ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ስግኣት ዝመልኣ ዓለም ድሕንነት ምርካብ

ኣብዛ ስግኣት ዝመልኣ ዓለም ድሕንነት ምርካብ

ኣብዛ ስግኣት ዝመልኣ ዓለም ድሕንነት ምርካብ

ነተጕቲ ኣብ እተዘርኦ ቦታ ምንቅስቓስ መቕዘፍቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነተጕቲ ተቐቢርሉ ዘሎ ቦታታት ዝሕብር ካርታ ምስ ዝህልወካ ግን ስግኣትካ ኣይምነከየንዶ፧ ኣብ ርእሲ እዚውን በብዓይነቱ ነተጕቲ ናይ ምፍላይ ስልጠና ተዋሂቡካ ኣሎ ንበል። ብርግጽ ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ነቲ ናይ ምስንካል ወይ ከኣ ናይ ሙማት ሓደጋ ከይነከየልካ ኣይተርፍን ኢዩ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኻርታን ነታጒ ንምፍላይ ዘኽእል ስልጠናን ምምስሳሉ ይከኣል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ናብራ ህይወት ዘጋጥም ሓደጋታትን ግድላትን ክትኣሊ ዘኽእል ሓለፍ ዝበለ ጥበብ ኣለዎ።

ነቲ “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ . . . ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ” ዝብል ኣብ ምሳሌ 2:10, 11 ዝርከብ ርጉጽ መብጽዓ ኣስተብህለሉ። እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጥበብን ምስትውዓልን ምንጩ ሰብኣዊ ዘይኰነስ መለኮታዊ ኢዩ። “እቲ [መለኮታዊ ጥበብ ዝሰምዕ] ግና ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።” (ምሳሌ 1:33) ሃየ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ንድሕንነትና ብኸመይ ውሕስነት ከም ዝውስኸሉን ነቲ ዘጋጥመና ብዙሕ ግድላት ንምእላይ ዘኽእለና ሓገዝ ብኸመይ ከም ዝህበናን ንርአ።

ሞት ንዘስዕብ ሓደጋታት ምእላዩ

ኣብዚ ቐረባ እዋን እተዘርገሐ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኸም ዝገልጾ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሰንኪ ሓደጋ ተሽከርከርቲ 1,171,000 ሰባት ይሞቱ። ዳርጋ 40 ሚልዮን ዝዀኑ ካልኦት ድማ መቝሰልቲ ኽወርዶም ከሎ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዝዀኑ ኸኣ ስንኩላን ኰይኖም ይተርፉ።

ሽሕኳ ኣብ እዋን ምዝዋር ማኪና ምሉእ ብምሉእ ድሕንነት ዘይርከብ እንተዀነ: ንሕጋጋት ትራፊክ እንተድኣ ተኣዚዝናዮ ብሕታዊ ድሕንነትና ብዝለዓለ ደረጅኡ ክብ ክብል ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ሕጋጋት ትራፊክ ዝሰርዑን ንትግባረኡ ዝንቀሳቐሱን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኽዛረብ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ብምባል ይገልጽ። (ሮሜ 13:1) እቶም ነዚ ምኽሪ እዚ ዘኽብርዎ ኣሽከርከርቲ ነቲ ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋ ምስ ኵሉ እቲ ኸቢድ ሳዕቤናቱ ይንክይዎ ኢዮም።

ማኪና ብድሕንነት ንኽትዝውር ዝድርኽ ካልእ ምኽንያት ከኣ እቲ ንህይወት ዘሎካ ኣኽብሮት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ” ብምባል ይገልጽ። (መዝሙር 36:9) ስለዚ ህይወት መለኮታዊ ውህበት ኢዩ። ስለ ዝዀነ ኸኣ ነዚ ውህበት እዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ክንምንጥሎ ወይ ድማ ንህይወት—እንተላይ ነቲ ናትና እውን እንተዀነ—ኣስተናዒቕና ክንርእዮ መሰል የብልናን።—ዘፍጥረት 9:5, 6

ንሰብኣዊ ህይወት ኣኽብሮት ምርኣይ ክበሃል ከሎ ድሕንነት ማኪናናን ገዛናን ብእተኻእለ መጠን ምርግጋጽ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣየተሓትትን ኢዩ። ድሕንነት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ቀዳምነት ኢዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ንኣብነት: ሓንቲ ገዛ ክትህነጽ ከላ እቲ ብዙሕ ንጥፈታት ናይታ ስድራቤት ዝካየደሉ ናሕሲ መጋረዲ ኽግበረሉ ሕጊ ኣምላኽ ይሓትት ነይሩ ኢዩ። “ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ: ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ: ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።” (ዘዳግም 22:8) እዚ ሕጊ ድሕንነት እዚ ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ ሓደ ሰብ ምስ ዝጸድፍ: ኣምላኽ ነቲ ዋና ገዛ ብሓላፍነት ይሓቶ ነበረ። ብዘይጥርጥር እምበኣር እቲ ኣብዚ ሕጊ እዚ ተሓቚፉ ዘሎ ፍቕራዊ ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ምዝንጋዕ ሓደጋታት ንምንካይ ዝጠቅም ኢዩ።

ሞት ንዘስዕብ ወልፍታት ምቅላሱ

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኸም ዝበሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ኣትከኽቲ ኣለዉ: ብሰንኪ ትምባኾ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ይሞቱ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ዝቕጽል 20 ወይ 30 ዓመታት ዳርጋ ናብ 10 ሚልዮን ክድይብ ትጽቢት ይግበር። እንተላይ ነቶም ወልፊ ኸም ዘየትሕዝ ዝውረየሉ ሓሽሻት ዘዘውትሩ ሰባት ሓዊስካ ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ጥዕንኦምን ህይወቶምን ይበላሾ ኢዩ።

ምንም እኳ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምዝውታር ትምባኾን ምውሳድ ሓሽሽን ፈልዩ ዝጠቅስ ሓሳብ እንተ ዘየስፈረ: እቲ ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ግን ካብዚ ተግባራት እዚ ዘዕቍበና ኢዩ። ንኣብነት: 2 ቈረንቶስ 7:1 “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዝብል ማዕዳ ትህበና። ትምባኾን ሓሽሽን ንስጋና ብብዙሕ ጐዳኢ ቀመማት ከም ዝብክሎን ዘርክሶን ምንም ዘተሓታትት ጕዳይ ኣይኰነን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣምላኽ ንኣካላትና ‘ቅዱስ’ ማለት ንጹህን ጽሩይን ክኸውን ኢዩ ዝደልዮ። (ሮሜ 12:1) እዚ ኸምዚ ዝበለ መሰረታዊ ስርዓታትሲ ንሓደ ሰብ ካብ ከቢድ ሓደጋ ኸም ዝሕልዎ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ንሓደገኛ ልምድታት ምስናፉ

ብዙሓት ሰባት ኣብ ብልዕን መስተን ሚዛኖም ኣይሕልዉን ኢዮም። ልዕሊ ዓቕምኻ ምብላዕ ከም እኒ ሽኮርያ: መንሽሮ: ከምኡውን ሕማም ልቢ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ምዝውታር ድማ ግዙእ ኣልኮላዊ መስተ ምዃን: ሕማም ፌጋቶ: ምብትታን ስድራቤታት: ከምኡውን ከም ሓደጋ ትራፊክ ዝኣመሰለ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ጸገማት ኣለዎ። በቲ ሓደ ወገኑ ክርአ ኸሎ ኸኣ ክብደት ንምቕናስ ኢልካ መግቢ ምእባይ ንኸም ኣናረክስያ ነርቮሳ ዝኣመሰለ ንሞት ዘሳጥሕ መኽሳእቲ ኣሕሊፉ ክህብ ይኽእል ኢዩ።

ምንም እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መምርሒ መጽሓፍ እንተ ዘይኰነ: ኣብ ብልዕን መስተን ሚዛንካ ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ቅኑዕ ምዕዶ ይህብ ኢዩ። “ኣታ ወደየ: ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን: ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ። ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ: . . . ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ: ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።” (ምሳሌ 23:19-21) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ምብላዕን ምስታይን ዘደስት ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ። “እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።”—መክብብ 3:13

መጽሓፍ ቅዱስ ንምውስዋስ ኣካላት ብዝምልከትውን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህሉ ኢዩ ዘተባብዕ: “ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም” ብምባል ድማ ይገልጽ። ቀጺሉ እውን “ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም: ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ‘ኣምልኾ ንሕጂውን ዝጠቅም ከመይ ኢሉ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን ኢኻ። ብብዙሕ መገድታት ኢዩ ዝጠቅም። ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ህይወት ሓደ ሰብ ዓብይ ምትእስሳር ዘለዎ መንፈሳዊ መዳይ ምኽፋቱ: ኣምልኾ ኸም ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ከምኡውን ርእስኻ ምግታእ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ባህርያት ከም እነማዕብል ይገብረና: እዚ ባህርያት እዚ ድማ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ጽቡቕ ጥዕናን ንኽህልወና እጃም ኣለዎ።—ገላትያ 5:22, 23

መሪር ሳዕቤናት ርኽሰት

ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብዝዀነ ይኹን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣይቅየዱን ኢዮም። ሓደ ኻብቲ ሳዕቤናት ከኣ ለበዳ አይድስ ኢዩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኸም ዝገለጾ ለበዳ አይድስ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 16 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣስታት 34 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት በቲ አይድስ ዘምጽእ ኤች.ኣይ.ቪ. ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ብዙሓት ብአይድስ ዝሳቐዩ ዘለዉ በቲ ሕማም እተለኽፉ ሰባት ብሰንኪ ብዕሉግ ጾታዊ ተግባራት: ናይ ሓሽሽ ውሉፋት ብእተጠቕምሉ እተበከለ ስሪንጋ ብምውጋኦም: ወይ ከኣ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ደም ብምውሳዶም ኢዮም።

ከምዚ ዝበለ ፍኑው ርኽሰት ከም ሕማም ሀርፐስ: ጅግል: ሀፐታይተስ ቢ ከምኡውን ሲ: ፍንጣጣ ዝኣመሰለ ካልእ ሳዕቤናት እውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዝያት ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ስያመታት ዘይዝውተር እኳ እንተ ነበረ: እቲ ብገለ ሕማማት ጾታዊ ርክብ ዝጥቃዕ ክፍሊ ኣካላት ግን ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ምሳሌ 7:23 (NW) ነቲ ሓደገኛ ሳዕቤን ምንዝር ከም ‘ንጸላም ከብዲ ዝስንጥቕ ፍላጻ’ ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። ፍንጣጣ ልክዕ ከም ሀፐታይተስ ንጸላም ከብዲ ኢዩ ዘጥቅዓ። እወ: እቲ ንክርስትያናት ተዋሂብዎም ዘሎ ‘ካብ ደምን ዝሙትን ዝኽልክል’ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ኰን እዋናውን ፍቕራውን ኢዩ!—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

እቲ መፈንጠራ ዝዀነ ፍቕሪ ገንዘብ

ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ሃብቲ ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንገንዘቦም ብዝምልከት ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስጕምትታት ኢዮም ዝወስዱ። እቲ ዘሕዝን ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ስጕምቲ ምውሳድ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ክስራንን ጥራይ ኢድካ ምትራፍን ዝመርሕ ምዃኑ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንኣገልጋል ኣምላኽ “ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ: ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር” ኢዩ ዝብሎ። (ኤፌሶን 4:28) ሓቂ ኢዩ ኵሉ ዝጽዕር ዘበለ ይህብትም ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ናይ ኣእምሮ ሰላም: ርእሰ-ኽብረት: ከምኡውን ምናልባት ሰናይ ግብሪ ንምፍጻም ዘኽእሎ ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ይረክብ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል የጠንቅቕ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ . . . ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ብዙሓት “ኪህብትሙ ዚደልዩ” ሃብቲ ኸም ዝረኽቡ ኣሉ ዝበሃሎ ኣይኰነን። ግን ዝኸፍልዎ መስዋእቲ እንታይ ኢዩ፧ ጥዕንኦም: ስድራቤቶም: መንፈሳውነቶም: ድቃሶምውንዶ ኸይኰኑ ዝስውኡ፧—መክብብ 5:12

ጥበበኛታት ሰባት “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ዝብል ግንዛበ ኢዩ ዘለዎም። (ሉቃስ 12:15) ገንዘብ ይኹን ጥሪት ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰባት ኣድላዪ ኢዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ‘ገንዘብ ጽላል’ ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ: ቀጺሉ ግን “ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ” ይብል። (መክብብ 7:12) ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ቅኑዕ ፍልጠትን ጥበብን ኣብ ኵሉ ዅነታት ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ: እዚ ብፍላይ ንህይወት ዝትንክፍ ጕዳያት ከጋጥም ከሎ ሓቂ ኢዩ።—ምሳሌ 4:5-9

ድሕንነት ንምርካብ ጥበብ ጥራይ ዝድለየሉ እዋን

ናይ ሓቂ ጥበብ ድሕሪ ሓጺር እዋን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ‘ነቶም ዘጥርይዋ ብህይወት ከተንብሮም ኢያ:’ እዚ ዝኸውን ከኣ እናተሓምበበ ይመጽእ ኻብ ዘሎ ኣምላኽ ንእኩያት ንምጥፍኦም ዝጥቀመሉ “ዓቢ ጸበባ” ከም ዝዕቈቡ ብምግባር ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21 NW) መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ሽዑ ሰባት ንገንዘቦም “ከም ርኹስ ነገር” ኣብ ኣደባባያት ክድርብይዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ከመይሲ “በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር” ወርቅን ብሩርን ህይወት ክዕድገሎም ከም ዘይክእል ካብቲ ናይ ሽዑ መሪር ተመክሮ ክማሃሩ ኢዮም። (ህዝቅኤል 7:19) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንመንፈሳዊ ረብሓታት ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ብምሃብ ‘መዝገቦም ኣብ ሰማይ ገይሮም’ ጥበብ ዘንጸባረቑ “ዓቢ ጭፍራ” (NW) ኻብቲ ውሕስነቱ ርጉጽ ዝዀነ ወፍሮም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ክኸስቡ ኢዮም።—ማቴዎስ 6:19, 20፣ ራእይ 7:9, 14፣ 21:3, 4

እዚ ውሕስነት ዝመልኦ መጻኢ እዚ ክህልወና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይምልስ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:3) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ረኺቦምዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንመጻኢ ዝኸውን ዘደንቕ ተስፋ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂውን ዘይተኣደነ ሰላምን ድሕንነትን ኢዮም ዘስተማቕሩ ዘለዉ። እዚ ልክዕ ኸምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ: ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ” ብምባል ገሊጽዎ ዘሎ ኢዩ።—መዝሙር 4:8

ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥዕናኻን ህይወትካን ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ሓበሬታ ንላዕሊ ካልእ ምንጪ ሓበሬታ ኣሎዶ ኢዩ፧ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሉ ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ መጽሓፍ የልቦን፣ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ስግኣት ዝመልኣ ዓለም ናይ ሓቂ ድሕንነት ንምርካብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሊፉ ክሕግዘካ ዝኽእል ካልእ መጽሓፍ ከቶ የልቦን። ስለምንታይ ኣጸቢቕካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይትምርምሮ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዕድመ ንመጽሓፍ ቅዱስ—ዝሓሸ ጥዕናን ድሕንነትን ረኺቦም

ጄን a እተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ኻብቲ ኣብ ናብራ ህይወት ዘሎ ውረድ ደይብ ንምህዳም ማሪዋና: ትምባኾ: ኮከይን: ኣምፈተማይን: ኤል.ኤስ.ዲ. ከምኡውን ካልእ ሓሽሻት ናይ ምውሳድ ኣመል ኣጥረየት። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ትሰቲ ነበረት። ጄን ከም ዝገለጸቶ በዓል ቤታ እውን ኻብዚ ኣብ ዝሓይሽ ኵነታት ኣይነበረን። መጻኢኦም ጽልሙት ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ጄን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት እሞ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትካፈል: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን እታ ብጸይታ ዝዀነት መጽሔት ንቕሑ! ከተንብብ ጀመረት: ንሰብኣያ እውን ትህቦ ነበረት። ክልቲኦም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ጀመሩ። ነቲ ክብ ዝበለ መዐቀኒታት የሆዋ እናተገንዘብዎ ምስ ከዱ ንዅሉ እቲ ተወሊፎምሉ ዝነበሩ ነገራት ኣቋረጽዎ። ውጽኢቱኸ ከመይ ኰነ፧ ገለ ዓመታት ጸኒሓ ጄን “ኣብዚ ሓድሽ ናብራ ህይወትና ማእለያ ዘይብሉ ሓጐስ ክንረኽበሉ ክኢልና ኢና” ብምባል ጸሓፈት። ቀጺላ ድማ “ንየሆዋ ስለ እቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ናይ ምጽራይ ሓይሊ ከምኡውን ስለ እቲ ኻብ ዝዀነ ይኹን ባርነት ተገላጊሉን ጥዕዩን ዘሎ ህይወትና ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖ” ብምባል ትገልጽ።

ሓቀኛ ሰራሕተኛ ምዃን ረብሓ ኸም ዘለዎ ኣብ ጕዳይ ናይቲ ስርዓተ ኮምፕዩተር ምእላይ ዝስርሑ ኩርት ተነጺሩ ኣሎ። ሓድሽ መሳርሒ ምስ ኣድለየ ወሃብ ስርሑ ነታ ኣቕሓ ብጽቡቕ ዋጋ ገዚኡ ኸምጽኣ ሓላፍነት ይህቦ። ኩርት ድማ ኣብ ሓደ ቤት መሸጣ ነታ ኣቕሓ ረኸባ እሞ ናይ ዋጋ ስምምዕ ተገብረ። ይኹን እምበር: ናይቲ ቤት መሸጣ ተሓዝ መዝገብ ነቲ ዋጋ ብጌጋ ጸሓፎ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝሰፈረ ዋጋ ካብቲ ስምምዕ እተገብረሉ ብ40,000 ዶላር ኣመሪካ ይጐድል። ኩርት ጌጋ ኸም እተፈጸመ ምስ ተገንዘበ ናብቲ ኹባንያ ደወለ እሞ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኸኣ ኸምዚ ዝበለ ሓቀኝነት ኣብተን ኣብ ስራሕ ዘሕለፈን 25 ዓመታት ከቶ ኸም ዘየጋጠሞ ነገሮ። ኩርት ድማ ሕልንኡ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ምዃኑ ገለጸሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ንመሳርሕቱ ምእንቲ ኽህቦም ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን ዝዛረብ 300 ናይ ንቕሑ! ቕዳሓት ሓተተ። ንኩርት ግን እቲ ሓቀኛ ምዃኑ ደረጃ ዕብየት ስራሕ ከም ዝረክብ ገበሮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

‘ነቲ ዝጠቅም ዝምህረካ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኢየ።’​—ኢሳይያስ 48:17