ንኣባላት ስድራቤትካ ፍቕርኻ ግለጸሎም
ንኣባላት ስድራቤትካ ፍቕርኻ ግለጸሎም
ቶሩ ንዮኮ ሰበይቱ “እስከ ኣንድድዮ!” ብምባል ኣጕባዕብዓላ። a ንሳ ድማ ብሕርቃን ክርቢት ሸርጢጣ ነቲ ናይ ክልቲኦም ስእሊ ኸተንድዶ በለት እሞ ምልስ ኢላ ድማ “ነዚ ገዛ ሓዊ ኽርኵዓሉ እየ!” በለቶ። ቶሩ ሆየ ጕንዲ እዝና ጨልገማ: እቲ ቘየቛኦም ከኣ ናብ ባእሲ ኣምርሐ።
ካብዚ ባእሲ እዚ ሰለስተ ዓመታት ኣቐዲሙ ቶሩን ዮኮን ሕጉሳት ሓደስቲ መርዑት ነበሩ። ኣብዚ ዘብጽሕ ደኣ እንታይ ተረኽበ፧ ቶሩ ፍሽሑው ሰብ ዝመስል እኳ እንተ ነበረ: ሰበይቱ ግን ፍቕሩ ዘይገልጸላን ዝበዝሕ ግዜ ንስምዒታ ዘይሓልን ምንባሩ እያ እትዛረብ። ነቲ እተርእዮ ፍቕሪ መሊሱ ፍቕሪ ዘየርኢ እዩ ዝመስል ነይሩ። ዮኮ ኸምዚ ኢላ ኽትነብር ስለ ዘይከኣለት ክትቅየምን ክትሓርቕን ጀመረት። ድቃስ ሰኣነት: ክትጭነቕ ጀመረት: ሸውሃታ ተዓጽወ: ብቐሊሉ ኽትንድር ጀመረት: ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕደረት: ከምኡውን ብፍርሂ ዳርጋ ልምስቲ ዀነት። ቶሩ ግን እቲ ኣብ ሓዳሩ ዝሰፍን ዝነበረ ሃዋሁ ዋላ እውን ኣየተሓሳሰቦን። እዚ ዅሉ ልሙድ ነገር ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎ።
“ክፉእ ዘመን”
ሎሚ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ልሙድ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ግዜና ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ክዀኑ ምዃኖም ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብርግጽ እምበኣር ኣብዚ ግዜና ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ የላን። እንተ ሃለወት እውን ኣባላት ስድራቤት ንሓድሕዶም ፍቕሮም ዳርጋ ኣይገልጹን እዮም።
ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ፍቕሮም ከም ዝገልጹሎም ኣይፈልጡን እዮም። ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ፍቕሪ ዘይብሉ ስድራቤት ስለ ዝዓበዩ: ፍቕሪ እንተ ረኺብካን ፍቕርኻ እንተ ገሊጽካን ንህይወት ዝያዳ መቐረት ከም ዝውስኸላ ኣይፈልጡን እዮም። ቶሩ ከምዚ ዓይነት ሽግር ዝነበሮ እዩ ዝመስል። ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣቦኡ ብስራሕ ትሑዝ ስለ ዝነበረ ኣምስዩ እዩ ገዝኡ ዝኣቱ ነይሩ። ንቶሩ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ተዛሪብዎ ኣይፈልጥን እዩ: እንተ ተዛረቦ እውን ሃሳዪ ቓላት እዩ ዘውስእ ነይሩ። ኣደ ቶሩ እውን ምሉእ መዓልቲ ትሰርሕ ስለ ዝነበረት ምስኡ ብዙሕ ግዜ ኣይተሕልፍን እያ ነይራ። ስለዚ: ተለቪዥን እያ ኣዕብያቶ። ኣብታ ስድራቤት ምንእኣድ ኰነ እሂን ምሂን ምብህሃል ኣይነበረን።
ባህሊ እውን ካልእ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፋል ላቲን ኣመሪካ: ኣብ ባህሎም ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ፍቕሩ ኣይገልጸላን እዩ። ኣብ ሓያሎ ምብራቓውያንን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን ሓደ ሰብ ብቓላት ወይ ብግብሪ ፍቕሩ እንተ ገሊጹ: ምስ ልምዲ ዓዱ እዩ ዝጻረር። ነንስቶም ወይ ንደቆም “አፍቅረኪ እየ” ወይ “አፍቅረካ እየ” ምባል ዝኸብዶም ሰብኡት ኣለዉ። ይኹን እምበር: ካብቲ ኣብ ግዜ ፈተና ዘይተበትከ ኣብ መንጎ እቲ ፈላሚ ስድራቤት ዝነበረ ድልዱል ርክብ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና።
ኣብ መንጎ ስድራቤት ዝነበረ ኣብነታዊ ርክብ
ኣብቲ ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ዝነበረ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንስድራቤታት ዝኸውን ብሉጽ ኣብነት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓደ ነቲ ሓደ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ፍቕሩ ይገልጸሉ እዩ። እቲ ድሓር የሱስ ክርስቶስ እተባህለ መንፈሳዊ ፍጡር ማእለያ ንዘይብሉ ዓመታት ምስ ኣቦኡ ባህ ዘብል ርክብ ነበሮ። ነቲ ዝነበሮም ፍቕሪ ድማ “ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ምሳሌ 8:30) እዚ ወዲ እዚ ኣቦኡ ኸም ዘፍቅሮ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ: ንየሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ኸም ዘሐጕሶ ኽዛረብ ክኢሉ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ወትሩ ሕጉስ ነበረ።
የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ምስ መጸ እውን ኣቦኡ ንዕኡ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ደጊሙ ኣረጋጊጹሉ እዩ። የሱስ ምስ ተጠምቀ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ዝብል ድምጺ ኣቦኡ ሰምዐ። (ማቴዎስ 3:17) እዝስ የሱስ ኣብ መጀመርታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝረኸቦ ኸመይ ዝበለ ዘተባብዕ ቃላት ኰን እዩ! ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሕለፎ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝዘከረሉ እዋን ስምረት ኣቦኡ ምስማዑ ልቡ ተንኪፍዎ ክኸውን ኣለዎ።
ስለዚ: የሆዋ ነቶም ኣብ መላእ ኣድማስ ዝርከቡ ስድራቤቱ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ፍቕሩ ብምግላጹ ዝበለጸ ኣብነት እዩ ዝዀነና። ንሕናውን ንየሱስ ክርስቶስ እንተ ተቐቢልናዮ: የሆዋ ኸፍቅረና እዩ። (ዮሃንስ 16:27) ካብ ሰማይ ድምጺ እኳ እንተ ዘይሰማዕና: ፍቕሪ የሆዋ ብፍጥረታቱ: ብመስዋእታዊ በጅነት የሱስ: ከምኡውን ብኻልእ መገዲ ኽግለጽ ከሎ ኽንርኢ ኢና። (1 ዮሃንስ 4:9, 10) የሆዋ ንጸሎትና ይሰምዖ: ንዓና ዝበለጸ ኽጠቕመና ብዝኽእል መገዲ ድማ ይምልሰልና እዩ። (መዝሙር 145:18፣ ኢሳይያስ 48:17) ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ብዘማዕበልና መጠን: ንፍቕሩ ዘሎና ሞሳ ነዕምቖ ኢና።
የሱስ ንኻልኦት ድንጋጽ: ሓልዮት: ሕያውነት: ከምኡውን ዓሚቝ ተገዳስነት ብኸመይ ከም ዘርኢ ኻብ ኣቦኡ እዩ ተማሂርዎ። ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ነቲ [ኣቦ] ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ: ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ።” (ዮሃንስ 5:19, 20) ንሕናውን እንተዀነ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገደፈልና ኣብነት ብምስዓብ ፍቕርና ብኸመይ ከም እንገልጽ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 1:8
ኣብ ስድራቤት ፍቕሪ ኽህሉ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧
“ኣምላኽ ፍቕሪ” ኻብ ኰነ ንሕናውን “ብመልክዑ” ኻብ ተፈጠርና: ናይ ምፍቃርን ፍቕርኻ ናይ ምግላጽን ተኽእሎ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 4:8፣ ዘፍጥረት 1:26, 27) ይኹን እምበር: ፍቕርና ኽንገልጽ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና: እዚ ግን ብሓንሳእ ከነጥርዮ ኣይንኽእልን ኢና። ፍቕርና ንምግላጽ ፈለማ ንበዓልቲ ኺዳንናን ንደቅናን ፍቕሪ ኽህልወና ኣለዎ። እቲ ዝፍቶ ባህሪኦም ኣብ መጀመርታ ንእሽቶ ነገር መሲሉ እኳ እንተ ተራእየካ: ነዚ ግን ኣስተውዕለሉ: ኣስተብህለሉ: ኣስተንትነሉ ኸኣ። ‘ሰበይተይ [ሰብኣየይ ወይ ደቀይ] ዋላ ሓንቲ ዝነኣድ ጐድኒ የብላን’ ትብል ትኸውን። እቶም ወለዶም ዘመራዕዉዎም ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኣይህልዎምን ይኸውን። ገሊኣቶም ሰብ ሓዳር ውሉዳት ክወልዱ ኣይደልዩን ነይሮም ይዀኑ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ብዛዕባ እታ ብዓስራይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ምሳልያዊት ሰበይቱ ዝነበረት እስራኤል ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ነብዪ ኤልያስ ኣብቶም ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ብዘይካኡ ዋላ ሓደ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ከም ዘየለ ኣብ ዝደምደመሉ እዋን: የሆዋ ኣድቂቑ ብምምርማር 7,000 ዝኣኽሉ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብል ባህርያት ዘለዎም ሰባት ረኸበ። ነቲ ኣባላት ስድራቤትካ ዘለዎም ኣወንታዊ ጐድኒ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ኽትመስሎ ትኽእልዶ፧—1 ነገስት 19:14-18
ካልኦት ኣባላት ስድራቤትካ ኸም እተፍቅሮም ክስምዖም እንተ ደሊኻ ግን: ፍቕርኻ ንኽትገልጸሎም ጻዕሪ ኽትገብር ኣሎካ። ዝነኣዱሉ ነጥቢ ምስ እትርኢ ናእዳኻ ብቓላት ግለጾ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ወሓለ ሰበይቲ ኽገልጽ ከሎ “ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ: ሰብኣያ ድማ . . . ይንእዳ” ብምባል ስድራቤታ ዝገብርዎ ነገር ይሕብረና። (ምሳሌ 31:28) ኣባላት ስድራቤት ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝነኣኣዱ እሞ ኣስተብህለሉ። ሓደ ኣቦ ንሰበይቱ ዝንእዳ እንተ ዀይኑ: ወዱ ምስ ዓበየ ንሰበይቱ ምእንቲ ኽንእድ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝዀኖ።
ወለዲ ንደቆም እውን ክንእዱ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ንውሉዳት ብዛዕባ ርእሶም ግቡእ ኣኽብሮት ንኽህልዎም ይሕግዝ። ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣኽብሮት እንተ ዘይብሉ: ‘ንብጻዩ ኸፍቅሮ’ ኣይክእልን እዩ። (ማቴዎስ 22:39) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ወለዲ ንደቆም ብዘይካ ነቐፋ: ናእዳ ዘይወጾም እንተ ዀይኖም: እቶም ውሉዳት ብዛዕባ ርእሶም ዝነበሮም ኣኽብሮት ብቐሊሉ ኸጥፍኡ ይኽእሉ: ንኻልኦት ፍቕሮም ንምግላጽ ድማ የጸግሞም።—ኤፌሶን 4:31, 32
ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
ፍቕሪ ኣብ ዘይንጸባረቐላ ስድራቤት እንተ ዓቢኻኸ፧ ፍቕርኻ ምግላጽ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግን ጸገም ከም ዘሎካ ኣሚንካ ምምሕያሽ ከም ዘድሊ ኣፍልጦ ኽትህበሉ የድሊ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብዙሕ ይሕግዘና እዩ። ምስ መስትያት ድማ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ንገዛእ ርእስና ኣብቲ ኸም መስትያት ዝኣመሰለ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ኽንርእያ ኸሎና: ኣብ ኣተሓሳስባና ዘሎ ጕድለት ወይ ኣበር ይረኣየና። (ያእቆብ 1:23) ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ: ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ዝንባለ ኸነዐሪ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 4:20-24፣ ፊልጲ 4:8, 9) ‘ንሰናይ ግብሪ ኸይሰልከና’ ወትሩ ኸምዚ ኽንገብር ኣሎና።—ገላትያ 6:9
ገሊኣቶም ብሰንኪ ኣተዓባብያኦም ወይ ባህሎም ፍቕሮም ምግላጽ ይኸብዶም ይኸውን እዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ዘይስገር ኣይኰነን። ክኢላ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዶ/ር ዳንየል ጎልማን ‘እቲ ብሕጻንነትና ኣብ ልብና ኣዝዩ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ልማድ እኳ ኸይተረፈ ክቕየር ይከኣል እዩ’ በለ። ኣስታት 19 ዘመን ኣቢሉ ይገብር: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሱር ዝሰደደ ዝንባለታትና እውን ከይተረፈ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክቕየር ከም ዝኽእል ሓቢሩ እዩ። ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም: ሓድሽ ሰብ ልበሱ’ ብምባል ከኣ ይምዕደና።—ቈሎሴ 3:9, 10
ሓንቲ ስድራቤት ነቲ ጸገማ ምስ ኣለለየቶ: ምስኡ ኣብ ዝተሓሓዝ ነጥብታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ትኽእል እያ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ምስ ፍቕሪ እትተኣሳሰር “ለውሃት” እትብል ቃል እንታይ ከም ዝብል ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኽትገብር ከሎኻ ምናልባት ነዛ እትስዕብ ጥቕሲ ትረክብ ትኸውን:- “ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።” (ያእቆብ 5:11) ድሕሪኡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታ እዮብ ሕስብ ኣብለሉ: ብፍላይ ድማ የሆዋ ንእዮብ ብኸመይ ለውሃትን ድንጋጽን ከም ዘርኣዮ ኣተኵረሉ። በዚ መዳይ እዚ ንስድራቤትካ ለዋህን ደንጋጽን ብምዃን ንየሆዋ ኽትመስሎ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ።
ያእቆብ 3:2) ኣብ ስድራቤትና ልሳንና ንምትብባዕ ኣይንጥቀመላን ንኸውን። ኣብዚ ኸኣ እዩ ጸሎትን ኣብ የሆዋ ምውካልን ዝጠቕመና። በቲ ዘጋጠመካ ኣይትተሓለል። ‘ከየባተኽካ ጸልይ።’ (1 ተሰሎንቄ 5:17) የሆዋ ነቶም ኣብ ስድራቤቶም ፍቕሪ ኽህሉን ፍቕሮም ክገልጹን ዝጽዕሩ ግን ከኣ ከምዚ ንምግባር ዕንቅፋታት ዘጋጥሞም ሰባት ይሕግዞም እዩ።
ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ግን ኣብ ዘረባና “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና።” (ብተወሳኺውን: የሆዋ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብሕያውነት ሓገዙ ይህብ እዩ። ያእቆብ “ኣብ ማእከልኩምከ [ብመንፈስ] ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 5:14) እወ: ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከቡ ሽማግለታት: ንኣባላት ናይተን ፍቕሪ ኣብ ምግላጽ ጸገም ዘለወን ስድራቤታት ክሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሓካይም ኣይኰኑን: ግናኸ ንኣመንቲ ብጾቶም እዚ ኽትገብሩ ኣሎኩም ብምባል ዘይኰነስ ብዛዕባ ኣረኣእያ የሆዋ ብምዝኽኻርን ምሳታቶም ሓቢሮም ምእንትኦም ብምጽላይን ብተኣማንነት ይሕግዙዎም እዮም።—መዝሙር 119:105፣ ገላትያ 6:1
ንቶሩን ዮኮን እውን ክርስትያናት ሽማግለታት ንጸገማቶም ጽን ኢሎም ሰሚዖምዎምን ኣጸናኒዖምዎምን እዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ሓድሓደ እዋን ዮኮ ካብ ሓንቲ ‘ንሰብኣያ ኣብ ምፍቃር ከተለብማ’ እትኽእል ተመክሮ ዘለዋ ክርስትያን ሰበይቲ ምእንቲ ኽትጥቀም: ሓደ ሽማግለ ምስ በዓልቲ ቤቱ ምብጻሕ ይገብሩሎም ነበሩ። (ቲቶስ 2:3, 4) ሽማግለታት ንስቓይን ጓህን ብጾቶም ክርስትያናት ስለ ዝርድእዎን ድንጋጽ ስለ ዘርእዩን “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ዀይኖምዎም ኣለዉ።—ኢሳይያስ 32:1, 2
ቶሩ ብሓገዝ ሕያዎት ሽማግለታት ስምዒታቱ ኣብ ምግላጽ ጸገም ከም ዘለዎን ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ሰይጣን ኣብ ስድራቤታት መጥቃዕቲ የውርድ ምህላዉን ኣስተውዓለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለዚ: ጸገሙ ኽፈትሕ ወሰነ። ፍቕሩ ምግላጽ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ምኽንያት ብንእሽቶኡ ኸሎ ፍቕሪ ዘርእዮ ስለ ዘይረኸበ ምዃኑ ኽርዳእ ጀመረ። ዕቱብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን ብምግባር ድማ ነቲ ስምዒታዊ ድሌት ዮኮ ብዝያዳ ኽርድኣላ ጀመረ።
ዮኮ ብቶሩ ተቘጢዓ እኳ እንተ ነበረት: ንኣተዓባብያኡ ምስ ተረድኣትሉን ጕድለታታ ኽትፈልጥ ምስ ጀመረትን ግን ኣብ ሰብኣያ ዘሎ ኣወንታዊ ጐድኒ ንምርኣይ ጻዕሪ ገበረት። (ማቴዎስ 7:1-3፣ ሮሜ 5:12፣ ቈሎሴ 3:12-14) ንሰብኣያ ኵሉ ሳዕ ንኸተፍቅሮ ምእንቲ ኽሕግዛ ንየሆዋ ካብ ልባ ለመነቶ። (ፊልጲ 4:6, 7) ኣማስያኡ: ቶሩ ንሰበይቱ ፍቕሩ ኽገልጸላ ጀመረ: እዚ ድማ ሓጐስ ኣምጽኣላ።
እወ: ንኣባላት ስድራቤትካ ንኸተፍቅርን ፍቕርኻ ንኽትገልጽን ዘጸግመካ እንተ ዀይኑ: ነዚ ጸገም እዚ ብርግጽ ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። ቃል ኣምላኽ ጽቡቕ መምርሒ ይህበና እዩ። (መዝሙር 19:7) ንኽብደት ናይቲ ጕዳይ ኣፍልጦ ብምሃብ: ኣወንታዊ ጐድኒ ኣባላት ስድራቤትካ ኽትርኢ ብምጽዓር: ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን: ብዕቱብ ጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካል: ከምኡውን ካብ ብሱላት ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝ ብምድላይ: ነቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ስድራቤትካ ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ ዕንቅፋት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ከምቲ ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ሰብኣይ ዝረኸቦ ዓይነት ሓጐስ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ እዋን ንሰበይቱ ፍቕሩ ኽገልጸላ መተባብዒ ተዋህቦ። ድሕርዚ ተቢዑ “አፍቅረኪ እየ” ምስ በላ ዘደንጹ መልሲ ሃበቶ። ኣዒንታ ንብዓት ቍጽርጽር እናበለ “ኣነውን አፍቅረካ እየ: እንተዀነ ግን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኢኻ ኸምዚ ኢልካኒ” በለቶ። እምበኣርከስ ንሰበይትኻን ንደቅኻን ዘሎካ ፍቕሪ ንምግላጽ ክሳዕ ክንድዚ ኣይትደንጒ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ብቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣቢሉ ሓገዝ ይህብ እዩ