ንሻፋንን ስድራቤቱን ትፈልጦምዶ፧
ንሻፋንን ስድራቤቱን ትፈልጦምዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: ብዛዕባ ሻፋንን ብዛዕባ እቶም ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮም ኣባላት ስድራቤቱን ዝጠቅስ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ እንታዎት እዮም ነይሮም፧ እንታይከ እዮም ገይሮም፧ ካባታቶምከ እንታይ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንሻፋን ምስቲ ዮስያስ ብ642 ቅ.ኣ.ዘ. ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ንምቛም ዝገበሮ ወፈራ ብምትሕሓዝ “ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹለም” ብምባል እዩ ዘፋልጠና። (2 ነገስት 22:3) ኣብተን ዝሰዓባ 36 ዓመታት ማለት ክሳዕ እቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝዓነወትሉ እዋን ዘሎ ግዜ ኣሒቃም: ኤልዓሳ: ገማርያ: የኣዛንያ ዝበሃሉ ደቁን ሚካያ: ገዳልያ ዝበሃሉ ደቂ ደቁን ተጠቒሶም ኣለዉ። (ሰሌዳ ርአ።) ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ “ኣባላት ስድራቤት ሻፋን ካብ ግዜ ዮስያስ ክሳዕ ምርኮ ኣብ ዝነበረ ግዜ ንቢሮክራሲ [ናይ መንግስቲ ይሁዳ] ተቘጻጺሮም: ጸሓፍቲ ንጉስ ናይ ምዃን ስልጣን ድማ ሒዞም ነይሮም” ይብለና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሻፋንን ኣባላት ስድራቤቱን ዝብሎ ነገራት እንደገና ምስ እንምርምሮ ንነብዪ ኤርምያስን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋን ብኸመይ ከም ዝደገፉ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።
ሻፋን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ደገፈ
ብ642 ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ ዮስያስ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ኸሎ: ሻፋን ጸሓፍን ቀዳሕን ኰይኑ ይዓዪ ነበረ። (ኤርምያስ 36:10) እዚ ዕዮ እዚ እንታይ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ፧ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ መዝገበ-ፍልጠት ናይ ንጉስ ጸሓፊ ኽበሃል ከሎ ቀንዲ ኣማኻሪ ንጉስ: ንፋይናንሳዊ ጕዳያት ዝቈጻጸር: ብዲፕሎማሲ ዝመጸ ኽኢላ: ብዛዕባ ወጻኢ ጕዳያትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላት ንግድን ሰፊሕ ፍልጠት ዝነበሮ ምንባሩ ይገልጸልና እዩ። ስለዚ: ሻፋን ናይ ንጉስ ጸሓፊ ብምንባሩ ኣብታ መንግስቲ ዓብዪ ጽልዋ ኻብ ዘለዎም ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ።
ዓሰርተ ዓመት ይገብር: ንጉስ ዮስያስ ገና ብንእሽቶኡ “ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ።” ሻፋን ብዘይጥርጥር ካብ ዮስያስ ብዕድመ ኣጸቢቑ ይዓቢ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ: ስለዚ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ጽቡቕ ምኽሪ ሂብዎን ኣብቲ ዮስያስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ንምቛም ዝገበሮ ቐዳማይ ወፈራ ደጊፍዎን ክኸውን ይኽእል እዩ። a—2 ዜና መዋእል 34:1-8
እታ ቤተ መቕደስ ክትጽገን ከላ “መጽሓፍ ሕጊ” ተረኽበ: ሻፋን ከኣ ነቲ መጽሓፍ “ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።” ዮስያስ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ምስ ሰምዐ ሰምበደ: እሙናት ሰብኡት ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ንየሆዋ ንኽሓቱ ድማ ናብ ነብዪት ሑልዳ ሰደዶም። እቲ ንጉስ ንሻፋንን ንወዱ ኣሒቃምን ምስዞም ልኡኻት ብምልኣኽ ኣባታቶም ዝነበሮ እምነት ኣርኣየ።—2 ነገስት 22:8-14፣ 2 ዜና መዋእል 34:14-22
ሻፋን ብዛዕባ ዝገበሮ ነገር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ጥራይ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ። ኣብ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከም ኣቦ ወይ ኣባሓጎ ዀይኑ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ደቂ ሻፋን እውን ምስ ነብዪ ኤርምያስ ጥብቂ ርክብ ነበሮም።
ኣሒቃምን ገዳልያን
ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ: ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ንፈለማ ግዜ ምስቶም ናብ ነብዪት ሑልዳ እተላእኩ ልኡኻት ተጠቒሱ ኢና እንረኽቦ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ኣብ
ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ መዓርግ ኣሒቃም እኳ እንተ ዘይተገልጸ: ልዑል ስልጣን ከም ዝነበሮ ግን ንጹር እዩ” በለ።ድሕርዚ ኣጋጣሚ እዚ 15 ዓመታት ኣቢሉ ጸኒሑ: ህይወት ኤርምያስ ኣብ ሓደጋ ነበረት። ኤርምያስ ነቶም ህዝቢ: የሆዋ ንየሩሳሌም ከጥፍኣ ምዃኑ ምስ ነገሮም: “ካህናትን ነብያትን ኵሉ እቲ ህዝብን፤ . . . ሞት ክትመውት ኢኻ: እናበሉ ሐዝዎ።” ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ እቲ ዛንታ ቐጺሉ “ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ኢሎም ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎ ግና: ኢድ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ምስኡ ነበረት” ይብለና። (ኤርምያስ 26:1-24) እዚ እንታይ እዩ ዝሕብረና፧ ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሸነሪ “እዚ ፍጻመ እዚ ነቲ ኣሒቃም ዝነበሮ ጽልዋ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሱ ኸም ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ሻፋን ንኤርምያስ ብጽቡቕ ዓይኒ ይርእዮ ምንባሩ እውን ይሕብረና” ይብል።
ድሕርዚ: ዳርጋ 20 ዓመታት ጸኒሑ ማለት ባቢሎናውያን ንዮሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምድምሳሶምን ንዝበዝሕ ካብቲ ህዝቢ ናብ ምርኮ ምስ ወሰዱዎን: ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ኣብቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ምስለኔ ዀይኑ ተሸመ። ንሱኸ ከም ሻፋንን ካልኦት ኣባላት እቲ ስድራቤትን ንኤርምያስ ተኸናኺንዎ ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሽዑ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ሚጽጳ ኸደ እሞ: ምስኡ . . . ተቐመጠ” ዝብል ነንብብ ኢና። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ገዳልያ ተቐትለ: እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ድማ ንኤርምያስ ሒዞምዎ ናብ ግብጺ ገዓዙ።—ኤርምያስ 40:5-7፣ 41:1, 2፣ 43:4-7
ገማርያን ሚካያን
ገማርያ ወዲ ሻፋንን ሚካያ ወዲ ወዱ ንሻፋንን ኣብቲ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 36 ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመታት ኣገዳሲ ግደ ነይርዎም እዩ። እዋኑ ኸባቢ 624 ቅ.ኣ.ዘ.: ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ ንንጉስ ዮኣቂም እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝነበረ ባሩኽ ኣብ ቤት የሆዋ: “ኣብቲ ኽፍሊ ቤት ገማርያ: ወዲ ሻፋን” ኰይኑ ነቲ ኣብ መጽሓፍ እተጻሕፈ ቓላት ኤርምያስ ኣንበበ። ስለዚ: “ሚካያ: ወዲ ገማርያ ወዲ ሻፋን: ካብቲ መጽሓፍ ኵሉ እቲ ቓል እግዚኣብሄር . . . ሰምዔ።”—ኤርምያስ 36:9-11
ሚካያ ንኣቦኡን ንዅሎም ካልኦት መሳፍንትን ብዛዕባ እታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነገሮም: ኵላቶም እውን እንታይ ከም እትብል ክሰምዑ ደለዩ። እንታይከ ገበሩ፧ “ኰነ ድማ: ኵሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑ: ሰምቢዶም ንሓድሕዶም ቍሊሕ ቍሊሕ ተባሃሂሎም ንባሩኽ: ኵሉ እዚ ዘረባ እዚ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ: በልዎ።” ቅድሚ ንንጉስ ምንጋሮም ግን ንባሩኽ “ኪድ ንስኻ ምስ ኤርምያስ ተሐባእ: ኣበይ ከም ዘሎኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።—ኤርምያስ 36:12-19
እቲ ንጉስ ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ነቲ ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበረ መልእኽቲ ነጸጎ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከኣ እናቐደደ ኣብ ሓዊ ኣእተዋ። ገሊኣቶም ኤርምያስ 36:21-25) እታ ጀረማያ—ኣን ኣርክዮሎጂካል ኮምፓንየን ዘርእስታ መጽሓፍ “ገማርያ ንኤርምያስ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ ዮኣቂም ሓያል ደገፍ ይህቦ ነይሩ እዩ” በለት።
መሳፍንቲ እንተላይ ገማርያ ወዲ ሻፋን “ንንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ ለሚኖምዎ ኽነሶም: ኣይሰምዖምን።” (ኤልዓሳን የኣዛንያን
ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ንመንግስቲ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ: ‘ኵሎም ሓላቑን ኵሎም ሓያላት ጀጋኑን ኵሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን’ ድማ ተማረኹ፣ ነብዪ ህዝቅኤል እውን ሓደ ኻብዚኣቶም ነበረ። ባቢሎናውያን ከኣ ነቲ ጼዴቅያስ ኢሎም ስሙ ዝለወጡሉ ማታንያ ኣንገስዎ። (2 ነገስት 24:12-17) ጸኒሑ ጼዴቅያስ: ኤልዓሳ ወዲ ሻፋን ዝርከቦም ልኡኻት ናብ ባቢሎን ለኣኾም። ኤርምያስ ከኣ ነቲ የሆዋ ናብቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝለኣኾ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዝሓዘት ደብዳበ ብኤልዓሳ ገይሩ ሰደዳ።—ኤርምያስ 29:1-3
ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ሻፋንን ሰለስተ ደቁን ክልተ ደቂ ደቁን ነቲ ዝነበሮም ልዑል ስልጣን ንናይ ሓቂ ኣምልኾን ነቲ እሙን ዝነበረ ነብዪ ኤርምያስን ንምድጋፍ ከም እተጠቕሙሉ ይሕብረና እዩ። እቲ የኣዛንያ ዝበሃል ወዲ ሻፋን ደኣኸ ኸመይ ዝበለ ነበረ፧ ከምቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ኣይነበረን: የግዳስ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ተኻፊሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት ናይታ ህዝቅኤል ናብ ባቢሎን ተማሪኹ ዝኸደላ ማለት ከባቢ 612 ቅ.ኣ.ዘ. እዚ ነብዪ እዚ 70 ሰብኡት ነቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዝቘመ ጣኦታት ዕጣን ክዓጥኑ ብራእይ ረኣየ። ምሳታቶም ድማ የኣዛንያ ጥራይ ብስሙ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ ካብ ኵሎም እቶም ሰብኡት ምርኡይ ምንባሩ እዩ ዝሕብረና። (ህዝቅኤል 8:1, 9-12) ሓደ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት ምዕባዩ ጥራይ: እሙን ንክኸውን ውሕስነት ከም ዘይኰኖ ኻብ ታሪኽ የኣዛንያ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ በብግብሩ ተሓታቲ እዩ።—2 ቈረንቶስ 5:10
ብዛዕባ ሻፋንን ስድራቤቱን እተረኽበ ታሪኻዊ ሓቅነት
ሻፋንን ስድራቤቱን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ኣብ ይሁዳ ማሕተም ምጥቃም ዝውቱር ነበረ። ማሕተም ሓደ ነገር ንምምስካር ወይ ሰነዳት ንምፍራም የገልግል ነበረ። ካብ ክቡር ኣእማን: ማዕድን: ስኒ ሓርማዝ: ወይ ካብ ጥርሙዝ ድማ ይስራሕ ነበረ። ኣብቲ ማሕተም ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ስም ናይቲ ወናኒኡ: ስም ኣቦኡ: ሓድሓደ ግዜ ድማ መዓርግ ናይቲ ወናኒ ይቕረጽ ነበረ።
ኣብዚ ግዜና ብኣማእታት ዝቝጸር ኣሰር ማሕተም ኣብ ካይላታት ተረኺቡ እዩ። ብጥንታዊ እብራይስጢ እተቐርጸ ጽሑፋት ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ነማን
ኣቪጋድ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፍለጥ ኣስማት ዝጠቅስ ናይ እብራይስጢ እተቐርጸ ጽሑፋት ኣብዚ ማሕተም ዝገደፎ ኣሰራት ጥራይ እዩ ተረኺቡ” በለ። ገለ ኻብዚ እተቐርጸ ጽሑፋት ብዛዕባ ሻፋንን ስድራቤቱን ይጠቅስ ድዩ፧ እወ: ስም ሻፋንን ገማርያ ወዱን ኣብቲ ኣብ ገጽ 19ን 21ን ዝርአ ማሕተም ተረኺቡ እዩ።ምሁራት ኣብቲ ኣሰራት ማሕተም ምናልባት ስም ናይ ኣርባዕተ ኣባላት እታ ስድራቤት ከም ዘሎ ይገልጹ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ኣጻልያ ኣቦ ሻፋን፣ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን፣ ገማርያ ወዲ ሻፋን፣ ከምኡውን እቲ ኣብቲ ኣሰር ማሕተም “ርእሲ ስድራቤት” ጌርካ ተገሊጹ ዘሎ ገዳልያ እዮም። ኣብዛ ራብዐይቲ ማሕተም ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ምዃኑ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ: እታ ማሕተም ናይቲ ወዲ ወዱ ንሻፋን ዝነበረ ገዳልያ ኸም ዝዀነት ጌርካ እዩ ዝውሰድ። እቲ ኣብቲ ኣሰር ማሕተም ተጠቒሱ ዝርከብ መዓርጉ ሓደ ኻብቶም ኣብታ መንግስቲ ዝነበሩ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ምዃኖም ይሕብር እዩ።
እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
ሻፋንን ኣባላት ስድራቤቱን ነቲ ዝነበሮም ዝለዓለ ስልጣን ንናይ ሓቂ ኣምልኾን ነቲ እሙን ዝነበረ ኤርምያስን ኣብ ምድጋፍ ብምውዓሎም ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ገዲፎም! ንሕናውን ጥሪትናን ኣብ ካልኦት ዘሎና ጽልዋን ንማሕበር የሆዋ ዀነ ንኣመንቲ ብጾትና ኣብ ምድጋፍ ከነውዕሎ ንኽእል ኢና።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣዕሚቝና ምስ እንዅዕትን ንኸም እኒ ሻፋንን ኣባላት ስድራቤቱን ዝኣመሰሉ ጥንቲ ዝነበሩ መሰኻኽር የሆዋ ምስ እንፈልጦምን ብመንፈስ ዕቤት ንገብር: እምነትና እውን ትድልድል። ሻፋንን ስድራቤቱን እውን ምስቶም ኣብነቶም ክንስዕብ ዘሎና “ደበና ምስክር” እዮም ዝቝጸሩ።—እብራውያን 12:1
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዮስያስ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣሒቃም ወዲ ሻፋን እኹል ሰብኣይ ከም ዝነበረ ኣብ ግምት ብምእታው: ሻፋን ንዮስያስ ብዕድመ ኣጸቢቑ ይዓብዮ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።—2 ነገስት 22:1-3, 11-14
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]
ሑልዳ —ጽልዋ ዝነበራ ነብዪት
ንጉስ ዮስያስ እቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ እተረኽበ “መጽሓፍ ሕጊ” ምስ ተነበሉ: ንሻፋንን ነርባዕተ ኻልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ‘ንእግዚኣብሄር ክሓትዎ’ ኣዘዞም። (2 ነገስት 22:8-20) እቶም ልኡኻት ካብ መን እዮም መልሲ ኽረኽቡ፧ ኤርምያስ: ምናልባት እውን ናሆምን ጸፎንያስን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ይሁዳ እዮም ዝነብሩ ነይሮም፣ ሰለስቲኦም ድማ ነብያትን ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ነበሩ። እቶም ልኡኻት ግን ናብ ነብዪት ሑልዳ እዮም ከይዶም።
እታ ጀሩሳሌም—ኣን ኣርክዮሎጂካል ባዮግራፊ ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ብዝምልከት ኸምዚ ትብል:- “ብዛዕባዚ ፍጻመ እዚ እቲ ዘገርም ጕዳይ ወዲ ተባዕታይ ኰነ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ዛንታ ፈጺሙ ኣገዳስነት ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝርከብዎ ኮሚተ ንሓቅነት ናይታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሕጊ ንምርግጋጽ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ምቕራቡ ዘይግቡእ ገይሩ ዝሓሰቦ እኳ ኣይነበረን። ቃል ጐይታ ምዃኑ ምስ ነገረቶም: ነቲ ነገር ንምውሳን ዘለዋ ስልጣን ኣብ ሕቶ ዘእተዎ ኣይነበረን። እቶም ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረን ቦታ ዝግምግሙ ምሁራት መብዛሕትኡ እዋን ነዚ ፍጻመ እዚ ኸይተገንዘብዎ ይሓልፉ እዮም።” ልክዕ እዩ: እቲ መልእኽቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ እዩ ነይሩ።
ወለዶ ስድራቤት ሻፋን
መሹለም
ኣጻልያ
ሻፋን
ኣሒቃም
ኤልዓሳ
ገማርያ
የኣዛንያ
ገዳልያ
ሚካያ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ገማርያን ካልኦት መሳፍንትን ንዮኣቂም ነታ ኻብ ኤርምያስ ዝመጸት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ ለመንዎ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
የኣዛንያ ኣባል ስድራቤት ሻፋን እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ሓደ ራእይ ጣኦታት ከምልኽ ከሎ ተራእየ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy Israel Antiquities Authority
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy Israel Antiquities Authority