ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካዶ ትነብር ኣሎኻ፧

ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካዶ ትነብር ኣሎኻ፧

ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካዶ ትነብር ኣሎኻ፧

“እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ።”—ቈሎሴ 3:23

1. እታ “ወፈያ” እትብል ቃል ኣብ ዓለም እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧

 ስፖርተኛታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ብኸመይ ኢዮም፧ ሓደ ስፖርተኛ ኣብ ተኒስ: ኵዕሶ እግሪ: ኵዕሶ ሰኪዐት: ቤዝቦል: ጕያ: ጎልፍ: ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ስፖርት ብሉጽ ክኸውን ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ኣካሉን ኣእምሮኡን ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ቀዳምነት ክህቦ ዝግባእ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ነታ “ውፉይ” እትብል ቃል እተዋህባ “ኵልንትናኡ ንሓደ ዕላማ ንምብርካት ድልዊ ዝዀነ” ዝብል ትርጕም ዝሰማማዕ ኢዩ።

2. እታ “ወፈያ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧ መብርሂ ሃብ።

2 እንተዀነ ግን: እታ “ወፈያ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧ እታ “ምውፋይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ “ተፈሊኻ ምንባር፣ እተፈለኻ ምዃን፣ ምውጻእ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። a ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: እቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መጠምጠምያኡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብ እተሰርሐ ቐጸላ “ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ” ዝብል ናይ እብራይስጢ ጽሕፈት እተቐርጾ “ቅዱስ ኣኽሊል” ይገብር ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ ሊቀ ካህናት ‘እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝነበረ’ ነቲ መቕደስ ካብ ዘርክስ ዝዀነ ይኹን ነገር ክሕሎ ከም ዘለዎ የዘኻኽሮ ነበረ።—ዘጸኣት 29:6፣ 39:30፣ ዘሌዋውያን 21:12

3. ወፈያ ንኣካይዳና ብኸመይ ክጸልዎ ኣለዎ፧

3 ኣብዚ ርኢናዮ ከም ዘሎና ወፈያ ኣርዚንካ ዝርአ ጕዳይ ኢዩ። ብፍቓድካ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃንካ ምርኣይ ዝብል ትርጕም ዝሓዘን ንጹህ ኣካይዳ ዝሓትትን ኢዩ። ስለዚ የሆዋ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ከም እተዛረበ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምጥቃሱ ስለምንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ህይወትና ዝወፈና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኴንና ናይ ምንባር ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና። ይኹን እምበር: ክርስትያናዊ ወፈያ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧—ዘሌዋውያን 19:2፣ ማቴዎስ 24:13

4. ህይወትና ኣብ ናይ ምውፋይ ደረጃ እንበጽሕ ብኸመይ ኢና: እዚኸ ምስ ምንታይ ክመሳሰል ይኽእል፧

4 ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ከምኡውን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ዕላማታት ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ርጡብ ፍልጠት ምስ ኣጥረና: ንኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ሓሳብናን ነፍስናን ሓይልናን ንምግልጋል ብሕታዊ ውሳነ ንገብር። (ማርቆስ 8:34፣ 12:30፣ ዮሃንስ 17:3) እዚ ንኣምላኽ ብሕታዊ መብጽዓ ከም እትኣትወሉ ማለት ምሉእ ወፈያ ከም እትህቦ ገይርካ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ብስምዒት ተለዓዒልና ኣይኰንናን ህይወትና እንውፊ። ናይ ምስትውዓል ክእለትና ተጠቒምና ብጥንቃቐን ብጸሎትን ኣመዛዚንና እንወስዶ ስጕምቲ ኢዩ። ስለዚ: ግዝያዊ ውሳነ ኣይኰነን። ከም ሓደ ማሕረስ ዝጅምር እሞ ጽንሕ ኢሉ ግን ብዙሕ ጻዕሪ ስለ ዝሓትት ወይ ቀውዒ ኣዝዩ ርሑቕ ስለ ዝመሰሎ ወይ ምህርቲ ከም ዝሓፍስ ርግጸኛ ብዘይምዃኑ ኣፋሪቑ ዝገድፎ ሰብ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እተፈላለየ ጸገማት እኳ እንተ ወረዶም ‘ብኢዶም ዝሓዝዎ ዕርፊ’ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነታት ዘይፈነዉ ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።—ሉቃስ 9:62፣ ሮሜ 12:1, 2

ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ነበሩ

5. ኤርምያስ ከም ውፉይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ብሉጽ ኣብነት ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

5 ኤርምያስ ኣብ የሩሳሌም ነብዪ ኰይኑ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ካብ 40 ዓመት ይዛይድ ነበረ (647-607 ቅ.ኣ.ዘ.): ቀሊል መዝነት ድማ ኣይነበረን። ድሩትነቱ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ኤርምያስ 1:2-6) መዓልቲ መዓልቲ ነቶም ነቓጻት ህዝቢ ይሁዳ ንምዝራብ ትብዓትን ምጽማምን የድልዮ ነበረ። (ኤርምያስ 18:18፣ 38:4-6) እንተዀነ ግን: ኤርምያስ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ተወከለ: የሆዋ ድማ ናይ ሓቂ ውፉይ ኣገልጋሊኡ ምእንቲ ክኸውን ኣበርትዖ።—ኤርምያስ 1:18, 19

6. ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈልና፧

6 እቲ “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ኣብታ ክትነብረላ እተጸግም ጳጥሞስ እትበሃል ደሴት ተሓይሩ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስከ እንታይ ኣብነት ሓደገልና፧ (ራእይ 1:9) ከም ክርስትያን መጠን ን60 ዓመታት ዝኸውን ተጸሚሙን ምስ ወፈያኡ ተሰማሚዑ ተመላሊሱን ኢዩ። የሩሳሌም ብሰራዊት ሮሜ ድሕሪ ምድምሳሳ ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ። ሓንቲ ወንጌል: ሰለስተ መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት: ከምኡውን እታ ውግእ ኣርማጌዶን ዝረኣየላ መጽሓፍ ራእይ ናይ ምጽሓፍ መሰል ረኺቡ ኢዩ። ኣርማጌዶን ብህይወት ከሎ ከም ዘይትመጽእ ምስ ፈለጠ ኣገልግሎቱ ኣቋሪጹ ወይ ዛሕቲሉዶ ኢዩ፧ ኣይፋልን: ዮሃንስ ‘እቲ ዘመን ቀረባ’ እኳ እንተ ነበረ ፍጻሜ ናይ ራእያቱ ግን ንዳሕራይ መዓልቲ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ይኹን እምበር ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ እሙን ኰይኑ ቀጺሉ ኢዩ።—ራእይ 1:3፣ ዳንኤል 12:4

ዘመናውያን ኣብነታት ወፈያ

7. ሓደ ሓው ሰናይ ኣብነት ናይ ክርስትያናዊ ወፈያ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣብዚ ዘመንና ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እሙናት ክርስትያናት ኣርማጌዶን ክሳዕ እትመጽእ እኳ እንተ ዘይጸንሑ: ብተኣማንነት ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ተመላሊሶም ኢዮም። ሓደ ካብዚኣቶም እቲ ወዲ ዓዲ እንግሊዝ ዝዀነ አርነስት ኢ. ቢቨር ኢዩ። ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ድማ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ሕትመት ንግዱ ገደፎ። ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ስለ ዝሓለወ ክልተ ዓመት ተኣስረ። ኣብቲ እዋን እቲ ደገፍ ስድራቤቱ ኣይተፈለዮን: ብ1950 ከኣ ሰለስተ ደቁ ኣብቲ ንሚስዮናውያን ስልጠና ዝወሃበሉ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣትዮም ተማህሩ። ሓው ቢቨር ኣዝዩ ቀናእ ሰባኺ ስለ ዝነበረ ኣዕሩኽቱ ኣርማጌዶን አርኒ ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። ክሳዕ ብ1986 ዝመውት ብተኣማንነት ምስ ወፈያኡ ተሰማሚዑ ይነብር ነበረ: ብዛዕባ ምቕራብ እታ ዓባይ ውግእ ኣምላኽ ዝዀነት ኣርማጌዶን ከኣ ኣወጀ። ንኣምላኽ ዝገበሮ ወፈያ ንእተወሰነ እዋን ከም ዝጸንሕ ኵንትራት ገይሩ ኣይረኣዮን! b1 ቈረንቶስ 15:58

8, 9. (ሀ) ኣብ ግዜ ስርዓት ፍራንኮ ኣብ ስጳኛ ዝነብሩ ዝነበሩ መንእሰያት እንታይ ኣብነት ኢዮም ዝሓደጉ፧ (ለ) ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ይግባእ፧

8 ካልእ ኣብነት ናይ ዘይትዝሕል ቅንኢ ኣብ ስጳኛ እተራእየ ኢዩ። ኣብ ግዜ ስርዓት ፍራንኮ (1939-75) ብኣማእታት ዝቝጸሩ ህይወቶም ዝወፈዩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልተኛታት ክርስትያናት ምዃኖም ብኣቕዋሞም ኣርእዮም ኢዮም። መብዛሕትኦም ንዓሰርተ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኢዮም። ሓደ ኸይሱስ ማርቲን ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ብድምር ን22 ዓመታት ዝኸውን ክእሰር ተፈርደ። ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረ ሓደ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ብጭካነ ተቐጥቀጠ። እዚ ዅሉ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ ኣይተለማመጠን።

9 እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብእተፈላለየ ክሲ ይኽሰሱ: ተደራራቢ ፍርዲ ኸኣ ይወርዶም ስለ ዝነበረ: ክፍትሑ እንተድኣ ዀይኖም መዓስ ከም ዝፍትሑ ኣይፈልጡን ነበሩ። ዀይኑ ግን: ተዳጒኖም ከለዉ ንጽህናኦምን ንኣገልግሎት ዘለዎም ቅንእን ዓቂቦም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ብ1973 እቲ ኵነታት ክመሓየሽ ምስ ጀመረ: ብዙሓት ካብዞም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሜኦም ዝነበሩ ኣሕዋት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ: ብኡንብኡ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመሩ: ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ፍሉያት ፓይነራትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ኰኑ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ይነብሩ ነበሩ: መብዛሕትኦም ካብ ዝፍትሑ ንነጀው እውን ከምኡ ካብ ምግባር ኣየቋረጹን። c ንሕናኸ፧ ከምዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንነብርዶ ኣሎና፧—እብራውያን 10:32-34፣ 13:3

ብዛዕባ ወፈያና ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ

10. (ሀ) ንወፈያና ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ (ለ) የሆዋ ንኣገልግሎትና ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧

10 ፍቓዱ ንምግባር ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ንህቦዶ ኢና፧ ንኣሽቱ ንኹን ብዕድመ ዝደፋእና: ሰብ ሓዳር ንኹን ንጽል: ጥዕና ዘሎና ንኹን ዘይብልና: ኵነታትና ከም ዝፈቕደልና ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንምንባር ክንጽዕር ኣሎና። ንሓደ ሰብ ኵነታቱ ፓይነር: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘገልግል ወለንተኛ: ሚስዮናዊ: ወይ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽካፈል ይፈቕደሉ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ገሊኦም ወለዲ ንስድራቤቶም ብስጋውን መንፈሳውን ዘድሊ ነገራት ኣብ ምሕላይ ትሑዛት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። የሆዋ ነቲ ወለዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፍዎ ብተዛማዲ ሒደት ሰዓታት ካብቲ ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዘሕልፎ ብዙሕ ሰዓታት ኣትሒቱ ድዩ ዝርእዮ፧ ኣይፋሉን። ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንገብር ኣይጽበየናን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን” ብምባል ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ገሊጽዎ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 8:12

11. ድሕነትና ኣብ ምንታይ ኢዩ ዝምርኰስ፧

11 ዝዀነ ዀይኑ: ድሕነትና ኣብቲ ንሕና እንገብሮ ዘይኰነስ: ኣብቲ የሆዋ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዝህበና ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኢዩ ዝምርኰስ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ብንጹር ገሊጽዎ ኢዩ:- “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።” ይኹን እምበር: ግብርና ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎና መርትዖ ይኸውን ኢዩ።—ሮሜ 3:23, 24፣ ያእቆብ 2:17, 18, 24

12. ንርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

12 ንኣገልግሎት ኣምላኽ እንውፍዮ ሰዓታት: እነበርክቶ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ: ወይ ብዝሒ ናይቲ እንመርሖ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ ካልኦት ሰባት ከነወዳድሮ የብልናን። (ገላትያ 6:3, 4) ኣብ ኣገልግሎት ዝፈጸምና ንፈጽም ብዘየገድስ: ነቲ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተአዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፤ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና: በሉ” ዝብል ትሕትና ዘንጸባርቕ ቃላት የሱስ ክንዝክር ኣሎና። (ሉቃስ 17:10) ብሓቂ እንተ ርኢናዮ ክንደይ ሳዕ ኢና ‘ኵሉ እተኣዘዝናዮ’ ገይርና ክንብል እንኽእል፧ ስለዚ ‘ንኣምላኽ እነቕርቦ ዓይነት ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ክኸውን ኣለዎ፧’ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 10:17, 18

ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ትርጕም ዘለዋ ምግባር

13. ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኣብ እንነብረሉ እዋን እንታይ ኣረኣእያ ክንሕዝ የድልየና፧

13 ጳውሎስ ነንስቲ: ሰብኡት: ቈልዑ: ወለዲ: ከምኡውን ንግዙኣት ድሕሪ ምምዓዱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም: እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ፤ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።” (ቈሎሴ 3:23, 24) ንሰባት ንኸነሐጕስ ኣይኰንናን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንጽመድ። ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ንኣምላኽ ከነገልግል ኢና ንጽዕር ዘሎና። ነቲ ብተዛማዲ ሓጺር ዝነበረ ኣገልግሎቱ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ኢዩ ፈጺምዎ።—1 ጴጥሮስ 2:21

14. ጴጥሮስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧

14 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣርእዩ ኢዩ። ኣብታ ካልአይቲ መልእኽቱ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ብምምልላስ ብዛዕባ ህላወ ክርስቶስ ሕቶታት ዘልዕሉ መላገጽቲ ማለት ከሓድትን ተጠራጠርትን ከም ዝመጹ ኣጠንቀቐ። እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ።” እወ: መዓልቲ የሆዋ ብርግጽ ክትመጽእ ኢያ። ስለዚ: ነቲ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ብኸመይ ከም እነደልድሎን እነጽንዖን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከተሓሳስበና ዝግባእ ጕዳይ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:3, 4, 9, 10

15. ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ህይወትና ብኸመይ ክንሪኣ ኣሎና፧

15 ነቒሕና ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንየሆዋ ክንውድሶ ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ምልስ ኢልና ንስም ኣምላኽ ኣብ ምቕዳስን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅን ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገበርና ክንሓስብ ንኽእልዶ ኢና፧ ምናልባት ብንጹህ ኣካይዳና: ብዝሃንጽ ዕላልና: ወይ ንኣባላት ስድራቤትናን ኣዕሩኽትናን ብዘርኣናዮ ፍቕራዊ ሓልዮት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናዊ ተስፋና ንኻልኦት ንምክፋል ንዅሉ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምናሉዶ ኢና፧ ብዛዕባ መብጽዓታት ኣምላኽ ኣርዚኑ ንኽሓስበሉ ዝሓገዝናዮ ሰብ ኣሎዶ፧ ሃየ እምበኣር: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ መንፈሳዊ ናይ ባንክ ሕሳብና ክቡር ነገር ንደልብ።—ማቴዎስ 6:20፣ 1 ጴጥሮስ 2:12፣ 3:15፣ ያእቆብ 3:13

ወትሩ ኣነጺርኩም ርኣዩ

16. ሰይጣን ነቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ከዳኽሞ ዝጽዕር በየናይ መገድታት ኢዩ፧

16 ንክርስትያናት ዝያዳ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና። ሰይጣንን ሰዓብቱን ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን: ንጹህን ዘይንጹህን: ስነ-ምግባራውን ዘይስነ-ምግባራውን ዘሎ ፍልልይ ከህስስዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። (ሮሜ 1:24-28፣ 16:17-19) ሰይጣን በቲ ኣብ ቲቪ እንርእዮ ነገር ኰነ ብኢንተርነት ኣቢሉ ኣእምሮናን ኣልባብናን ብቐሊሉ ንኽንምርዝ መገዲ ኣዳልዩልና ኣሎ። መንፈሳዊ ኣዒንትና ንፍሕሶታቱ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ክፈዝዝ ይኽእል ኢዩ። ኣብ መንፈሳዊ ስርዓታት እንተድኣ ተለማሚጥና ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ዝገበርናዮ ቈራጽነት ክደክም: ነቲ ብኢድና ሒዝናዮ ዘሎና “ዕርፊ” ድማ ክንፍንዎ ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 9:62፣ ፊልጲ 4:8

17. ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንኽንዕቅብ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

17 ስለዚ ጳውሎስ ንጉባኤ ተሰሎንቄ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተዛረቦ ቓላት ነዚ እዋንና ዘድሊ ኢዩ:- “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ: ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ: ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ: ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ: እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።” (1 ተሰሎንቄ 4:3-5) ገሊኣቶም ዘይስነ-ምግባራዊ ነገር ብምፍጻሞም ማለት ነቲ ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ዕሽሽ ብምባሎም ክሳዕ ምውጋድ ኣብጺሕዎም ኢዩ። እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ስለ ዝደኸመ: ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቦታ የብሉን። ጳውሎስ ግን ከምዚ በለ:- “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር: ንርኽሰት ኣይጸውዓናን . . . ስለዚ እቲ ዚንዕቕ: ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር: ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።”—1 ተሰሎንቄ 4:7, 8

እንታይ ቈራጽነት ኢዩ ክህልወካ ዘለዎ፧

18. እንታይ ቈራጽነት ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧

18 ንየሆዋ ኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ክሳዕ ክንደይ ረዚን ምዃኑ ካብ ተገንዘብና: እንታይ ቈራጽነት ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ኣብ ኣካይዳና ዀነ ኣብ ኣገልግሎትና ሰናይ ሕልና ንኽህልወና ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ጴጥሮስ “እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምይኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ: ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:16) ብሰንኪ ክርስትያናዊ ኣካይዳና ንሳቐን ንውጻዕን ንኸውን: እንተዀነ ግን ክርስቶስ እውን ብሰንኪ እምነቱን ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነትን ተመሳሳሊ ነገራት ወሪድዎ ኢዩ። ስለዚ ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ: ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ: ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ: . . . ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።”—1 ጴጥሮስ 4:1

19. ብዛዕባና እንታይ ክበሃለልና ኢና እንደሊ፧

19 ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ዝገበርናዮ ቈራጽነት ካብቲ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ኣካላውን ሕማም ዘስዕብ ዘብለጭልጭ ነገራት ናይዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም ከም ዝሕልወና ኣየጠራጥርን ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና: እዚ ድማ ካብቲ ሰይጣንን ሰዓብቱን ክህቡና ዝኽእሉ ኣጸቢቑ ዝበልጽ ኢዩ። ስለዚ ‘እታ ሓቂ ኽፈልጡ ኸለዉ ዝነበረቶም ፍቕሪ ገዲፎማ’ ዝበሃለልና ኣይንኹን። ኣብ ክንድኡስ: ልክዕ ከም ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ትያቲራ ንዝነበረት ጉባኤ ደኣ ይበሃለልና:- “ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን: እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ: እፈልጥ አሎኹ።” (ራእይ 2:4, 18, 19) እወ: ኣብ ወፈያና ልብጥ ዝበሉ ኣይንኹን: የግዳስ መወዳእታ ቀሪቡ ኢዩ እሞ ‘ብመንፈስ ንቃጸል።’—ሮሜ 12:11፣ ራእይ 3:15, 16

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 15 ሚያዝያ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ርአ።

b ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት አርነስት ቢቨር ዝርዝር ጸብጻብ እንተድኣ ደሊኻ ናይ 15 መጋቢት 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 8-11 ርአ።

c ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናይ 1978 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 156-8, 201-18 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ወፈያ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧

• ክንቀድሖም ዘሎና እንታይ ጥንታዎትን ዘመናውያንን ኣብነታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢዮም ዘለዉና፧

• ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

• ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ከመይ ዝበለ ቈራጽነት ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኤርምያስ ግፍዒ እኳ እንተ ወረዶ እሙን ኰይኑ ጸኒዑ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

አርነስት ቢቨር: ደቁ ቀናኣት ክርስትያናት ንኽዀኑ ኣብነት ሓዲግሎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስጳኛ እተዳጐኑ ብኣማእታት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽህናኦም ሓልዮም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣወንታዊ ነገር ንደልብ