ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ እትኣምኖ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧

እቲ እትኣምኖ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧

እቲ እትኣምኖ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧

ምእማን እትብል ቃል “ሓቂ ወይ ቅኑዕ ምዃኑ ምቕባል” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት: ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ናይ ሓሳብ: ሕልና: ከምኡውን ናይ ሃይማኖት ሓርነት” ከም ዘለዎ ይገልጽ ኢዩ። እዚ መሰል እዚ: እቲ ሰብ እንተ ደልዩ “ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ንኽቕይር” ዘለዎ ሓርነት ዘጠቓልል ኢዩ።

 ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ኽልውጥ ዝደሊ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ “ናይ ገዛእ ርእሰይ እምነት ኣሎኒ: ክልውጦ ኸኣ ኣይደልን ኢየ” ዝብል ዘረባ ብዙሕ ግዜ ኢዩ ዝስማዕ። ብዙሓት ሰባት ግጉይ እምነታት እውን እንተ​ዀነ: ብዙሕ ጕድኣት ዘየምጽእ ይመስሎም። ንኣብነት: ምድሪ ጸፋሕ ኢያ ኢሉ ዝኣምን ሰብ: ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንኻልኦት ኣይጐድእን ኢዩ። ገሊኣቶም “ፍልልያትና ንኽንቅበል ተሰማሚዕና ኢና” ይብሉ። እዚ ግን ኵሉ ግዜ ጥበባዊ ድዩ፧ ሓደ ሓኪም ኣብ መካነ⁠-​ሬሳ ሬሳ ኽሕዝ ድሕሪ ምጽናሕ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ንሕሙም ክምርምር እኽእል ኢየ ኢሉ እንተ ዝኣምን: ካልእ መሳርሕቱ ሓኪም ንኸይንጋጮ ተሰማሚዕና ኢና ኢሉ ስቕዶ ምበለ፧

ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ኣብ ሃይማኖት እተንጸባረቐ ግጉይ እምነት ብዙሕ ጕድኣት ኣምጺኡ ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል እተገብረ ቅዱስ እተባህለሉ ውግእ መስቀላውያን: ሃይማኖታውያን መራሕቲ “ነቶም ቀናኣት ክርስትያናት ዘስካሕክሕ ዓመጽ ኽፍጽሙ ምስ ኣተባብዕዎም” ዝሰዓበ ስቓይ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ወይ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ግዜና ኣብ እተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ብረት ዓጢቖም እተዋግኡ “ክርስትያናት” እሞ ሕስብ ኣብሎ። “ልክዕ ከምቶም ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ተዋጋእቲ ኣብ ናይ ኣስያፎም ለዓት ናይ ቅዱሳን ኣስማት ዝጽሕፉ ዝነበሩ: [እዚኣቶም እውን] ኣብ ሰለፍ ጠበንጃኦም ስእሊ ናይ ድንግል ማርያም ይልጥፉ ኢዮም።” እዚኣቶም ኵሎም ቅኑዕ ንገብር ኣሎና ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። እንተ​ዀነ ግን: ኣብዚ ሃይማኖታዊ ውግኣት እዝን ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግኣትን ዓቢ ጌጋ ተገይሩ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ምድሪ ብኽንድዚ ዝኣክል ሕንፍሽፍሽን ግጭትን መሊኣ ዘላ ስለምንታይ ኢያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዘምጽኦ ይነግረና ኢዩ። (ራእይ 12:⁠9፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ 11:⁠3) እቲ ዘሕዝን ድማ: ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት በቲ ‘ዅሉ ጥበራ ዓመጻን ትእምርትን’ ዝገብር ሰይጣን ስለ እተታለሉ: ‘ክጠፍኡ’ ምዃኖም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣጠንቂቑ ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ነቲ ከድሕኖም ዝኽእል ዝነበረ ፍቕሪ ሓቂ ንኸይቕበሉ ኣእምሮኦም ስለ ዝዓጸዉ:” ‘ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዝኣምኑ ከም እተታለሉ’ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠9-12 ብዊልያም ባርክለይ እተዳለወ ዘ ኒው ቴስታመንት) ሓሶት ክትኣምን ንዘሎካ ኣጋጣሚ ብኸመይ ክትንክዮ ትኽእል፧ ንምዃኑ ነቲ እትኣምነሉ ነገር መሰረት ኣሎካ ድዩ፧

ኣቦታትካ ዘጽንሑልካ ዲኻ እትኣምን፧

ምናልባት ከምቲ ናይ ወለድኻ እምነት ይህልወካ ይኸውን። እዚ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ: ወለዲ ንደቆም ክምህርዎም ኢዩ ዝደሊ። (ዘዳግም 6:⁠4-9፣ 11:⁠18-21) ንኣብነት: እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ነዲኡን ዓባዩን ብምስምዑ ብዙሕ ተጠቒሙ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠5፣ 3:⁠14, 15) ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ወለዲ ዝኣምንሉ ነገር ኣኽቢርና ኽንሪኦ ኢዩ ዘተባብዕ። (ምሳሌ 1:⁠8፣ ኤፌሶን 6:⁠1) እንተ​ዀነ ግን ፈጣሪኻ: ወለድኻ ንሓደ ነገር ስለ ዝኣመኑሉ ጥራይ ክትኣምነሉ ይደልየካ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ነቲ ኣባሓጎታትካ ዝኣምንሉን ዝገብርዎን ዝነበሩ ነገራት ብድፉኑ ምስዓብ ሓደገኛ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 78:⁠8፣ ኣሞጽ 2:⁠4

እታ ምስ የሱስ ተራኺባ ዝነበረት ሰበይቲ ሳምራዊት ብምንባራ ኣብ ናይ ሳምራውያን ሃይማኖት ኢያ ትኣምን ነይራ። (ዮሃንስ 4:⁠20) የሱስ ባህ ዝበላ ንኽትኣምን ዘለዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት እኳ እንተ ኣኽበረላ: “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ” ኢሉ ግን ነጊርዋ ኢዩ። አረ መብዛሕትኡ ሃይማኖታዊ እምነታ ግጉይ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ንኣምላኽ በቲ ባህ ዝብሎ መገዲ ማለት “ብመንፈስን ብሓቅን” ከተምልኾ እንተ​ድኣ ዀይና ኣብ እምነታ ለውጢ ኽትገብር ከም ዘለዋ ነገራ። ንሳን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰሉ ሰባትን ኣብቲ ብዘይ​ጥርጥር ኣኽቢሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ እምነታቶም ኣብ ክንዲ ዝጠብቁ: ድሕሪ ግዜ ነቲ ብየሱስ እተገልጸሎም ‘እምነት ተኣዘዙ።’​—⁠ዮሃንስ 4:⁠21-24, 39-41፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7

ፈላጣት ኣብ ዝመሃሩኻ ዲኻ እትኣምን፧

ኣብ ሓደ ፍሉይ ዓውዲ ትምህርቲ ብዙሕ ፍልጠት ዘለዎም መምህራንን ፈላጣትን ዓቢ ኽብሪ ይግብኦም ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ምርዳእ ዝነበሮም ብዙሓት ፍሉጣት መምህራን ከም ዝነበሩ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ንኣብነት: እቲ ጸሓፍ ታሪኽ በርትራንድ ራስል ብዛዕባ እተን በቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶትል እተጻሕፋ ክልተ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት መጻሕፍቲ ከምዚ በለ:- “ብመሰረት ዘመናዊ ስነ⁠-​ፍልጠት ምስ ዝረኣያ: ኣብ ክልቲአን መጻሕፍቲ ተቐባልነት ዘለዋ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ እውን ትኹን ኣይትርከብን ኢያ።” ዘመናውያን ፈላጣት እውን ከይተረፉ ብዙሕ ግዜ ፈጺሙ ጌጋ ኣብ ዝዀነ መደምደምታ ይበጽሑ ኢዮም። እቲ ሎርድ ከልቪን ዝበሃል ብሪጣንያዊ ሊቅ ብ1895 “ካብ ኣየር ዝኸብድ ዝነፍር ነገር ምስራሕ ፈጺምካ ዘይከኣል ኢዩ” ብምባል ብምትእምማን ተዛረበ። ስለዚ: መስተውዓሊ ሰብ ገለ ፍሉጣት መምህራን ንዝብልዎ ነገር ከይመርመረ ስቕ ኢሉ ኣይኣምኖን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 146:⁠3

ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ እውን ተመሳሳሊ ጥንቃቐ የድሊ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቶም ሃይማኖታውያን መምህራኑ ብዙሕ እተማህረን ‘ንስርዓት ኣቦታቱ ኣዝዩ ዝቐንእን’ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: በቲ ናይ ኣቦታቱ ስርዓት ቀናእ ምንባሩ ጸገም ፈጢሩሉ ኢዩ። ‘ንማሕበር ኣምላኽ ከም ዝሰጓን ዘዕንዋን’ ገይርዎ ኢዩ። (ገላትያ 1:⁠13, 14፣ ዮሃንስ 16:⁠2, 3) እቲ ዝገደደ ኸኣ: ንነዊሕ እዋን ነቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምእማን ክመርሖ ዝነበሮ ጽልዋታት ብምጽራር ‘ኣብ ኣንፊ ብልሒ ኣድሓርሒሩ’ ኢዩ። እምነቱ ንኽቕይር ድማ የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ደረኾ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠1-6፣ 26:⁠14

መራኸቢ ብዙሓን ጽልዋ ይገብረልካ ድዩ፧

ምናልባት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ እምነትካ ብዙሕ ጽልዋ ይገብረልካ ይህሉ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ጠቓሚ ሓበሬታ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም መራኸቢ ብዙሓን ናይ ምዝራብ ናጽነት ብምህላዉ የሐጕሶም ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ንመራኸቢ ብዙሓን ክቈጻጸርዎ ዝኽእሉን ብዙሕ ግዜ ዝቈጻጸርዎን ሓይልታት ኣለዉ። መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ንኣተሓሳስባኻ ክጸሉ ዝኽእል ቄናን ሓበሬታ ኢዩ ዝዝርጋሕ።

ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሓት ሰማዕቲ ምእንቲ ኽስሕብ ተባሂሉ ዝማርኽን ሓድሽን ነገር ኢዩ ዘቕርብ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ንህዝቢ ዘይዝርጋሕ ዝነበረ ሓበሬታ: ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ይፍኖን ይሕተምን ኣሎ። እቲ ቕቡል ዝነበረ ስርዓታት ቀስ ብቐስ ይንቀፍን ይሃስስን ምህላዉ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣተሓሳስባ ሰባት በብቕሩብ ቄናን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። “ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ” ከም ዝዀነ ገይሮም ክኣምኑ ጀሚሮም ኣለዉ።​—⁠ኢሳይያስ 5:⁠20፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10

ብዛዕባ እቲ እትኣምኖ ነገራት ድልዱልን ቅኑዕን መሰረት ምርካብ

ነቲ እትኣምኖ ነገራት ኣብ ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ሰባት ምስራት: ከም ኣብ ሑጻ ቤት ምስራሕ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠26፣ 1 ቈረንቶስ 1:⁠19, 20) ኣብ ምንታይ ድኣ ኢኻ እሞ ንእምነትካ ብምትእምማን ክትስርቶ እትኽእል፧ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝግበር ነገር ንኽትምርምርን ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ንኽትሓትትን ኣእምሮ ስለ ዝሃበካ: ንሕቶታትካ ቕኑዕ መልሲ ንኽትረክብ እውን መገዲ ኸዳልወልካስ ምኽንያታዊዶ ኸይኰነ፧ (1 ዮሃንስ 5:⁠20) እወ: ብርግጽ ከምኡ ይገብር ኢዩ! ብኣምልኾ ዝመጸ ግን ኣብ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ብኸመይ ክትስርት ትኽእል፧ ንእምነትካ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰረት ክህበካ ዝኽእል እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ምዃኑ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

ገሊኣቶም ግን “እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሰባትዶ ኸይኰኑ ኣብ ዓለም ዝገደደ ግጭትን ሕንፍሽፍሽን ዝፈጥሩ ዘለዉ፧” ይብሉ ይዀኑ። ልክዕ ኢዩ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕብ ኢና ዝብሉ መራሕቲ ሃይማኖት ብዙሕ ዘደናግርን ዝጋጮን ሓሳባት ዘርጊሖም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን መሰረት ናይቲ ዝኣምንዎ ነገራት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይኰነ ኢዩ ከምዚ ኽስዕብ ዝኸኣለ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ” ዘምጽኡ “ነብያት ሓሶት” ከምኡውን “መምህራን ሓሶት” ኢልዎም ኣሎ። ብሰሮምውን “እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ” ምዃና ገሊጹ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠1, 2) ይኹን እምበር: ጴጥሮስ “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና: . . . ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠19፣ መዝሙር 119:⁠105

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እንኣምኖ ነገራት ምስ ትምህርትታቱ ኸነረኣእዮ የተባብዓና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠1) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣንበብቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ኸምዚ ብምግባሮም ኣብ ህይወቶም ትርጕምን ህድኣትን ከም ዝረኸቡ ኽምስክሩ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ: ከምቶም መስተውዓልቲ ሰብ ቤርያ ኹን። ኣብ ምንታይ ከም እትኣምን ቅድሚ ምውሳንካ ‘ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት መርምሮ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11) በዚ መዳይ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ኣብ ምንታይ ከም እትኣምን: እቲ ውሳነ ናትካ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እምነትካ ብሰብኣዊ ጥበብን ባህግን ዘይኰነስ: በቲ እተገልጸ ቓል ሓቂ ናይ ኣምላኽ ከም ዝቕረጽ ምግባር ምስትውዓል ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠13፣ 5:⁠21

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘየወላውል መሰረት እምነትካ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ