ኣብታ ኸተማ ብርሃን ከም ብርሃናት ምብራህ
ኣብታ ኸተማ ብርሃን ከም ብርሃናት ምብራህ
ፍሉክቱዋት ነክ መርጊቱር: ማለት “ብማዕበል ትናወጽ: ግን ዘይትሰጥም” ዝብል ምስላ ንኸተማ ፓሪስ ኢዩ ተመሲሉላ።
ኣብ ዝሓለፈ 2,000 ዓመታት ፓሪስ ልክዕ ከም መርከብ ካብ ወጻኢ ማእለያ ዘይብሉ ማዕበል ህዝቢ ኣትይዋ: ኣዝዩ ብዙሕ ውሽጣዊ ናዕቢ እውን ኣሕሊፋ ኢያ: ግን ከኣ ኣይዓነወትን። እዛ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከባ ዝበለጻ ኸተማታት ሓንቲ ዝዀነት ፓሪስ በቲ ዘደንቕ ስነ-ህንጻታታ: ኣእዋም ዝመልኦ ጐደናታታ: ከምኡውን በቲ ኣብ ዓለም ውሩይ ዝዀነ ኣብያተ-መዘክራታ ትፍቶ ኢያ። ገሊኣቶም ሰባት ገጠምትን ሰኣልትን ፈላስፋታትን ብብዝሒ ዝርከቡላ ኸተማ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዋ። ካልኦት ድማ እቲ ምቁር መግብታታ የሐጕሶም: እቲ ሓድሽ ቅድታት ክዳውንቲ ዝወጸሉ ቦታታት ድማ የደንቖም ኢዮም።
ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኸም ዝርከብ ፓሪስ ጽኑዕ ዕርዲ ካቶሊክ ኢያ ነይራ። እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብቲ ቕድሚ ኽልተ ሚእቲ ዓመታት ‘ብርሃን’ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ናይ ኣውሮጳ ምሁራት ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ ግደ ስለ ዝነበራ ኸተማ ብርሃን ተባሂላ ክትጽዋዕ ጀመረት። ሎሚ: መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ካብቲ ሃይማኖት ዝገብረሎም ጽልዋ ንላዕሊ በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ፍልስፍና ኢዮም ተጸልዮም ዘለዉ።
ይኹን እምበር: ሰብኣዊ ጥበብ ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ገይሩ ንናብራ ደቅሰብ መብራህቲ ኣይኰኖን። ብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ሰባት ካብ ካልእ ምንጪ: ብርሃን የናድዩ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን90 ዝኸውን ዓመታት ኣብ ፓሪስ ‘ከም ብርሃናት ከብርሁ’ ጸኒሖም ኢዮም። (ፊልጲ 2:15) ብምሳልያዊ መገዲ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ናብታ መርከብ ንምስቃል: ልክዕ ከምቶም ክእለት ዘለዎም ባሕረኛታት ምስቲ ወትሩ ዝለዋወጥ ፍጻመታት ምትዕርራይ ይገብሩ ኣለዉ።—ሃጌ 2:7
በዳሂት ከተማ
ብ1850 ፓሪስ 600,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ኸተማ ኢያ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቶም ኣብ ከባቢታታ ዝነብሩ እውን ሓዊስካ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ተቐማጦ ኣለዉዋ። እዚ ዕቤት እዚ ንፓሪስ ኣብ ፈረንሳ እታ ዝሰፍሐት ከተማ ኸም እትኸውን ገይርዋ ኢዩ። ማእከል ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ኢያ: ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥንታዊ ዩኒቨርሲቲታት እውን ዝሓዘት ኢያ: 250,000 ዝዀኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ዝማሃሩ ተማሃሮ ድማ ይርከብዋ። እቲ ብሕጊ ምጥሓስን ሽቕለት-ኣልቦነትን ዝፍለጥ ኣብ ገሊኡ ኸባቢ ፓሪስ ዝርከብ ነዋሕቲ ህንጻታት ዘለዎ ቦታታት ከኣ እቲ ሕማቕ ጐድኒ ናይዛ ኸተማ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብዝምስጥ መገዲ ንኸቕርብዎ: ክእለትን ምስ ኵነታት ምቅይያርን ከም ዘድልዮም ኣየጠራጥርን ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:10
ዓመት ዓመት ልዕሊ 20 ሚልዮን ዝዀኑ በጻሕቲ ናብ ፓሪስ ይኸዱ ኢዮም። ኣብ “ኢፌል ታወር” ይድይቡ: ኣብ ገማግም ርባ
ሴን ሸናዕ ይብሉ: ወይ ንኸባቢኦም እናተዓዘቡ ኣብ መገዲ ኣጋር ኣብ ዝርከብ ካፈተርያ ወይ ቤት መስተ ግዜ የሕልፉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: መዓልታዊ ናብራ ተቐማጦ ኸተማ ፓሪስ ጕያ ዝመልኦ ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ዝስሙ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ “ሰባት ወትሩ ኽጓየዩ ምስ ወዓሉ ኢዮም። ካብ ስራሕ ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ድማ ኣዝዮም ኢዮም ዝደኽሙ” በለ። ነዞም ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት ምዝርራብ ቀሊል ኣይኰነን።ኣብ ፓሪስ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዘጋጥሞም ዝዓበየ ጸገማት ሓደ: ንሰባት ኣብ ቤቶም ምርካብ ኢዩ። ገሊኡ ህንጻታት ኢንተርኮም ዝበሃል ኣብ ውሽጢ ምስ ዘሎ ሰብ ንኽትዘራረብ ዘኽእለካ መሳርሒ ተገጢምሉ ኣሎ። ገበን እናወሰኸ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ግን ገሊኡ ህንጻታት ብኤለክትሮኒካዊ ኮድ ጥራይ ዝኽፈት ማዕጾታት ተገይርሉ ኣሎ: ንኽትኣቱ ድማ ዘይከኣል ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ገሊኡ ቦታታት መጠነ-ዝምድና ን1,400 ሰባት ዝበጽሖም 1 ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ ንኽኸውን ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ: ናይ ተሌፎንን ናይ እግረ-መገድን ምስክርነት ብዝያዳ ይዕየየሉ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኻልእ መገድታትከ ‘ብርሃኖም ከም ዝበርህ’ ክገብሩዶ ኽኢሎም ኢዮም፧—ማቴዎስ 5:16
ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዘኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ማርቲን ኣብ ጥቓ መጸበዪ ኣውቶቡስ ሓንቲ ዝጐሃየት እትመስል ሰበይቲ ደው ኢላ ረኣየት። እታ ሰበይቲ እንኮ ጓላ ሞይታታ ነበረት። ማርቲን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘጸናንዕ ተስፋ ትንሳኤ ዝሓዘት ብሮሹር ሃበታ። ድሕርዚ ንገለ ኣዋርሕ ምስታ ሰበይቲ ኣይተራኸበትን። ካልእ ግዜ ነታ ሰበይቲ ምስ ረኸበታ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረላ ኸኣለት። እታ ሰበይቲ ኻብ በዓል ቤታ ተቓውሞ እኳ እንተ ኣጋጠማ: ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት።
ፍረ ዘለዎ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት
ህዝባዊ መጓዓዝያ ፓሪስ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከብ ኣዝዩ ስሉጥ ዝበሃል መጓዓዝያታት ሓደ ኢዩ። እቲ ውሩይ ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር ኣብ መዓልቲ 5,000,000 ሰባት የጐዓዕዝ። እቲ “ሻትሌ ሌ ኣል” ዝበሃል ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ማእከል ናይ ትሕቲ ምድሪ መጓዓዝያ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከብ እቲ ዝዓበየን ዝበዝሑ ሰባት ዝውሕዝዎን ተባሂሉ ይዝረበሉ ኢዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ ብዙሓት ሰባት ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ኣሎ። ኣለክሳንድራ በቲ ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር ገይራ ኢያ ናብ ስርሓ እትኸይድ። ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ሉኪምያ ዝበሃል ከቢድ ሕማም ዝሓመመ መንእሰይ ተዘራረበት። ብዛዕባ ናይ ገነት ተስፋ ዝገልጽ ትራክት ሃበቶ። መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን እናተራኸቡ ንሽዱሽተ ሰሙን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ገበሩ። ድሕሪኡ ግን እቲ ሰብኣይ ምምጻእ ኣቋረጸ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: በዓልቲ ቤቱ ንኣለክሳንድራ ደወለትላ እሞ ሰብኣያ ተወጺዑ ስለ ዘሎ ናብ ሆስፒታል ክትመጽእ ነገረታ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣለክሳንድራ ምስ ሞተ ኣብቲ ሆስፒታል በጽሐት። እቲ ሰብኣይ ምስ ሞተ በዓልቲ ቤቱ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ቦርዶ ገዓዘት: ኣብኡ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕዋ ጀመሩ። እዛ መበለት ንሰብኣያ ብትንሳኤ ኽትረኽቦ ተስፋ ዘለዋ እተጠምቀት ክርስትያን ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ኣለክሳንድራ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ሰምዐት ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ እተሓጐሰት!—ዮሃንስ 5:28, 29
ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ክርስትያን ካብ ፓሪስ ናብታ ኣብ ማእከላይ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ሊሞዥ ብባቡር ክትጓዓዝ ከላ ሬናታ ንእትበሃል ሰበይቲ ኣዘራረበታ። ሬናታ ኣብ ዓዳ ፖላንድ ከላ ንሓሙሽተ ዓመታት ስነ-ሃይማኖት: እብራይስጢ: ከምኡውን ግሪኽ ተማሂራ ነበረት: እንተዀነ ግን ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት ኣጥፍአት። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ኣምላኽ ጸልያ ነበረት። እታ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ትዛረቦ ዝነበረት ነገር ተገዳስነት ዘየሕደረላን እንደገና ምስኣ ክትዘራረብ ዝብል ሓሳብ ዘይነበራን ክነሳ: ቍጽሪ ተሌፎና ሃበታ። እታ ሓብቲ ግን ኣይተሓለለትን: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ካልኦት ከም ዝበጽሕዋ ገበረት። ሬናታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር ክበጽሕዋ ምስ መጹ ‘እዚኣቶም እንታይ ኢዮም ክምህሩኒ፧’ ኢላ ሓሰበት። ኣብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ እተማህረት እኳ እንተ ነበረት: ብትሕትና በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተሳሕበት። “ሓቂ ብኡንብኡ ኢዩ ተረዲኡኒ” በለት። ሕጂ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ተሓጒሳ ንኻልኦት ተካፍል ኣላ።
ሚሸል ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና ትማሃር ነበረት። ናይ ጽሑፍ ትምህርቲ ኣብ እትማሃረሉ ዝነበረት እዋን ገለ ደቂ ኽፍላ ብዛዕባ ቕድሚ መርዓ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክዘራረቡ ጀመሩ። ሚሸል ነዚ ኸም እትቃወሞ ተዛረበት። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሲልቪ እትበሃል መምህራ “ናይ የሆዋ ምስክር ዲኺ፧” ኢላ ሓተተታ። ሲልቪ በቲ ሚሸል ዘርኣየቶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣረኣእያ ተደኒቓ ነበረት። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረላ እሞ ድሕሪ ሓደ ዓመት እውን ተጠምቀት።
ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ሓያሎ ህዝባዊ ስፍራ ኣታኽልቲ ምስ ሰባት ንምዝርራብ ምቹእ ኣጋጣሚ ይፈጥር ኢዩ። ዦዘት
ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ናብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ ኸደ: ኣብኡ ድማ ሓንቲ ኣሊን እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ብእግራ ትዛወር ነበረት። ነታ ሰበይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘደንቕ መብጽዓታት ገለጸላ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ምድላው ተገብረ: ኣሊን ድማ ነዊሕ ከይጸንሐት ዕቤት ብምግባር ናብ ጥምቀት በጽሐት። ሕጂ ጓል 74 ዓመት እኳ እንተዀነት ብዙሕ ፍረ እተፍሪ ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ብምግልጋል ተሓጒሳ ክርስትያናዊ ሓቂ ተካፍል ኣላ።ንዅሎም ኣህዛብ ዝኸውን ብርሃን
ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ባህልታት ንምርኣይ ናብ ርሑቕ ሃገራት ምኻድ ኣየድልዮምን ኢዩ። ዳርጋ 20 ሚእታዊት ተቐማጦ እታ ኸተማ ወጻእተኛታት ኢዮም። ኣብዛ ኸተማ ብ25 ቋንቋታት ዝምራሓ ክርስትያናዊ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ኣለዋ።
ኣብዚ ፍሉይ ዕዮ ወንጌላውነት ጽቡቕ ፍረ ንምርካብ ክእለትን ብልሓትን ይሓትት ኢዩ። ሓንቲ ጓል ፊሊፕንስ ናይ የሆዋ ምስክር ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ዞባ ኣለዋ። ኣስቤዛ ኽትገብር ከላ ምስ ካልኦት ኣብቲ ድኳን እትረኽቦም ደቂ ዓዳ ዝርርብ ብምጅማር ብዙሓት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ክኢላ ኢያ።
ተበግሶ ወሲድካ ምስባኽ ፍረ ኣለዎ። ኣብ ታሕሳስ 1996 ኣብ ዓለም ውሩያት ጕጅለ ሰርከስ ናብታ ኸተማ ክመጹ ምዃኖም ምስ ተፈልጠ: ኣብ ሓንቲ ብናይ ወጻኢ ቛንቋ እትምራሕ ጉባኤ ዝካፈሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣባላት ጕጅለ እቲ ሰርከስ ክረኽብዎም ጸዓሩ። ሓደ ምሸት ምርኢት ምስ ተወድአ ነቶም ናብ ሆቴሎም ዝምለሱ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ጕጅለ ኸዘራርብዎም ከኣሉ። እዚ ተበግሶ እዚ 28 መጽሓፍ ቅዱሳት: 59 ክርስትያናዊ መጻሕፍቲ: 131 ብሮሹራት: ከምኡውን 290 መጽሔታት ንምብርካት መገዲ ኸፈተ። እቶም ጕጅለ ሰርከስ ንሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሕ ሓደ ኻብቶም ኣክሮባት ዝገብሩ ሰባት “ብኸመይ ኢየ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል፧” ኢሉ ሓተተ። ካልእ ድማ “ኣብ ሃገረይ ክሰብኽ ኢየ!” በለ።
ተሓቢኡ ዘሎ ክቡር ነገራት
ናብ ፓሪስ ዝመጹ በጻሕቲ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እተሃንጸ ባህ ዘብል ስነ-ህንጻዊ ስራሓት ይርእዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ካብዚ ንላዕሊ ኽቡር ዋጋ ዘለዎ ነገራት ገና ኣሎ። ኣኒዛ ምስቲ ዲፕሎማት ዝዀነ ሰብኣይ ኣሞኣ ናብ ፈረንሳ መጸት። ኣብ ቤታ ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ተሃዊኻ ኻብ ቤታ ኽትወጽእ ከላ ሓንቲ ፓይነር ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት ዘርእስታ ትራክት ሃበታ። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ንኽራኸባ ቈጸራ ገበራ: ምስ ተራኸባ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ። ኣኒዛ ካብ ስድራቤታ ብርቱዕ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠማ: ኣብ ጽንዓታ ዕቤት ብምግባር ግን ናብ ጥምቀት በጽሐት። ሓቂ ንኻልኦት ናይ ምክፋል መሰላ ብኸመይ ኢያ እትርእዮ፧ ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ሓናኽ ስለ ዝዀንኩ ኣብ ፈለማ ዕዮ ስብከት ከቢዱኒ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ ግን እነቓቓሕ ኢየ። ስቕ ኢለ ኾፍ ክብል ኣይክእልን ኢየ።” እዚ ቓላት እዚ ንኣረኣእያ ናይቶም ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ዝዀኑ’ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘንጸባርቕ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ወሰናስን ከተማ ፓሪስ ኣብ ዘሎ ፕሮጀክትታት ኣባይቲ እውን ይበርህ ኣሎ: ካልኦት “ክቡራት ኣእማን” ድማ ይርከቡ ኣለዉ። ብሩስ ካሴታት ክልቃሕ ኢሉ ናብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ዘይገበረ ዓርኩ ኸደ። እቲ ዓርኩ ምስ ገለ ኻብቶም ብሩስ ዝፈልጦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ ምይይጥ ይገብር ስለ ዝነበረ: ብሩስ ነቲ ምይይጥ ሰምዖ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ተሰማምዐ: ይኹን እምበር ገለ ጸገማት ነይርዎ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ኣብቲ ኸባቢና ፍሉጥ ኢየ ነይረ። እቲ ዓቢ ሓወይ ወትሩ ኢዩ ዝበኣስ ነይሩ: ኣነ ድማ ንጐረባብቲ ዝርብሽ ትልሂት አዳሉ ነይረ። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ካልኦት ብኸመይ ይቕበልዎ ይዀኑ፧” ብሩስ ብተደጋጋሚ ትልሂት ከዳሉ ሕቶ እኳ እንተ ቐረበሉ ኣበየ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክሰብኽ ጀመረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብር ሰብ ንምንታይ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንኩ ክፈልጥ ደለየ።” ነዊሕ ከይጸንሐ ተጠምቀ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ረኸበ።
ክቡር ነገራት ምርካብ ከቢድ ጻዕሪ ይሓትት ኢዩ። እቲ ጻዕሪ ፍረ ምስ ተረኽቦ ግን ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ! ጃኪ: ብሩኖ: ከምኡውን ዳሚየን ኣብ ፓሪስ ኣብ እንዳ ባኒ ኢዮም ዝሰርሑ ነይሮም። ጃኪ “ለይትን ቀትርን ስለ እንሰርሕ ዳርጋ ኣብ ቤትና ኣይንርከብን ኢና ነይርና” ብምባል ይገልጽ። ፓትሪክ ዝበሃል ስርዓታዊ ፓይነር ኣብ ጫፍ ናይ ሓደ ህንጻ ሒደት ንኣሽቱ ኽፍልታት ከም ዘለዋ ረኣየ: እንተወሓደ ሓንቲ ኻባታተን ሰብ ይነብራ ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ድማ በጽሐ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ነቲ ኻብ ገዝኡ ኽወጽእ ተበጊሱ ዝነበረ ጃኪ ምስ ረኸቦ ግን እቲ ብዘይምሕላል ዝገበሮ ጻዕሩ ዓስቡ ረኸበ። ፍሪኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሰለስቲኦም ኣዕሩኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ:
ኣብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ክሳተፉ ዘኽእሎም ካልእ ስራሕ ድማ ረኸቡ።ነቲ ማዕበል ምህዳእ
ኣብዚ ቐረባ እዋን: ገለ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሓን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓደገኛ ሃይማኖታዊ ኣንቈራ ገይሩ ኣጸሊምዎም ኢዩ። ብ1996 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ትሽዓተ ሚልዮን ንላዕሊ ዝኸውን ፍሉይ ሓበሬታ ዝሓዘት ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብዛዕብኦም ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም ዘርእስታ ትራክት (ፈረንሳይኛ) ኣብ ምዕዳል ብምሉእ ልቦም ተኻፊሎም ኢዮም። ብዙሕ ኣወንታዊ ፍረ ኸኣ ተረኽበ።
ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምብጻሕ ጻዕሪ ተገይሩ ኢዩ። ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመስጊኖምዎም ኢዮም። ሓደ ኣማኻሪ ምምሕዳር ከተማ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዛ ትራክት እዚኣ ብምዝርጋሖም ጽቡቕ ኢዮም ገይሮም። እቲ ጸለመ ሓሶት ምዃኑ ኣቃሊዖም ኢዮም።” ሓደ ሓኪም “ንነዊሕ እዋን ነዚ ኢየ ኽጽበ ጸኒሐ!” በለ። ሓደ ኣብ ፓሪስ ዝነብር ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብዛዕብኦም ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም ዘርእስታ ትራክት ብኣጋጣሚ ኢየ ኣንቢበያ። ዝያዳ ኽፈልጥን ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረለይን እደሊ ኢየ።” ሓንቲ ሰበይቲ ድማ “ስለ ቕንዕናኹም ነመስግነኩም” ኢላ ጸሓፈት። ሓንቲ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ከኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣብ መወዳእታኡ ነዚ ሓሶት መልሲ ሂብኩምሉ” በለቶም።
ብ1997 “ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ካቶሊክ” ክኽበር ከሎ ብዙሓት ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ስብከት ወፈራ ገይሮም ስለ ዝነበሩ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ዀይንሎም ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ልዕሊ 35 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝኸውን ሙቐት እኳ እንተ ነበረ: 2,500 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ወፍሪ ተኻፊሎም ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት: 18,000 ቅዳሓት ናይታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ነቶም ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ዓደልዎም። እቶም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስም የሆዋ ጽቡቕ ምስክርነት ሂቦምን ዘርኢ ሓቂ ዘሪኦምን ጥራይ ዘይኰኑስ ተነቓቒሖም እውን ኢዮም። ሓንቲ ኣብዚ ፍሉይ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ገለ ኽፋል ዕረፍታ ዝሰውአት መንእሰይ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “የሆዋ ኣብ ምድሪ ንስሙ ንምውዳስ ጉልበቶም ዝውፍዩ ሕጉሳት ሰባት ኣለዉዎ። እዘን ክልተ መዓልትታት ብዙሕ ዓስቢ ስለ ዝነበረን: ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝረኽቦ ዕረፍቲ እውን ምተገብአን! (መዝሙር 84:10)”
ብ28 ለካቲት 1998 መበል 65 ዓመት ናይቲ ሂትለር ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተኣገዱ ዝገልጽ ኣዋጅ ዘውጽኣሉ መዓልቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣደራሻት ብምክራይ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ መስጐጕቲ እትገልጽ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኣዩ። ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዝኸውን ናይ ዕድመ ወረቐት ተዓደለ። ጸሓፍቲ ታሪኽን ቀደም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ እሱራትን ልቢ ዝትንክፍ ምስክርነት ሃቡ። ኣብ ፓሪስ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ዝርከብዎም ዳርጋ 5,000 ዝዀኑ ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ።
ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ንመንፈሳዊ ብርሃን የማስውሉ ኢዮም: ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ብርሃናት መጠን ምብርሆም ድማ የሐጕሶም ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኢዩ:- “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።” (ማቴዎስ 9:37) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ፓሪስ ንምስባኽ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምስጋር ቈራጻት ብምዃኖም: ነዛ ኸተማ ብፍሉይ መልክዕ ንውዳሰ የሆዋ እትኸውን ከተማ ብርሃን ገይርዋ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ናይታ ኸተማ ኣደራሽ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ቤተ-መዘክር ሉቭር
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኦፔራ ጋርኒዮ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዝርከቡ ግዜ ዘይብሎም ሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋል