ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጽንኩር ጕዕዞ ኣገዳሲ ዝዀነ መድረኽ” ብምባል ገለጽዎ።

እዚ ውዕዉዕ ሓሳባት እዚ ነቲ “ንሰረተ⁠-​እምነት ጽድቂ ዝምልከት ሓባራዊ ኣዋጅ” ንምጽዳቕ 31 ጥቅምቲ 1999 ኣብ ጀርመን ከተማ ኣጉስበርግ እተዘርበ ኢዩ: እዚ ኸኣ ስነ⁠-​ስርዓት ምፍራም ተኻይዱ “ወግዓዊ ናይ ሓባር መግለጺ” ምስ ወጸ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ፍጻመ እዚ ኰነ ኢልካ ግዜን ቦታን ተመሪጹ እተገብረ ኢዩ። ማርቲን ሉተር ነቲ 95 ሰረተ⁠-​ሓሳብ ዝሓዘ ድርሳኑ ኣብ ማዕጾ ግምቢ እቲ ኣብ ዊተንበርግ ዝነበረ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብ31 ጥቅምቲ 1517 ከም ዝለጠፎ እሞ እቲ ናይ ፕሮተስታንት ተሃድሶ ድማ ሽዑ ኸም ዝጀመረ ይንገር። ኣጉስበርግ ድማ እታ ሉተራውያን ብ1530 ነቲ “ሰረተ⁠-​እምነት ኣጉስበርግ” ብዝብል ወግዓዊ ስም ዝፍለጥ ሰረተ⁠-​እምነቶም ዘቕረቡላ ቦታ ኢያ: እዚ ሰረተ⁠-​እምነት እዚ ኸኣ ብካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ተነጽገ እሞ ኣብ መንጎ እምነት ፕሮተስታንትን ካቶሊክን ብዕርቂ ዘይድፈን ሃጓፍ ተፈጥረ።

እዚ “ሓባራዊ ኣዋጅ” እዚ ከምቲ ተባሂልሉ ዘሎ ንምክፍፋል እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ምብዳህ ወሳኒ ስጕምቲ ድዩ፧ ኣወንታዊ ትጽቢት ዘለዎም ኵሎም ኣይኰኑን። ልዕሊ 250 ናይ ፕሮተስታንት ስነ⁠-​ሃይማኖታውያን ዝፈረምሉ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ከይትዕብልሎም ዘጠንቅቕ ስምዕታ ቀሪቡ ኢዩ። ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ንዓመት 2000 ዝኸውን ፍሉይ ጸሎተ⁠-​ፍትሓት ክካየድ ምስ ወሰነት እውን ኣመንቲ ፕሮተስታንት ነዲሮም ኢዮም: እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ኢዩ ገለ 500 ዓመታት ይገብር ሃጓፍ ከም ዝስንጠቕ ዝገበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ “ሰረተ⁠-​እምነት ኣጉስበርግ” ይኹን ግጉይነት እዚ ሰረተ⁠-​እምነት እዚ ንምቅላዕ ብቤት ምኽሪ ትረንት ኣቢላ ካቶሊክ ዘጽደቐቶ ስርዓታት ገና ሕጂ እውን ከይተረፈ ዝዕየየሉ ዘሎ ሃይማኖታዊ ድንጋገታት ብምዃኑ ሓድነት ንኽህሉ ውሕስነት የልቦን።

እቲ ኣብ ውሽጢ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘሎ ምክፍፋልን ዘይምቅዳውን ኣዋጅ ኣጽዲቕካ ብምፍራም ጥራይ ዝዕረ ኣይኰነን። አረ ሓድነት ክህሉ ዝኽእልሲ እቲ ሃይማኖታዊ እምነት ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ደልዲሉ እተሰረተ ምስ ዝኸውን ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠3-6) ናይ ሓቂ ሓድነት ዝርከብ ሕድገታት ብምግባር ዘይኰነስ ኣምላኽ ካባና ዝሓቶ ነገራት እንታይ ምዃኑ ብምፍላጥን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኢዩ። እቲ እሙን ነብዪ ሚክያስ “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” ብምባል ብዕሊ ኣፍሊጡ ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 4:⁠5

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Ralph Orlowski/REUTERS/Archive Photos