ኣብ ፌደራላዊ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ እተረኽበ ዓወት
ኣብ ፌደራላዊ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ እተረኽበ ዓወት
ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ካርልዝሉ ዝርከብ ፌደራላዊ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ዓቢ ዓወት ረኺቦም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ምስ ተፈላጥነት ምርካብ ኣብ ዝተሓሓዝ ጕዳይ ኣገዳሲ ስጕምቲ ሰጒሞም ኣለዉ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ጀርመን ዕዮ ስብከቶም ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መበል 20 ዘመን ምልካዊ ስርዓታት ናዚን ኮምዩኒስትን ከቢድ መስጐጕቲ ኣሕሊፎም ኢዮም። ካብ 1990 ኣትሒዞም ከም ንህዝቢ ዝጠቅም ትካል መጠን ሕጋዊ ተፈላጥነት ንምርካብ ኽጽዕሩ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ክልተ ዓወትን ሓደ ስዕረትን ምስ ኣጋጠሞም: ናብ ፌደራላዊ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ በሉ: እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ኸኣ ብ19 ታሕሳስ 2000 ውሳነ ሃበ።
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድግፍ ብምሉእ ድምጺ እተዋህበ ውሳነ
እቶም ሸውዓተ ደያኑ ናይቲ ቤት ፍርዲ ብምሉኦም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድግፍ ውሳነ ኣሕለፉ። እቶም ደያኑ ነቲ ብ1997 ብፌደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ እተገብረ ውሳነ ነጸግዎ: ነቲ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘቕረብዎ ሕቶ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ኣዘዝዎ።
እቲ ፌደራላዊ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖታዊ ጕጅለታትን ብዛዕባ ዘሎ መሰረታዊ ርክብ ሓሳብ ሂቡ ኢዩ። ብመሰረቱ: ሓደ ሃይማኖት ምስ ምንታይ ክምደብ ከም ዘለዎ “ዝውሰን ብዝኣምኖ ነገራት ዘይኰነስ: ብዘንጸባርቖ ባህርያት ኢዩ።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ክርስትያናዊ ገለልትነቶም” ምሕላዎም: “ንደሞክራሲያዊ ስርዓታት ከም ዘይቃወሙ” ከምኡውን “ንደሞክራሲ ብኻልእ ዓይነት መንግስቲ ኽትክእዎ ከም ዘይደልዩ” እቲ ቤት ፍርዲ ተዓዚቡ ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ዘይምክፋሎም ሕጋዊ ተፈላጥነት ክወሃቦም ንዘቕረብዎ ሕቶ: ተቐባልነት ንኸይረኽቡ ከም መርትዖ ገይርካ ኽውሰድ የብሉን።—ዮሃንስ 18:36፣ ሮሜ 13:1
እቲ ቤት ፍርዲ ቐጺሉ ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ወይ ካልእ ሃይማኖት ዝስዕብ ሰብ: እቲ መንግስቲ ዝሓቶ ነገራት ምስቲ ኣብ ሃይማኖቱ ኸማልኦ ዝሕተት ብቕዓታት ክጋጨዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ውልቀ-ሰብ “ካብቲ ሕጊ ንላዕሊ ንሃይማኖታዊ እምነቱ እንተድኣ ተኣዚዙ:” እቲ መንግስቲ ንሃይማኖታዊ ሓርነት ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ምኽኑይ ከም ዝዀነ ገይሩ ክወስዶ ይኽእል ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
እቲ ቤት ፍርዲ ዝገበሮ ውሳነ ንኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሓን ስሒቡ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጸብጻብ ዘይሓዘት ኣብ ጀርመን እትሕተም ጋዜጣ ዳርጋ የላን። ኵለን ዓበይቲ መደበር ተለቪዥንን ረድዮን ብዛዕባ እዚ ዘዳለዋኦ ጸብጻባት ወይ ቃለ-መጠይቓት ኣመሓላሊፈን ኢየን። ስም የሆዋ ኣብ ጀርመን ክሳዕ ክንድዚ ተፈላጥነት ረኺቡ ኣይፈልጥን።
[ምንጪ ስእሊ]
AP Photo/Daniel Maurer