ንኣምላኽ እተገልግሎ ስለምንታይ ኢኻ፧
ንኣምላኽ እተገልግሎ ስለምንታይ ኢኻ፧
ሓደ ግዜ ሓደ ንኣምላኽ ዝፈርህ ንጉስ ንወዱ “ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ: ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ” ኢሉ መዓዶ። (1 ዜና መዋእል 28:9) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብሕጉስን መማሰውን ልቢ ከገልግልዎ ኢዩ ዝደልዮም።
ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓታት ምስ ሰማዕና ልብና ብሓጐስ ከም እተመልአ ንእመን ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ሓድሽ ነገር ንማሃር ነበርና። ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብእተማሃርና መጠን: “ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን” ንኸነገልግሎ ዝሓየለ ባህጊ ሓደረና።
ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምሉእ ህይወቶም ብዓቢ ሓጐስ ንየሆዋ ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ክርስትያናት ጽቡቕ ኣጀማምራ ምስ ጀመሩ: ድሕሪ ግዜ እቲ ንኣምላኽ ንኸነገልግል ዝድርኸና ሓይሊ ይጐድሎም ኢዩ። ከምዚ ኣጋጢሙካዶ ኢዩ፧ ኣጋጢሙካ እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ ዝሰኣንካዮ ሓጐስ እንደገና ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧
ብዛዕባ ዝረኸብካዮ በረኸታት ሕሰብ
ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ኣምላኽ እትረኽቦ በረኸታት ኣስተንትን። ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ጽቡቕ ውህበታት የሆዋ ሕሰብ:- ማሕበራዊ ወይ ቍጠባዊ ደረጃ ብዘየገድስ እቲ ኵሉ ሰብ ክዕዘቦ ዝኽእል ማእለያ ዘይብሉ ፍጥረታቱ: ናይ መግብን መስተን ተፈጥሮኣዊ ምድላዉ: ዘሎካ ተዛማዲ ጥዕና: ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘሎካ ፍልጠት: ከምኡውን ልዕሊ ዅሉ ወዱ ብምውፋይ ብሉጽ ውህበት ሂቡካ ኢዩ። ሞት የሱስ ንኣምላኽ ብጽሩይ ሕልና ንኸተገልግሎ መገዲ ከፊቱልካ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ያእቆብ 1:17) ብዛዕባ ሕያውነት ኣምላኽ ዝያዳ ብዘስተንተንካ መጠን: ሞሳኻ ዝያዳ እናዓበየ ኢዩ ዝኸይድ። ድሕርዚ ነቲ እተገብረልካ ዅሉ ዘሎካ ሞሳ ንምግላጽ ንኸተገልግል ልብኻ ክድርኸካ ኢዩ። ሽዑ ከምቲ ነዚ ዝስዕብ ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ክስምዓካ ከም ዝጅምር ኣየጠራጥርን ኢዩ:- “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። . . . ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።”—መዝሙር 40:5
እዘን ቃላት እዚኣተን ዳዊት ኢዩ ጽሒፍወን: ናብርኡ ድማ ካብ ሽግር ናጻ ኣይነበረን። ዳዊት መንእሰይ ከሎ ሳኦልን ወተሃደራቱን ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ: ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ምህዳም ኢዩ ኣሕሊፍዎ። (1 ሳሙኤል 23:7, 8, 19-23) ዳዊት ክቃለሶ ዝነበሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ድኻም እውን ነይርዎ ኢዩ። ነዚ ኣብ መዝሙር መበል 40 ከምዚ ብምባል ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ:- “ቍጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ: ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን: በደለይ ኣርኪቡኒ: ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ።” (መዝሙር 40:12) እወ: ዳዊት ጸገማት ነይርዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን በዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይተዋሕጠን። ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ኣብ በረኸታት የሆዋ ኢዩ ዘተኵር ነይሩ: እዚ በረኸታት እዚ ድማ ካብቲ ጸበባኡ ኣጸቢቑ ዝበዝሕ ኰይኑ ረኸቦ።
ብናይ ብሕትኻ ጸገማት ክትወሓጥ ከለኻ ወይ ብቑዕ ናይ ዘይምዃን ስምዒት ክስምዓካ ኸሎ: ልክዕ ከም ዳዊት ርግእ ኢልካ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ በረኸታት ምስትንታን ጽቡቕ ኢዩ። ነዚ በረኸታት እዚ ዘሎካ ሞሳ
ህይወትካ ንየሆዋ ክትውፊ ከም ዝደረኸካ ኣየጠራጥርን ኢዩ፣ ከምዚ ገይርካ ምሕሳብካ ነቲ ዝሰኣንካዮ ሓጐስ ንኽመልሶን ንኣምላኽ ብሕጉስ ልቢ ንኸተገልግሎን ይሕግዘካ ኢዩ።ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ
ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ኣብ ርእሲ ምስትንታን: ምስ ኣመንቲ ብጾት እውን ክንሓብር ኣሎና። ምስቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎን ንኸገልግልዎ ዝቘረጹን ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን መንእሰያት ብቐጻሊ ምርኻብ ዘተባብዕ ኢዩ። ኣብነቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብምሉእ ነፍስና ንኸነገልግል ከነቓቕሓና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ምክፋልና ንዖኦም እውን ከበራትዖም ይኽእል ኢዩ።
ልክዕ ኢዩ: ከቢድ ስራሕ ክንሰርሕ ምስ ወዓልና ወይ ድማ ብሰንኪ ገለ ጸገማት ወይ ድኻማት ምስ እንጕሂ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኬድካ ኣብ ኣኼባ ምክፋል ይኸብደና ይኸውን። ከምዚ ክስምዓና ኸሎ: ምስ ክርስትያናት ብጾት ንኽንእከብ እተዋህበና ትእዛዝ ምእንቲ ከነኽብር: ብምሳልያዊ መገዲ ‘ንስጋና ብምስቓይ’ ንርእስና ከነገድዳ የድልየና ይኸውን።—1 ቈረንቶስ 9:26, 27፣ እብራውያን 10:23-25
ከምዚ ምግባር ኣድላዪ ምስ ዝኸውን: ንየሆዋ ብሓቂ ኣይነፍቅሮን ኢና ዘሎና ኢልና ክንድምድም ይግብኣናዶ፧ ፈጺምካ ኣይግባእን ኢዩ። ቀደም ዝነበሩ ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ ብሱላት ክርስትያናት: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ክጋደሉ ነበሮም። (ሉቃስ 13:24) ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ካብዚኣቶም ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ ንስምዒታቱ ብግሁድ ገለጸ:- “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ: ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ: ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ: ሰናይ ከም ዜልቦ: እፈልጥ አሎኹ።” (ሮሜ 7:18, 19) ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ: ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ: ዝምክሓሉ የብለይን። . . . እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ: ዓስቢ አሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና: እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 9:16, 17
ጳውሎስ ልክዕ ከም መብዛሕትና ነቲ ቅኑዕ ንኽገብር ዘለዎ ባህጊ ዝዓናቕፎ ሓጥእ ዝንባለታት ነይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስዚ ዝንባለታት እዚ ይቃለስ: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ይዕወት ኢዩ ነይሩ። ርግጽ ኢዩ: ጳውሎስ ነዚ ብሓይሉ ኣይኰነን ዝፍጽሞ ነይሩ። “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (ፊልጲ 4:13) ነቲ ንጳውሎስ ሓይሊ ዝሃቦ የሆዋ ቅኑዕ ንምግባር ክሕግዘካ እንተድኣ ሓቲትካዮ: ንዓኻውን ሓይሊ ክህበካ ኢዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) ስለዚ ምእንቲ ‘እምነት ተጋደል’ እሞ የሆዋ ድማ ክባርኸካ ኢዩ።—ይሁዳ 3
በይንኻ ዄንካ ክትጋደል ኣየድልየካን ኢዩ። ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከቡ ‘ንእምነት ዝጋደሉ’ ብሱላት ክርስትያን ሽማግለታት: ንኽሕግዙኻ ድሉዋት ኢዮም። ሓገዝ ደሊኻ ናብ ሓደ ሽማግለ እንተድኣ ቐሪብካ: ‘ንኸጸናንዓካ’ ክጽዕር ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14 NW ) ሸቶኡ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ንምዃን ኢዩ።—ኢሳይያስ 32:2
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ:” ኣገልገልቱ ኸኣ ብፍቕሪ ተደሪኾም ከገልግልዎ ኢዩ ዝደሊ። (1 ዮሃንስ 4:8) ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እንደገና ሃልሃል ክብል እንተድኣ ደሊኻ: ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ግቡእ ስጕምትታት ውሰድ። ከምኡ ብምግባርካ ክትሕጐስ ኢኻ።