ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና”

“ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና”

“ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና”

 ኤለክትሪክ ኣቋሪጹ ከባቢና ብጸልማት ክሳዕ ዝወሓጥ መብዛሕትኡ ግዜ ንብርሃን ዓቢ ግምት ኣይንህቦን ኢና። እቲ ዘሐጕስ ግን እታ ኣብ ሰማይ እትርከብ “መደበር ጸዓት” ዝዀነት ጸሓይ ብርሃና ኸም ዘይተቋርጽ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ሳላ እቲ ኻብ ጸሓይ እንረኽቦ ብርሃን ከኣ ክንርኢ: ክንበልዕ: ከነስተንፍስ: ከምኡውን ክንነብር ክኢልና ኣሎና።

ብርሃን ንህይወት ኣዝዩ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ: ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ፍጥረት ብርሃን ከም እተራእየ ምስ እነንብብ ክንግረም የብልናን። “ኣምላኽ ከኣ፤ ብርሃን ይኹን: በለ። ብርሃን ድማ ዀነ።” (ዘፍጥረት 1:⁠3) ከም ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰሉ ንኣምላኽ ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት: የሆዋ ምንጪ ህይወትን ብርሃንን ምዃኑ ወትሩ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ዳዊት “ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ: ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 36:⁠9

ቃላት ዳዊት ቃል ብቓሉ ከምኡውን ብምሳልያዊ መገዲ ኽውሰድ ይከኣል ኢዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “ንኽንርኢ ዘኽእለና ብርሃን ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ” በለ። ወሲኹ ድማ “ካብ ካልእ ህዋስ ኣካል ንላዕሊ ብዓይንና ኣቢሉ ናብ ሓንጐል ዝበጽሕ ሓበሬታ ይበዝሕ” በለ። መብዛሕትኡ እንፈልጦ ነገራት ኣብ ናይ ምርኣይ ክእለትና እተመርኰሰ ስለ ዝዀነን ንኽንርኢ እውን ብርሃን ስለ ዘድልየናን: ቅዱሳት ጽሑፋት ንብርሃን ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀመሉ ኢዩ።

ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” ዝበሎም። (ዮሃንስ 8:⁠12) የሱስ ዝጠቐሶ ምሳልያዊ ብርሃን: እቲ ንኣእምሮን ኣልባብን ሰማዕቱ ኸብርህ ዝኽእል ዝሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ሓቂ ኢዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ጸልማት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ዕላማን ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽን ክርድኡ ኸኣሉ። እዚ ፍልጠት እዚ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ስለ ዝዀነ: ብሓቂ “ብርሃን ህይወት” ኢዩ ነይሩ። የሱስ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኽጽሊ ኸሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ንሕና እውን ነዚ መንፈሳዊ ብርሃን እዚ ፈጺምና ዕሽሽ ኣይንበሎ!