ላትቭያ ነቲ ብስራት ምላሽ ትህበሉ
ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ላትቭያ ነቲ ብስራት ምላሽ ትህበሉ
“ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጽ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) እቶም ነቲ ብስራት ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ ንነዊሕ ዓመታት ተሓሪምዎም ዝጸንሑ ሰባት ሕጂ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ይረኽብዎ ኣለዉ! ከምዚ እዚ ስዒቡ ዘሎ ተመክሮታት ዘርእዮ ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ኽፍልታት ዓለም ኣብ ላትቭያ እውን ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡን እተፈላለየ ድሕረ-ባይታዊ ኵነታት ዘለዎምን ሰባት ነቲ መልእኽቲ ምላሽ ይህብሉ ኣለዉ።
• ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ላትቭያ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ሪዝክነ: ሓንቲ ኣደን ጐርዞ ጓላን ኣብ መገዲ ንሓንቲ ሰበይቲ ቦታ ክትሕብረን ጠየቓኣ። እታ ሰበይቲ—ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ—ሓበሬታ ምስ ሃበተን ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓደመተን።
ኣደን ጓልን ሃይማኖታዊ ዝንባለ ስለ ዝነበረን: ናብቲ ኣኼባ ክኸዳ ወሰና። ናብቲ ቦታ እናኸዳ ኸለዋ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ ዝዀነ ይኹን ዘይግባእ ነገር እንተድኣ ርእየን ብኡንብኡ ክወጻ ተሰማምዓ። ይኹን እምበር: እቲ ኣኼባ ኣዝዩ ዘደንቕ ብምንባሩ ነቲ ተሰማሚዐናሉ ዝነበራ ናይ ምውጻእ ውሳነ ፍጹም ክዝክርኦ ኣይከኣላን። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብራ ንዝቐረበለን ዕድመ ተቐበላኦ: ኣኼባታት ከኣ ስርዓታውያን ኰይነን ክካፈላ ጀመራ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ድማ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንኽካፈላ ድሌተን ገለጻ: ነታ ዝጥመቓላ እዋን ከኣ ብሃንቀውታ ይጽበያኣ ነበራ።
• ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ሓንቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ላትቭያ እትርከብ ከተማ ምስ ሓንቲ ኣና እትበሃል ጓል 85 ዓመት ሰበይቲ ተራኸበ እሞ ንሳ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኣየት። ጓላን ካልኦት ኣባላት ስድራቤታን ከኣ ኣበርቲዖም ተጻረርዋ። ኣና ግን ምጽራር ይኹን እርጋን ወይስ ጥዕና ምስኣን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምቕጻል ክዓግታ ኣይፈቐደትን።
ሓደ መዓልቲ ኣና ክትጥመቕ ምዃና ንጓላ ነገረታ። ጓላ ድማ “እንተድኣ ተጠሚቕኪ መዕቈብ ኣረጋውያን ከእትወኪ ኢየ” ብምባል መለሰትላ። እዚ ምጕብዕባዕ እዚ ግን ንድሕሪት ከም እትምለስ ኣይገበራን። ብምኽንያት እቲ ዝነበራ ኣካላዊ ኵነታት ከኣ ኣና ኣብ ቤታ ተጠመቐት።
ጓላ ነዚ ኸመይ ዝበለ መልሰ-ግብሪ ሃበትሉ፧ ኣረኣእያኣ ስለ እተቐየረ ድሕሪ እቲ ጥምቀት ነዲኣ ፍሉይ እንግዶት ገበረትላ። ድሕርዚ ኸኣ ነዲኣ “ብምጥማቕኪ እንታይ ተሰሚዑኪ፧” ብምባል ሓተተታ። ኣናኸ እንታይ ኢላ መሊሳ ትኸውን፧ “ሕጂ እተወለድኩ ዀይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ” በለታ።
• ኣብ ታሕሳስ 1998 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓደ ጥሮታ ዝወጸ መኰነን ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት ነበር ተራኸቡ። ኣብ ፈጣሪ ዝኣምን ብምንባሩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ ዀነ: ሰበይቱ እውን ድሕሪ ገለ ግዜ ተጸምበረቶ። ቅልጡፍ ዕብየት ገበሩ እሞ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ዀኑ። ሓጋይ ምስ ኣተወ ድማ እዚ ቕድም መኰነን ዝነበረ ሰብኣይ ተጠመቐ። እቲ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ዘለዎም ሓያል ፍቕሪ ኸኣ ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ዘተባብዕ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንሓደ መንበሪ ዝነበረ ገዛ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ንምቕያሩ ኣብ እተገብረ ዕዮ ጉልበቶም ከይበቐቑ ተሳቲፎም ኢዮም።