ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

 ቅድሚ ሕጂ ነዘን ቃላት እዚኣተን ሰሚዕካየን ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙማት ንእተኣዘዘልካ ሕክምና ቀቅድሚ ምጅማሩ ከምኡ ኢሉካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ካብ ቃንዛ ንኽትሃድም ኢልካ ጥራይ ‘ሕክምና ክግበረለይ ኣይደልን’ ከም ዘይበልካ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መጻኢ ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ቃንዛኻ ተጸሚምካ ኢኻ። አረ ኣብ ከቢድ ኵነታትሲ ነቲ ዘቐንዙ ሕክምና ምቕባል ወይ ዘይምቕባል ናይ ሞትን ሕየትን ጕዳይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኵሉ ሳዕ ሕክምና የድልየና ኢዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ ዅላትና ዘይፍጹማት ብምዃንና ወትሩ ተግሳጽ ወይ መአረምታ የድልየና ኢዩ። አረ ሓድሓደ ግዜስ እዚ ተግሳጽ እዚ ዘሕምም እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣድላዪ ነገር እዚ ኣብ ቈልዑ ኸውዕሎ ኸሎ ከምዚ ብምባል የጕልሕ:- “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ: ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።”—ምሳሌ 22:15

እቲ ኣብዚ ሸቦጥ ተባሂሉ ዘሎ ንናይ ወለዲ ስልጣን ዘመልክት ኢዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ተግሳጽ ከም ዘይፈትዉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ተግሳጽ ብመልክዕ መቕጻዕቲ ምስ ዝወሃቦም ከኣ ከማርሩ ይኽእሉ ኢዮም። ለባማትን ፈቃራትን ወለዲ ግን ኣብቲ ንውሉዶም ዝስምዖ ሕማቕ ስምዒት ዘይኰነስ ኣብቲ ዘምጽኦ ረብሓ ኢዮም ዝጥምቱ። ክርስትያን ወለዲ እቲ “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ዝብል ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም።—እብራውያን 12:11፣ ምሳሌ 13:24

ርግጽ ኢዩ: ተግሳጽ ዘድልዮም ቈልዑ ጥራይ ኣይኰኑን: ዓበይቲውን የድልዮም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውን” ብምባል እተዛረቦም ንዓበይቲ ኢዩ። (ምሳሌ 4:13) እወ: መስተውዓልቲ ሰባት ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ተግሳጽ ይቕበሉ ኢዮም: ከምዚ ምግባሮም ከኣ ኣማስያኡ ንህይወቶም ዕቝባ ኢዩ።