ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ

ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ

ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ

ኣስታት 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘቘሞ ድራር ጐይታ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። ካብቲ ኽበዓል ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ሰባት ሓያል ጽልዋ ነበሮ። ብዙሓት ሰባት በቲ ብዛዕባ እታ ምሸት እቲኣ ዝገልጽ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዘሎ ዛንታ ልቦም ስለ እተተንከፉ: ብእተፈላለየ መገድታት ከብዕልዎ ይጽዕሩ እዮም።

የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንሰዓብቱ በብግዜኡ ነዚ በዓል እዚ ኽዝክርዎ ስለ ዝኣዘዞም: እዚ ጻዕርታት እዚ ዘገርም ኣይኰነን። ብንጹር “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢልዎም እዩ።​—⁠ሉቃስ 22:19፣ 1 ቈረንቶስ 11:23-25

ልክዕ እዩ: እዚ በዓል እዚ ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ንክኸውን ብዛዕባኡ ኸምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ተገሊጹ ዘሎ ጌርካ ርጡብ ምርዳእ ክህልወካ የድሊ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዝበዓለሉ እዋንን ኣገባብን ብዝምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምኽባር ሞቱ ንምዝካር ረቡዕ ምሸት 16 ሚያዝያ 2003 ኣኼባታት ክገብሩ እዮም። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝምርምሩሉ: ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነትን ፍቕርን ዘንጸባርቑሉ እዋን እዩ። ነዚ ብዝምልከት የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) ንስኻውን እምነትካ ምእንቲ ኽትድልድልን ንየሱስ ክርስቶስን ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኣምላኽን ዘሎካ ፍቕሪ ምእንቲ ኽዓምቝን ምሳና ኽትእከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።