ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘሐጕስ ኣኼባ ገይሮም

“ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘሐጕስ ኣኼባ ገይሮም

“ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘሐጕስ ኣኼባ ገይሮም

ስነ⁠-​ምግባራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንዓለም የናውጻ ኣሎ። ኣብ መንጎ እዚ ዅሉ ህውከት ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ሰላማዊ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ገይሮም እዮም። ካብ ግንቦት 2002 ኣትሒዙ: እዚ ኣኼባታት እዚ ኣብ መላእ ምድሪ ተኻይዱ እዩ።

እዚ ኣኼባታት እዚ ብሓቂ ዘሐጕስ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሃናጺ ትምህርትታት ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንርኣዮ።

ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ቅንኣት የሱስ ጐልሐ

ቀንዲ ኣርእስቲ ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ “ንቕንኣት ጐይታና የሱስ ቅድሕዎ” ዝብል ነበረ። (ዮሃንስ 2:17) ኣብቲ “ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ብምእካብኩም ተሓጐሱ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ነቶም ተኣከብቲ ኻብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ወትሩ ዓበይቲ ኣኼባታት ክገብሩ ኸለዉ ዝረኽብዎ ሓጐስ ክካፈሉ ጻውዒት ቀረበሎም። (ዘዳግም 16:15) ደድሕሪ እዚ ዝርርብ እዚ ምስ ቀናኣት ሰበኽቲ እቲ ብስራት ቃለ⁠-​መጠይቓት ተገይሩ እዩ።

ድሕሪኡ ኣብቲ “ብየሆዋ ተሓጐሱ” ዘርእስቱ ዝርርብ መዝሙር 37:1-11 በብሓደ ተገልጸት። በቲ እኩያት ዝረኽብዎ ኣሳልጦ ዝመስል ነገራት ‘ከይንዅሪ’ ምሕጽንታ ተዋህበ። እኩያት ብዛዕባና ሓሶት እኳ እንተ ነዝሑ: የሆዋ እሙናት ህዝቡ መን ምዃኖም ኣብ ግዜኡ ኸነጽሮ እዩ። እቲ “መማሰውቲ ኹኑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ንኣምላኽ ብኸመይ ሞሳ ኸነርእዮ ኸም እንኽእል ዝገልጽ ነበረ። ኵሎም ክርስትያናት “መስዋእቲ ምስጋና” ከቕርቡ ኣለዎም። (እብራውያን 13:15) ልክዕ እዩ: ንኣገልግሎት የሆዋ እንውፍዮ ግዜ ኣብቲ ዘሎና ሞሳን ኣብ ኵነታትናን እዩ ዝምርኰስ።

እቲ ሕመረት ዝርርብ “ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ይንቀሳቐሱ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ኣብቲ ዝርርብ: ቅንኣት ብምንጽብራቕ ዝመጸ የሱስ ክርስቶስ ዝበለጸ ኣብነት ከም ዝዀነና ተገልጸ። ብ1914 እታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ቈመት: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ቅንኣት ኣድልይዎም ነይሩ። እቲ ተዛራባይ ነቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ.: ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ዝቐረበ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ” ዝብል ጻውዒት ኣዘኻኸረና። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ቅንኣት ነቲ ዘደንቕ ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ህዝብታት ንኽእውጁሎም ደረኾም።

እቲ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐረበ “የሆዋ ምሳና እዩ እሞ ኣይትፍርሁ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ህዝቢ ኣምላኽ ቀንዲ ዒላማ ሰይጣን ምዃኖም ዝሕብር ነበረ። ምጽራር ዘጋጥመና እኳ እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉን ኣብዚ ግዜና ዝርከቡን ናይ እምነት ኣብነታት ምስ እንዝክር ንፈተናታት ብትብዓት ንኽንገጥሞ የኽእለና እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 41:10

ድሕርዚ: “ትንቢት ሚክያስ ብስም የሆዋ ንኽንመላለስ የበርትዓና” ዘርእስቱ ሰለስተ ኽፍልታት ዘለዎ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ቐረበ። እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ነቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነበረ ስነ⁠-​ምግባራዊ ውድቀት: ሃይማኖታዊ ኽሕደት: ከምኡውን ፍቕረ⁠-​ንዋይ ምስዚ ግዜና ኣወዳደሮ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “እዙዝ ልቢ እንተ ኣጥሪና: ኣካይዳና ቕዱስ እንተ ዀይኑ: ብፍርሃት ኣምላኽ እንተ ተመላሊስና: ከምኡውን መዓልቲ የሆዋ ብርግጽ ከም እትመጽእ እንተ ዘይረሲዕና: ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ርግጽ ክኸውን እዩ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:11, 12

እቲ ኻልኣይ ተዛራባይ ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ: ሚክያስ ንመራሕቲ ይሁዳ ኸም ዝዀነኖም ገለጸ። ከመይሲ: ነቶም ድኻታትን መሳኪንን የጋፍዕዎም ነበሩ። ይኹን እምበር: ሚክያስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝረኽቦ ዓወት እውን ተነብዩ እዩ። (ሚክያስ 4:1-5) በቲ ኻብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ሓይሊ: ነዚ ዘሐጕስ መልእኽቲ ተስፋ ንምእዋጅ ቈሪጽና ኢና። እንተዀነ ግን: ሕማም ወይ ካልእ ጸገማት ነዚ ንኸይንገብር እንተ ዓገተናኸ፧ እቲ ሳልሳይ ተዛራባይ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ‘የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ካብ ዓቕምና ንላዕልን ከነማልኦ ዘይንኽእልን ኣይኰነን’ በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ነታ “እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” እትብል ሚክያስ 6:8 ብዝርዝር ገለጻ።

ዓለም ዘለዋ ስነ⁠-​ምግባራዊ ብልሽውና ንክርስትያናት ክጸልዎም ስለ ዝኽእል: “ንልብና ብምሕላው ንጽህናና ንሓሉ” ኻብ ዝብል ዝርርብ ኵላትና ተጠቒምና ኢና። ንኣብነት: ንጽህናና ምሕላው ኣብ ሓዳር ሓጐስ ከም ዝሰፍን ይገብር። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ጾታዊ ርኽሰት ምፍጻም ክንሓስቦ እውን የብልናን።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:18

ኣብቲ “ካብ ጥበራ ተጠንቀቑ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ብኸሓድቲ ንዝዝርጋሕ ተጠውዩ ዝቐርብ ሓበሬታ: ምሉእ ሓቂ ዘይኰነ ሓሳባት: ከምኡውን ዓይኒ ዘይብሉ ሓሶት ከም መርዚ ጌርና ኽንርእዮ ኸም ዘሎና ተነጊሩና። (ቈሎሴ 2:8) ብተመሳሳሊ: ሓጥእ ባህግታትና እናሰዓብና ኻብ ሕማቕ ሳዕቤናት ከነምልጥ ከም እንኽእል ጌርና ንርእስና ክንጥብራ የብልናን።

ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ዝርርብ “ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኹ” ዝብል ነበረ። ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ኣስጋኢ እናዀነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: የሆዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ጽድቂ ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! ኣብኣ ዝነብሩ ግን መን እዮም፧ እቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ጥራይ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ንዓና: ንደቅና: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባት ምእንቲ ኽትሕግዘና ተባሂሉ: ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ ሓዳስ ንመጽናዕቲ እትኸውን መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት እቲ ተዛራባይ ሓበረ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምርካብናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና!

ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ንሰናይ ቀናኣት ምዃን ጐልሐ

ቀንዲ ኣርእስቲ ናይታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ “ስለ እቲ ሰናይ ቀናኣት ኩኑ” ዝብል ነበረ። (1 ጴጥሮስ 3:13) እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ዕለት ጥቕሲ ኣቕረበ። ዕለት ጥቕሲ ስርዓታዊ ዄንካ ብዝግባእ ምንባብ ንቕንኣትና ኸም ዘዕብዮ እውን ገለጸ።

ድሕሪኡ “ንኣገልግሎቶም ክብሪ ዝህቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ቐረበ። እቲ ቐዳማይ ክፋል ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ከነማቕል ከም ዝግባእ ዘጕልሕ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ምጥቃምና ኣብ ህይወት ሰባት ‘ንኽዓዪ’ መገዲ ይኸፍት እዩ። (እብራውያን 4:12 ትርጕም 1990 ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና ኽንዛረብን ካብኡ ተበጊስና ኸነረድእን ኣሎና። እቲ ኻልኣይ ክፋል ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ብተደጋጋሚ ኽንከዶም ዘተባብዕ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 3:6) ንዅሎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ብቕልጡፍ ተመሊስና ንኽንከዶም ምድላውን ድፍረትን ዝሓትት እዩ። ኣብቲ ሳልሳይ ክፋል ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ንዅሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ጌርና ኽንርእዮም ከም ዘሎና ሓሳብ ተዋህበ። ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ምሕታት ደቀ መዛሙርቲ ንክዀኑ ናብ ምሕጋዝ ክመርሕ ከም ዝኽእል ድማ ተገልጸ።

እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ዝርርብ “‘ከየባተኽና ኽንጽሊ’ ዘድለየሉ ምኽንያት” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወቶም ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኽደልዩ እዩ ዝምሕጸኖም። ናይ ብሕቲ ጸሎት ንምግባር ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚውን: የሆዋ ንጸሎትና ዝህበና መልሲ ንኽንጽረልና ግዜ ኽወስድ ስለ ዝኽእል: ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና።​—⁠ያእቆብ 4:8

“መንፈሳዊ ዕላል ይሃንጽ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ዝርርብ: ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንርእስናን ንኻልኦትን ብዝጠቅም መገዲ ኣብ መዓላ ኸነውዕሎ ዘተባብዕ ነበረ። (ፊልጲ 4:8) ሰብ ሓዳርን ውሉዳትን መዓልቲ መዓልቲ መንፈሳዊ ዕላል ከዕልሉ የድልዮም እዩ። ከምዚ ንምግባር ምእንቲ ኽጥዕም ኣባላት ሓንቲ ስድራ​ቤት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ብሓባር መኣዲ ኽምገቡ ኣለዎም: በዚ ኸምዚ ድማ ሃናጺ ዕላል ክገብሩ ይኽእሉ።

እቲ ናይ ንግሆ ፕሮግራም “ህይወትካ ምውፋይን ጥምቀትን ብኸመይ ናብ ድሕነት ከም ዝመርሕ” ብዘርእስቱ ልቢ ዝትንክፍ ዝርርብ እዩ ተዛዚሙ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት ፍልጠት ኣጥርዮም: ኣሚኖም: ተነሲሖም: ካብ ግጉይ መገዶም ተመሊሶም: ከምኡውን ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም እዮም። ድሕሪ ጥምቀቶም እውን ብመንፈስ እናዓበዩ ክኸዱ: ቅንኣቶም ኰነ ሰናይ ባህሪኦም ከየጥፍኡ እቲ ተዛራባይ ተላበዎም።​—⁠ፊልጲ 2:15, 16

ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ “ዓቕምኹም ፍለጡ: ዓይንኹም ድማ ኣይተግፍሑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ክልተ ቐንዲ ነጥብታት ጐልሐ። ዓቕምኻ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቕምኻን ቦታኻን ውሱን ምዃኑ ምፍላጥ ማለት እዩ። ዓቕምኻ ምፍላጥ ዓይንኻ “ጥዕይቲ” ንኽትከውን ማለት ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸተተኵር ይሕግዝ። ከምዚ እንተደኣ ጌርና: የሆዋ ዘድልየና ስለ ዘማልኣልና: ክንጭነቕ የብልናን።​—⁠ማቴዎስ 6:22-24, 33, 34

እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ተዛራባይ “ብግዜ ጸበባ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ግበሩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ የሆዋ እንውከለሉ ምኽንያት ገለጸ። ንድኽመታትናን ንቝጠባዊ ዀነ ናይ ጥዕና ጸገማትን ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ የሆዋ ጥበብ ክህበና ንለምኖ: ካብ ካልኦት ድማ ሓገዝ ንሕተት። ኣብ ክንዲ እንስምብድ ወይ እንሕለል: ቃሉ ብምንባብ ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ኸነደልድሎ ንኽእል ኢና።​—⁠ሮሜ 8:35-39

እቲ ናይ መወዳእታ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ “ብርታዐ እምነትና ብእተፈላለየ ፈተናታት ይፍተን” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ቐዳማይ ክፋል ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መስጐጕቲ ኸም ዝወርዶም ዘዘኻኽር ነበረ። መስጐጕቲ ንምስክርነት ክጠቅም ይኽእል: እምነትና የበራትዕ: ከምኡውን ንኣምላኽ ተኣማንነትና ኸነርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ህይወትና ብዘይ​ረብሕ ምኽንያት ኣብ ሓደጋ ኸነእትዋ ዘይንደሊ እኳ እንተ ዀንና: ካብ መስጐጕቲ ንኸነምልጥ ኢልና ግን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባር ኣይንገብርን ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:16

እቲ ኻልኣይ ተዛራባይ ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ምስ ገለልትነት ንእተተሓሓዘ ሕቶታት መልሲ ሃበ። ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣምላኽ እሙናት እዮም ነይሮም። ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብተመሳሳሊ: ነቲ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ተጠንቂቖም እዮም ዝስዕብዎ። (ዮሃንስ 15:19) ብሃንደበት ናይ ገለልትነት ፈተናታት ከጋጥመና ስለ ዝኽእል: ስድራ​ቤታት ብዛዕባዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ክምርምራ ኣለወን። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ድማ ቀንዲ ዕላማ ሰይጣን ክቐትለና ዘይኰነስ: ዘይእሙናት ንኽንከውን ጸቕጢ ኸውርደልና ኸም ዝዀነ ተገሊጹ። ንዝወርደና ጸርፊ: ጾታዊ ርኽሰት ንኽንፍጽም ዝግበረልና ጸቕጢ: ስምዒታዊ ስቓይ: ከምኡውን ሕማምና ብተኣማንነት ምስ እንጻወር: ንየሆዋ ውዳሰ ነምጽኣሉ ኢና።

እቲ “ንየሆዋ ቕረብዎ” ዝብል ልቢ ዝትንክፍ ጻውዒት: ኣርእስቲ ናይቲ በታ መዓልቲ ዝቐረበ ናይ መዛዘሚ ዝርርብ እዩ ነይሩ። ቀንዲ ባህርያት የሆዋ ናብኡ ንኽንቀርብ የኽእለና እዩ። ንህዝቡ ብፍላይ ብመንፈሳዊ መገዲ ንምዕቋብ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ይጥቀም እዩ። ፍትሑ ርሕራሐ ዘይብላ ኣይኰነትን: የግዳስ ጽድቂ ንዝገብር ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽህቦ ትድርኾ እያ። ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ​ፍጹማት ሰባት ገይሩ ኸም ዝጸሓፍ ምግባሩ ጥበቡ ተራእያ እያ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እታ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ደቅሰብ ንምድሓን ምድላው ንኽገብር ዝደረኸቶ ፍቕሪ እትምስጥ እያ። (ዮሃንስ 3:16) እቲ ተዛራባይ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ብምሕባር ነቲ ዝርርቡ ዛዘመ።

ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ንሰናይ ግብሪ ምቕናእ ተተኰረሉ

ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ህዝቢ” ዝብል ነበረ። (ቲቶስ 2:14) ፈለማ ሓንቲ ስድራ​ቤት ናይ ዕለታዊ ጥቕሲ ምይይጥ ብምግባር እቲ ኣኼባ ብጽቡቕ ተጀመረ። ድሕሪኡ “እምንቶኹም ኣብ የሆዋ ዲኹም ጌርኩም ዘለኹም፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ቀረበ። ህዝብታት ኣብ ጥበቦምን ብርታዐኦምን ብምውካል እምንቶኦም ኣብ ዘይረብሕ ነገራት እዮም ገይሮም ዘለዉ። ብኣንጻሩ ግን ኣገልገልቲ የሆዋ ዋላ እውን ጥፍኣት እንተ መጸ: ተሓጒሶም ብትብዓት ኣብ የሆዋ እዮም ዝውከሉ።​—⁠መዝሙር 46:1-3, 7-11

እቲ “መንእሰያት​—⁠ምስ ማሕበር የሆዋ ብምሕባር ንመጻኢ ሸቶ ኣውጽኡ” ዘርእስቱ ዝርርብ ‘ሓደ መንእሰይ ዝበለጸ ህይወት ከሕልፍ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧’ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝህብ ነበረ። ደድሕሪ ገንዘብ: ጥሪት: ወይ ዝና ብምስዓብ እዚ ኽርከብ ኣይክእልን እዩ። ፈጣሪና ንመንእሰያት ብግዜ ንእስነቶም ክዝክርዎ ብፍቕሪ ተላብይዎም እዩ። እቲ ተዛራባይ ገና ብንእስነቶም ከለዉ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንእተጸምዱ ገለ መንእሰያት ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም: ዝረኸብዎ ሓጐስ ድማ ርኢናዮ ኢና። መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ማሕበር የሆዋ ንዘለኣለም ንምሕባር መሰረት ከንብሩ እትሕግዞም መንእሰያት​—⁠ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧ ዘርእስታ ሓዳስ ትራክት ምርካብና ብዙሕ ኢና ተጠቒምና።

ድሕርዚ “ኣብ ግዜ ጸበባ ጽኑዓት ኩኑ” ዘርእስቱ መሳጢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ቐረበ። እዚ ድራማ እዚ ኤርምያስ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ የሩሳሌም ክሳዕ እትዓኑ ብቕንኣት ከም እተነበየ ዘርኢ ነበረ። ኤርምያስ ነቲ ዕዮ ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ: እንተዀነ ግን: ምጽራር እውን እናኣጋጠሞ ዕዮኡ ፈጺሙ፣ የሆዋ ድማ ካብ ሞት ኣድሒንዎ እዩ።​—⁠ኤርምያስ 1:8, 18, 19

ደድሕሪ እቲ ድራማ “ልክዕ ከም ኤርምያስ ቃል ኣምላኽ ከይፈራህኩም ኣውጁ” ዘርእስቱ ዝርርብ ቐረበ። ብዛዕባ እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ግጉይ ሓበሬታ ይዝርጋሕ: ኰነ ኢልካ ሃሳዪ ፕሮፓጋንዳ ድማ ይፍኖ እዩ። (መዝሙር 109:1-3) እንተዀነ ግን: ልክዕ ከም ኤርምያስ በቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ሓጐስ ተሓጊዝና ንዘጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። እቶም ዝቃለሱና ኸም ዘይዕወቱ ድማ ንተኣማመን ኢና።

ቀጺሉ ዝቐረበ “ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ይቀያየር ኣሎ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ምስዚ እዋንና ዝሰማማዕ እዩ። ኣብዚ ግዜና ዓበይቲ ለውጥታት ይርአ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዅነታት እዚ: እንተላይ እቲ “ሰላምን ደሓንን” ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ናብታ እተፍርህ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዝመርሕ ይገልጸልና እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:3) ድሕሪኡ ውግእ: ገበን: ዓመጻ: ከምኡውን ሕማም ስለ ዘይህሉ: ዘደንቕ ለውጢ ኽመጽእ እዩ። እምበኣር ዘለናዮ ግዜ ኣብዚ ኣገባብ እዚ እንውከለሉ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ውፉያት እንዀነሉን ንጽህናና እንሕልወሉን እዋን እዩ።

ቀጺሉ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽማቝ ሓሳባት ቀረበ: ደድሕሪኡ ድማ “ከም ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ዕዙዛት ኩኑ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ቀረበ። እቲ ተዛራባይ: እቲ ኣኼባ ብመንፈሳዊ መዳይ ብኸመይ ከም ዝጠቐመናን ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ብኸመይ ከም ዘኽኣለናን ሓበረ። ኣብ መዛዘሚ ንጹሃትን ፈቃራትን ቀናኣትን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ምሕጽንታ ቐረበልና።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:12

ልክዕ ከምቶም ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣብቲ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዝረኸብናዮ መንፈሳዊ በረኸታት እናተሓጐስና ናብ ቤትና ኸም እተመለስና ኣየጠራጥርን እዩ። (ነህምያ 8:12) ካብዚ ዘነቓቕሕ ኣኼባ እዚ: ቀናእ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ንኽትቅጽል ዘኽእለካ ሓጐስን ቈራጽነትንዶ ኣይረኸብካን፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ሓዳስ መጽሓፍ!

እቶም ኣብ ምዝዛም ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተረኽቡ: ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብምውጽኣ ተሓጒሶም እዮም። እቶም ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ዝወድኡ ሰባት ንኸጽንዕዋ እያ ተዳልያ: ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ከም እተበራትዖም ድማ ኣየጠራጥርን እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW

[ምንጪ ስእሊ]

Image on book cover: U.S. Navy photo

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ እትሕግዝ መጽሓፍ

እቲ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ዘቕረበ ተዛራባይ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ሓቢሩ ነይሩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣርባዕተ ኽፋላት ዘለዋ ዀይና: ነተን ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ ማለት ሓይሊ: ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ፍቕሪ ሓሓደ ኽፋል ተዋሂብወን ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል የሱስ ክርስቶስ ንባህርያት ኣምላኽ ብኸመይ ብግብሪ ኸም ዘርኣየና ዝገልጽ ንጹር ኣብነታት ዝሓዘ ምዕራፍ ኣለዋ። ቀንዲ ዕላማ ናይዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ንዓናን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮምን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቅን ድልዱልን ርክብ ንኸነማዕብል ምእንቲ ኽትሕግዘና እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንመንእሰያት ዝኸውን መንፈሳዊ መምርሒ

ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ እታ መንእሰያት​—⁠ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧ ዘርእስታ ፍልይቲ ትራክት ወጺኣ እያ። እዛ ትራክት እዚኣ ንመንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጻኢኦም ቅኑዕ ውሳነ ንኽገብሩ እትሕግዝ ኰይና: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንዘለኣለም ከገልግሉ መሰረት ዝዀኖም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ትህብ እያ።