ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስርዓታት ኣምላኽ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ

ስርዓታት ኣምላኽ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ

ስርዓታት ኣምላኽ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ

 እንስሳታት ብባህረት ዝምርሑ ምዃኖም ከም እትፈልጥ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዝበዝሕ ማሽናት ብመምርሒታት ከም ዝንቀሳቐስ ገይርካ ኢዩ ተነዲፉ። ሰባት ግን ብስርዓታት ክምርሑ ኢዮም ተፈጢሮም። ብዛዕባዚ ኸመይ ገይርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ የሆዋ እቲ ምንጪ ዅሉ ጻድቕ ስርዓታት ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ክፈጥር ከሎ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ኢሉ ኢዩ። ፈጣሪ መንፈስ ኢዩ፣ ከምዚ ናትና ብዓይኒ ዝርአ ኣካል የብሉን: እምበኣር ከም ‘ምስሉ’ ተፈጢርና ክበሃል ከሎ ብእተወሰነ ደረጃ ነቲ ሰናይ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕ ስለ እንኽእል ኢዩ። ደቅሰብ ንህይወቶም በቲ ቕኑዕ ኢሎም ዝኣምንሉ ስርዓታት ናይ ምምራሕ ተኽእሎ ኣለዎም። የሆዋ ኣብ ቃሉ ብዙሕ ስርዓታት ከም ዝምዝገብ ገይሩ ኣሎ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠26፣ ዮሃንስ 4:⁠24፣ 17:⁠17

‘መጽሓፍ ቅዱስ ብኣማእታት ዝቝጸር ስርዓታት ስለ ዘለዎ ንዅሉ ኸጽንዖ ኣይክእልን ኢየ’ ዝብሉ ሰባት ግን ኣይሰኣኑን ኢዮም። እዚ ልክዕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኵሉ ስርዓታት ኣምላኽ ጠቓሚ እኳ እንተዀነ: ገሊኡ ግን ካብቲ ኻልእ ዝያዳ ኽብደት ኣለዎ። ነዚ ኸኣ ኣብ ማቴዎስ 22:⁠37-39 ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሱስ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ እተዋህበ ትእዛዛትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ስርዓታትን ገሊኡ ኻብቲ ኻልእ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣርኣየ።

ኣየናይ ስርዓታት ኢዩ ዝያዳ ኽብደት ዘለዎ፧ ካብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ዝበሃል እቲ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ቀጥታዊ ጽልዋ ኽገብር ዝኽእል ኢዩ። ነዚ ነቕልበሉ እንተድኣ ዄንና: ፈጣሪ ኣብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኮምፓስና ቐንዲ ጽልዋ ይህልዎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ ዝትንክፍ ስርዓታት እውን ኣሎ። ነዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ ዝዀነ ይኹን ስያመ ይወሃቦ ብዘየገድስ ንኽንጻረሮ ኽሕግዘና ኢዩ።

እምበኣር ብሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓቅታት እስከ ንጀምር። እዚ ሓቂ እዚ እንታይ ኢዩ: ንህይወትናኸ ብኸመይ ይጸልዎ፧

“ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል”

ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ዓብዪ ፈጣሪናን ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽን ምዃኑ ብንጹር ይገልጾ ኢዩ። መዳርግቲ ዀነ መተካእታ የብሉን። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዝርከብ ኣገዳሲ ሓቂ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 17:⁠1፣ መክብብ 12:⁠1

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ “ንስኻ . . . በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል [ኢኻ]” በለ። እቲ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት “ጐይታየ: እታ መንግስትስ ናትካ እያ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ፍሉጥ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ “ዎ እግዚኣብሄር: ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን: ንስኻ ዓብዪ ኢኻ: ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ” ኢሉ ንኽጽሕፍ ተደሪኹ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 83:⁠18፣ 1 ዜና መዋእል 29:⁠11፣ ኤርምያስ 10:⁠6

ነዚ ብዛዕባ ኣምላኽ እተገልጸ ሓቅታት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና፧

ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ መን ምዃኑ ንጹር ኢዩ፣ ንሱ ድማ እቲ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ኢዩ። እምበኣር ናብ ገዛእ ርእስና ኣቓልቦ ከም እንስሕብ ዝገብረና ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ኽንጻረርሲ ግቡእዶ ኣይኰነን፧ እዚ ዝንባለ እዚ ኣብ ገሊኣቶም ዝሓየለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ መምርሒ ዝዀነና ጥበባዊ ስርዓት “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዝብል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠31) በዚ መዳይ እዚ ነብዪ ዳንኤል ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ።

እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ሓደ እዋን ንጉስ ነቡካድነጻር ሕልሚ ብምርኣዩ ከም እተረበሸን ትርጕሙ ኽፈልጥ ከም ዝሓተተን ይነግረና ኢዩ። እዚ ንኻልኦት ከጸግሞም ከሎ: ዳንኤል ግን ነቲ ንጉስ ክፈልጦ ዝደለዮ ነገራት ብትኽክል ነገሮ። ዳንኤል በዚ ኽብሪ ተቐቢሉ ድዩ፧ ኣይፋልን: የግዳስ ነቲ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ ምስጢራት ዝገልጽ ኣምላኽ’ ክብሪ ሃበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ . . . ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰነን” በለ። ዳንኤል ብስርዓታት ዝመላለስ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል: ሰለስተ ሳዕ ኣብ ኣምላኽ “ኣዚኻ ፍትዊ” እንተ ተባህለሉ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠28, 30፣ 9:⁠23፣ 10:⁠11, 19

ንዳንኤል እንተ መሰልካዮ ኽትጥቀም ኢኻ። ናይ ዳንኤል ኣብነት ኣብ ምስዓብ ድራኸ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። በቲ እትገብሮ ነገራት መን ኢዩ ክኸብር ዘለዎ፧ ኵነታትካ ብዘየገድስ ምስቲ ‘የሆዋ ሉዓላዊ ጐይታ ኢዩ’ ዝብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ ክእለት ኣሎካ። ከምዚ ብምግባርካ ኸኣ ኣብ የሆዋ “ኣዚኻ ፍትዊ” ኽትከውን ኢኻ።

ቀጺልና ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ክመርሓና ዝኽእል ክልተ መሰረታዊ ስርዓታት ንርአ። ኣብዚ ብዛዕባ ርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ እዋን: ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

“ብትሕትና”

እቶም ንርእሶም ቀዳማይ ቦታ ዝህቡ ዕግበት ዳርጋ ኣይረኽቡን ኢዮም። መብዛሕትኦም ወትሩ ዝሓሸ ህይወት ኢዮም ዝደልዩ: ነዚ ድማ ሕጂ ኽረኽብዎ ኢዮም ዝደልዩ። ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ከም ድኽመት ኢዮም ዝቘጽርዎ። ዓቕሊ ድማ ካልኦት ከርእይዎ ዘለዎም ባህሪ ጥራይ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ጸብለል ንኽብሉ ኢሎም ዘይገብርዎ ነገር የለን። ካብዚ እተፈልየ ዓይነት ባህሪ ኽህልወካ ዝኽእልዶ ይመስለካ፧

ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚ ባህሪ እዚ መዓልታዊ የጋጥሞም ኢዩ: እንተዀነ ግን ጽልዋ ኽገብረሎም ኣየፍቅዱን ኢዮም። ብሱላት ክርስትያናት “እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር: እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ” ንዝብል ስርዓት ይቕበሉ ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 10:⁠18

ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:⁠3, 4 ዝርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ይሕግዝ ኢዩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ብምባል ኢያ እተተባብዕ። በዚ ኸምዚ ኸኣ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ [ኣይጥምትን]።”

ብዛዕባ ርእስኻ ጥዑይ ኣረኣእያ ምህላውን ንርእስኻ ግቡእ ግምት ብምሃብን ዝመጸ እቲ ኻብ መሳፍንቲ ጥንታዎት እብራውያን ዝነበረ ጊዴዎን ኣብነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መራሒ እስራኤል ክኸውን ኣይደለየን። ነዚ ቦታ እዚ ኽሕዞ ምስ ተመዘዘ: ብቑዕ ከም ዘይኰነ ሓበረ። “እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ: ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ” ብምባል ገለጸ።​—⁠መሳፍንቲ 6:12-16

ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ንጊዴዎን ዓወት ምስ ሃቦ: ሰብ ኤፍሬም ክበኣስዎ ደለዩ። ጊዴዎን ግን እንታይ ምላሽ ሃበ፧ በቲ ዝረኸቦ ዓወት ንገዛእ ርእሱ ኽብ ኣቢሉ ርእይዋዶ ኢዩ፧ ኣይፋልን። “ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፧” ዝብል ልኡም ምላሽ ብምሃብ ነቲ ኽስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ጥፍኣት ኣወገዶ። ጊዴዎን ትሑት ኢዩ ነይሩ።​—⁠መሳፍንቲ 8:⁠1-3

ልክዕ ኢዩ: ጊዴዎንን ዘሕለፎ ዅነታትን ጥንቲ ዘጋጠመ ጕዳይ ኢዩ። ገና ግን: ነዚ ጸብጻብ እዚ ብምምርማር ጥቕሚ ኽርከብ ይከኣል ኢዩ። ጊዴዎን ካብዚ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ እተፈልየ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮን ኣብ ናብራ ህይወቱ ብእኡ ኸም እተመላለሰን እዚ ድማ ኸም ዝጠቐሞን ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና።

እዚ ሕጂ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምትኳር ኣረኣእያ ነቲ ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ግምት ኸዘምብዖ ይኽእል ኢዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈጣሪናን ምስ ካልኦትን ብምውድዳር ናይ ሓቂ ቦታና እንታይ ምዃኑ ብምምሃር ንኸምዚ ዝበለ ምዝምባዕ የዐርዮ ኢዩ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ: ነዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ባህሪ ኸነርሕቖ ንኽእል ኢና። ድሕሪ ደጊም ብስምዒትናን ብውልቃዊ ጠባይናን ኣይንምራሕን ኢና። ብዛዕባ ጽድቃዊ ስርዓታት ዝያዳ ብእተመሃርና መጠን: ምስቲ ምንጪ ናይቲ ስርዓታት ዝያዳ ኢና እንፋለጥ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ንስርዓታት ኣምላኽ ፍሉይ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና።​—⁠ሳጹን ርአ።

የሆዋ ንደቅ​ሰብ ካብቶም ብቐዳምነት ብባህረት ጥራይ ዝምርሑ እንስሳታት ልዕል ኣቢልዎም ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምስዓብ ክበሃል ከሎ ንመለኮታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘጠቓልል ኢዩ። በዚ ኸምዚ ነቲ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኮምፓስና ኣንፈቱ ኸም ዘይስሕት ማለት ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሓድሽ ኣገባብ ከም ዝመርሓና ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኣብ መላእ ምድሪ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ሓድሽ ኣገባብ ንኽንጽበ እኹል ምኽንያት ይህበና ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገለ ጠቓሚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት:-

“ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 10:24

“ፍቕሪ . . . ናታ ኣይትደልን።”​—⁠1 ቈረንቶስ 13:4, 5

“ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ።”​— ኤፌሶን 5:33

“ኣትን ኣንስቲ: . . . ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።”​— ቈሎሴ 3:18

“ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ: ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ።”​— ምሳሌ 23:22

ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ንግዲ:-

“ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ: . . . ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ።”​— ምሳሌ 11:1, 18

“እቲ ዝሰረቐ . . . በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ።”​— ኤፌሶን 4:28

“ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕ።”​—⁠2 ተሰሎንቄ 3:10

“እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ።”​— ቈሎሴ 3:23

“ኣብ ኵሉ ሓቀኛታት ኴንና ኽንመላለስ ንደሊ ኢና።”​—እብራውያን 13:​18 NW

ብዛዕባ ሃብቲ ኽህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ:-

“እቲ ኺህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን [“ብንጽህና ኣይመላለስን NW ]።”​—ምሳሌ 28:20

“ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን።”​—⁠መክብብ 5:10

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኽህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ:-

“ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ክብሪ ምስ ዝደልዩኸ: ክብሪዶ ኢዩ፧”​—ምሳሌ 25:⁠27 NW

“ካልእ ይንአድካ ኣፍካ ኣይኰነን።”​— ምሳሌ 27:2

“ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ . . . እብሎ አሎኹ።”​—ሮሜ 12:3

“ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ንርእሱ ይጥብር አሎ።”​—⁠ገላትያ 6:3

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል ንኣምላኽ እቲ ዝግባእ ኽብሪ ሃቦ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ብስርዓታት ኣምላኽ ምስ እንምራሕ: ርክብና ባህ ዘብልን ዘሐጕስን ንኽኸውን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./Robert Bridges