ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓቂ ናትካ ገይርካያዶ ኢኻ፧

ንሓቂ ናትካ ገይርካያዶ ኢኻ፧

ንሓቂ ናትካ ገይርካያዶ ኢኻ፧

“እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2

1, 2. ሎሚ ሓቀኛ ክርስትያን ምዃን ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ማለት ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” ሓቀኛ ክርስትያን ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ሓደ ሰብ ኣብነት ክርስቶስ ክስዕብ እንተድኣ ዀይኑ ንዓለም ክስዕራ ከም ዘለዎ ዘተሓታትት ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 5:4) የሱስ ብዛዕባ እታ መገዲ ክርስትና እንታይ ከም ዝበለ ኣይትረስዕ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” ብተወሳኺውን “ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ: ነፍሱ ይቕበጽ: መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ” ኢሉ ኢዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14፣ ሉቃስ 9:23

2 ሓደ ክርስትያን ነታ ቀጣን መገዲ ሓንሳእ ምስ ረኸባ ቀጺሉ ዝመጾ ብድሆ ኣብኣ ንምቕጻል ኢዩ። እዚ ብድሆ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ህይወትና ምውፋይናን ምጥማቕናን ዒላማ ናይ ፍሕሶ ወይ ውዲት ሰይጣን ከም እንኸውን ገይሩና ኢዩ። (ኤፌሶን 6:11) ንድኻምና ስለ ዝዕዘብ መንፈሳውነትና ንምድኻም ብእኡ ኣቢሉ ኢዩ ከጥቅዓና ዝደሊ። ንየሱስ እኳ ከውድቖ ካብ ፈተነ: ንዓና ይገድፈና ኢዩ ክንብል ንኽእልዶ፧—ማቴዎስ 4:1-11

ፍሕሶ ሰይጣን

3. ሰይጣን ኣብ ኣእምሮ ሄዋን ጥርጣረ ዝዘርአ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ሓደ ካብቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ሜላ ኣብ ኣእምሮና ጥርጣረ ምዝራእ ኢዩ። ኣብ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ጕድለት እንተሎ የናዲ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ንሄዋን ክቐርባ ኸሎ በዚ ብልሓት እዚ ተጠቒሙ “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። (ዘፍጥረት 3:1) ብኻልእ ኣዘራርባ ሰይጣን ‘ብሓቂ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ እገዳ ክገብርዶ ነይርዎ ትብሉ፧ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝዀነ ነገር ይኽልክለኩምዶ ኢዩ፧ ዘገርም ኢዩ: ኣምላኽ ካብታ ኦም ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ፈሊጡ እኮ ኢዩ!’ ሰይጣን ጥርጣረ ዘርአ: ክሳዕ ዝበቍል ከኣ ተጸበዮ።—ዘፍጥረት 3:5

4. ሎሚ ገሊኣቶም እንታይ ምጥርጣራት ኢዩ ዝሓድሮም፧

4 ሎሚ ሰይጣን ነዚ ብልሓት እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝጥቀመሉ፧ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ጸሎትን እንተድኣ ዘይንገብር ኴንና ከምኡውን ናብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ኣኼባታትን ምኻድ እንተድኣ ገዲፍናዮ: ካልኦት ንዘበግስዎ ጥርጣረ እተቓላዕና ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት:- “እዛ መገዲ እዚኣ እታ የሱስ ዝማሃራ ሓቂ ምዃና ብኸመይ ንፈልጥ፧” “ብሓቂ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዲና ዘሎና፧ ከመይሲ ድሮ ኣብ መበል 21 ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና።” “ናብ ኣርማጌዶን ኣዚና ቀሪብና ዲና ዘሎና ወይስ ገና ብዙሕ ኢዩ ዝተርፈና፧” ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርጣረታት እንተድኣ ተላዒሉ ንምውጋዱ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

5, 6. ጥርጣረታት እንተድኣ ተላዒሉ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

5 ያእቆብ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ተግባራዊ ምኽሪ ሂቡ ኢዩ:- “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ: ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ: እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።”—ያእቆብ 1:5-8

6 እንታይ ድኣ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ እምነትን ምርዳእን ምእንቲ ክውስኸና ‘ንኣምላኽ’ ብጸሎት ‘ንለምኖ:’ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ወይ ምጥርጣር ምስ ዝለዓለና ኸኣ ብጻዕሪ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንግበር። ብተወሳኺውን የሆዋ ዘድልየና ደገፍ ከም ዝህበና ከይተጠራጠርና ነቶም ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ሰባት ክሕግዙና ክንሓቶም ንኽእል ኢና። ያእቆብ ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢሉ ኢዩ:- “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ።” እወ: ብመጽናዕትን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ እንተድኣ ቐሪብና ዝነበረና ጥርጣረ በኒኑ ክጠፍእ ኢዩ።—ያእቆብ 4:7, 8

7, 8. ሓደ ኣምልኾ: የሱስ ዝማሃሮ ዓይነት ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምውሳን ዘኽእል ገለ መሰረታዊ መለክዒታት እንታይ ኢዩ: ነዚ መለክዒታት እዚ ዘማልእዎኸ መን ኢዮም፧

7 ንኣብነት ነዛ እትስዕብ ሕቶ እስከ ንውሰድ:- እቲ የሱስ ዝማሃሮ ዓይነት ኣምልኾ ንስዕብ ምህላውና ብኸመይ ንፈልጥ፧ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ እንታይ መለክዒታት ኢና እንጥቀም፧ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ከም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ክቕድስዎ ኣለዎም። (ኢሳይያስ 12:4, 5፣ ማቴዎስ 6:9) ነዚ ስም እዚ ኸኣ ከፍልጡ ኣለዎም።—ዘጸኣት 3:15፣ ዮሃንስ 17:26

8 ካልእ መለለዪ ሓቀኛ ኣምልኾ ንቓል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃብ ኣኽብሮት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባህርያትን ዕላማታትን ኣምላኽ ዝገልጽ እንኮ መጽሓፍ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ብተወሳኺውን: ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት እተምጽእ እንኮ ተስፋ ወድሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ይሰብኩ ኢዮም። (ማርቆስ 13:10፣ ራእይ 21:1-4) ገዛእ ርእሶም ካብዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ብልሹው ፖለቲካን ርኹስ ኣነባብራን ይፈልዩ ኢዮም። (ዮሃንስ 15:19፣ ያእቆብ 1:27፣ 4:4) ሎሚ ነዚ መለክዒታት እዚ ብሓቂ ዘማልእዎ መን ኢዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ምዃኖም ብጭብጢ ተራእዩ ኢዩ።

ጥርጣረታትና ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንተ ጸንሐኸ፧

9, 10. ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሐ ጥርጣረታት ንምውጋድ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧

9 ብጥርጣረታት እንተድኣ ተዋሒጥና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ሂቡና ኣሎ:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ምሳሌ 2:1-5

10 እዝስ ዘደንቕ ሓሳብ ደይኰነን፧ ንጥበብ ኣምላኽ ዕቱብ ኣቓልቦ እንተድኣ ገይርናሉ: ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ ክንረኽቦ’ ኢና። እወ: ንቓላት እቲ ሉዓላዊ ጐይታ ኣድማስ እንተ ተቐቢልናዮን ኣርኒብናዮን: ንፍልጠቱ ክንረኽቦ ኢና። እዚ ድማ ብጸሎትን ብሕታዊ መጽናዕትን ናብ የሆዋ ምቕራብ ማለት ኢዩ። እቲ ሕቡእ መዝገብ ብርሃን ሓቂ ንዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ከጥፍኣልና ይኽእል ኢዩ።

11. ጊልያ ኤልሳእ ጥርጣረ ዝሓደሮ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ጸሎት ንሓደ ፈራህን ተጠራጣርን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ዝገልጽ ንጹር ኣብነት ኣብ 2 ነገስት 6:11-18 ይርከብ። ጊልያ ኤልሳእ መንፈሳዊ ምስትውዓል ጐደሎ። ነቲ ብሰራዊት ሶርያ ተኸቢቡ ዝነበረ ነብዪ ኣምላኽ ዝሕግዙ ሰማያዊ ጭፍራ ከም ዘለዉ ከስተውዕል ኣይከኣለን። እቲ ጊልያ ብፍርሂ “ኣየ ጐይታይ: እንታይ ክንገብር ኢና፧” በለ። ኤልሳእ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ: ኣይትፍራህ” በሎ። እቲ ጊልያ ግን ብኸመይ ኢዩ ክኣምን፧ ነቲ ሰማያዊ ጭፍራ ክርእዮ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ።

12. (ሀ) እቲ ጊልያ ዝነበሮ ጥርጣረታት እተወገደሉ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንዝዀነ ይኹን ክህልወና ዝኽእል ጥርጣረ ከነወግዶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 “ኤልሳእ ድማ፤ ዎ እግዚኣብሄር: እልምነካ አሎኹ: ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት: ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ: እንሆ ድማ: ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።” በዚ ኸምዚ የሆዋ ንኤልሳእ ዝከላኸልሉ ዝነበሩ ሰማያዊ ጭፍራ ነቲ ጊልያ ኣርኣዮ። ሎሚ ግን ከምኡ ዓይነት መለኮታዊ ሓገዝ ክወሃበና ክንጽበ የብልናን። ጊልያ እቲ ነብዪ መጽናዕቲ ብምግባር ንእምነቱ ከደልድለሉ ዝኽእል ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይነበሮ ዘክር። ንሕና ግን መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ብግቡእ እንተድኣ ተጠቒምናሉ ብተመሳሳሊ እምነትና ክትድልድል ትኽእል ኢያ። ንኣብነት: ነቲ የሆዋ ኣብ ሰማያዊ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸሎ ዝገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ነቲ ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ትምህርታዊ ዕዮ እትድግፍ ሰማያዊት ማሕበር ከም ዘላቶ ጥርጣረ እንተ ነይሩና የወግዶ ኢዩ።—ኢሳይያስ 6:1-4፣ ህዝቅኤል 1:4-28፣ ዳንኤል 7:9, 10፣ ራእይ 4:1-11፣ 14:6, 7

ካብ ውዲት ሰይጣን ተጠንቀቕ!

13. ሰይጣን ካብቲ ሒዝናዮ ዘሎና ሓቂ ከዳኽመና ዝጽዕር በየናይ መገድታት ኢዩ፧

13 ሰይጣን ንመንፈሳውነትናን ካብቲ ሒዝናዮ ዘሎና ሓቅን ንምድኻም ዝጽዕረሉ ካልእ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ ሓደ ካብዚ መገድታት እዚ እተፈላለየ ዓይነት ዘይስነ-ምግባር ብምስፍሕፋሕ ኢዩ። ነዚ ኣብዛ ብጾታዊ ርክብ ዝዓበደት ዓለም ዝነብር ዝኸፈለ ኸፊሉ ተድላ ክረክብ ዝደሊ ወለዶ: ውሽምነት (ንኣሚንካ ምጥላም) ወይ ዘዋሪ ምዃን (ከም ቀሊል ገይርካ ዝርአ ምንዝር) መዓልታዊ ተግባሩ ኢዩ። ፊልምታት: ቲቪ: ከምኡውን ቪድዮታት ነዚ ዓይነት ኣነባብራ ኢዩ ዘተባብዕ። ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ኵሉ መራኸቢ ብዙሃን: ምናዳ ኸኣ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ኢዩ ዘሎ። ነቶም ካብ ህንጥዮት እተላዕለ ነዚ ስእለ-ጽዩፍ ዝርእዩ ሰባት ፈተና ኢዩ ተጻዊድሎም ዘሎ።—1 ተሰሎንቄ 4:3-5፣ ያእቆብ 1:13-15

14. ገሊኣቶም ክርስትያናት ብውዲት ሰይጣን ዝወደቑ ስለምንታይ ኢዮም፧

14 ገሊኣቶም ክርስትያናት ካብ ህንጥዮት እተላዕለ ንኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ብስእለ-ጽዩፍ በኪሎሞ ኢዮም። ኣብቲ ዝስሕብ መጻወድያ ሰይጣን ከኣ ወዲቖም ኢዮም። ከምዚ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ መንፈሳዊት መርከብካ ከም እትስበር ኢዩ ዝገብር። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ብኽፍኣት . . . ሕጻናት” ክዀኑ ኣይከኣሉን። ገና እውን “በእምሮ ሰብኡት” ኣይኰኑን። (1 ቈረንቶስ 14:20) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ መምርሒታትን ስርዓታትን ቃል ኣምላኽ ጠቢቖም ብዘይምምልላሶም ሳዕቤኑ ዓጺዶምዎ ኢዮም። “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ኣይለበሱን: ለቢሶሞ ክቕጽሉ እውን ኣይከኣሉን።—ኤፌሶን 6:10-13፣ ቈሎሴ 3:5-10፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19

ነቲ ዘሎና ኣኽቢርና ንርኣዮ

15. ገሊኣቶም ንመንፈሳዊ ውርሻኦም ምምሳው ዘጸገሞም ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

15 የሱስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 8:32) መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ቀደም ኣነባብራኦምን ሃይማኖቶምን ክሓድጉ ነበሮም። ስለዚ: ነቲ ሓቂ ዘምጽኣሎም ሓርነት ብቐሊሉ የማስዉሉ ይዀኑ። ብኣንጻሩ ግን እቶም ኣብ ሓቂ ዘለዉ ወለዲ ዘዕበይዎም መንእሰያት ንመንፈሳዊ ውርሻኦም ምምሳው የጸግሞም ይኸውን። ክፍሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ወይ ከኣ ክፍሊ ናይዛ ተድላ ምፍታው: ወልፊ ሓሽሽ: ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራውነት ክብ ኣቢላ እትርኢ ዓለም ኰይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ: እቲ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ገነትናን እዛ ናይ ሰይጣን ብልሽውቲ ዓለምን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ኣይረኣዮምን ይኸውን። አረ ገሊኣቶምስ ነቲ ዝሓልፎም ዘሎ ክረኽቡ ክብሉ ነዚ ናይዛ ዓለም መርዚ ንኽጥዕሙ ኣብ ዝቐረበሎም ፈተና ክወድቁ ይኽእሉ ኢዮም!—1 ዮሃንስ 2:15-17፣ ራእይ 18:1-5

16. (ሀ) ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ክንሓትት እንኽእል፧ (ለ) እንታይ ክንገብር ኢና እተማሃርናን ምትብባዕ እተዋህበናን፧

16 ስቓይ ከመይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ኣጻብዕትና ምንዳድ የድልየናዶ ኢዩ፧ ካብ ናይ ካልኦት ሕማቕ ተመክሮታት ክንማሃር ኣይንኽእልንዶ ኢና፧ ዝሓልፈና ነገር እንተሎ ንምርኣይ ናብ “ጸብሪ” እዛ ዓለም እዚኣ ክንምለስ የድልየናዶ ኢዩ፧ (2 ጴጥሮስ 2:20-22) ጴጥሮስ ነቶም ቀደም ክፍሊ ናይታ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሮም:- “እቲ ብዕብዳን: ብፍትወት ስጋ: ብስኽራን: ብጓይላ: ብመስተ: ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም: ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይአክል።” ዓለም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዝርገት ከም ዘላ ንምርኣይ ኣብቲ ‘ዕያግ ርኽሰታ’ ክንጥሕል ከም ዘየድልየና እተረጋገጸ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:3, 4) ብኣንጻሩ ግን ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃበሉ ኣደራሽ መንግስትና ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ንማሃር ኢና። ሓቂ ሒዝና ከም ዘሎና ንምርግጋጽን ንሓቂ ናትና ምእንቲ ኽንገብራን ናይ ምስትውዓል ክእለትና ክንጥቀም ንተባባዕ ኢና።—እያሱ 1:8፣ ሮሜ 12:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:14-17

ስምና መለለዪ ጥራይ ኣይኰነን

17. ኣስለጥቲ መሰኻኽር የሆዋ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንሓቂ ናትና እንተድኣ ገይርናያ: ምቹእ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ ዘበለ ንኻልኦት ከነካፍል ክንጽዕር ኢና። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ነቶም ተገዳስነት ዘየርእዩ ብሓይሊ ክንነግሮም ንጽዕር ኢና ማለት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 7:6) ኣብ ክንድኡስ: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንና ንምንጋር ኣይንሓፍርን ኢና። ሓደ ውልቀ-ሰብ ሕቶ ብምሕታት ወይ ጽሑፍ ብምውሳድ ቁሩብ ተገዳስነት እንተድኣ ኣርእዩ: ብዛዕባ እታ ዘላትና ተስፋ ንኽንነግሮ ድሉዋት ንኸውን። ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ክበሃል ከሎ ኣብ ቤት: ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ድኳን: ወይ ኣብ ናይ መዘናግዒ ቦታታት: ኰታስ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ገለ ዓይነት ጽሑፍ ካባና ከይንፈሊ ዝሕብረና ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 3:15

18. ክርስትያናት ምዃንና ንኻልኦት ብንጹር ምንጋርና ኣብ ናብራና ዓቢ ጥቕሚ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧

18 ክርስትያናት ምዃንና ንኻልኦት ኣነጺርና ምስ እነፍልጥ ነቲ ብውዲት እተኣልመ መጥቃዕትታት ሰይጣን ብዝያዳ ክንምክቶ ንኽእል። ናይ መዓልቲ ልደት ወይ ናይ በዓል ልደት ትልሂት ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ዝዳሎ ሎተሪ ክህሉ ኸሎ: መብዛሕትኡ ግዜ መሳርሕትና “ኣይተሸግራ። ንሳ ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ” ክብሉ ኢዮም። ብተወሳኺውን: ኣብ ቅድሜና ጽዩፍ ዋዛ ክዛረቡ ኣይደልዩን ይዀኑ። ስለዚ: ክርስትያናዊ ኣቕዋምና ንሰባት ምንጋርና ኣብ ናብራና ዓቢ ጥቕሚ ኣለዎ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ: መን እዩ እከይ ዚገብረኩም፧ ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም: ብጹኣን ኢኹም።”—1 ጴጥሮስ 3:13, 14

19. ኣብ ምጽንቃቕ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘሎና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

19 ንሓቂ ናትና ካብ ምግባር እንረኽቦ ካልእ ጥቕሚ ኸኣ እዚ ዘሎናዮ እዋን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ምዃኑ ንኽንኣምን ስለ ዝሕግዘና ኢዩ። መብዛሕትኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢታት ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። a እቲ ጳውሎስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ” ዝሃቦ መጠንቀቕታ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን ብእተራእየ ዘሰቅቕ ፍጻመታት ተረጋጊጹ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማርቆስ 13:3-37) ሓንቲ ጋዜጣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንመበል 20 ዘመን ብዝምልከት: “ባርባራዊ ዘመን ብምንባሩ ክዝከር ኢዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ኣውጺኣ ነበረት። እታ ዓንቀጽ “1999 ካብ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ዝበዝሐ ቅትለት እተፈጸመሉ ዘመን: እታ ልዕሊ ዅሉ ቅትለት እተፈጸመላ ዓመት ኢያ” በለት።

20. ሕጂ እንታይ ስጕምቲ እትወስደሉ እዋን ኢዩ፧

20 ሕጂ ነግ ፈረግ እትብለሉ እዋን ኣይኰነን። በረኸት የሆዋ ኣብቲ ንምስክር ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝግበር ዘሎ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ንሓቂ ናትካ ግበራ: ንኻልኦት ከኣ ኣካፍል። ዘለኣለማዊ ተስፋኻ ኣብዚ ሕጂ እትገብሮ እተመርኰሰ ኢዩ። እንተድኣ ዛሕቲልካ በረኸት የሆዋ ኣይክትረክብን ኢኻ። (ሉቃስ 9:62) ኣብ ክንድኡስ: ‘ጻዕርኻ ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥካ: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዕ: ዘይትነቓነቕ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዝ እትዀነሉ’ እዋን ሕጂ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ጥሪ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-14 ርአ። ኣብ ቍጽሪ 13-18 ካብ 1914 ኣትሒዝና ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር ሽዱሽተ ሓያል መርትዖታት ቀሪቡ ኣሎ።

ትዝክሮዶ፧

• ንጥርጣረ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል፧

• ካብ ኣብነት ጊልያ ኤልሳእ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

• ካብ ከመይ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ፈተናታት ኢና ወትሩ ክንሕሎ ዘሎና፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንኻልኦት ብንጹር ከነፍልጥ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ጸሎትን ምግባር ጥርጣረታት ንኸነወግድ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጊልያ ኤልሳእ ራእይ ብምርኣዩ ጥርጣረታቱ ተወገደሉ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ንማሃር ኢና፣ እዚ ኣብዚ ስእሊ ዝርአ ዘሎ ኣብ በኒን እተሃንጸ ኢዩ